ከም ንስሪ በኽናፍ ምድያብ
ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምጽማሙ ከመይ ይስምዖ፧ ይደሃልዶ፧ ቅርሕንቲ የሕድርዶ፧ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት የሕድርዶ፧
ከምኡ ኽብል ዘይትጽበዮ ነገር መሲሉ ዝርአ እኳ እንተዀነ: ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘሕለፈ ሰብኣይ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ኣብ ህይወተይ ካብቲ ተስፋ ገይረሉ ዝነበርኩ ንላዕሊ ብዙሕ ተመኵሮ ረኺበ ኢየ።” ከምኡ ክስምዖ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቲ ኣዝዩ ልዑል ዕቝባ ረኺበ ኢየ። ነቲ ‘እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: . . . ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን’ ዝብል መፈጸምታ ቃላት ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ተመኲረዮ ኢየ ”—ኢሳይያስ 40:31
እዚ ኣካላቱ በቲ ኣሎ ዝበሃል ኣዝዩ ዘርዕድ ናይ ምቕጥቃጥ ኣገባብ እተሳቐየ ክርስትያን ሰብኣይ እዚ: ጭከና ናዚ ከሰንፎ ዘይከኣለ ብምሳልያዊ ኣዘራረባ ንላዕሊ ከም ዝውንጨፍ ዝገበሮ መንፈስ ነይርዎ ኢዩ። ከም ዳዊት ኣብ ጽላል ‘ኣኽናፍ’ ኣምላኽ ክዕቈብ ክኢሉ ኢዩ። (መዝሙር 57:1) እዚ ክርስትያን እዚ: ንመንፈሳዊ ሓይሉ ምስቲ ንላዕሊ ክብ ኢሉ ዝነፍር ንስሪ ብምምስሳል ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዩ ተጠቒሙ።
ብጸገማት ከም እተደቘስካ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንስኻውን ‘ከም ንስሪ በኽናፍ ንኽትድይብ’ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቲ ኣዝዩ ልዑል ክትዕቈብ ከም እትደሊ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝከኣል ንኽትርድኦ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሳልያዊ መገዲ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዘሎ ንስሪ ገለ ነገር ምፍላጥ ሓጋዚ ኢዩ።
ኣብ ትሕቲ ናይ ንስሪ ኣርማ
ጥንታውያን ሰባት ትዕዝብቲ ካብ ዝገበሩሎም ኵሎም ኣዕዋፍ ንላዕሊ: ብምኽንያት ሓይሉን ግርማ ኣነፋፍራኡን: እቲ ኣዝዩ ድንቂ ዝዀነ ምናልባት ንስሪ ኢዩ። ብዙሓት ናይ ጥንቲ ሰራዊት: እንተላይ ባቢሎን: ፋርስ: ሮሜ ናይ ንስሪ ኣርማ ሒዞም ኢዮም ንውግእ ዝስለፉ ነይሮም። ናይ ቂሮስ ዓቢ ሰራዊት ሓደ ካብዚኣቶም ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ ንጉስ ፋርስ እዚ ንግዝኣት ባቢሎን ምእንቲ ክውሕጥ ካብ ምብራቕ ከም ኣሞራ ክመጽእ ምዃኑ ይንበ ኢዩ። (ኢሳይያስ 45:1፣ 46:11) እዚ ትንቢት እዚ ምስ ተጻሕፈ ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት: እቶም ኣብቲ ናይ ውግእ ኣርማታቶም ናይ ንስሪ ምስሊ ዝነበሮም ወተሃደራት ቂሮስ: ልክዕ ከምቲ ንስሪ ንግዳዩ ዝጐብጥ ንኸተማ ባቢሎን ጐቢጦምዋ ኢዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት እውን ከም እኒ ሻርልማኝን ናፖልዮንን ዝኣመሰሉ ተዋጋእቲ ከምኡውን ከም እኒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት: ንንስሪ ከም መለለይኦም ተጠቒሞምሉ ኢዮም። እስራኤላውያን ንምስሊ ንስሪ ወይ ንምስሊ ካልእ ፍጥረት ክብሪ ከይህቡ ተኣዚዞም ኢዮም። (ዘጸኣት 20:4, 5) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንመልእኽትታቶም ብምሳልያዊ መገዲ ምእንቲ ክገልጹ ባህርያቱ ንምምልካት ንንስሪ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። እምበኣርከስ ንስሪ: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ካልእ ዝበዝሐ ግዜ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዘሎ ዑፍ: ከም እኒ ጥበብ: መለኮታዊ ዕቝባ: ከምኡውን ቅልጣፈ ንምምልካት ውዒሉ ኣሎ።
