ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
ዮናስ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ ስቕ ኬብሎ ተመነየ። እቲ ድምጺ፡ በቲ ገመዳት እታ መርከብ እናኣፋጸየ ዚሓልፍ ደሃይ ብርቱዕ ንፋስ ጥራይ ኣይነበረን፣ እቲ ምስ ጐድኒ እታ መርከብ ዚላኻዕን ዓጠጠጥ ዜብላን ዝነበረ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ጥራይ እውን ኣይነበረን። የግዳስ፡ እቶም ባሕረኛታት፡ ማለት እቲ ሓለቓ መርከብን እቶም ሰራሕተኛታቱን ነታ መርከብ ከይትጥሕል ኪቃለሱ ኸለዉ፡ ዚጭድርዎ ዝነበሩ ጭድርታ እዩ ረቢሽዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሰንኩ ናብ ሞቶም ከም ዝቐረቡ ተሰሚዕዎ ነበረ።
ዮናስ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብዚ ሓደገኛ ዅነታት ኣትዩ፧ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ከቢድ ጌጋ ገበረ። እንታይ እዩ ገይሩ፧ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብከ እንደገና ኣብ ዘይዕረየሉ ደረጃ ድዩ በጺሑ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት፡ ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘላቶም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብኸመይ መገዶም ኪስሕቱን መገዶም ኬዐርዩን ከም ዚኽእሉ፡ ካብ ታሪኽ ዮናስ ክንመሃር ንኽእል ኢና።
ካብ ገሊላ ዝወጸ ነብዪ
ሰባት ብዛዕባ ዮናስ ኪሓስቡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣሉታዊ ባህርያቱ፡ ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ሓደ ግዜ ዘይተኣዘዘሉ እዋን ወይ ኣብ ንቕጽናኡ እዮም ዜተኵሩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ክንፈልጦ ዚግባእ ነገራት ኣሎ። ዮናስ፡ ነብዪ የሆዋ ኣምላኽ ኰይኑ ኼገልግል ከም እተመርጸ ኣይንረስዕ። ዘይእሙን ወይ እኩይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓላፍነት ኣይምሓረዮን።
ኣብ 2 ነገስት 14:25፡ ብዛዕባ ዮናስ እተወሰነ ሓበሬታ ተዋሂቡና ኣሎ። ካብ ጋት-ሔፈር እዩ ነይሩ፣ እዛ ዓዲ እዚኣ ድማ ካብታ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሸሞንተ ዘመን ዝዓበየላ ናዝሬት ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።a ዮናስ ብዘመን ንግስነት እቲ ንጉስ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ዝነበረ የሮብዓም ዳግማይ፡ ነብዪ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤልያስ ካብ ዚመውት ነዊሕ ሓሊፉ ነበረ፣ ንዕኡ ተኪኡ ዜገልግል ዝነበረ ኤልሳእ እውን ብዘመን ንግስና ኣቦ የሮብዓም እዩ ሞይቱ። የሆዋ በዞም ሰባት እዚኣቶም ተጠቒሙ ንኣምልኾ በዓል እኳ እንተ ኣጥፍኦ፡ እስራኤላውያን ግን ብፍታዎም ናብ ኣምልኾ በዓል ይምለሱ ነበሩ። እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ” እተባህለሉ ንጉስ እያ ነይራ። (2 ነገስት 14:24) ስለዚ፡ ዮናስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ቀሊል ወይ ባህ ዜብል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን፡ ብተኣማንነት ዕዮኡ ፈጸመ።
ሓደ መዓልቲ ግን፡ ዮናስ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዕዮ፡ ካብ የሆዋ ተዋህቦ። የሆዋ እንታይ ኪገብር እዩ ሓቲትዎ፧
“ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ . . . ኪድ”
