ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ብምሕሳብ ምስኡ ምምልላስ
“ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ: ” NW ] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና። ”—ሚክያስ 4:5
1. የሆዋ “ንጉስ ዘለኣለም” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ መጀመርታ የብሉን። ስለዚ ኸኣ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ልክዕ ኢዩ። (ዳንኤል 7:9, 13) ንመጻኢ እውን የሆዋ ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ። ንሱ በይኑ ጥራይ ኢዩ “ንጉስ ዘለኣለም።” (ራእይ 10:6፣ 15:3 NW ) ኣብ ቅድሚኡ ሽሕ ዓመት “ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን።”—መዝሙር 90:4
2. (ሀ) ኣምላኽ ንእዙዛት ሰባት ዝምልከት እንታይ ዕላማ ኣለዎ፧ (ለ) ተስፋታትናን ውጥናትናን ኣብ እንታይ ኢዩ ከተኵር ዘለዎ፧
2 እቲ ወሃብ ህይወት ዘለኣለማዊ ስለ ዝዀነ: ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣዳምን ሄዋንን: እውን ኣብ ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ከም ዝህልዎም ክገብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣዳም ግን ብዘይምእዛዙ ናብ ውሉዳቱ ሓጢኣትን ሞትን ብምትሕልላፍ ነቲ ዝነበሮ ንዘለኣለም ናይ ምንባር መሰል ኣጥፍአ። (ሮሜ 5:12) እንተዀነ ግን: ዕልወት ኣዳም ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዝተርፍ ኣይገበሮን። እዙዛት ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ: ንዕላምኡ ኸኣ ክፍጽሞ ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:11) ስለዚ ኸኣ ነቲ ዘሎና ተስፋን መደባትን ንኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ምግልጋል ከም ዘተኵር ክንገብሮስ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ። “መዓልቲ የሆዋ” (NW ) ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ክንሕዛ ንደሊ እኳ እንተዀንና: ሸቶና ምስ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምምልላስ ምዃኑ ምዝካር ግን ኣድላዪ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:12
የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ስጕምቲ ይወስድ
3. የሆዋ ዕላምኡ ዝፍጽመሉ “ምዱብ ግዜ” ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧
3 ምስ ኣምላኽ እንመላለስ ሰባት ከም ምዃንና መጠን: ኣብ ምፍጻም ፍቓዱ ኣዚና ንግደስ ኢና። የሆዋ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ዝወሰኖ ግዜ ዘኽብር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና: ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ዕላምኡ ካብ ምፍጻም ፈጺሙ ድሕር ከም ዘይብል ድማ እምንቶ ኣሎና። ንኣብነት: ‘ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ኣምላኽ ወዱ ለኣኸ።’ (ገላትያ 4:4) ሃዋርያ ዮሃንስ እቲ ብምልክት ዝረኣዮ ነገራት ዝፍጸመሉ “ምዱብ ግዜ” (NW ) ከም ዘሎ ተነግሮ። (ራእይ 1:1-3) ‘ምዉታት ዝፍረድሉ ዘመን [“ምዱብ ግዜ:” NW ]’ ኣሎ። (ራእይ 11:18) ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር ሃዋርያ ጳውሎስ ኣምላኽ “ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ” ከም ዘሎ ንኽዛረብ ብመንፈስ ቅዱስ ተደረኸ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:31
4. የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ጥፍኣት ከምጽእ ከም ዝደሊ ብኸመይ ንፈልጥ፧
4 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ስሙ ረኺሱ ስለ ዘሎ የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከጥፍኦ ኢዩ። እኩያት ዓንቢቦም ኣለዉ። (መዝሙር 92:7) ንኣምላኽ ብቓላቶምን ተግባራቶምን ይጸርፍዎ: ኣገልገልቱ ክዋረዱን ክስጐጉን ክርኢ ድማ የጕህዮ ኢዩ። (ዘካርያስ 2:8) ስለዚ የሆዋ ንማሕበር ሰይጣን ብምልኡ ኣብ ቀረባ እዋን ክጠፍእ ምፍራዱ ዘገርም ኣይኰነን! እዚ መዓስ ከም ዝኸውን ኣምላኽ ግዜ መዲቡ ኣሎ: ፍጻሜታት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሕጂ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ምህላውና ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ። (ዳንኤል 12:4) ንዅሎም እቶም ዘፍቅርዎ በረኸት ምእንቲ ኸምጽኣሎም ቀልጢፉ ስጕምቲ ኽወስድ ኢዩ።