ዓይኒ ንስሪ
እቲ ናይ ንስሪ ኣተኲርካ ናይ ምርኣይ ክእለት: ኵሉ ግዜ ምሳልያዊ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ወርቃዊ ንስሪ: ሚዛኑ ካብ 5 ኪሎ ግራም ዘይበልጽ እንተዀነ: ኣዒንቱ ግን ካብ ናይ ሰብ ዓይኒ ዝዓበየን ናይ ምርኣይ ክእለቱ ድማ ኣዝዩ ዝበለጸን ኢዩ። የሆዋ ባዕሉ እኳ: ንስሪ መግቡ ደልዩ ንምርካብ ዘለዎ ክእለት ንእዮብ ክገልጸሉ ከሎ: “ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ” በለ። (እዮብ 39:27, 29) ኣላስ ፓርመሌ: ኣብታ ኦል ዘ በርድስ ኦቭ ዘ ባይብል [እንግሊዝኛ] እትበሃል መጽሓፋ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ትህብ:- “ሓደ ግዜ ሓደ ንስሪ 5 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ከሎ ኣብ ቀላይ ጸብለል ዝብል ምዉት ዓሳ ምስ ረኣየ: ናብታ ልክዕ ቦታ ብሰያፍ ተወንጪፉ ተነቝተ። እቲ ንስሪ ካብ ሰብ ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ኰይኑ ንእሽቶ ነገር ክርኢ ኪኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኵሉ እቲ ናይ 5 ኪሎ ሜተር መገዱ ነቲ ዓሳ ብዘይምቍራጽ ተኲሩ እናጠመቶ ኢዩ ወሪዱ።”
ንስሪ ትኵር ዝዀነ ናይ ምርኣይ ክእለት ስለ ዘለዎ: ንሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ ቀንዲ ባህርያት ዝዀነ ጥበብ ዝሰማማዕ ምልክት ኢዩ። (ምስ ህዝቅኤል 1:10፣ ራእይ 4:7 ኣረኣእዮ።) ንጥበብ ዝሰማማዕ ምልክት ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ጥበብ በቲ እንወስዶ ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ እንታይ ውጽኢት ከም ዘስዕብ ኣቐዲምካ ምርኣይ ዘጠቓልል ኢዩ። (ምሳሌ 22:3 ትሓዓ) ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ንሓደጋ ናይ ብርቱዕ ዝናምን ንፋስን ኣቐዲሙ ብምጥማት ንቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰረታ ብልሂ ሰብኣይ: ንስሪ ድማ በቲ ኣርሒቑ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ንሓደገኛ ነገር ካብ ማዕዶ ይርእዮ እሞ ኣቐዲሙ ይጥንቀቕ። (ማቴዎስ 7:24, 25) ዘገርም ድማ ብቛንቋ እስጳኛ ንሓደ ሰብ ከም ንስሪ ገይርካ እንተድኣ ገሊጽካዮ: እቲ ሰብ እቲ ጥልቂ ፍልጠት ወይ ከኣ ምስትውዓል ኣለዎ ማለት ኢዩ።
ንሓደ ንስሪ ቅርብ ኢልካ ንምርኣይ ኣጋጣሚ እንተድኣ ረኺብካ: ኣጠማምታኡ ኣስተብህለሉ። ጥምት ኣቢሉካ ጥራይ ስቕ ኣይብልን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡ ኵሉንትናኻ ክምርምረካ ዝደለየ ኢዩ ዝመስል። ብተመሳሳሊ: ሓደ ጥበበኛ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ ክእለት ናይ ባህርያዊ ዝንባለኡን ኣብ ስምዒታቱን ዝውከል: ቅድሚ ውሳነ ምግባሩ ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ኢዩ ዝምርምሮ። (ምሳሌ 28:26) እቲ ናይ ንስሪ ኣተኲርካ ናይ ምርኣይ ክእለት ነቲ ናይ ጥበብ መለኮታዊ ባህሪ ዝሰማማዕ ምልክት ክኸውን ከሎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ነቲ ድንቂ ናይ ምንፋር ክእለቱውን ብምሳልያዊ መገዲ ተጠቒሞምሉ ኣለዉ።
“መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ”
“መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ” ዝብል መግለጺ ንኽልተ ነገር ማለት ንቅልጣፈኡን ነቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ናይ መገዲ ምልክታት ከይሰዓበን ብድሕሪኡ ድማ ኣሰር ከይገደፈን ብቐሊሉ ዝገብሮ ኣገባብ ኣነፋፍራ ዘመልክት ኢዩ። (ምሳሌ 30:19) ናይ ንስሪ ቅልጣፈ ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ 4:19 ንወተሃደራት ባቢሎን ንምግላጽ ውዒሉ ኣሎ:- “ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ: ኣብ ኣኽራን ሀደኑና።” ብመሰረት ገለ ጸብጻባት: ሓደ ኣብ ላዕሊ ዝዝምቢ ዘሎ ንሰሪ ንግዳዩ እንተድኣ ዒላማ ገይርዎ: ኣብ ሰዓት 130 ኪሎ ሜተር ብዝኸውን ቅልጣፈ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ንቝልቝል ይንቈት። ቅዱሳት ጽሑፋት ንንስሪ ብፍላይ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዘተሓሕዘሉ ግዜ ከም መተካእታ ናይታ ቅልጣፈ እትብል ቃል ክጥቀመሉ ኸሎ ዘገርም ኣይኰነን።—2 ሳሙኤል 1:23፣ ኤርምያስ 4:13፣ 49:22
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኢሳይያስ ነቲ ንስሪ ብቐሊሉ ዝገብሮ ኣነፋፍራ ኣመልኪቱ ኣሎ። “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ኢሳይያስ 40:31) እቲ ናይ ንስሪ ኣንሳፊፍካ ናይ ምንፋር ምስጢሩ እንታይ ኢዩ፧ ንስሪ ድርብራብ ናይ ምዉቕ ኣየር ስለ ዝጥቀም ንላዕሊ ክድይብ ብዙሕ ጻዕሪ ምግባር ኣየድልዮን ኢዩ። እዞም ድርብራብ ናይ ምውቕ ኣየር ተባሂሎም ዘለዉ ብዓይኒ ኣይርኣዩን ኢዮም: ንስሪ ግን ንዕኦም ኣብ ምርካብ ክኢላ ኢዩ። ሓንሳእ ነቲ ምዉቕ ኣየር ምስ ረኸበ: ኣኽናፉን ጭርኡን ይዝርግሕ እሞ ኣብ ውሽጢ እቲ ምዉቕ ኣየር ይዝምቢ: እቲ ምዉቕ ኣየር ድማ ንላዕሊ ክብ እናበለ ይወስዶ። ኣብቲ እኹል ርሕቐት እንተድኣ በጺሑ: ሰለል ኢሉ ናብቲ ቀጺሉ ዘሎ ምዉቕ ኣየር ይሰግር: ከምኡ እናበለ ኸኣ ይቕጽል። በዚ መገዲ እዚ: ንስሪ ውሑድ ሓይሊ ጥራይ ብምጥቃም ንሰዓታት ኣብ ላዕሊ ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ እስራኤል: ብፍላይ ከኣ ካብቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዔጽዮን-ገበር ክሳዕ እቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ዳን ተዘርጊሑ ዘሎ ሃጓፍ ስንጭሮ: ንስሪ ዝረኣይሉ ልሙድ ቦታ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝግስግሱሉ እዋን: ኣብ ጽድያን ኣብ ቀውዕን ብብዝሒ ኢዮም ዝርኣዩ። ኣብ ገለ ዓመታት ዳርጋ 100,000 ዝዀኑ ንስሪ ተቘጺሮም ኢዮም። እቲ ናይ ወጋሕታ ጸሓይ ንኣየር ምስ ኣውዓዮ: ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣሞራታት ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰናስን ሃጓፍ ስንጭሮ ዘሎ ጸድፊ ክነፍሩ ከለዉ ክረኣዩ ይከኣሉ ኢዮም።
እቲ ንስሪ ብቐሊሉ ዝገብሮ ኣነፋፍራ: ሓይሊ የሆዋ ዕዮና ምእንቲ ክንፍጽም ክሳዕ ክንደይ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መገዲ ሓፍ ከብለና ከም ዝኽእል ዘመልክት ብሉጽ ኣብነት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንስሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ተጠቒሙ ንኽንድዚ ዝኣክል ንውሓት ክበጽሕ ዘይክእል: ንሕናውን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ክእለት ጥራይ እንተድኣ ተመርኲስና ክንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ይገልጽ። (ፊልጲ 4:13) ልክዕ ከምቲ ሓደ ንስሪ ብቐጻሊ ነቲ ዘይርአ ምዉቕ ኣየር ዝደሊ: ንሕናውን በቲ ልባዊ ዝዀነ ጸሎትና ገይርና እቲ ዘይርአ መስለጢ ሓይሊ የሆዋ ክወሃበና ‘ከየባተኽና ንሓትት’ ኢና።—ሉቃስ 11:9, 13 ትሓዓ።