የሆዋ ንዮናስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ” በሎ። (ዮናስ 1:2) እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ዚመስለሉ ምኽንያት ንምርዳኡ ኣየጸግመናን እዩ። ነነዌ ናብ ምብራቕ ኣስታት 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ብእግሪ ዚግበር ጕዕዞ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ይወስድ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ጕዕዞ ዜምጽኦ ጸገማት፡ ዝቐለለ ኽፋል እቲ ዕዮ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ዮናስ ኣብ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ መልእኽቲ የሆዋ ነቶም ብዓመጻኦምን ብጭካነኦምን ዕሉላት ዝነበሩ ኣሶራውያን እዩ ኼብጽሓሎም ተላኢኹ። ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ፡ ካብቶም ኣረማውያን ደኣ እሞ እንታይ እዩ ኺጽበ፧ በይኑ ዝኸደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብታ ድሕሪ ግዜ “ኸተማ ደም” እተባህለት ዓባይ ኸተማ ነነዌ ብኸመይ እዩ ኺዕወት፧—ናሆም 3:1, 7።
ዮናስ ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ከም ዝሃደመ ግን ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ናብ ምብራቕ ገጹ ኪኸይድ መምርሒ እኳ እንተ ሃቦ፡ ዮናስ ግን ብእተኻእሎ መጠን ናብ ምዕራብ ገጹ ኣርሒቑ ኺጐዓዝ ተበገሰ። ናብታ ወደባዊት ከተማ ያፋ ኸይዱ፡ ኣብኣ ናብ ተርሲስ እትወስዶ መርከብ ረኸበ። ገሊኦም ምሁራት፡ ተርሲስ ኣብ ስጳኛ ኸም ዝነበረት ይገልጹ እዮም። ልክዕ እንተ ዀይኖም፡ ዮናስ ካብ ነነዌ 3,500 ኪሎ ሜተር እዩ ኺርሕቕ መዲቡ። እዚ ናብ ጫፍ እቲ ሽዑ ዓብዪ ባሕሪ ዚበሃል ዝነበረ ባሕሪ መዲተራነያን ኪገብሮ ዝመደበ ጕዕዞ፡ ክሳዕ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ምወሰደሉ ነይሩ! ዮናስ ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ንኺሃድም፡ ማዕረ ኽንድዚ እዩ ቘሪጹ።
እሞኸ ንዮናስ ከም ፈራህ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ተሃዊኽና ኽንፈርዶ የብልናን። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ዜደንቕ ትብዓት እውን ኣርእዩ እዩ። ከም ኵላትና ግን፡ ምስ ብዙሕ ጕድለታቱ ዚቃለስ ዝነበረ ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። (መዝሙር 51:5) መን ካባና እሞ እዩ ምስ ፍርሂ ተቓሊሱ ዘይፈልጥ፧
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ጌርና እንርእዮ ነገራት ክንገብር፡ ኣምላኽ ይሓተና ይኸውን። ከም ክርስትያናት መጠን፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እውን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። (ማቴዎስ 24:14) ነቲ የሱስ፡ “ብኣምላኽ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ” ብምባል እተዛረቦ ኣገዳሲ ሓቂ ብቐሊሉ ኽንርስዖ ንኽእል ኢና። (ማርቆስ 10:27 ትርጕም 1990) ሓድሓደ ግዜ፡ ነዚ ሓቂ እዚ እንተ ረሲዕና፡ ንዮናስ ኣጸጊምዎ ዝነበረ ነገር ኪርድኣና ይኽእል ይኸውን። ዮናስ ብምህዳሙ ግን እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ፧
የሆዋ ነቲ ዘይተኣዘዘ ነብዪኡ ገሰጾ
ዮናስ ኣብታ መርከብ ጽዕነት ፊንቄኣውያን ነይራ ኽትከውን እትኽእል መርከብ ድዪቡ ቦታኡ ኺሕዝ ከሎ፡ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ዮናስ፡ እቲ ሓለቓ መርከብን ሰራሕተኛታቱን ነታ መርከቦም ሒዞም ካብቲ ወደብ ኪነቕሉ ኸለዉ ረኣዮም። ካብቲ ገማግም ባሕሪ እናረሓቐ ምስ ከደ፡ ካብቲ ዝፈርሆ ሓደጋ ኸም ዘምለጠ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ግን ኵነታት ኣየር ተቐያየረ።