5. ሎጥን ኣንባቆምን ብዛዕባ እቲ ከቢብዎም ዝነበረ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧
5 ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ እከይ መወዳእታ ክርእዩ ሃንቀው ይብሉ ነይሮም ኢዮም። እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ‘በቲ ኣበሳኦምን ርኹስ ንብረቶምን ይሳቐ ነበረ።’ (2 ጴጥሮስ 2:7) ነብዪ ኣንባቆም ከኣ በቲ ከቢብዎ ዝነበረ ኵነታት ብምጕሃይ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ለመነ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ: ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ: ንስኻውን ኣየድሐንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ: ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ: ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።”—ኣንባቆም 1:2, 3
6. የሆዋ ንጸሎት ኣንባቆም ክምልሰሉ ከሎ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ንሕናኸ ካብኡ እንታይ ኢና እንማሃር፧
6 የሆዋ ንኣንባቆም ከምዚ ብምባል ብኸፊል መለሰሉ:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:3) ስለዚ ኣምላኽ ኣብቲ ‘ምዱብ ግዜ’ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ኣፍለጠ። ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ: የሆዋ ዕላምኡ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይክብልን ኢዩ!—2 ጴጥሮስ 3:9
ብዘይቅህም ቅንኢ ምግልጋል
7. የሱስ መዓልቲ የሆዋ ብልክዕ መዓስ ከም እትመጽእ እንተ ዘይፈለጠ እኳ: ዕዮታቱ ብኸመይ ይፍጽም ነበረ፧
7 ምስ ኣምላኽ ብቕንኢ ንምምልላስ እቲ የሆዋ ንነገራት ዝፍጽመሉ ግዜ ክንፈልጥ የድልየናዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣየድልየናን ኢዩ። ገለ ኣብነታት ርአ። የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣብ ምድሪ እውን ኰይኑ ክርኢ ኣዝዩ ይግደስ ኢዩ ነይሩ። ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ክጽልዩ ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) የሱስ ከምዚ ኢልካ ምልማን መልሲ ከም ዝረክብ እንተ ፈለጠ እኳ: እቲ ዝፍጸመሉ ልክዕ ግዜ ግን ኣይፈልጦን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ብዛዕባ መወዳእታ ኣገባብ ዝሃቦ ዓቢ ትንቢት ከምዚ በለ:- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን።” (ማቴዎስ 24:36) የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ብምዃኑ ነቶም ጸላእቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ኣብ ምጥፋእ ብቐጥታ ክካፈል ኢዩ። ኣብ ምድሪ ኸሎ ግን ኣምላኽ መዓስ ስጕምቲ ከም ዝወስድ እኳ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እዚ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበሮ ቅንኢ ከም ዝቕህምዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይገበሮን! የሱስ ብቕንኢ ነታ ቤት መቕድስ ከጽርያ ምስ ረኣዩ እቶም ‘ደቀ መዛሙርቱ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ [ዝብል] ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።’ (ዮሃንስ 2:17፣ መዝሙር 69:9) የሱስ ነቲ ክፍጽሞ እተነግሮ ዕዮ ንምግባር ትሑዝ ነበረ: ነዚ ድማ ብዘይቅህም ቅንኢ ገበሮ። ንኣምላኽ ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከኣ ኢዩ ዝነብር ነይሩ።
8, 9. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምቕናዕ እታ መንግስቲ ምስ ሓተቱ: እንታይ ኢዩ እተነግሮም: እንታይ ኢሎምከ መለሱ፧
8 እቶም ንክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኢዮም ገይሮም። የሱስ ቀቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ምስኦም ተራኺቡ ነበረ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ተአኪቦም ከለዉ፤ ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።” ንሳቶም እውን ልክዕ ከም ጐይትኦም እታ መንግስቲ ክትመጽእ ሃንቀው ይብሉ ነበሩ። የሱስ ግን ከምዚ ኢሉ መለሰሎም:- “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8
9 እቶም ደቀ መዛሙርቲ በዚ መልሲ እዚ ከም ዝጐሃዩ ዝሕብር ነገር የለን። ኣብ ክንድኡስ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብቕንኢ ትሕዝቲ ገበርዋ። ኣብ ውሽጢ ገለ ሰሙናት ከኣ ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መልእዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:28) ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ከኣ ነቲ ናይ ስብከት ንጥፈት ስለ ዘስፋሕፍሕዎ ጳውሎስ እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር’ ተሰብከ ክብል ከኣለ። (ቈሎሴ 1:23) ከምቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብጌጋ እተጸበይዎ ዋላ እኳ እታ መንግስቲ ‘እስራኤል [እንተ] ዘይቀንዐት’ ከምኡውን ኣብ ግዜኦም ኣብ ሰማይ እንተ ዘይቈመት: ንኣምላኽ ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምርኦም ብምሓዝ ዕዮኦም ቀጸሉ።
ንድራኸታትና ምምርማር
10. ኣምላኽ ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ መዓስ ከም ዘጥፍኦ ዘይምፍላጥና እንታይ ንምርግጋጽ ኢዩ ዘኽእለና፧
10 ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ጠፊኡ ክርእዩ ይህንጠዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ነገር ድሒንና ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ምእታውና ኣይኰነን። ስም የሆዋ ተቐዲሱ ሉዓላውነቱ ድማ ተረጋጊጹ ክንርኢ ኢና እንደሊ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ እዚ ኣገባብ ሰይጣን ዝጠፍኣሉ ‘መዓልቲ ወይ ሰዓት’ ብዘይምንጋሩ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክንመላለስ ዝወስንና ብስስዐ ተደሪኽና ድሕሪ ሓጺር እዋን እንበጽሖ ሸቶታት ስለ ዝገበርና ዘይኰነስ ስለ እነፍቅሮ ምዃኑ መርትዖ ዝህብ ኢዩ።
11, 12. ንጽህና እዮብ ኣብ ፈተና ዝኣተወ በየናይ መገድታት ኢዩ: እቲ ፈተና እቲኸ ምሳና እንታይ ርክብ ኣለዎ፧
11 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናና ምስ እንዕቅብ: ነቲ ቅኑዕ ዝነበረ እዮብ—ብእኡ ኣቢሉውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሰባት— ንኣምላኽ ብስሰዐ ኢዮም ዘገልግልዎ ብምባል ሰይጣን ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ መረጋገጺ ንህብ። የሆዋ ኣገልጋሊኡ እዮብ መንቅብ ዘይብሉ: ቅኑዕ: ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ምዃኑ ምስ ገለጸ: ሰይጣን ብተንኮል ከምዚ በለ:- “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ: ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ: ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን።” (እዮብ 1:8-11) እዮብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኡ ብምሕላዉ: እዚ ተንኰል እተሓወሶ ዘረባ እዚ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋገጸ።
12 ንሕና እውን ንጽህናና ምስ እንሕሉ: ነቲ ንኣምላኽ እነገልግሎ ዓስቢ ከም ዘለዎ ስለ ዝፈለጥና ምዃኑ ዝገልጽ ሰይጣን ዘምጽኦ ዝዀነ ይኹን ክሲ ሓሶት ምዃኑ ከነረጋግጾ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት መዓስ ጥፍኣት ከም ዘውርድ ዘይምፍላጥና ንኣምላኽ ብሓቂ ከም እነፍቅሮ ብመገድታቱ ድማ ንዘለኣለም ክንመላለስ ከም እንደሊ ንኸነረጋግጽ ኣጋጣሚ ዝህበና ኢዩ። ንዕኡ እሙናት ምዃንና በቲ ንነገራት ዝፍጽመሉ ኣገባብ ድማ ከም እንተኣማመን ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እታ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና ልክዕ ከምቲ ሰራቒ ብለይቲ ኣብ ዘይተፈልጠ ሰዓት ዝመጽእ መወዳእታ እውን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከም ዝመጽእ ስለ እንግንዘብ ኵሉ ግዜ ጥንቁቓትን ብመንፈስ ንቑሓትን ክንከውን ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:42-44) መዓልቲ-መዓልቲ ምስ የሆዋ ብምምልላስ ንልቡ ነሐጕሶ: ነቲ ዝጸርፎ ሰይጣን ከኣ መልሲ ከም ዝህቦ ንገብር።—ምሳሌ 27:11
ንዘለኣለም ንምግልጋል መድብ!
13. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንመጻኢ ምምዳብ እንታይ ይብል፧
13 እቶም ምስ ኣምላኽ ዝመላለሱ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ምኽንያታዊ ዝዀነ መደብ ምግባር ናይ ጥበብ መገዲ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ግዜ እርጋን ዘሎ ሽግራትን ድኽመታትን ብምግንዛብ: ምስ ኣረጉ መናበሪኦም ዝኸውን ገንዘብ ምእንቲ ክህልዎም ንግዜ ንእስነቶምን ሓይሎምን ብዝግባእ ይጥቀምሉ። እሞ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መጻኢ መንፈሳዊ ኵነታትናኸ ድኣ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ: እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ትብል። ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ምምዳብ ብሓቂ ጠቓሚ ኢዩ። መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ብልክዕ መዓስ ከም ዝመጽእ ስለ ዘይንፈልጥ: ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዘድልየና ነገራት ክንሓስብ ኣሎና። እንተዀነ ግን: ሚዛናውያን ንኹን: ኣብ ህይወትና ድማ መለኮታዊ ፍቓድ ነቐድም። እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወትካ ቀንዲ ቦታ ምሃቡ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ኢዩ ብምባል ይድምድሙ ይዀኑ። ከምኡ ድዩ ግን፧
14, 15. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባት ኣመልኪቱ እንታይ ምሳሌ ሃበ፧ (ለ) ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ ኣርሒቑ ዘይሓስብ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 የሱስ ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ ዝህብ ምሳሌ ኣቕሪቡ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ሓደ ሀብታም ሰብኣይ ግሩሁኡ ቀደወሉ። ብልቡ ኸኣ፤ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን: እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፤ ከምዚ እገብር፤ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ: ኣግፊሔ እሰርሖ: ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፤ ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ: እብላ: በለ። ኣምላኽ ግና፤ ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።”—ሉቃስ 12:16-21
15 የሱስ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ንመጻኢ ዝኣኽሎ ገንዘብ ንኽእክብ ኢሉ ክጽዕር ኣይነበሮን ድዩ ዝብል ዘሎ፧ ከምኡ ኣይኰነን: ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣበርቲዕካ ምዕያይ ኢዩ ዘተባብዕ። (2 ተሰሎንቄ 3:10) ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ጌጋ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዝዀነሉ ነገራት ዘይምግባሩ ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት ክሕጐሰሉ ዝኽእል ስጋዊ ሃብቲ እኳ እንተ ነበሮ: ጸኒሑ ክመውት ኢዩ። ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ነገራት ዘይሓስብ: ኣርሒቑ ዘይርኢ ሰብ ኢዩ ነይሩ።
16. ድልዱል መጻኢ ንኽህልወና ኣብ የሆዋ ብተኣማንነት ክንውከል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
16 ኣብ ኣእምሮኻ ንኣምላኽ ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ብምሓዝ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ተግባራውን ኣርሒቕካ ምጥማትን ኢዩ። ብዛዕባ መጻኢ ውጥን ክትገብረሉ እትኽእል እቲ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። ንትምህርቲ: ስራሕ: ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዝምልከት ተግባራዊ ዝዀነ ውጥናት ክትገብር ጥበባዊ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ነቶም እሙናቱ ፈጺሙ ከም ዘይድርብዮም ግን ኵሉ ግዜ ክንዝክሮ ዘሎና ነገር ኢዩ። ንጉስ ዳዊት “ንእሽቶ ነበርኩ: ኣሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 37:25) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም መንግስቱ ዘቐድሙን ምስ ኣምላኽ ብጽድቃዊ መገዲ ዝመላለሱን ሰባት ዘድልዮም ነገር ከም ዝህቦም ኣረጋጊጹ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33
17. መወዳእታ ምቕራቡ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧
17 ንኣምላኽ ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ሓሳባት ብምሓዝ ንዓዪ እኳ እንተ ዀንና: ገና ግን ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ንሕዛ ኢና። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ምፍጻሙ እዛ መዓልቲ እዚኣ ከም ዝቐረበት ዘረጋግጽ ኢዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝወርድ መስጐጕትን ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት እታ መንግስትን ሓዊስካ እዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ብውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ሕጽረት መግቢ ኢዩ ጐሊሑ ዝፍለጥ። እዚ ዅሉ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝሕብር ነገራት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:7-14፣ ሉቃስ 21:11) ዓለም በቶም ‘ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዝህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃር ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ’ ሰባት ኢያ መሊኣ ዘላ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት: ንዓና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብራ ከቢድ ኢዩ ዝኸውን። መንግስቲ የሆዋ መጺኣ ንዅሉ እከይ ክትጸራርጎስ ክንደይ ኰን ኢና ሃንቀው እንብል! ክሳዕ ሽዑ ግን ንኣምላኽ ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ምስኡ ንምምልላስ ንቝረጽ።
መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት እናተጸበኻ ምግልጋል
18, 19. እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ኣብ ኣእምርኦም ብምሓዝ ንኣምላኽ የገልግሉ ምንባሮም እንታይ የርኢ፧
18 ምስ የሆዋ ክንመላለስ ከሎና ነቲ ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ ዘርኣይዎ እምነት ንዘክር። ጳውሎስ ነዚኣቶም ምስ ጠቐሰ ከምዚ በለ:- “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን: ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ: ብእምነት ሞቱ።” (እብራውያን 11:13) እዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ‘እትሓይሽ: ማለት ሰማያዊት: ይናፍቑ’ ነበሩ። (እብራውያን 11:16) ብእምነት ኣብ ትሕቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓሸ ቦታ ክረኽቡ ይጽበዩ ነበሩ። ኣምላኽ ኣብቲ ዝሓሸ ቦታ—ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ምድራዊት ገነት—ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ከም ዝሽልሞም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 11:39, 40
19 ነብዪ ሚክያስ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከገልግልዎ ዘለዎም ቈራጽነት ገሊጽዎ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።” (ሚክያስ 4:5) ሚክያስ ክሳዕ ሞት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊልዎ ኢዩ። እዚ ነብዪ እዚ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ምስ ተንስአ: ንዘለኣለም ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ከም ዝቕጽል ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ነዞም ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ እንነብር ዘሎናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን ኢዩ!
20. ውሳነና እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧
20 የሆዋ ነቲ ንስሙ ዘርኣናዮ ፍቕሪ የማስወሉ ኢዩ። (እብራውያን 6:10) ኣብዛ ብሰይጣን ተዓብሊላ ዘላ ዓለም ኴንካ ንጽህናኻ ምሕላው ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ‘ዓለም ትሓልፍ ኢያ: እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግን ንዘለኣለም ክነብር’ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:17፣ 5:19) ስለዚ እምበኣር: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጥመና ፈተናታት ብሓገዝ የሆዋ ክንጽመሞ ቈሪጽና ንለዓል። ኣተሓሳስባናን መገድታትናን ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ተመባጺዕዎ ዘሎ ድንቂ ዝዀነ በረኸታት ዘተኵር ይኹን። ንዘለኣለም ምግልጋል ዝብል ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እንተድኣ ቀጺልና እዚ በረኸታት እዚ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።—ይሁዳ 20, 21
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ንእዙዛት ሰባት ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧
◻ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዛ እክይቲ ዓለም ጥፍኣት ንምምጻእ ገና ስጕምቲ ዘይወሰደ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣምላኽ መዓስ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ብልክዕ ዘይምፍላጥና ነቲ ዘሎና ቅንኢ ከቕህሞ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ዘለኣለማዊ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ሒዝና ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ዘምጽኦ ገለ ረብሓታት እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ: ከምቲ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝገበርዎ ብቕንኢ ከነገልግሎ የድልየና