ኤርምያስ
4 “ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመሊስካ” ይብል የሆዋ፡
“ናባይ እንተ ተመሊስካ፡
ጽዩፋት ጣኦታትካ ድማ ካብ ቅድመይ እንተ ኣርሒቕካ፡
ሽዑ፡ ቀባሕባሓይ ኣይክትከውንን ኢኻ።+
2 ብሓቅን ብፍትሕን ብጽድቅን ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’
3 የሆዋስ ንሰብ ይሁዳን ንየሩሳሌምን ከምዚ ይብል፦
“ዚሕረስ ምድርኹም ሕረሱ፣
ኣብ መንጎ ኣእሻዅ ከኣ ኣይትዝርኡ።+
4 ኣቱም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡
ብሰንኪ ኽፉእ ተግባራትኩም፡
ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ፡+
ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡
ንየሆዋ ተገዘሩ፣
ዕልቦ ልብኹም ኣርሕቑ።”+
5 ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ኣውጁ።
ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ጨድሩን መለኸት ንፍሑን።+
ብዓውታ ኸምዚ ኢልኩም ተድሃዩ፦ “ተኣከቡ፡
ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ከኣ ንህደም።+
6 ሰንደቕ ዕላማ ናብ ጽዮን ኣልዕሉ።
መጸግዒ ድለዩ፣ ደው እውን ኣይትበሉ።”
ከመይሲ፡ ካብ ሰሜን መዓት፡ ዓብዪ ውድቀት አምጽእ ኣለኹ።+
ንምድርኺ መሰክሒ ኺገብራ ኻብ ቦታኡ ወጺኡ።
ከተማታትኪ ኺዓኑን ብዘይ ነባሪ ኪኸውንን እዩ።+
9 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንንጉስ ልቡ ኺጠልሞ* እዩ፣+
ንመሳፍንቲ እውን ልቦም ኪጠልሞም* እዩ፣
ካህናት ከኣ ኪርዕዱ፡ ነብያት ከኣ ኪግረሙ እዮም።”+
10 ሽዑ ኣነ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ሰይፊ ኣብ ጐረሮና ኸሎስ፡* ‘ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም’+ ብምባልካ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብሓቂ ፈጺምካ ኣታሊልካዮ”+ በልኩ።
11 በታ ግዜ እቲኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺብሃል እዩ፦
12 ብምሉእ ሓይሉ ዚነፍስ ንፋስ ካብቲ ቦታታት እቲ ብትእዛዘይ ኪመጽእ እዩ።
ሕጂ ኣነ ንዓታቶም ክፈርዶም እየ።
13 እንሆ፡ ንሱ ኸም ደበናታት ዝናም ኪመጽእ እዩ፣
ሰረገላታቱ ድማ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+
ኣፍራሱ ኻብ ንስርታት ይፈጥኑ።+
ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና!
14 ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ልብኺ ኻብ እከይ ሕጸቢ።+
ክሳዕ መዓስ ኢኺ እኩይ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኸተንብሪ፧
15 ካብ ዳንሲ ድምጺ፡ ወረ የውሪ ኣሎ፣+
ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ መዓት ይእውጅ ኣሎ።
16 እወ፡ ንኣህዛብ ንገሩ፣
ኣንጻር የሩሳሌም ኣውጁ።”
“ሓለውቲ* ኻብ ርሑቕ ሃገር ይመጹ ኣለዉ፣
ኣንጻር ከተማታት ይሁዳ ድማ ድምጾም ዓው ኬብሉ እዮም።
18 “መገድታትክን ተግባራትክን ኣብ ልዕሌኺ ኺወርድ እዩ።+
መዓትክስ ክሳብ ልብኺ ኺበጽሕ እዩ እሞ፡
ክሳዕ ክንደይ ኰን መሪር እዩ!”
ኣብ ልበይ* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎ።
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይወቅዕ ኣሎ።
20 ብዘላ እታ ምድሪ ጠፊኣ እያ እሞ፡
መዓት ኣብ ልዕሊ መዓት ይውረ ኣሎ።
ድንኳናተይ ብሃንደበት፡
ዓለባታት ድንኳነይ ከኣ ብቕጽበት ጠፊኡ።+
21 ክሳዕ መዓስ እየ ሰንደቕ ዕላማ ኽርኢ፡
ደሃይ መለኸትከ ኽሰምዕ፧+
22 “ህዝበይሲ ዓያሹ እዮም፣+
ኣይፈለጡንን።
ኣእምሮ ዘይብሎም ሃላያት እዮም።
ክፉእ ንምግባር በላሕቲ* እዮም፣
ጽቡቕ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
23 ነታ ምድሪ ርእየያ፣ እንሆ ድማ፡ ጥራያን ባድምን እያ ነይራ።+
ንሰማያት እውን ጠሚተዮም፣ ብርሃኖም ከኣ ኣይነበረን።+
24 ንኣኽራን ርእየዮም፣ እንሆ ድማ፡ የንቀጥቅጡ ነይሮም፣
ኵርባታት እውን የንፈጥፍጡ ነይሮም።+
25 ርእየስ፡ እንሆ፡ ሰብ ኣይነበረን፣
ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ሃዲመን ነይረን።+
26 ርእየስ፡ እንሆ፡ እቲ ግራት ፍረታት፡ በረኻ ዀይኑ ነይሩ፣
ከተማታታ ኸኣ ኵላተን ፈሪሰን ነይረን።+
ብሰንኪ የሆዋ፡
ብሰንኪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ እዩ እዚ ዀይኑ።
29 ብዘላ እታ ኸተማ
ብደሃይ ፈረሰኛታትን ቀስተኛታትን ትሃድም ኣላ።+
ናብ ጣሻታት ኪኣትዉ፡
ኣብ ኣኻውሕ ድማ ኪሓዅሩ እዮም።+
ኵለን ከተማታት ተሓዲገን እየን፣
ዋላ ሓደ ሰብ እውን ኣይቅመጠንን እዩ።”
30 ሕጂ ኣቲ ዝዓኖኺ፡ እንታይ ደኣ ኽትገብሪ ኢኺ፧
ድሙቕ ቀይሕ ትኽደኒ፡
ብስልማት ወርቂ ትስለሚ፡
ንኣዒንትኺ ብዅሕሊ ተጕልሒ ኔርኪ።
31 ከመይሲ፡ ከምቲ ናይ ሕምምቲ ዝበለ ደሃይ፡
ከምቲ ንበዅራ ናይ እትጸዓር ዝበለ ጭንቂ፡
ድምጺ እታ እትንኣኽ ጓል ጽዮን ሰሚዐ።