ሓጐስ ዘምጽእ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ
መጽሓፍ ቅዱስ “ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ” ይብል። (ምሳሌ 24:4) እዚ ዋጋ ዘለዎ ኽቡር ነገራት እዚ ስጋዊ ሃብቲ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ፍቕሪ: ኣምላኻዊ ፍርሂ: ከምኡውን ጽንዕቲ እምነት ዘጠቓልል ኢዩ። (ምሳሌ 15:16, 17፣ 1 ጴጥሮስ 1:7 ) ንኽንረኽቦም ግን ፍልጠት ኣምላኽ ናብ ኣባይትና ከነምጽእ ኣሎና።
እቲ ርእሲ ስድራቤት ነዚ ፍልጠት እዚ ንኣባላት ስድራቤቱ ክቐርጸሎም ሓላፍነት ኣለዎ። (ዘዳግም 6:6, 7፣ ኤፌሶን 5:25, 26፣ 6:4) ሓደ ካብቲ ነዚ ክገብረሉ ዝኽእል ዝበለጸ መገዲ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጸናዕቲ ኢዩ። እቲ መጽናዕቲ ብኽልቲኡ ማለት ክምህርን ከሐጕስን ብዝኽእል መገዲ እንተድኣ ቀሪቡ ነቶም ተሳተፍቲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ከብሎም ዝኽእል! ገለ ካብቲ ስሉጥ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምምራሕ ክርከብ ዝኽእል ጥቕሚ እስከ ንመርምር።a
ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ውጽኢት ኣለዎ። ኣብ ናይ ኣጋጣሚ መደባት ወይ ከኣ ብሃወኽ ኣብ ዝግበር ውሳነታት ጥራይ እተመርኰሰ እንተድኣ ኰይኑ: ምቹእ ኣጋጣሚ ሳሕቲ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። ስለዚ ነቲ መጽናዕቲ ዝኸውን ‘ግዜ ክትዕድግ’ ኣሎካ። (ኤፌሶን 5:15-17) ንዅሎም ዝጥዕም ስሩዕ ግዜ ክትመርጽ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ርእሲ ስድራቤት “ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ገይርና ከነካይዶ ጸገም ነይሩና ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: ኣጸቢቑ ምስ መሰየ ዝሰማማዓና ግዜ ክሳዕ እንረክብ እተፈላለየ ግዜ ፈቲንና ኢና። ሕጂ ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ስርዓታዊ ኢዩ” ብምባል ይእመን።
ሓንሳእ ዝሰማማዕ ግዜ እንተድኣ ረኺብካ: መተዓናቐፊታት ነቲ መጽናዕቲ ከጻብበልካ ኣይተፍቅደሉ። ማሪያ:b ሕጂ 33 ዝዕድሚኣ: ከምዚ ትብል:- “ጽንዓት እናገበርና ከሎና ኣጋይሽ እንተድኣ መጺኦም: ባባ ጽንዓት ክሳዕ እንውድእ ክጽበዩ ይውከሶም ነበረ። ተሌፎን እንተድኣ ተደዊሉ ኸኣ ነቲ ሰብ ጸኒሐ ባዕለይ ክድውለልካ ኢየ ይብሎ።”
ይኹን እምበር ከምዚ ክበሃል ከሎ እትተዓጻጸፈሉ ኣጋጠሚ የብልካን ማለት ኣይኰነን። ድንገታዊ ወይ ከኣ ዘይተሓስበ ኵነት ክለዓል ስለ ዝኽእል ሓድሓደ ግዜ ነቲ መጽናዕቲ ከተቋርጾ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ግዜ ከተመሓላልፎ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 9:11) እንተዀነ ግን ንዝዀነ ካብዚ ነገራት እዚ ነቲ ዘየቋረጽ መደብካ ከተዓናቕፎ ኣይተፍቅደሉ።—ፊልጲ 3:16
ሓደ መጽናዕቲ ንውሓቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ሮበርት እተባህለ ብዓወት ጓልን ወድን ዘዕበየ ኣቦ ከምዚ በለ:- “መጽናዕትታትና መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰዓት ኢዩ ዝጸንሕ ነይሩ። እቶም ቈልዑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ኣብ ዝነበርሉ ግዜያት: ኣብታ ሰዓት ከም ሒደት ቍጽርታት ካብ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ : እተመርጹ ገለ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ካብ ካልእ ጽሑፋት እተወስደ ክፍልታት ብምምርማር ንተገዳስነቶም ቀጻሊ ክንገብሮ ንፍትን ነበርና።” ማርያ ድማ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “እተን ክልተ ኣሓተይን ኣነን ኣዚና ንኣሽቱ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ መጽናዕትና ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ኰይኑ ን20 ደቒቕ ጥራይ ኢዩ ዝጸንሕ ነይሩ። እናዓበና ምስ ከድና ግን ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይጸንሕ ነበረ።”