ብርቱዕ ንፋሳት ነቲ ባሕሪ ኣናወጾ፡ ሎሚ ንዘለዋ መራኽብ እውን ዚውሕጥ ማዕበላት ድማ ተላዕለ። እታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት መርከብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ኣዝያ ደቃቕን ተነቃፊትን መሰለት። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮናስ ነቲ ጸኒሑ፡ “እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ” ኢሉ ዝጸሓፎ ነገር ፈሊጥዎ ነይሩ ድዩ፧ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተዀነ ግን፡ እቶም ባሕረኛታት ዓው ኢሎም ናብ ኣማልኽቶም ኪምህለሉ ኸለዉ ረኣየ፡ ካብቶም ኣማልኽቶም ሓገዝ ከም ዘይረኽቡ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ” ይብል። (ዮናስ 1:4፣ ዘሌዋውያን 19:4) እሞኸ ዮናስ ካብ ኣምላኽ እናሃደመ ኽነሱ፡ ከመይ ኢሉ ናብኡ ኺጽሊ ይኽእል፧
ዮናስ ዚገብሮ ስለ ዝሓርበቶ፡ ናብ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፡ ተገምሰሰ። ከቢድ ድቃስ ድማ ወሰዶ።b እቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ምስ ረኸቦ፡ ኣበራበሮ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ሰባት ከኣ ናብ ኣምላኹ ኺጽሊ ተማሕጸኖ። እቶም ባሕረኛታት፡ እቲ ማዕበል ልዕለ-ባህርያዊ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ፡ ብሰሪ መን እዚ ኸም ዝረኸቦም ንምፍላጥ፡ ዕጭ ኣውደቑ። ዕጭ ኬውድቑ ኸለዉ፡ በብሓደ እቶም ካልኦት ሰባት ሓራ ምስ ኰኑ፡ ልቢ ዮናስ ተመሊሑ ኪኸውን ኣለዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ሓቂ ወጸት። ንዮናስ ማዕበል ከም ዜጓንፎን ዕጭ ከም ዚበጽሖን ዝገበረ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ።—ዮናስ 1:5-7።
ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት ኵሉ ነገር ነገሮም። ኣገልጋሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ሓበሮም። ካብቲ ኣምላኽ እቲ ይሃድም ከም ዘሎን ከም ዘጕሃዮን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንዅሎም ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተዎምን ገለጸሎም። እቶም ሰባት ሰምበዱ፣ ዮናስ ኣብ ኣዒንቶም ፍርሆም ኬንብብ ይኽእል ነበረ። ነታ መርከብን ንህይወቶምን ንምድሓን፡ እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዘለዎም ሓተትዎ። እሞኸ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ ዮናስ ኣብቲ ቘራርን ዚናወጽን ዝነበረ ባሕሪ ብዛዕባ ምጥሓል ኪሓስብ ከሎ፡ ቅዝሕዝሕ ኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እናፈለጠ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ኺሞቱ ስቕ ኢሉ ኽርኢ ዚኽእል፧ ስለዚ ድማ፡ “እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ” በሎም።—ዮናስ 1:12።
እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ሓደ ፈራህ ሰብ ኪዛረበን ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ኣብቲ ጽንኩር ኵነታት ንትብዓትን ንርእሰ-መስዋእትን ዮናስ ምርኣዩ፡ ንልቡ ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ፡ እምነት ዮናስ ክሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ሎሚ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕምና ብምቕዳም፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 13:34, 35) ሓደ ሰብ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ወይ መንፈሳዊ ሽግር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ንምሕጋዙ ጻዕሪ ንገብር ዲና፧ ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነሐጕሶ!
