ኣብ መላእ ዓለም ሕጕሳት ወደስቲ ንምዃን እተፈለዩ
“ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር: ኣመስግኑ: ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።”—መዝሙር 113:1
1, 2. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 113:1-3 ነቲ ቅንኢ ዘለዎ ውዳሴና ዝበቅዕ መን ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኢዩ ግቡእ ዝኸውን፧
የሆዋ ኣምላኽ ናይ ሰማይን ምድርን ዓቢ ፈጣሪ ኢዩ: ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ኣድማሳዊ ሉኣላዊና ኢዩ። ብቕንኢ ተላዒልና ክንውድሶ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዝበቅዕ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ መዝሙር 113:1-3 ከምዚ ኢሉ ዝእዝዘና:- “ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር: ኣመስግኑ: ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ። ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ይባረኽ። ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።”
2 ከም ናይ ኣምላኽ መሰኻኽር መጠን: ከምኡ ምግባር የሐጕሰና ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ: እዚ ሎሚ እንዝምሮ ዘሎና ዘሐጕስ መዝሙር ውዳሴ: ቀልጢፉ ንምልእቲ ምድሪ ከም ዝመልኣ ክገብር ምዃኑ ምፍላጥሲ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (መዝሙር 22:27) ድምጽኻ ኣብ መንጎ እዚ ዓቢ ዓለምለኻዊ መዘምራን ይስማዕዶ ኣሎ፧ ዝስማዕ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ ካብዛ ሕብረት ዘይብላ ዘይሕጕስቲ ዓለም ብምፍላይካ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ከሐጕሰካ ዝግብኦ!
3. (ሀ) ንህዝቢ የሆዋ ፍሉያት ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፍሉያት ዝዀንና በየኖት መገድታት ኢና፧
3 ሓቢርና ንየሆዋ ምውዳስና ብርግጽ ፍሉያት ኢዩ ዝገብረና። ተሰማሚዕና ኢና እንዛረብን እንምህርን: ነቲ ‘ዓቢ ሳህሊ [የሆዋ]’ ንምእዋጅ ከኣ ሓደ ዓይነት ኣገባባት ኢና እንጥቀም። (መዝሙር 145:7) እወ: ህይወቶም ዝወፈዩ ህዝቢ የሆዋ ከም ምዃና መጠን ንኣገልግሎት የሆዋ ኣምላኽና እተፈለና ኢና። ኣምላኽ ነቶም ጥንታውያን ውፉያት ህዝቡ እስራኤል ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ክፍለዩን በቲ ተግባራት ናይቶም ኣህዛብ ከይረኽሱን ነጊርዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 34:12-16) ንህዝቡ ነዚ ንምግባር ዝሕግዞም ሕግታት ሂብዎም ኢዩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ቅዱስ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኢዩ። መምርሒታቱ ካብዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ፍሉያት ክንከውን ከም እንኽእል የርእየና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምቶም ናይ ዓባይ ባቢሎን ፈለስትን ደናግልን ዝገብርዎ ኣብ ገዳማትን ደብርታትን ብምግላል ኣይንፍለን ኢና። ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ብምስዓብ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ የሆዋ ወደስቲ ኢና።
ነቲ ቀንዲ ናይ የሆዋ ወዳሲ ምሰሎ
4. የሱስ ንየሆዋ ናይ ምውዳስ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ ኢዩ፧
4 የሱስ ካብቲ ንየሆዋ ናይ ምውዳስ ዕላምኡ ፈጺሙ ኣላጊሱ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ዓለም ፍሉይ ገይርዎ ኢዩ። ኣብ ቤት ጸሎትን ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስን ኰይኑ ኸኣ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኣዊጁ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ከረን ይኹን ኣብ ገምገም ባሕሪ: ኰታ ህዝቢ ኣብ እተረኽብሉ ዘበለ ብግልጺ ብዛዕባ ሓቅታት የሆዋ ሰቢኹ ኢዩ። “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: . . . ኤመስግነካ [“ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውድሰካ:” NW ] አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 11:25) ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ፈተና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን ከይተረፈ የሱስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ብምባል መስኪሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:37) የሱስ ንኣገዳስነት ዕዮኡ ተገንዚብዎ ኢዩ። የሱስ: ኣብ እተረኽበሉ ዘበለ ቦታ ብዛዕባ የሆዋ መስኪሩን ብግልጺ ወዲስዎን ኢዩ።
