እቲ ዝዓበየ ክብሪ ቤት የሆዋ
“ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ”—ሃጌ 2:7
1. መንፈስ ቅዱስ ምስ እምነትን ግብርን እተተሓሓዘ ብኸመይ ኢዩ፧
ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደት ክትሰብኽ ከላ: ‘ንሕና መንፈስ ኣሎና: እቲ ዕዮ እትዓይዎ ዘሎኹም ግን ንስኻትኩም ኢኹም’ ዝበለታ ሓንቲ ናይ ጴንጠቆስጣል ኣማኒት ሰበይቲ ረኸበት። እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሰብ ዕዮ ኣምላኽ ክዓዪ ከም ዝለዓዓል ፍሉጥ ነገር ምዃኑ ብጥበብ ገለጸትላ። ያእቆብ 2:17 “እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ” ብምባል ትገልጽ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ሓያል እምነት ኰስኲሶም ኢዮም: ነቲ ብቐንዱ ‘ወንጌል መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ምስባኽ’ ዘጠቓልል ናይ ጽድቂ ስራሕ ከም ዝፍጽሙ ብምግባር ከኣ ‘ንቤቱ ብኽብሪ መሊኡዋ’ ኢዩ። እዚ ዕዮ እዚ ንየሆዋ ብዘዕግብ መገዲ ምስ ተፈጸመ “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14
2. (ሀ) ገዛእ ርእስና ኣብ ዕዮ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምጽማድ እንታይ በረኸት የምጽእ፧ (ለ) ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ‘ምድንጓይ’ ዝመስል ነገር ሕጕሳት ክንከውን ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ካብዘን ናይ የሱስ ቃላት እዚኣተን ሎሚ ዕዮና ነቲ ሕድሪ እተዋህበና “ክቡር ብስራት ናይቲ ሕጕስ ኣምላኽ” ምስባኽ ምዃኑ ክንድምድም ንኽእል። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ዝያዳ ብእተጸመድና መጠን: ምምጻእ ናይቲ መወዳእታ ኸኣ ዝቐልጠፈ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ኣንባቆም 2:2, 3 ከምዚ ዝብል ቃል የሆዋ ነንብበ:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ: ነቲ ራእይ ጽሐፎ: ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ።” እወ: “እቲ ራእይ” “እንተ ደንጐየ እኳ” ክፍጸም ኢዩ። ኣብዚ መበል 83 ዓመት ናይ የሱስ ግዝኣት መንግስቲ: ገሊኣቶም ደንጕዩ ዘሎ ይመስሎም ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ መወዳእታ ጌና ብዘይ ምምጻኡ ክንሕጐስዶ ኣይግብኣናን፧ ኣብዚ ዓስርተ ዓመታት ናይ 1990ታት: ትእምርታዊ ብዝመስል መገዲ: ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ: ክፍልታት ኣፍሪቃ: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነበረ እገዳታት ምስባኽ ናይቲ ብስራት ተላዒሉ ኢዩ። እቲ ‘ምድንጓይ’ ዝመስል: ነቶም ኣብዘን ኣብ ቀረባ እዋን እተኸፍታ ዞባታት ዘለዉ “ኣባጊዕ” ንኽእከቡ ግዜ ይህብ ኢዩ ዘሎ።—ዮሃንስ 10:16
3. እቲ ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ዘሎና እተኣረመ ምርዳእ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ብህጹጽ ክንጽመድ ከለዓዕለና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 እቲ ነብዪ “ኣይኪድንጕን ድማ እዩ” ይብል። የሱስ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን” እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ወለዶ እዚ ኣይሓልፍን ኢዩ በለ። (ማቴዎስ 24:34) እዚ ብዛዕባ ቃላት የሱስ ዘሎ እተኣረመ ምርዳእ እቲ ናይ ስብከት ንጥፈታትና ክሳዕ ክንድቲ ህጹጽ ከም ዘይኰነ ዘርኢ ድዩ፧a ጭብጥታት ኣንጻር ናይዚ ከም ዝዀነ ኢዮም ዘርእዩ! እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ኣብ ታሪኽ ቅድሚ ሕጂ ኰይኑዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ኣብ ናይ እከይን ብልሽውናን ኵነታት ይእለኽ ኣሎ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:40 ኣረኣእዮ።) ብህጹጽ ነቲ ዕዮ ክንዓዮ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ኵሉ እቲ ንግዜ ናይቲ ዓቢ ጸበባ ዘመልክት ትንቢታት: እቲ ዓቢ ጸበባ ከም ሰራቒ ሃንደበት: ብቕጽበት: ሰላሕ ኢሉ ከም ዝመጽእ ኢዩ ዘርኢ። (1 ተሰሎንቄ 5:1-4፣ ራእይ 3:3፣ 16:15) “ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።” (ማቴዎስ 24:44) እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ወለዶ እዚ ናብ ጫፍ ናይቲ ዝጸንተሉ ግዜ ክበጽሕ ከሎ: ኣብቲ ናይ ዓለማዊ መዐንቀፊታት ‘ጸብሪ ብምንግርጋር’ እቲ ክቡር ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንድርብዮ ከም ዘይንደሊ ርግጽ ኢዩ!—2 ጴጥሮስ 2:22፣ 3:10፣ ሉቃስ 21:32-36