መብዛሕትኡ ግዜ ቦታኦም ዝቕይሩ ንስሪ: ንኻልኦት ኣሞራታት ብምዕዛብ ኢዮም ድርብራብ ናይ ምዉቕ ኣየር ዝረኽቡ። ብዛዕባ ተፈጥሮ ዚመራመር ዲ. ኣር. ማኪንቶሽ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ 250 ዝዀኑ ንስርን ኣሞራታትን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓይነት ምዉቕ ኣየር ተዀብኪቦም ክኸዱ ከለዉ ከም እተርኣዩ ጸብጻብ የቕርብ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እሙን ኣብነታት ብምቕዳሕ ኣብ ሓይሊ የሆዋ ምውካል ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም።—ምስ 1 ቈረንቶስ 11:1 ኣረኣእዮ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍ ንስሪ
ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወት ናይ ሓደ ንስሪ ዘጋጥም ሓደገኛ እዋናት ምንፋር ክመሃር ከሎ ኢዩ። ኣብዚ ናይ መጀመርታ ፈተነ ዝሞቱ ንስሪ ሒደት ኣይኰኑን። እቶም ተመክሮ ዘይነበሮም እስራኤላውያን እውን ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ ኣብ ሓደጋ ኢዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ: የሆዋ ንእስራኤላውያን እተዛረቦ ቃላት ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ:- “እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎን: በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።” (ዘጸኣት 19:4) ጫቚት ኣብቲ ንምንፋር ዝገብሮ ናይ መጀመርታ ፈተንኡ ምእንቲ ከይወድቕ ንስሪ ንሓጺር ግዜ ኣብ ሕቘኡ ጾይርዎ ከም ዝኸይድ ጸብጻብ ይነግረና ኢዩ። ጂ. ኣር. ድራይቨር ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብታ ፓለስታይን ኤክስፕሎረሽን ኳርተርሊ እትበሃል መጽሓፉ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይህብ:- “እቲ [ናይ መጽሓፍ ቅዱስ] ስእላዊ መግለጺ እምበኣር: ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ድኣ’ምበር ግምታዊ ሓሳባት ኣይኰነን።”
ንስሪ ብኻልእ መገድታት እውን ኣብነት ዝዀኑ ወለዲ ኢዮም። ነቲ ጫቚት ኣብቲ ሰፈር መግቢ የዳልዉሉ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ጫቚት ክውሕጦ ምእንቲ ክኽእል ነቲ እቲ ተባዕታይ ንስሪ ናብቲ ሰፈር ዘምጽኦ ስጋ እታ ኣደ ብጥንቃቐ ትቘራርጾ። እቲ ሰፈሮም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸድፊ ወይ ከኣ ኣብ ነዋሕቲ ኣግራብ ስለ ዝዀነ ድማ: እቶም ጨቓዊት ንሕማቕ ኵነታት ኣየር እተቓልዑ ኢዮም። (እዮብ 39:27, 28) ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት ልሙድ ዝነበረ ዘሕርር ጸሓይ: ሓደ ጫቚት ሓልዮት ናይ ወለዱ እንተድኣ ዘይረኺቡ ሞት ከስዕበሉ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ንስሪ ነቲ ተነቃፊ ጫቚት ምእንቲ ከጽልለሉ: ሓድሓደ ግዜ ንሰዓታት ዝኣክል ኣኽናፉ ይዝርግሕ።