5. መዝሙር 22:22 ኣብ መን ኢያ እትውዕል: ኣመለኻኽታናኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
5 ኣብ መዝሙር 22:22 ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ቀንዲ ወዳሲ: እዚ ዝስዕብ ትንቢታዊ ቃላት ንረክብ:- “ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም: ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ [“ክውድሰካ:” NW ] እየ።” ኣብ እብራውያን 2:11, 12 ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ኣብ ጐይታ የሱስን ናብቶም የሆዋ ኣምላኽ ንሰማያዊ ክብሩ ዝቐደሶም ሰባት ኣውዒልወን ኣሎ። ልክዕ ከምኡ ንስም የሆዋ ኣብ ማእከል ጉባኤ ክውድስዎ ኣይሓፍሩን ኢዮም። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታታት ክንእከብ ከሎና ከምዚ ዝበለ ናይ ኣእምሮ ኣመላኻኽታዶ ኣሎና፧ እቲ ኣብ ኣኼባታት ብኽልቲኡ ማለት ብኣእምሮን ብቓላትን እንገብሮ ውዕዉዕ ተሳትፎ ንየሆዋ ይውድሶ ኢዩ። ግናኸ እቲ ሓጐስ ዝመልኦ ውዳሴና ኣብዚ ዘብቅዕ ድዩ፧
6. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ዝሃቦም: ኣፍቀርቲ ብርሃን ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብዎኸ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ብመሰረት ማቴዎስ 5:14-16 ካልኦት ንየሆዋ ምእንቲ ክውድስዎ ጐይታ የሱስ ንሰዓብቱ ብርሃኖም ከብርሁ ኣዚዝዎም ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። . . . ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ኣፍቀርቲ ብርሃን ንኣምላኽ ክብሪ የምጽእሉ ኢዮም። ነዚ ግን ባህ ዘብል ናይ ግብረ ሰናይ ተግባራት ብምዝራብን ብምግባርን ጥራይ ድዮም ዝፍጽምዎ፧ ኣይኰኑን: ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ሓቢሮም ንየሆዋ ክብሪ ብምሃብ ኢዮም ዝፍጽምዎ። እወ: ኣፍቀርቲ ብርሃን ህይወቶም ንየሆዋ ይውፍዩ እሞ ሕጕሳት ወደስቱ ድማ ይዀኑ። እዚ ሓጐስ ዘለዎ ስጕምቲ እዚዶ ወሲድካ ኣሎኻ፧
ንየሆዋ ብምውዳስ ዝርከብ ሓጐስ
7. ወደስቲ የሆዋ ኣዝዮም ሕጕሳት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም: ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ዓይነት ሓጐስ ኢዩ ዝነበሮም፧
7 ወደስቲ የሆዋ ኣዝዮም ሕጕሳት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ሓጐስ ፍረ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢያ። ኣብ ገላትያ 5:22 ደድሕሪ ፍቕሪ ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዛ ፍረ መንፈስ የሆዋ ዝዀነት ባህሪ ኣንጸባሪቖምዋ ኢዮም። እወ: ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. መዓልቲ ጴንጠቈስጠ ኣምላኽ መንፈሱ ኣብ ልዕሊ እቶም 120 ዝዀኑ ደቀ መዘሙርቲ የሱስ ምስ ኣፍሰሰ: ኵሎም ብእተፈላለየ ቋንቋታት ገይሮም ንኣምላኽ ክውድስዎ ጀመሩ። ካብ እተፋላለዩ ኣህዛብ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ኣኽብሮት ዝነበሮም ኣይሁድ “ተገረሙን ተደነቑን።” “በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና” በሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-11) እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት እተገብረ ዘደንቕ ውዳሴ የሆዋ እንታይ ኣፍረየ፧ 3,000 ዝዀኑ ኣይሁድን ኣይሁዳውያን ጵሮሰሊትን ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝምልከት ብስራት መንግስቲ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ተጠሚቖም: መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም: ከም ሕጕሳት ወደስቲ የሆዋ ብምዃን ከኣ ድምጾም ወሲኾም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:37-42) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ነይሩ!
8. ድሕሪ ጴንጠቈስጠ: ክርስትያናት ሓጐሶም ንምውሳኽ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧
8 እቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ: ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ: ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:46, 47) ሓቢሮም ምእካቦምን ምብላዖምን ድዩ ዓቢ ሓጐስ ኣምጺኡሎም፧ ኣይኰነን: እቲ ቀንዲ ሓጐሶም እተረኽበ ንየሆዋ ኣብ ጸጽባሕ ክውድስዎ ብምኽኣሎም ኢዩ። ኣሽሓት ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቶም ክምልስሉ ምርኣዮም ድማ ነቲ ሓጐሶም ወሲኹሉ ኢዩ። ሎሚውን ኣባና ተመሳሳሊ ኢዩ።
ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ዘለዉ ሕጕሳት ወደስቲ
9. (ሀ) ኣምላኽ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ዝርከቡ ሰባት ብስራቱ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክህቦም መዓስን ብኸመይን ኢዩ ጀሚርዎ፧ (ለ) ቆርኔሌዎስን ብጾቱን ቅድሚ ምጥማቖም መንፈስ ቅዱስ ዝወረዶም ስለምንታይ ኢዩ፧
9 የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ከም ጸወርቲ ብርሃን ኰይኖም ዝዓይዎ ዕዮ ኣብ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ክድረት ኣይደለዮን። ስለዚ ድማ ካብ 36 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት ብስራቱ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ ከፊቱሎም ኢዩ። ጴጥሮስ ብመሪሕነት ኣምላኽ ናብ ቤት ሓደ ኣብ ቂሳርያ ዝነብር ካብ ኣህዛብ ዝዀነ ሓለቓ ሰራዊት ከደ። ንቆርኔሌዎስ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹን ስድራቤቱን ተኣኪቡ ኸኣ ረኸቦ። ንቓላት ጴጥሮስ ጽን ኢሎም ምስ ሰምዕዎ ድማ ብልቦም ኣብ የሱስ ኣመኑ። ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብዞም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣመንቲ ወሪዱ ኢዩ። ከምቲ ልሙድ: ህያብ መንፈስ ኣምላኽ ዝወርድ ዝነበረ ድሕሪ ምጥማቕ ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግን የሆዋ ነዞም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት እዚኣቶም ቅድሚ ምጥማቖም ኢዩ ስምረቱ ኣርእይዎም። የሆዋ ከምኡ እንተዘይገብር ነይሩ: ጴጥሮስ ኣምላኽ ሽዑ ንኣህዛብ ከም ኣገልግልቱ ገይሩ ከም እተቐበሎምን ንማይ ጥምቀት ዝበቕዑ ምዃኖምን ርግጸኛ ክኸውን ኣይምኸኣለን ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35, 47, 48
10. ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ክውድስዎ ምዃኖም ኣቐዲሙ ካብ ጥንቲ እተነግረ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ: የሆዋ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ክውድስዎ ምዃኖም ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። ኣብ ኵለን ሃገራት ሕጕሳት ወደስቲ ክህልውዎ ኢዮም። ነዚ ንምርግጋጽ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ትንቢታት ጠቒሱ ኢዩ። ነታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ኣህጕራዊት ጉባኤ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ነገራ:- “ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ: ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ: እብል አሎኹ። ስለዚ ድማ: ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም: ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ [ኣብ መዝሙር 18:49]፤ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ: ዚብል: ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን [ኣብ ዘዳግም 32:43]፤ ኣቱም ኣህዛብ: ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ: ይብል። መሊሱ ኸኣ [ኣብ መዝሙር 117:1]፤ ኵላትኩም ኣህዛብ: ንጐይታ [“ንየሆዋ:” NW ] ኣመስግንዎ: ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ: ይብል።”—ሮሜ 15:7-11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
11. ኣምላኽ ነቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ሓቅታቱ ክመሃሩ ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ: ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧
11 ሰባት: ተስፍኦም ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝወጹ ሰባት ክገዝእ ዝሸሞ የሱስ ክርስቶስ እንተድኣ ዘየንቢሮም: ሓቢሮም ንየሆዋ ክውድስዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ ሓቅታቱ ምእንቲ ክግንዘብዎ: ኣምላኽ ኣህጕራዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ኣቘመ። በቲ እሙን ክፍሊ ባርያኡ ገይሩ መምርሒ ይህብ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ፧ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት በቲ ሕጕስ ድምጾም ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ውዳሰ የሆዋ ይዝምሩ ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦትውን ከምኡ ንምግባር ተገዳስነት የርእዩ ኣለዉ። ኣብቲ ናይ 1996 ዓመት ዝኽሪ ክንደይ ሰባት ከም እተኣከቡ እሞ ኣስተብህል:- 12, 921, 933። ዘደንቕ ኢዩ!
