21 ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ።+
ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ።+
2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+
የሆዋ ግና ልቢ ይምርምር።+
3 ቅንዕናን ፍትሕን ምግባር፡
ንየሆዋ ኻብ መስዋእቲ ብዝያዳ ባህ የብሎ።+
4 ዕቡያት ኣዒንትን ትዕቢተኛ ልብን፡
—እታ ንእኩያት እትመርሕ መብራህቲ፡ ሓጢኣት እያ።+
5 ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣+
ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።+
6 ብሓሳዊት ልሳን መዛግብቲ ምእካብ፡
ከም ዚበንን ግመ፡ ናብ ሞት ከም ዜብጽሕ መፈንጠራ እዩ።+
7 ፍትሒ ምግባር ይኣብዩ እዮም እሞ፡
እኩያት ብዓመጻኦም ይዅስተሩ።+
8 መገዲ በደለኛ ቔናን እያ፣
ተግባር ንጹህ ሰብ ግና ቅኑዕ እዩ።+
9 ካብ ምስ ነግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡
ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+
10 እኩይ ሰብ ክፍኣት ይሃርፍ፣+
ንብጻዩ ኸኣ ሞገስ ኣየርእዮን።+
11 መላገጺ ምስ ተቐጽዐ፡ ዘይለበመ ይጠብብ፣
ንጥበበኛ ልቦና ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ፍልጠት ይረክብ።+
12 እቲ ጻድቕ ንቤት እኩይ ይዕዘባ፣
ንእኩያት ከኣ ናብ ጥፍኣት ይድርብዮም።+
13 ኣውያት ትሑት ከይሰምዕ እዝኑ ዚደፍን፡
ንሱ እውን ይጽውዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።+
14 ብምስጢር እተዋህበ ህያብ፡ ቍጥዓ፡
ብሕቡእ እተዋህበ ጉቦ ድማ፡ ብርቱዕ ነድሪ የህድእ።+
15 ንጻድቕሲ ፍትሒ ምግባር ሓጐሱ እዩ፣+
ንገበርቲ እከይ ግና ኣዝዩ ሕማቕ እዩ።
16 እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዜልግስ፡
ኣብ ኣኼባ እቶም ብሞት እተሰነፉ ይዓርፍ።+
17 ጸወታ ዚፈቱ ይደኪ፣+
ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
18 እኩይ በጃ ጻድቕ እዩ፣
ጠላም ድማ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ይኸውን።+
19 ካብ ምስ ነግራምን ተበሳጫዊትን ሰበይትስ፡
ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ።+
20 ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣብ ቤት ጥበበኛ ይርከብ፣+
ዓሻ ሰብ ግና ዘለዎ ዘበለ ይዘሩ።+
21 ንጽድቅን ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕርን ዚስዕብ፡
ህይወትን ጽድቅን ክብርን ይረክብ።+
22 ጥበበኛ ናብ ከተማ ጀጋኑ ኺሓኵር፡
ንዚእመኑሉ ብርታዐ ድማ ኬፍርሶ ይኽእል።+
23 ኣፉን ልሳኑን ዚሕሉ፡
ንርእሱ ኻብ ጭንቂ ይሕልዋ።+
24 ግዲ ኸይገበረ ዚዳፈር፡
ተዳፋርን ዕቡይን ተጃሃርን ይብሃል።+
25 ኣእዳዉ ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡
ንሃካይሲ ህርፋኑ ይቐትሎ።+
26 ምሉእ መዓልቲ ብስስዐ ይሃርፍ፣
ጻድቕ ግና ሓንቲ እኳ ኸይከልአ ይህብ።+
27 መስዋእቲ እኩያት ፍንፉን እዩ።+
ብእኩይ ሃቐና እንተ ኣቕሪብዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!
28 ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፣+
ዚሰምዕ ሰብ ግና፡ ብዓወት ይምስክር።
29 እኩይ ይዳፈር፣+
ቅኑዕ ግና መገዱ የረጋግጽ።+
30 ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ ኰነ፡ ምስትውዓል ኰነ፡ ወይ ምኽሪ የልቦን።+
31 ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፣+
ድሕነት ግና ናይ የሆዋ እዩ።+