ኤርምያስ
2 ጓል ጽዮን ከም ሓንቲ ጽብቕትን ተነቃፊትን ትመስል።+
3 ጓሶትን መጓሰታቶምን ኪመጹ እዮም።
4 “ክትዋግእዋ ተዳለዉ!*
ተንስኡ እሞ ብቐትሪ ነጥቅዓያ!”
“መዓልቲ ይመሲ፡
ጽላሎት ምሸት ድማ ይነውሕ ኣሎ እሞ፡ ወይለና!”
5 “ተንስኡ እሞ ብለይቲ ነጥቅዓያ፣
እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ነፍርስ።”+
6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦
“ዕንጨይቲ ቝረጹ፡ ንየሩሳሌም ዕርዲ ኸበባ ዀምሩላ።+
ተሓታቲት ክትከውን ዘለዋ ኸተማ እያ፣
ኣብ ውሽጣ ብዘይካ ጭቈና ኻልእ የልቦን።+
ዓመጻን ጥፍኣትን ኣብኣ ይስማዕ ኣሎ፣+
ሕማምን መዓትን ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ።
9 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦
“ከምቲ ኣብ ተኽሊ ወይኒ ንዝተረፈ ናይ መወዳእታ ፍረ ወይኒ ዚገብርዎ፡ ንተረፍ እስራኤል ጠሪሶም ኪቕርምዎ እዮም።
ከምቲ ኻብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ወይኒ ዚኣሪ፡ ኢድካ መሊስካ ዘርግሕ።”
10 “ንመን ክዛረብን ከጠንቅቕን እየ፧
መንከ ኺሰምዕ እዩ፧
እንሆ፡ ኣእዛኖም ከየቕልባስ ተዓጽየን እየን።*+
እንሆ፡ ቃል የሆዋ ንዑቕ ኰይንዎም ኣሎ፣+
ብእኡ እውን ባህ ኣይብሎምን እዩ።
11 ስለዚ፡ ብነድሪ የሆዋ መሊአ ኣለኹ፣
ምሓዙ ድማ ኣድኪሙኒ ኣሎ።”+
“ኣብ ጐደና ኣብ ዘሎ ቘልዓ፡+
ብሓባር ኣብ እተኣከቡ ኣጕባዝ ክዓዎ።
15 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧
ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም!
ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+
ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም።
ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም” ይብል የሆዋ።
16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ኢልኩም ርኣዩ።
ንሳቶም ግና፡ “ብእኣ ኣይንመላለስን ኢና” ይብሉ።+
17 “ኣነ ድማ፡ ‘ናብ ደሃይ መለኸት ኣቕልቡ!’+
ዚብል ሓላዊ ሸምኩ።”+
ንሳቶም ግና፡ “ኣይነቕልብን ኢና” በሉ።+
18 “ስለዚ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ!
ኣቱም ኣኼባ፡
እንታይ ከም ዚዀኑ ፍለጡ።
19 ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ!
ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም ኣይቅቡልን እዩ፣
መስዋእቲ ሕሩድኩም ባህ ኣየብለንን እዩ።”+
21 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
22 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ምድሪ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣
ዓብዪ ህዝቢ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺነቅሕ እዩ።+
23 ቀስትን መዝረቕን ይሕዙ።
ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም።
ድምጾም ከም ባሕሪ ይሃምም።
ኣብ ኣፍራስ ድማ ይውጥሑ።+
ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ከም ተዋጋኢ ሰብኣይ ኣንጻርኪ ይስለፉ።”
24 ብዛዕባኡ ወረ ሰሚዕና ኢና።
25 ጸላእስ ሰይፊ ኣለዎ፡
ሽበራ ድማ ኣብ ዙርያ ኣሎ እሞ፡
ናብ መሮር ኣይትውጽኢ፡
ብመገዲ ኸኣ ኣይትኺዲ።
26 ኣቲ ጓል ህዝበይ፡
ማቕ ተኸደኒ፡+ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ በሊ።
እቲ መጥፍኢ ብሃንደበት ኪመጸኪ እዩ እሞ፡+
ከም ንሓደ ወዳ ጌርኪ ብመሪር ዋይዋይታ ሕዘኒ፣+
27 “ኣብ መንጎ ህዝበይ መርማሪ ብረት፡
ኣጸቢቑ ዚፍትሽ ፈታሺ ገይረካ ኣለኹ፣*
መገዶም ከኣ ፍለጥን መርምርን።
ከም ነሓስን ሓጺንን እዮም፣
ኵላቶም ብልሹዋት እዮም።
29 መናፍሕ ሓሪሩ ኣሎ።
ካብ ሓዎም ዓረር ወጺኡ።
30 የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡+
ድርባይ ብሩር ኢሎም ብርግጽ ኪጽውዕዎም እዮም።”