እንታይ ኢና ከነጽንዕ ዘሎና፧
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንመጽናዕቲ ምስ ተኣከበ ነዚ ሕቶ እዚ ምሕሳብ ውጽኢቱ ብስጭትን ክቡር ናይ መጽናዕቲ ግዜ ምብኻንን ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ተገይሩ: ቈልዑ ክረኽብዎ ዝጽበዩ ንጹር ዝዀነ ነገር ኣይህልዎምን በዚ ኸምዚ ኸኣ ተገዳስነቶም ቀልጢፎም ከጥፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ንመጽናዕቲ ዝኸውን ሓደ ካብቲ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ኣቐዲምካ ምረጽ።
እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ክንመርጸሉ እንኽእል ኣኽል-ታርፍ ጽሑፋት ኣዳልዩልና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) ምናልባት እቲ ስድራቤት ኣጽኒዕዎ ዘይፈልጥ መጽሓፍ ክትጥቀም ትኽእል። ናይ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ጥራዛት (እንግሊዝኛ) ብቛንቋኻ እንተድኣ ኣልዩ ካብኡ እተመርጸ ገለ ክፋላት ክትምርምርሲ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ንኣብነት ቀቅድሚ ድራር ጐይታ ኣብ ዘሎ ሰሙናት ነቲ ብዛዕባ ድራር ጐይታ ዝዛረብ ዓንቀጽ ክትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዝጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛ ብምድላው ይሕጐሱ ኢዮም። እንተዀነ ግን እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ተወሳኺ ዓንቀጻት እውን እንተዀነ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ብሉጽ ትምህርቲ ኣለዎ። ኣየኖት ጽሑፋት ክጽንዑ ከም ዘለዎም ክውስን ዝኽእል እቲ ናይታ ስድራቤት መንፈሳዊ ድልየት ዝፈልጥ ርእሲ ስድራቤት ኢዩ።
ማርያ “ኵሉ ግዜ ኣቐዲሙ እተመርጸ ጽሑፍ ኢና እነጽንዕ ነይርና: ግናኸ ሓደ ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ ኵነታት እንተድኣ ኣጋጢሙ: ናብቲ ተግባራዊ ዝዀነ ሓበሬታ ንቕይሮ ነበርና” ብምባል ትዝክር። ከም እኒ መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠምዎም ግድላት: ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር: ኣብ ርእሲ ትምህርቲ ተወሳኺ ንጥፈታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉን ብፍላይ ኣገደስቲ ዝዀኑ ነገራት ይለዓሉ ኢዮም። ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙ ነቲ ዘሎ ግድል ክፈትሕ ዝኽእል ዓንቀጻት ወይ ከኣ ጽሑፋት ምረጽ። ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ከኣ ንቕሑ! ሕታም ምስቲ ስድራቤት ቀልጢፍካ ክትመያየጠሉ እትደልዮ ሓበሬታ እንተድኣ ረኺብካ ኣብ መደብካ ንኸተእትዎ ኣይትወላወል። ልክዕ ኢዩ: ለውጢ ክግበር ምዃኑ ንኣባላት ስድራቤትካ ኣቐዲምካ ከተፍልጦም ትደሊ ትኸውን። እቲ ዝድለ ምስ ገበርካ ግን ናብቲ ምዱብ ጽሑፍ ተመለስ።
ነቲ ሃዋሁ ህዱእ ግበሮ
