ሮሜ
4 እምበኣር፡ እቲ ብስጋ ኣቦና ዝዀነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና፧ 2 ኣብርሃም ሳላ ግብሪ ጸዲቑ* እንተ ዚኸውንሲ፡ መመክሒ ምረኸበ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይኰነን። 3 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ኣብርሃም ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።”+ 4 ንሓደ ዚገብር ሰብ፡ ዓስቡ ኸም ጸጋ ዘይኰነስ፡ ከም ዚእውዶ ዕዳ እዩ ዚቝጸረሉ። 5 ንሓደ ዘይገብር፡ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ደኣ ዚኣምን ሰብ ግና፡ እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ።+ 6 ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦ 7 “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡* ሕጉሳት እዮም፣ 8 የሆዋ* ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።”+
9 እዛ ሓጐስ እዚኣ ደኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ፡ ወይስ ንዘይግዙራት እውን፧+ ከመይሲ፡ “ንኣብርሃም፡ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ” ንብል ኢና።+ 10 መዓስከ እያ እተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፡ ወይስ ከይተገዝረ፧ ምስ ተገዝረ ዘይኰነስ፡ ከይተገዝረ እያ። 11 ንዅሎም እቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ፡ እዚ እውን ጽድቂ ዚቝጸረሎም ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውን፡+ በታ ኸይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ኣቢሉ፡ ምልክት፡+—ማለት ግዝረት፡—ከም ማሕተም* ጽድቂ ገይሩ ተቐቢሉ እዩ፣ 12 ኣቦ ግዙራት ዘርኢ፡ ማለት ነቶም ዚግዘሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም+ ከይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ስዒቦም ብስርዓት ዚመላለሱ እውን ኣቦኦም ኰይኑ እዩ።
13 ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወይስ ዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ኪኸውን እተተስፈወ፡+ ብሕጊ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ብዚርከብ ጽድቂ እዩ።+ 14 እቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ወረስቲ እንተ ዚዀኑስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ ተስፋ እውን ባዶ ምዀነት። 15 እቲ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፣+ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ኣበሳ የልቦን።+
16 ስለዚ፡ እታ ተስፋ ሳላ ጸጋ ምእንቲ ኽትከውን፡+ ብእምነት እያ ዀይና፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ዘርኡ፡+ ማለት ነቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንእምነት እቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣብርሃም+ ዚስዕቡ እውን ምእንቲ ኽትጸንዕ እዩ። 17 (እዚ ድማ ከምቲ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣለኹ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።)+ ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ህያው ዚገብርን ንዘየሎ ኸም ዘሎ ገይሩ ዚጽውዕን ኣምላኽ ከኣ ኰይኑ። 18 ከምቲ፡ “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ዚብል፡+ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ብተስፋ ኣሚኑ። 19 ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ (ኣስታት ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝነበረ፡)+ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሂሉ።+ 20 ግናኸ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ብእምነቱ ደኣ እዩ በርቲዑ እምበር፡ ብዘይምእማን ኣይተወላወለን፣ 21 ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን፡ ኣጸቢቑ ኣሚኑ ነይሩ።+ 22 ስለዚ ድማ፡ “ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።”+
23 እታ “ተቘጽረሉ” እትብል ግና፡ ምእንታኡ ጥራይ ኣይኰነትን ተጻሒፋ፣+ 24 የግዳስ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ እቶም ዚቝጸረልና እውን እያ፣ ምኽንያቱ፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ንኣምን ኢና።+ 25 የሱስ ምእንቲ ኣበሳና ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፡+ ምእንቲ ኽንጸድቕ እውን ተንሲኡ እዩ።+