ሕጕሳት ወደስቲ ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ኣቐዲሙ ተነግረሎም
12. ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ስምዒትካ ዘለዓዕል ራእይ ኢዩ ዝረኣየ: ናይቲ ዝረኣዮ ራእይ ህያው ክውንነትከ እንታይ ኢዩ፧
12 ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ “ዓቢ ጭፍራ” ርኣየ። (ራእይ 7:9 NW ) እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ምስቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ተረፍ ኰይኖም ዝዝምርዎ ዘለዉ ናይ ውዳሴ መዝሙር ኣርእስቱ እንታይ ኢዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ።” (ራእይ 7:10) እዚ ብትብዓት ኣብ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ይእወጅ ኣሎ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጨነፍር ስየ ሒዝና ሓቢርና ንኣምላኽ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገይርና ልዕል ነብሎ ኢና: ኣብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን ከኣ ‘ምድሓንና’ ካብኡን ካብቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ወዱን ከም ዝዀነ ንእመነሉ ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ስምዒትካ ዘለዓዕል ትርኢት ናይዞም ዓቢ ጭፍራ ብምርኣዩስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተመክሮ ኰን ኢዩ ኣሕሊፉ! ንሕናውን ሕጂ ናይቲ ዮሃንስ ዝርኣዮ ራእይ ህያው ክውንነት ክንርኢ ምኽኣልና አረ ክፍሊ ናቱውን ክንከውን ምኽኣልናስ ከመይ ዘበለ ዘደንቕ ተመክሮ ኰን ኢዩ ዘሎና!
13. ንህዝቢ የሆዋ ካብ ዓለም ፍሉያት ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧
13 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ስሙ ክንጸውር የዅርዓና ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:10, 12) መሰኻኽር የሆዋ ምዃንና ካብዛ ዓለም እዚኣ ፍሉያት ኢዩ ዝገብረና። ነቲ ፍሉይ ስም ኣምላኽ ምጻርና: ነቲ ምፍጻም መለኮታዊ ዕዮኡ ኸኣ ከም ዕላማ ህይወትና ገይርና ምሓዝናንሲ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! የሆዋ በታ መንግስቱ ገይሩ ነቲ ቅዱስ ስሙ ንምቕዳስን ነቲ ኣድማሳዊ ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽን ዘለዎ ዓቢ ዕላማ ንህይወትና ትርጕም ሂብዎ ኢዩ። ኣብቲ ንስሙን መንግስቱን ዝምልከት መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ክህልወና ኸኣ ሓጊዙና ኢዩ። ነዚ ድማ ብሰለስተ መገድታት ኢዩ ገይርዎ።
ሕድሪ ሓቂ ምቕባል
14, 15. (ሀ) ኣምላኽ ኣብቲ ንስሙን መንግስቱን ዝምልከት መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ምእንቲ ክንረክብ ዝሓገዘና ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. ዝቘመት መንግስቲ ካብታ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እተገልበጠት መንግስቲ እተፈልየት እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧
14 ብመጀመርታ: የሆዋ ንህዝቡ ሕድሪ ሓቂ ሂብዎም ኢዩ። እቲ ዝያዳ ስምዒትካ ዘለዓዕል ራእይ: እታ መንግስቲ ብ1914 ክትገዝእ ምጅማራ ኢዩ። (ራእይ 12:10) እዛ ሰማያዊት ምምሕዳር እዚኣ ካብታ ካብ መስመር ዳዊት ዝዀኑ ነገስታት ዝነግሱላ ዝነበሩ ምሳልያዊት መንግስቲ የሩሳሌም እተፈልየት ኢያ። እታ መንግስቲ እቲኣ ተገልቢጣ ኢያ: ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኸኣ የሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይ ኣህዛብ ሓይልታት ዓለም ወዲቓ ኢያ። እታ የሆዋ ብ1914 ዘቘማ ሓዳስ መንግስቲ ንየሆዋ እንተዘይኰይኑ ንኻልእ ማንም ፈጺማ ዘይትግዛእን ዘይትጠፍእን ሰማያዊት ስልጣን ኢያ። (ዳንኤል 2:44) ኣገዛዝኣኣ እውን እተፈልየ ኢዩ። ብኸመይ፧ ራእይ 11:15 ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ኣብ ሰማይ ከኣ፤ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ: ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