ጽቡቕ ክትማሃር ዝከኣል ኣብ ሰላማዊ ኵነታት ኢዩ። (ያእቆብ 3:18) ስለዚ እምበኣር ምቕሉል ግን ክብሪ ዘለዎ ሃዋሁ ኰስኵስ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ሓደ ርእሲ ስድራቤት ከምዚ በለ:- “ኣብ ክንዲ ኣብ ዓቢ ክፍሊ ተረሓሒቕና ኰፍ እንብል ኣብ ሳሎን ይኹን ኣብ በረንዳ ኴንና ከነጽንዕ ከሎና ነንሕድሕድና ተቐራሪብና ኰፍ ክንብል ንፍትን። እዚ ድማ ምዉቕ ምቅርራብ ኢዩ ዝፈጥረልና።” ማርያ ድማ ነዚ ዝስዕብ ክትዝክሮ ከላ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓ:- “ኣነን ሓብተይን ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣበየናይ ክፍሊ ኴንና ከነጽንዕ ከም እንደሊ ክንመርጽ ይፍቀደልና ነበረ። በዚ ድማ ኣብ ምቹእ ቦታ ከም ዘሎና ይስምዓና ነበረ።” ግቡእ መብራህቲ: ጥጡሕ ኰፍ መበሊ: ከምኡውን ዘሐጕስን ዘይጋሕመጠን ኣከባቢ ብምሉኡ ንህድኣት ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ ብስድራቤት ኴንካ ፍዅስ ዝበለ ንመዘናግዒ ዝኸውን መግቢ ምውሳድ እውን ዘሐጕስ ምሸት ከተሕልፍ ይሕግዝ ኢዩ።
ገለ ስድራቤታት ኣብቲ መጽናዕቶም ካልኦት ስድራቤታት ክሕውሱ ይመርጹ ኢዮም: እዚ ኸኣ ነቲ መጽናዕቲ ዝያዳ ዝስሕብ ይገብሮ: እተፈላለለየ ሓሳባት ንኽወሃብ ከኣ ኣጋጣሚ ይኸፍት። ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ መደብ ክካፈሉ እንተድኣ ተዓዲሞም ከኣ: ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ርእሲ ስድራቤት ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክምርሕ ከሎ ብምርኣይ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ህያው ግበሮ
ናይ መጽናዕቲ እዋናት ነቶም ቈልዑ ህያው እንተድኣ ገይርካሎም ብናፍቖት ክጽበይዎም ኢዮም። ነዚ ድማ ንንኣሽቱ ቈልዑ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታት ዝገልጹ ስእልታት ክስእሉ ብምትብባዕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ዝሰማማዕ ኰይኑ ክርከብ ከሎ ነቶም ቈልዑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታትን ድራማታትን ብተዋስኦ መልክዕ ከም ዘርእዩ ግበሮም። ምስ ንኣሽቱ ቈልዑ ከተጽንዕ ከሎኻ ኣብቲ ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ሕቶን መልስን ኣገባብ ምጥባቕ ኣድላዪ ኣይኰነን። ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጸ-ባህርያት ምንባብን ምንጋርን ኣምላኻዊ ባህርያት ንምስራጽ ዘሐጕስ መገዲ ኢዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮበርት: ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ እተፈላለየ ‘ገጸ-ባህርያት’ በብታራ ከነንብብ ንምድብ ነበርና።” ቈልዑ ኣብቲ ንባብ ከንጸባርቕዎ ንዝደለዩ ገጸ-ባህርያት ክመርጹ ክዕደሙ ይኽእሉ ኢዮም።
ካርታ ዓለምን ሰሌዳን ድማ ንዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ብዛዕባ እቲ እትመያየጠሉ ዘሎኻ ፍጻመታት እተኻየደሉ ቦታታትን መልክዕን ብዓይኒ ሕልንኦም ንኽርእይዎ ይሕግዞም ኢዩ። ሒደት ምምሃዝ ምስ እትሕውስ እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ህያውን እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ቈልዑ ኸኣ ናይ ቃል ኣምላኽ ባህጊ ክሓድሮም ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:2, 3
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽሳተፍ ሓግዞ
ቈልዑ ነቲ መጽናዕቲ ንኽሕጐስሉ: ኣብቲ ትምህርቲ ከም እተሳተፉ እውን ክስምዖም ኣለዎ። ይኹን እምበር እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ ንኸተሳትፎም ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት “መራሒ እንተ ዀይኑ: ብትግሃት ይምራሕ” ኢዩ ዝብል። (ሮሜ 12:8) ውዕዉዕ ምዃን ንመንፈስ ናይቲ መጽናዕቲ እውን ውዕዉዕ ስለ ዝገብሮ ሓጋዚ ኢዩ።
ሮናልድ: ነታ ዲና እተባህለት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓሉ: ኣብቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ዘሎ ንኡስ ኣርእስትታት ከም እተንብብ: ኣብ ስእልታት ድማ ሓሳብ ከም እትህብ ብምግባር የሳትፋ ነበረ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምስ ቀረበ: ኣብታ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘሎ ዝሰማማዕ ስእላዊ መግለጺታት ኣተኰረ።* “እዚ ንትርጕም ናይቲ ፍጻመ እቲ ንኽትርዳእ ሓጊዝዋ ኢዩ” በለ።
ሮናልድ ነታ ሚሻ እተባህለት ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሉ ካልእ ይውስኸላ። ሮናልድ ከምዚ ይብል:- “ሚሻ እቲ ስእላዊ መግለጺታት እንታይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ዘመሓላልፎ ትርጕም እውን ከይተረፈ ክትርድኣሉ ኣብ እትኽእል ደረጃ በጸሐት። ስለ ዝዀነ ድማ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ! c እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከነጽንዕ ከሎና ኣብ ትርጕም ናይቲ ስእላዊ መግለጺታት ነተኵር ነበርና: እዚ ድማ ሓጊዝዋ ኢዩ።”
ቈልዑ ናብ ናይ ኰተተ ዕድመ ምስ ተሰጋገሩ: ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ተግባራዊ ኣወዓዕልኡ ክገልጹ ዓድሞም። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ሕቶታት ምስ ዝለዓል ምርምር ዝገብርሉ ክፍልታት መድበሎም። ሮበርት ፓውል እተባህለ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዱ: ብዛዕባ እቲ ዳንጂየንስ አንድ ድራጎንስ እተባህለ [ምስ ዓመጽ እተተሓሓዘ ቅሉዕ ናይ ጾታዊ ርክብ ጠባያት ዝርኣየሉ] ጸወታታት ዝሓዘ ሓድሽ ናይ ቤት ትምህርቲ ክለብ ምስ ሓተቶ: ከምኡ ኢዩ ገይሩ። ፓውልን ካልኦት ኣባላት ናይታ ስድራቤትን ዘ ዎች ታወር ፓብሊከሽን ኢንደክስ (እንግሊዝኛ) ተጠቒሞም ሓበሬታ ንምርካብ ምስ መርመሩ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቶም ተዘራረብሉ። ሮበርት “ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ፓውል እቲ ጸወታ እቲ ክርስትያናት ክጻወትዎ ዘይግባእ ምዃኑ ተረድአ” ይብል።
ሮበርት ኣብ ካልእ ግዜያት እውን እንተዀነ ምርምር ክገብሩ ዕዮ ይህቦም ነበረ። ሰበይቱ ናንሲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዛዕባ ሃዋርያት የሱስ ምርምር ክንገብር ከሎና ኣብ ሰሙን ሰሙን ነፍሲ ወከፍና ሓደ ሃዋርያ ይዋሃቦ ነበረ። እቶም ቈልዑ ጸብጻባቶም ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብቲ ናይ ስድራቤት መጸናዕቲ ከቕርቡ ክትርእዮምሲ ክንደይ ዝምስጥ ኰን ኢዩ!” ቈልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርምር ክገብሩ: ነቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ኸኣ ምስታ ስድራቤት ክካፈልዎ ከለዉ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዓብዩ’ ይሕግዞም ኢዩ።—1 ሳሙኤል 2:20, 21
ሕቶታት ምሕታት—ርእይቶኦም ንኽህቡ ዝሕግዝ ሕቶታትን ሓባሪ ሕቶታትን—እውን ቈልዑ ከም ዝሳተፉ ንምግባር ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። እቲ ቐንዲ መምህር ዝዀነ የሱስ ከም እኒ “እንታይ ይመስለካ፧” ዝኣመሰለ ርእይቶኻ ንምግላጽ ዝሕግዝ ሕቶታት ይሓትት ነበረ። (ማቴዎስ 17:25) ማሪያ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ዝዀነ ይኹን ካባና ሕቶ ምስ ዝህልዎ: ወለድና ብቐጥታ ኣይምልሱልናን ኢዮም ነይሮም። ሓባሪ ሕቶታት ብምሕታት ኣብቲ ጕዳይ እቲ ኣመዛዚንና ክንሓስብ ይሕግዙና ነበሩ።”
ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ—ኣይትቕጻዕ!
እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ሓጐስ ክስስን ዝኽእል ኵሎም ተሳተፍቲ ከይንናሾ ዝብል ፍርሒ ከይሓደሮም ርእዮታቶምን ስምዒቶምን ናጻ ኰይኖም ክገልጹ ምስ ዝኽእሉ ኢዩ። ግናኸ ሓደ ኣቦ ከምዚ በለ:- “ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክህሉ ዝኽእል ኣብ ካልእ ግዜያት እውን እቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት እንተድኣ ኰይኑ ጥራይ ኢዩ። ኣብቲ እዋን መጽናዕቲ ጥራይ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዘሎካ ክትመስል ኣይትኽእልን ኢኻ።” ስለዚ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ብዘይ ምስትውዓል ዝዋሃብ ዝሃሲ ሓሳባት ንየው በሎ:- ‘ካልእ እትብሎ የብልካን፧ ኣነ ኸኣ ቁም ነገር ትዛረብ መሲሉኒ’፣ ‘ነውሪ ኢዩ ኣታ: ከምኡ ኣይበሃልን ኢዩ’፣ ‘ብቐደሙ ግዳ ካባኻ እንታይ ቍም ነገር ክርከብ: ስቕ በል ቈልዓ ኢኻ: እንታይ ኣፍሊጡካ።’ (ምሳሌ 12:18) ንደቅኻ ደንጋጽን መሓርን ኵነሎም። (መዝሙር 103:13፣ ሚልክያስ 3:17) ብኣታቶም ባህ ይበልካ ነቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ኣብ ተግባር ንምውዓል ክጽዕሩ ከለዉ ኸኣ ደገፍካ ኣርእዮም።—ምሳሌ 29:17
እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ሃዋሁ ንኣእምሮ ናይቲ ቈልዓ ንዝዋሃቦ ትምህርቲ ምላሽ ከም ዝህብ ዝገብር ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዘለዉዎ ዕዉት ወላዲ “ንቘልዑ ክትእርሞም እንተድኣ ፈቲንካ፣ ስጕዱማት ኢዮም ዝዀኑ” ብምባል ገለጸ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: እቲ ዝዋሃብ ሓበሬታ ምናልባት ኣይክሰርጽን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ናይ ተግሳጽን መቕጻዕትን እዋን ከይተገብሮ ተጠንቀቕ። ዘድሊ እንተድኣ ኰይኑ: ድሕሪ እቲ መጽናዕትን ኣብ ብሕትን ግበሮ።
እቲ ጻዕሪ ዓስቢ ኣለዎ
ብመንፈስ ሃብታም ዝዀነ ስድራቤት ምህናጽ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ግን ከምዚ በለ:- “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።” (መዝሙር 127:3) እቶም ወለዲ ኸኣ ‘ነቶም ውሉድ ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ከዕብይዎም’ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኢዩ። (ኤፌሶን 6:4) ስለዚ እምበኣር ስሉጥን ዘሐጕስን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ናይ ምግባር ክእለት ኣማዕብል። ውሉድካ ‘ንምድሓን ምእንቲ ክዓብዩ: ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ’ ክትህቦም ዝከኣለካ ግበር።—1 ጴጥሮስ 2:2፣ ዮሃንስ 17:3
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሽሕ’ኳ እቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ቐሪቡ ዘሎ ብዙሕ ርእይቶታት ብናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ገይርካ ንቘልዑ ምሕጋዝ ዝምልከት እንተዀነ: እቲ ሓሳባት ኣብቲ ቈልዑ ዘይብሉ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ እውን ዝውዕል ኢዩ።
b ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።