ስለዚ እምበኣር: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣኽናፍ ናይ ሓደ ንስሪ ከም ምልክት ናይ መለኮታዊ ዕቝባ ውዒሉ ምህላዉ ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ኢዩ። ዘዳግም 32:9-12 የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብቲ ናይ በረኻ ነዊሕ ጕዕዞኦም ከመይ ገይሩ ከም ዘዕቘቦም ይገልጽ:- “ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ: ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ። ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ: ኣራዊት ዜድህዩሉ: ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን: ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ: ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ: ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ: ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ።” ንሕናውን ኣብ የሆዋ እንተድኣ ተወኪልና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ዕቝባኡ ክህበና ኢዩ።
እተምልጠሉ መገዲ
ሓድሓደ ግዜ ግድላት ክጋጠመና ከሎ: ካብ ኵሉ ሽግራትና ነፊርና ክንርሕቕ ንደሊ ንኸውን። ዳዊት ልክዕ ከምኡ ኢዩ ተሰሚዕዎ። (ምስ መዝሙር 55:6, 7 ኣረኣእዮ።) ሽሕ’ኳ የሆዋ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ፈተናታትን ስቓይን ክጋጠመና ከሎ ክሕግዘና ምዃኑ ተመባጺዑልና እንተዀነ: ምሉእ ብምሉእ ከም እነምልጥ ኣይገብረናን ኢዩ። “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 10:13
“መውጽኢ” ወይ “እተምልጠሉ መገዲ” (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ኣብ የሆዋ ክትውከል ምምሃር ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ሓሳባቱ ኣብ መእተዊ ናይዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ማክስ ሊብስተር ልክዕ ከምኡ ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ኣብቲ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበረሉ ዓመታት ንየሆዋ ክፈልጦን ኣብኡ ክውከልን ክኢሉ ኢዩ። ከምቲ ማክስ እተመከሮ: የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብማሕበሩን ገይሩ የሐይለና ኢዩ። ኣብቲ ደምበ እውን ከይተረፈ እቶም መሰኻኽር መንፈሳዊ ሓሳባትን ዝረኸብዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ብምምቓል ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ደልዮም መንፈሳዊ ሓገዝ ሂቦምዎም ኢዮም። ከምቲ እሙናት ደሓንቲ ብተደጋጋሚ ዝመስከርዎ ድማ የሆዋ ኣጽኒዕዎም ኢዩ። ማክስ “የሆዋ ንኽሕግዘኒ ብቐጻሊ ሓቲተዮ ኢየ: መንፈሱ ኸኣ የዕቚቡኒ ኢዩ” በለ።
ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኽወሃበና ከየባተኽና ብምሕታት ኣብኡ ክንውከል ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 7:7-11) በዚ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ተጠቒምና ድማ ኣብ ክንዲ ብሽግራትና እንውሓጥ: ልዕል ክንብል ኢና። ብመገድታት የሆዋ ከየቋረጽና ክንመላለስ ኢና: ኣይክንደክምን ከኣ ኢና። ከም ንስሪ በኽናፍ ክንድይብ ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ኢሳይያስ 40:31
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ጥምት ኣቢሉካ ጥራይ ስቕ ኣይብልን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ስእሊ:- Cortesia de GREFA
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ስእሊ:- Cortesia de Zoo Madrid