እቶም ባሕረኛታት እውን በዚ ተደሪኾም እዮም ዚዀኑ፡ ኣብ ፈለማ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዩ ኣበዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ማዕበል ንምምላጥ ዚከኣሎም ኵሉ ገበሩ፡ ግናኸ ኣይሰለጦምን። እቲ ማዕበል እናበርትዐ ኸደ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ረኣዩ። እቲ ንዮናስ ኣምላኹ ዝዀነ የሆዋ ምሕረት ኪገብረሎም ድሕሪ ምምህላል፡ ንዮናስ ኣልዒሎም ናብ ባሕሪ ደርበይዎ።—ዮናስ 1:13-15።
ዮናስ፡ ምሕረትን ድሕነትን ረኸበ
ዮናስ ናብቲ ዚናወጽ ማዕበላት ተደርበየ። ምናልባት ንእተወሰነ እዋን ንኸይጥሕል ፈንጠርጠር ኢሉ ይኸውን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዚጸፍዖ ዝነበረ ማያት እውን እታ መርከብ ቀልጢፋ ኸም ዝረሓቐት ርእዩ ይኸውን። እቲ ብርቱዕ ማዕበላት ግን ጸቐጦ፡ ናብ ውሽጢ ድማ ኣጥሓሎ። እናጠሓለ ኪኸይድ ከሎ፡ ተስፋ ቘሪጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ዮናስ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም እተሰምዖ፡ ጸኒሑ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዙሕ ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ መጾ። ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ጽብቕቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይርእያ ስለ ዝመሰሎ ጐሃየ። ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኺጥሕል ከሎ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ኣኽራን፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኸም እተጠምጠሞ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ጕድጓዱ ወይ መቓብሩ ዝዀኖ መሰሎ።—ዮናስ 2:3-7።
ግናኸ፡ ሓደ ዓብዪን ጸሊምን ህያው ነገር ናብኡ ኪቐርብ ጀመረ። ኣብ ከባቢኡ ድሕሪ ምዛር፡ ናብኡ ተወርወረ። ነቲ ዓብዪ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ወሓጦ!
ሕጂ ኣኺልዎ ሞት ኣርኪብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግናኸ ዮናስ ሓደ ዜገርም ነገር ኣስተውዓለ። ገና ህያው እዩ ዘሎ! ኣይተሓይከን፡ ኣይተጣሕነን፡ ትንፋስ እውን ኣይሓጸሮን። ኣብ መቓብሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ገና እስትንፋስ ህይወት ነበሮ። በብቝሩብ ኪድንጽዎ ጀመረ። ንዕኡ “ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ [ዘ]ዳለወ፡” የሆዋ ኣምላኹ ኪኸውን ኣለዎ።c—ዮናስ 2:1።
ደቓይቕ ሓለፈ፡ ሰዓታት እውን መልአ። ዮናስ ኣብቲ ዘይፈልጦ ድቕድቕ ጸልማት፡ ሓሳባቱ ጠርኒፉ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸለየ። እቲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ዮናስ ብምሉኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ እዩ ዚገልጸልና። ዮናስ ብተደጋጋሚ ኻብ መጽሓፍ መዝሙር ስለ ዝጠቐሰ፡ ሰፊሕ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝነበሮ ይሕብረና። መመስገኒ ምንባሩ እውን ተራእዩ እዩ። “ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ደምደመ።—ዮናስ 2:10።
የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ከም ዜድሕን፡ ዮናስ ፈለጠ። “ኣብ ከብዲ ዓሳ” እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ነቲ እተሸገረ ኣገልጋሊኡ ረኺቡ ኣድሓኖ። (ዮናስ 2:1) ሰብ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ንሰለስተ መዓልትን ንሰለስተ ለይትን ህያው ኰይኑ ኸም ዚጸንሕ ኪገብር ዚኽእል፡ የሆዋ ጥራይ እዩ። የሆዋ ‘ንእስትንፋስና ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ኣምላኽ’ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ዳንኤል 5:23) ሳላኡ ኢና እስትንፋስ ኪህልወናን ብህይወት ክንህሉን ዝኸኣልና። እሞኸ መመስገንቲ ዲና፧ ንየሆዋኸ ኽንእዘዞዶ ኣይግባእን፧
ዮናስከ ብተኣዛዝነት ኣቢሉ ንየሆዋ ኼመስግኖ ኸም ዘለዎ ተማሂሩዶ፧ እወ፡ ተማሂሩ እዩ። ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ድሕሪ ምጽናሑ፡ እቲ ዓሳ ንዮናስ ናብ ገምገም ባሕሪ ኣምጺኡ፡ “ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።” (ዮናስ 2:11) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ንምብጻሕ ኪሕምብስ እውን ኣየድለዮን! ልክዕ እዩ፡ ኣበየናይ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ፡ ባዕሉ ኺፈልጥ ነይርዎ። ነዊሕ ከይገበረ ግን፡ ክሳዕ ክንደይ መመስገኒ ምዃኑ ተፈተነ። ዮናስ 3:1, 2፡ “ንዮናስ፤ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ አውጀላ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ” ትብል። ዮናስ እንታይ እዩ ገይሩ፧
ዮናስ ሰጋእ መጋእ ኣይበለን። “ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፡ ናብ ነነዌውን ከደ” ዚብል ነንብብ። (ዮናስ 3:3) እወ፡ ከምቲ እተነግሮ ተኣዘዘ። ካብ ጌጋታቱ ኸም እተማህረ ንጹር እዩ። ኣብዚ እውን ንእምነቱ ኽንቀድሓ ንኽእል ኢና። ኵላትና ንሓጥእ፡ ኵላትና እውን ንጋገ ኢና። (ሮሜ 3:23) ኰይኑ ግን፡ ንሕለል ዲና፡ ወይስ ካብ ጌጋታትና ተማሂርና ንኣምላኽ ብተኣዛዝነት ምግልጋል ኢና እንቕጽል፧
የሆዋኸ ንዮናስ ብምኽንያት ተኣዛዝነቱ ዓስቡ ሂብዎዶ፧ ብርግጽ ሂብዎ እዩ። ብቐዳምነት፡ እቶም ባሕረኛታት ከም ዝደሓኑ፡ ዮናስ ዝፈለጠ እዩ ዚመስል። ዮናስ ንርእሱ መስዋእቲ ምስ ገበረ፡ እቲ ባሕሪ ኻብ ምንዋጹ ሃድአ፡ እቶም ባሕረኛታት ከኣ ንየሆዋ “ኣዝዮም ፈርህዎ፡” ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ዘይኰነስ፡ ናብኡ መስዋእቲ ኣቕረቡ።—ዮናስ 1:15, 16።
ጸኒሑ ዝዓበየ ዓስቢ ረኺቡ እዩ። የሱስ፡ እቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ዘሕለፎ እዋን፡ ነቲ ንሱ ንባዕሉ ኣብ መቓብር ወይ ሲኦል ዜሕልፎ እዋን ዜመልክት ትንቢታዊ ምሳሌ ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 12:38-40) ዮናስ ኣብ ምድሪ ንምንባር ምስ ተንስአስ፡ ብዛዕባ እቲ በረኸት እቲ ምፍላጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኬሐጕሶ እዩ! (ዮሃንስ 5:28, 29) ንዓኻ እውን፡ የሆዋ ኺባርኸካ ይደሊ እዩ። እሞኸ ኸም ዮናስ፡ ካብ ጌጋታትካ ተማሂርካ፡ ተኣዛዝነትን ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስን ከተርኢ ዲኻ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ፈሪሳውያን ብዛዕባ የሱስ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ብትዕቢት ተደሪኾም፡ “መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” ስለ ዝበሉ፡ ዮናስ ካብ ሓንቲ ኣብ ገሊላ እትርከብ ዓዲ ምዃኑ፡ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ዮሃንስ 7:52) ብዙሓት ተርጐምትን ተመራመርትን፡ ፈሪሳውያን ካብቲ ኣትሒትካ ዚርአ ዓድታት ገሊላ ዋላ ሓደ ነብዪ ኸም ዘይተንስአ ወይ ከም ዘይትንስእ ብድብድቡ ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ፡ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ነይርዎም፡ ንታሪኽን ትንቢትን እዮም ዕሽሽ ዚብሉ ነይሮም።—ኢሳይያስ 9:1, 2።
b ኣብ ሰፕቱጀንት፡ ዮናስ ይሕርንኽ ከም ዝነበረ ስለ እተገልጸ፡ ክሳዕ ክንደይ ደቂሱ ኸም ዝነበረ ጐሊሑ ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ምድቃሱ፡ ከም ግዲ ዘይብሉ ሰብ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ፡ ሓድሓደ ግዜ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ሰባት ድቃስ ከም ዚስዕሮም ክንርስዕ የብልናን። ኣብቲ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ተጨኒቑሉ ዝነበረሉ ሰዓታት፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እውን “ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም” እዮም።—ሉቃስ 22:45።
c እታ “ዓሳ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ናብ ግሪኽ ክትትርጐም ከላ፡ “ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ” ወይ “ገዚፍ ዓሳ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እንታይ ዓይነት ፍጥረት ባሕሪ ኸም ዝወሓጦ ብልክዕ ኽንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ምሉእ ሰብኣይ ኪውሕጡ ዚኽእሉ ዓይነት ከልቢ ዓሳ (ሻርክ) ኸም ዘለዉ ግን ይፍለጥ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዝዓበዩ ዓይነት ከልቢ ዓሳ ኣለዉ፣ ዌል ሻርክ ዚበሃል ሓደ ዓይነት ከልቢ ዓሳ፡ ንውሓቱ ኽሳዕ 15 ሜተር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኺበጽሕ ይኽእል እዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንዮናስ ካብ ሓያስያን ዘጋጠሞ ነቐፌታ
▪ እቲ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዮናስ እተመዝገበ ፍጻመታት፡ ብሓቂ ኣጋጢሙ ድዩ፧ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ሓያስያን ነዛ መጽሓፍ ይነቕፍዋ እዮም። ኣብዚ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሓያስያን በዚሖምሉ ዘለዉ ግዜ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ሓሶት፡ ኣፈ-ታሪኽ፡ ጽውጽዋይ፡ ወይ ልቢ ወለድ ጌርካ እያ እትርአ። ሓደ ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ደራሲ፡ ሓደ ኻህን ንዛንታ ዮናስን እቲ ዓብዪ ዓሳን ብዜገርም ዓይነት ምሳልያዊ ዛንታ ገይሩ ምግላጹ፡ ከምዚ ብምባል ሓበረ፦ ዮናስ ኣብ ያፋ ኣብ እትርከብ ዓሳ ኣንበሪ እትበሃል ሆቴል ኣተወ። ዚኸፍሎ ገንዘብ ምስ ወሓዶ፡ እቲ ዋና ሰጐጎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ዓሳ ኣንበሪ ንዮናስ “ወሓጦ፡” ጸኒሑ ኸኣ “ተፍኦ።” ንዮናስ ካብቲ ዓብዪ ዓሳ ንላዕሊ ኺውሕጥዎ ቘሪጾም እተላዕሉ፡ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ እዮም!
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቐፌታ ዚበዝሓ ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ ተኣምራት እያ እትገልጽ። ብዙሓት ሓያስያን ብዛዕባ ተኣምራት ደረቕ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪኸውን ከም ዘይክእል ይኣምኑ። ኣረኣእያኦም ግን ብሓቂዶ ርትዓዊ እዩ፧ ‘ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀዳማይ ምሉእ ሓሳብ እኣምነሉ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እቲ ምሉእ ሓሳብ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:1) ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብብዙሕ ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ቐሊል ሓቂ እዚ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። ብሓደ ሸነኹ ኽንርእዮ ኸለና ግን፡ እዚ ምሉእ ሓሳብ እዚ ጥራይ ካብቲ ጸኒሑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ተኣምራት ኣጸቢቑ ዝሰፍሐ ተኣምራት እዩ ሒዙ ዘሎ።
ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ነቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያትን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ እተሓላለኸ ዜደንቕ ህይወትን ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ዮናስ እተገልጸ ነገር እዩ ኺጨንቆ፧ ማዕበል ምፍጣር ድዩ ኺጨንቆ፧ ንሓደ ዓብዪ ዓሳ፡ ንሰብኣይ ከም ዚውሕጥ ምግባር ድዩ ኺጨንቆ፧ ወይስ ነቲ ዓሳ፡ ነቲ ዝወሓጦ ሰብኣይ ከም ዚተፍኦ ምግባር፧ ንሓደ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ ፈጣሪ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምግባር ኣይሰኣኖን እዩ።—ኢሳይያስ 40:26።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ኢዱ ኸየእተወ እውን፡ ዜደንቕ ነገራት ይፍጸም እዩ። ንኣብነት፡ ብ1758 ሓደ ባሕረኛ ኻብ መርከቡ ናብ ባሕሪ መዲተራነያን ከም ዝወደቐን ሓደ ኸልቢ ዓሳ ኸም ዝወሓጦን ይንገር እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ሰባት ናብቲ ዓሳ መድፍዕ ተኰሱ። እቲ ዓሳ ምስ ቈሰለ፡ ነቲ ባሕረኛ ተፍኦ፣ እቲ ባሕረኛ እውን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከየጋጠሞ ደሓነ። እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ተኣምር እኳ እንተ ዘይበልናዮ፡ ዜደንቕን ዜስደምምን ታሪኽ ምዃኑ ግን ንሓስብ ንኸውን። ኣምላኽከ ዝያዳ ነገራት ንምግባር ሓይሉ ኺጥቀም ኣይክእልንዶ፧
ሓደ ሰብ ኣብ ከብዲ ዓሳ ንሰለስተ መዓልቲ እንተ ጸኒሑ፡ ኣየር ሓጺርዎ ኸም ዚመውት፡ ገሊኦም ተጠራጠርቲ ይማጐቱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሰባት ኣብ ሓደ መዕቈሪ፡ ኣየር መሊኦም፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ትሕቲ ማይ እናኣስተንፈሱ ንኺጸንሑ ይጥቀሙሉ እዮም። ኣምላኽ በቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉን ጥበቡን ተጠቒሙ፡ ንዮናስ ንሰለስተ መዓልቲ እናኣስተንፈሰ ኸም ዚጸንሕ ኪገብሮ ኣይክእልንዶ፧ ከምቲ ሓደ መልኣኽ የሆዋ ንማርያም ኣደ የሱስ ዝነገራ፡ “ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር [የልቦን]።”—ሉቃስ 1:37።
መጽሓፍ ዮናስ ሓቅነት ዘለዎ ታሪኽ ዝሓዘት ምዃና ዜረጋግጽ፡ እንታይ ካልእ ነገራት ኣሎ፧ ዮናስ ብዛዕባ እታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝርዝርን ክውንነታውን እዩ። ኣብ ዮናስ 1:5፡ እቶም ባሕረኛታት ነታ መርከብ ምእንቲ ኼፍኵሱላ ኢሎም ኣቕሑኦም ከም ዝደርበዩ ነንብብ። ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ሕጊ ረቢታትን፡ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ከምኡ ምግባር ልሙድ ምንባሩ ይሕብረና። ዮናስ ጸኒሑ ብዛዕባ ነነዌ ዝሃቦ መግለጺ እውን፡ ምስ ታሪኻውን ስነ-ጥንታውን መርትዖታት ይሰማማዕ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ዮናስ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብ መቓብር ዚጸንሓሉ ግዜ ዜመልክት ትንቢት ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 12:38-40) እቲ የሱስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ዛንታ ዮናስ ሓቂ ምዃኑ የረጋግጽ።
“ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር [የልቦን]።”—ሉቃስ 1:37
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ዮናስ ነቶም ባሕረኛታት ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ምስ ተማሕጸኖም፡ ኣልዒሎም ደርበይዎ