4. “በብግዜኡ” እናወሰኸ ዝኸይድ ‘መግቢ’ ከም ዘድሊ ዝገበረ ኵነታት እንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ እተማልአ፧
4 ንፍጻሜ ትንቢት የሱስ ብ1914: ደቅሰብ ኣብ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) ክኣትዉ ከለዉ: “መጀመርታ ቕልውላው” ኰይኑ ኢዩ። መከራ: ቀዛፊ ኵነታት: ከምኡውን ዓመጻ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ እናበዝሐ ኢዩ መጺኡ። (ማቴዎስ 24:3-8, 12) እዚ ክኸውን ከሎ ድማ: የሆዋ ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ንስድራቤት ጐይታኡ ክርስቶስ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክቕርብ ሸይምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ሕጂ: እዚ መሲሓዊ ንጉስ እዚ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዝፋኑ ኰይኑ ኣብ መላእ ምድሪ ግሩም ዝዀነ መንፈሳዊ ናይ ምምጋብ ፕሮግራም የካይድ ኣሎ።
ኣኽል-ታርፍ ‘ቀለብ’
5. እቲ ቐንዲ ዓይነት ‘መግቢ’ እንታይ ኣቓልቦ ኢዩ ዝግበሮ ዘሎ፧
5 እቲ ዘሎ ናይ ‘ቀለብ’ ቀረብ ርአ። (ሉቃስ 12:42) ኣብቲ ናይ ክርስትያን ናይ መንፈሳዊ መግቢ ዝርዝር እቲ ቐንዲ ነገር ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንምምሃር: ብቐዳምነት ቀሊል: ከምኡውን ልክዕ ዝዀነ ትርጕም የድሊ። እዚ ኣድላይነት እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ብ1950 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ እንግሊዝኛ ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ብቐጻሊ ክፍጸም ጸኒሑ ኢዩ። ብ1961 ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓትመ: ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ብኻልኦት ቀንዲ ቋንቋታት ተዘርግሐ። ምስቲ ናይ 1996 ዓመት ኣገልግሎት ዝወጸ 3 ጥሙር ጥራዛት ብጠቕላላ 27 ኰነ: ካብዚ ድማ እቲ 14 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ነዚ ዕዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዙ ጽሑፋትን እዚ ንምዕያይ ሕጂ ገለ 1,174 ዝዀኑ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ኣብ 77 ሃገራት ኰይኖም ምሉእ ግዜኦም ኣብ ትርጕም ይዓዪ ኣለዉ።
6. ማሕበር ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዘሎ ኣድላይነት ብኸመይ ኢያ እተማልኦ፧
6 እዞም ብዙሕ ዝቝጽሮም ተርጐምቲ ዝገብርዎ ዕዮ ብምድጋፍ ድማ እተን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ 24 ዝዀና ናይ ሕትመት ጨነፍር ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሕ ጽሑፋት ይሓትማ ኣለዋ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም: ዝለዓለ ቅልጣፈ ዘለወን ተወሰኽቲ ሓተምቲ ኣብተን ቀንዲ ጨነፍር ይትከላ ኣለዋ። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ዓመት ብድምር 943,892,500 ቅዳሓት እናትሓትመ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኸኣ ይውስኽ ኣሎ: እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት እዚ 13.4 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ኣርእዩ ማለት ኢዩ። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ብራዚል: ፊንላንድ: ጀርመን: ኢጣልያ: ጃፓን: ኮርያ: ከምኡውን ሜክሲኮ ጥራይ ዘሎ ሕትመት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ተሪር ገበር ዘለዎ መጽሓፍትን ካብቲ ናይ 1995 40 ካብ ሚእቲ ብምውሳኽ ብ1996 ናብ 76,760,098 ቅዳሓት ዓበየ። ነዚ ጽሑፋት ኣብ ምሕታም እተራእየ ዓቢ ወሰኽ ካልኦት ጨነፍር እውን ብዙሕ ኣበርክቶ ገይረን ኢየን።
7. ኢሳይያስ 54:2 ብዝዓበየ ህጹጽነት እትፍጸም ዘላ ብኸመይ ኢያ፧
7 ካብዚ ወሰኽ እዚ እቲ ዝበዝሐ ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ እገዳታት ብ1990ታት ምስ ተላዕለ ኢዩ። ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ንመንፈሳዊ መግቢ ዝርአ ህርፋን ዓቢ ኢዩ። ስለዚ እቲ “ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ: እቲ መጋረጃታት ማሕደሪኺ ብዘይ ምቝጣብ ይገተር: ኣግማድኪ ኣንውሒ: መታኽልኪውን ኣጽንዒ” ዝብል ጻውዒት ቅድሚ ