ቃል የሆዋ ህያው እዩ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
መብዛሕትኡ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙራት ስለ ዝዀነ: እቲ “መዝሙር” ዚብል ስም ንዓኣ ዚበቅዕ እዩ። እዛ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነውሐት መጽሓፍ: ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽን ግብርታት ሓይሉን ዚገልጽ: ከምኡውን ሓያሎ ትንቢታት ዚርከቦ ብጽቡቕ እተቐናበረ መዝሙራት ኣለዋ። መብዛሕትኡ መዝሙራት: እቲ ጸሓፍቱ ጸበባ ኼጋጥሞም ከሎ እተሰምዖም ስምዒታት እዩ ዚገልጽ። እዚ መግለጺታት እዚ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዚኸውን እዋን: ማለት ካብ ግዜ ነብዪ ሙሴ ኽሳዕ እቲ ድሕሪ ምርኮ ዘሎ ግዜ ዚሽፍን እዩ። ጸሓፍቱ ኸኣ ሙሴን ንጉስ ዳዊትን ካልኦትን እዮም ነይሮም። እዝራ እቲ ኻህን ድማ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ናይ መወዳእታ መልክዓ ኸም እትሕዝ ገይሩ ጠርኒፍዋ እዩ።
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ: መጽሓፍ መዝሙር ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ወይ ጕጅለ መዝሙራት ተመቒላ ነይራ:- (1) መዝሙር 1-41: (2) መዝሙር 42-72: (3) መዝሙር 73-89: (4) መዝሙር 90-106: (5) መዝሙር 107-150። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነተን ናይ መጀመርታ ጥርናፈ ኽንምርመረን ኢና። ብዘይካ ሰለስተ: ኵለን እተን ኣብዚ ኽፋል ዚርከባ መዝሙራት: እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እዩ ጽሒፍወን። መዝሙር 1, 10, 33 መን ከም ዘቀናበረን ኣይፍለጥን እዩ።
‘ኣምላኸይ ጸግዐይ እዩ’
እቲ ቐዳማይ መዝሙር: እቲ ብሕጊ የሆዋ ዚፍሳህ ሰብ ብጹእ ወይ ሕጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ: እቲ ኻልኣይ መዝሙር ብፍላይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይገልጽ።a ኣብዚ ጕጅለ መዝሙራት እዚ ብብዝሒ ንኣምላኽ ዚቐርብ ለመና ኣሎ። ንኣብነት: መዝሙር 3-5, 7, 12, 13, 17 ካብ ጸላእቲ ንምድሓን እተገብረ ለመናታት እዩ። መዝሙር 8 ንዕቤት የሆዋ: ምስ ድኽመት ወድሰብ ብምንጽጻር ተጕልሕ።
ዳዊት ንየሆዋ ኸም መዕቈቢ ህዝቡ ገይሩ ብምግላጽ: “ኣምላኸይ: ዝሀድመሉ ጸግዔይ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 18:2) የሆዋ ኣብ መዝሙር 19 ኸም ፈጣርን ወሃብ ሕግን: ኣብ መዝሙር 20 ኸም መድሓኒ: ኣብ መዝሙር 21 ከም መድሓኒ እቲ ዝቐብኦ ንጉስ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መዝሙር 23 ከም ሓደ ዓብዪ ጓሳ: ኣብ መበል 24 መዝሙር ከኣ ከም ግርማዊ ንጉስ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።
ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-
2:1, 2—እቲ ኣህዛብ ዚሓስብዎ “ኸንቱ” ነገር እንታይ እዩ፧ እቲ “ኸንቱ” ነገር: ሰብኣውያን መንግስትታት ንስልጣኖም ንምንዋሕ ዘለዎም ቀጻሊ ሓሳብ እዩ። ዕላማኦም ከም ዚፈሽል እተረጋገጸ ብምዃኑ ኸኣ እዩ ኸንቱ ተባሂሉ። ህዝብታት ብሓቂዶ ‘ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን መኺሮም’ ኪዕወቱ ይሓስቡ እዮም፧
2:7—እቲ “ምዱብ ምኽሪ” ወይ ‘ኣዋጅ እግዚኣብሄር’ (ትርጕም 1990) ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ ምዱብ ምኽሪ ወይ ኣዋጅ እዚ የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስቲ ዝኣተወሉ ኺዳን እዩ።—ሉቃስ 22:28, 29
2:12—ገዛእቲ ኣህዛብ ‘ነቲ ወዲ ዚስዕምዎ’ ብኸመይ እዮም፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ምስዓም መግለጺ ዕርክነትን ተኣማንነትን እዩ ነይሩ። ከምኡውን ንጋሻ ብሓጐስ እትቕበለሉ መገዲ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ነገስታት ምድሪ ነቲ ወዲ ኺስዕምዎ ወይ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ኪቕበልዎ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም።
3:ልዕለ-ጽሑፍ—እቲ ንገሊኡ መዝሙራት እተዋህበ ኣርእስትታት ንምንታይ ዕላማ እዩ ተዋሂቡ፧ እቲ ኣርእስትታት ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ኣብ መዝሙር 3 እንርእዮ: መንነት እቲ ጸሓፊ ይገልጽ: ብዛዕባ እቲ መዝሙር እተቐናበረሉ ዅነታት ከኣ ሓበሬታ ይህብ። ብዘይካዚውን: እቲ ልዕለ-ጽሑፍ ንዕላማ ወይ ንኣጠቓቕማ እቲ መዝሙር (መዝሙር 4, 5) ይገልጽ: ንሙዚቃ ዚምልከት መምርሒ (መዝሙር 6) ድማ ይህብ።
3:2—“ሴላ” እንታይ ማለት እያ፧ እዛ ቓል እዚኣ እንተ ብውልቂ ኣብ ዚዝመር መዝሙር ወይ መዝሙርን መሳሪሒ ሙዚቃን ብሓባር ኣብ ዚህልወሉ እዋን: ብስቕታ ዚግበር ምስትንታን እተመልክት ዕረፍቲ ምዃና እዩ ብሓፈሻ ዚእመነላ። እቲ ዕረፍቲ ነቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ ሓሳብ ወይ ስምዒት ንምጕላሕ እዩ ዚግበር። ስለዚ: መዝሙር ኪንበብ ከሎ: እዛ ቓል እዚኣ ኽትድመጽ የብላን።
11:3—እንታይ መሰረታት እዩ ዚፈርስ፧ እዚ እቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተሰረተሉ መሰረታት: ማለት ሕግን ስርዓትን ፍትሕን እዩ። እዚ ምስ ዚመዛበል: ማሕበራዊ ዕግርግር ይሰፍን: ፍትሒ ኸኣ ይጠፍእ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት “ጻድቕ” ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ኪውከል ኣለዎ።—መዝሙር 11:4-7
21:3—እቲ “ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ” እንታይ ትርጕም ዝሓዘለ እዩ፧ እቲ ዘውዲ ቓል ብቓሉ ይኹን ወይ ነቲ ዳዊት ዝረኸቦ ብዙሕ ዓወታት ዘምጽኦ ኽብሪ ዜመልክት ምሳልያዊ ነገር ይኹን ኣይተገልጸን። ይኹን እምበር: እታ ጥቕሲ ብትንቢታዊ መገዲ ነቲ የሱስ ብ1914 ካብ የሆዋ እተቐበሎ ዘውዲ ንግስነት ተመልክት እያ። እቲ ዘውዲ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ምዃኑ: ንግስናኡ ብሉጽ ምዃኑ ይሕብር።
22:1, 2—ዳዊት: የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ዀይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ዳዊት ካብ ጸላእቱ ኸቢድ ጸቕጢ ይወርዶ ኻብ ምንባሩ እተላዕለ: ‘ልቡ ኸም ስምዒ ዀነ: ኣብ ማእከል ኣምዑቱ ድማ መኸኸ።’ (መዝሙር 22:14) የሆዋ ኸም ዝሓደጎ መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ምስ ተሰቕለ: ከምዚ ተሰሚዕዎ እዩ። (ማቴዎስ 27:46) ቃላት ዳዊት ነቲ ሰብ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ ዚህልዎ ሓሳብ ዜንጸባርቕ እዩ። ኰይኑ ግን: ካብቲ ኣብ መዝሙር 22:16-21 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ከም እንርእዮ: ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ከም ዘየጥፍአ ንጹር እዩ።
ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-
1:1 ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ሰባት ክንተዓራረኽ የብልናን።—1 ቈረንቶስ 15:33
1:2 መዓልታዊ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክንሓስብ ኣሎና።—ማቴዎስ 4:4
4:4 ክንሓርቕ ወይ ክንኵሪ ኸለና: ዜጣዕሰና ነገር ምእንቲ ኸይንዛረብ ስቕ ምባል ጥበብ እዩ።—ኤፌሶን 4:26
4:5 መንፈሳዊ መስዋእትና “መስዋእቲ ጽድቂ” ኪኸውን ዚኽእል: ካብ ቅኑዕ ድራኸ እንተ መኒጩን ኣኻይዳና ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑን ጥራይ እዩ።
6:5 ብህይወት ንምንባር ዚድርኽ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያት ዚሕይል እንታይ ኣሎ፧—መዝሙር 115:17
9:12 የሆዋ ነቲ ብደም ገበነኛ ዝዀነ ምእንቲ ኪቐጽዕ ነቲ ዝፈሰሰ ደም ይምልከቶ: “ንኣውያት ጥቑዓት” ከኣ ኣይርስዖን እዩ።
15:2, 3፣ 24:3-5 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ሓቂ ኺዛረቡ: ካብ ናይ ሓሶት ማሕላን ሕሜትን ከኣ ኪርሕቑ ኣለዎም።
15:4 ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ መብጽዓ ኽሳዕ ዘይኣተና: ዋላውን ኣጸጋሚ እንተዀነ ቓልና ንምሕላው ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና።
15:5 ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ገንዘብ ብዘይግቡእ ከይንጥቀም ክንጥንቀቕ ኣሎና።
17:14, 15 እቶም ካብ “እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀኑ: ጥዑም ናብራ ኣብ ምንባርን ውሉዳት ኣብ ምዕባይን ውርሲ ኣብ ምውራስን እዮም ዜተኵሩ። ንዳዊት ኣብ ህይወቱ ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር ግን: ንኣምላኽ ‘ገጹ ምእንቲ ኺርእዮ’ ወይ ሞገስ የሆዋ ምእንቲ ኺረክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ምህላው እዩ። ዳዊት ንመብጽዓታትን መረጋገጺታትን የሆዋ ምስ ‘ነቕሐ: ብትርኢቱ ይጸግብ’ ወይ የሆዋ ምስኡ ብምህላዉ ይሕጐስ ነበረ። ንሕናውን ከም ዳዊት ልብና ኣብ መንፈሳዊ ሃብቲ ኸም ዜተኵር ክንገብሮዶ ኣይግባእን፧
19:1-6 ኪዛረብ ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ፍጥረት ንየሆዋ ኽብሪ ዚህቦ ኻብ ኰነ: ንሕና እንሓስብን እንዛረብን እነምልኽን ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕና ነዚ ኽንገብር ዘይግባእ፧—ራእይ 4:11
19:7-11 የሆዋ ዚሓቶ ብቕዓታት ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ኰን እዩ!
19:12, 13 ጌጋታትን ትዕቢትን ከነርሕቖ ዚግባእ ሓጢኣት እዩ።
19:14 ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ እንዛረቦን እንሓስቦን ነገር እውን ክንግደስ ኣሎና።
“ብንጽህናይ ትድግፈኒ”
ዳዊት ኣብቲ ኣብዚ ጕጅለ እዚ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ኽልተ መዝሙር: ንጽህናኡ ንምሕላው ከመይ ዝበለ ልባዊ ባህግን ሓያል ቈራጽነትን ኰን እዩ ኣርእዩ! “ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 26:11) ሓጢኣቱ ኺሕደገሉ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት: “ስቕ ኢለ ኸሎኹ: ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ” ብምባል ተኣመነ። (መዝሙር 32:3) ነቶም ንየሆዋ እሙናት ዘበሉ: “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” ብምባል መረጋገጺ ሃቦም።—መዝሙር 34:15
እቲ ኣብ መዝሙር 37 እተዋህበ ማዕዳ ንእስራኤላውያን ብዙሕ ጠቓሚ እዩ ነይሩ: ንሕናውን ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ኣገባብ እዚ ስለ እንነብር: ብዙሕ እዩ ዚጠቕመና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) መዝሙር 40:7, 8 ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብትንቢት ክትገልጽ ከላ: “እኔኹ መጻእኩ: ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ትብል። ኣብቲ ሎሚ ዝረኣናዮ ጥርናፈ ዚርከብ ናይ መወዳእታ መዝሙር: ዳዊት ድሕሪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣብ ዝነበረ ናይ ጭንቂ ዓመታት: ሓገዝ የሆዋ ሓተተ። “ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ” ኢሉ ድማ ዘመረ።—መዝሙር 41:12
ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-
26:6—ከም ዳዊት ብምሳልያዊ መገዲ ንመሰውኢ የሆዋ እንዞሮ ብኸመይ ኢና፧ እቲ መሰውኢ ነቲ የሆዋ ንመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ደቅሰብ ኪኸውን እተቐበለሉ ፍቓድ እዩ ዜመልክት። (እብራውያን 8:5፣ 10:5-10) ስለዚ: ኣብቲ መስዋእቲ ዘሎና እምነት ብምርኣይ: ንመሰውኢ የሆዋ ንዞሮ።
29:3-9—ድምጺ የሆዋ ምስቲ ዜፍርህ ነጕዲ ምምስሳሉ: እንታይ ንምብራህ ተባሂሉ እዩ፧ ብሓጺሩ: የሆዋ ዜደንቕ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ።
31:23—ዕቡይ ብዙሕ ዚፍደ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ እቲ ዚፍደዮ መቕጻዕቲ እዩ። ጻድቕ ስለቲ ብዘይፍላጥ ዚገብሮ ጌጋታት: ካብ የሆዋ ብዚመጽእ ተግሳጽ ይፍደ እዩ። ዕቡይ ካብ ግጉይ መገዱ ስለ ዘይምለስ: ብሓያል መቕጻዕቲ ብዙሕ ይፍደ እዩ።—ምሳሌ 11:31፣ 1 ጴጥሮስ 4:18
33:6—እቲ “እስትንፋስ” ኣፍ የሆዋ እንታይ እዩ፧ እዚ እስትንፋስ እዚ እቲ ኣምላኽ ነቲ ግኡዝ ሰማያት ንምፍጣር እተጠቕመሉ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ወይ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥረት 1:1, 2) እስትንፋስ ኣፉ እተባህለ ኸኣ: ከም ሓያል እስትንፋስ ብምዃን: ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ነገር ንምፍጻም ኪለኣኽ ስለ ዚከኣል እዩ።
35:19—ዳዊት: እቶም ዚጸልእዎ በዒንቶም ከይጣቐሱሉ ምሕታቱ እንታይ የመልክት፧ ዓይኒ ምጥቃስ: ጸላእቲ ዳዊት በቲ ዝኣለሙሉ ውዲት ባህ ይብሎም ምንባሩ የመልክት። ዳዊት ከምዚ ኸይከውን እዩ ዝለመነ።
ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-
26:4 ምስቶም በቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዚግበር ምይይጥ ዚጥቀሙ ኣምሰሉታት: ምስቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ንኼታልሉና ኢሎም ፈተውትና ዚመስሉ ሰባት: ምስቶም ቅኑዓት ዚመስሉ ኸሓድቲ: ከምኡውን ምስቶም ክልተ ዓይነት ህይወት ዚመርሑ ዘይምቅርራብና ጥበብ እዩ።
26:7, 12፣ 35:18፣ 40:9 ንየሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኽንውድሶ ኣሎና።
26:8፣ 27:4 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ነፍቅሮ ዲና፧
26:11 ዳዊት ንጽህናኡ ንኺሕሉ ዝገበሮ ቘራጽነት እናገለጸ ኽነሱ: ንድሕነት ግን ለመነ። እወ: ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና: ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።
29:10 የሆዋ ኣብ ማይ ኣይሂ ምቕማጡ: ንሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቈጻጸሮ የመልክት።
30:5 እታ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ: ፍቕሪ ደኣ እምበር: ቍጥዓ ኣይኰነትን።
32:9 የሆዋ ኸም ብልባብ ወይ ብሓለንጊ ዚእዘዝ በቕሊ ወይ ኣድጊ ኽንከውን ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ፍቓዱ ተረዲእና ፈቲና ኽንእዘዞ እዩ ዚደሊ።
33:17-19 ስርዓት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ይሓይል ብዘየገድስ: ድሕነት ኣየምጽእን እዩ። ኣብ የሆዋን መንግስቱን ክንውከል ኣሎና።
34:10 እዝስ ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቡ: ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ዀን እዩ!
39:1, 2 እኩያት ሰባት: ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ንምጕዳእ ሓበሬታ ምስ ዚደልዩ: ‘ንኣፍና ብልጓም ብምግታእ’ ስቕ ምባልና ጥበብ እዩ።
40:1, 2 ንየሆዋ ምጽባይና: ንጭንቀት ንኽንዋጽኣሉን “ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት . . . ካብቲ ረግረግ ጸብሪ” ንኽንወጽእን ይሕግዘና።
40:5, 12 በረኸትና “ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ” ምዃኑ እንተ ዘይረሲዕና: መከራና ዀነ ብሕታዊ ጕድለታትና ኣመና ይብዛሕ ብዘየገድስ ኣይደቝሰናን እዩ።
የሆዋ “ይባረኽ”
እቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ጥርናፈ ዚርከብ 41 መዝሙራት ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕን ዜተባብዕን ኰን እዩ! ብፈተናታት ንሳቐ ንሃሉ ወይ ሕልናና ዘቝሰለና ንኹን: ካብዚ ኽፋል ሓያል ቃል ኣምላኽ እዚ ብርታዐን ምትብባዕን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 4:12) እዚ መዝሙራት እዚ ንናብራና ዜተኣማምን መምርሒ ዝሓዘ እዩ። ዝዀነ ይኹን ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ: የሆዋ ኸም ዘይሓድገና ብተደጋጋሚ መረጋገጺ ተዋሂቡና እዩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ጥርናፈ መጽሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር: ኣምላኽ እስራኤል: ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን: ኣሜን” ብዚብል ቃላት እዩ ዚዛዘም። (መዝሙር 41:13) ነዚ ኽፋል መጽሓፍ መዝሙር ድሕሪ ምምርማርና: ንየሆዋ ንኽንባርኾ ወይ ንኽንውድሶ ኣይንድረኽንዶ ኢና፧
[እግረ-ጽሑፍ]
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ህይወት ዘይብሉ ፍጥረት ንየሆዋ ኽብሪ ዚህብ ካብ ኰነ: ንሕና ግዳ ኸመይ ነዚ ኣብዚሕና ዘይንገብሮ!
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊት ንመብዛሕትአን እተን ናይ መጀመርታ 41 መዝሙራት ኣቀናቢርወን
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንየሆዋ ኸም ዓብዪ ጓሳ ገይራ እትገልጾ ኣየነይቲ መዝሙር ምዃና ትፈልጥዶ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
መዓልታዊ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ሕሰብ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Stars: Courtesy United States Naval Observatory
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Stars, pages 18 and 19: Courtesy United States Naval Observatory
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Stars: Courtesy United States Naval Observatory