15 እታ ‘ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን መንግስቲ’ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ናይ ደቅሰብ ዓለም ስልጣን ኣለዋ። እዚ ነቲ መሲሓዊ ወዱን ነቶም መብዛሕትኦም ሕጂ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ተንሲኦም ዘለዉ 144,000 ኣሕዋት የሱስን ዘጠቓልል: ናይ ሉዓላውነት የሆዋ ሓድሽ መግለጺ ናይ ትምህርቲ ባህጊ ማለት ተመሃሮ ክመያየጥሉ ባህ ክብሎም ዝኽእል ቲኦክራስያዊ ነገር ጥራይ ኣይኰነን። ኣይፋሉን: እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ክውንቲ ምምሕዳር ኢያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝርከብ ብፍጽምና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህ ዘብል ተስፋና ኸኣ ንኽንሕጐስ ብቑዕ ምኽንያት ኢዩ ዝህበና። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቃል የሆዋ ሓቅታት ሕድሪ ምርካብና ብዛዕብኡ ኵሉ ግዜ ጸቡቕ ክንዛረብ ይድርኸና። (መዝሙር 56:10) መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ኣብ ሰማያት ትገዝእ ከም ዘላ ንዅሉ ሰብ ብምንጋር ነዚ ኣዘውቲርካዶ ትገብሮ ኣሎኻ፧
ብመንፈስ ቅዱስን በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትን ደገፍ ምርካብ
16, 17. ኣምላኽ ኣብ መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ምእንቲ ክንረክብ ኢሉ ዝሓገዘና ካልኣይን ሳልሳይን መገድታት ኣየኖት ኢዮም፧
16 ኣምላኽ ኣብቲ መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ምእንቲ ክህልወና ዝሓገዘና ካልኣይ መገዲ መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ግሩም ፍረታቱ ኣብ ናብራና ከነፍርን ስምረት ኣምላኽ ክንረክብን የኽእለና።ኣብ ክልተ ዝኸፈልክዋ ክትበርህ ኢለ ኢየ (ገላትያ 5:22, 23) ወሲኹ ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ንሕና ግና: እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ [ኢና ተቐቢልና]።” (1 ቈረንቶስ 2:12) በቲ ንመንፈስ የሆዋ እንህቦ ምላሽ ኵልና ነቲ ንሱ ብሕያውነት ዝሃበና ሎሚ ዘሎ ሰናይ ነገራት ማለት ተስፋታቱ: ሕግታቱ: ስርዓታቱን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ሕጂ ክንፈልጦን ክንርድኦን ንኽእል ኢና።—ምስ ማቴዎስ 13:11 ኣረኣእዮ።
17 ኣምላኽ ዝሕግዘና ዘሎ ሳልሳይ መገዲ ድማ በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትናን እቲ ዘሐጕስ ንኣምልኾ ዝምልከት እተመሓደረ ናይ የሆዋ ምድላዋትን ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ምሉእ ማሕበር ኣሕዋት ከነፍቅር’ ክላበወና ከሎ ብዛዕብኡ ተዛሪቡ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:17 NW ) ከምቲ መዝሙር 100:2 “ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ: ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ” ብምባል ዝእዝዘና: እቲ ፍቕሪ ዘለዎ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣህጕራዊ ስድራቤትና ንየሆዋ ብዓቢ ልባዊ ሓጐስ ንኸነገልግሎ ይሕግዘና። ቍጽሪ 4 ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና: ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ: ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።” ስለዚ እምበኣር ኣብ ህዝቢ ክንሰብኽ ከሎና ይኹን ኣብ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ሓጐስ ክንርክብ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ውቁብ ኣጸድ ናይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስን ድሕንነትን ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና!
ንየሆዋ ብሓጐስ ወድስዎ!
18. ሽሕኳ ዘጻብበልና መስጐጕቲ ወይ ካልእ ጸገማት እንተወረደና ንየሆዋ ብምውዳስ ክንሕጐስ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ዝዀነ ይኹን ዘሸግር ኵነታት: መስጐጕቲ: ወይ ካልእ ግድላት የጽብበልና ብዘየገድስ: ኣብ ኣምልኾ ቤት የሆዋ ብምህላውና ጥራይ ንተሓጐስ። (ኢሳይያስ 2:2, 3) ሓጐስ ናይ ልቢ ባህሪ ምዃና ኣይትረስዕ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ጸገማትን ክሳራታትን እኳ የሕልፉ እንተነበሩ ሕጕሳት ወደስቲ የሆዋ ኢዮም ነይሮም። (እብራውያን 10:34) ሎሚ ዘለዉ እሙናት ብጾትናውን ልክዕ ከምኣቶም ኢዮም።—ማቴዎስ 5:10-12
19. (ሀ) እንታይ ተደጋጋሚ ትእዛዛት ኢዩ ንየሆዋ ክንውድሶ ዘለዓዕለና፧ (ለ) ዘለኣለማዊ ህይወትና ኣብ እንታይ እተመርኰሰ ኢዩ: ቈራጽነትናኸ እንታይ ኢዩ፧
19 እቶም ንየሆዋ እነገልግሎ ዘበልና ኵልና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንውድሶ ዝሃበና ትእዛዛት ክንሕልዎ ሕጕሳት ኢና። መጽሓፍ ራእይ ነቲ “ንያህ ወድስዎ” ዝብል መግለጺ ተጠቒማ ንውዳሴ የሆዋ ብተደጋጋሚ ኣብ መንጎ ኣእትያቶ ኣላ። (ራእይ 19:1-6 NW ) ኣብተን ሽዱሽተ ቍጽርታት ናይ መዝሙር 150 ንየሆዋ ክንውድሶ 13 ግዜ ተነጊርና ኣሎና። እዚ ኵሎም ፍጥረታት ኣብቲ ብሓጐስ ንውዳሴ የሆዋ ዝግበር መዝሙር ንኽሓብሩ ዝዕድም ኣድማሳዊ መጸዋዕታ ኢዩ። ዘለኣለማዊ ህይወትና ኣብዚ ዓቢ ናይ ሃሌሉያ ሓባራዊ መዝሙር ኣብ እንገብሮ ምክፋል እተመርኰሰ ኢዩ! እወ: እቶም ንዘለኣለም ዝነብሩ ሰባት እቶም ንየሆዋ ዘየቋርጽ ውዳሴ ዘቕርብሉ ጥራይ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: መወዳእታ እናቐረበ ብዝመጸ መጠን ምስታ እምንቲ ዓለምለኻዊት ጉባኤኡ ኣጸቢቕና ክንጠብቕ ቈሪጽና ኢና። ድሕርዚ እምበኣር: ነተን ናይ መዝሙር 150 ናይ መደምደምታ ቃላት ምሉእ ብምሉእ ተፈጺመን ክንርኢ ተስፋ ክንገብር ንኽእል ኢና:- “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ንህዝቢ የሆዋ ፍሉያት ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣዝዮም ሕጕሳት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ካብ ዓለም ፍሉያት ዝገብረና እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ምእንቲ ክህልወና ኣምላኽ በየኖት ሰለስተ መገድታት ገይሩ ኢዩ ዝሕግዘና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ: ኣብ እተረኽበሉ ዘበለ ቦታ ብዛዕባ የሆዋ መስኪሩን ብግልጺ ወዲስዎን ኢዩ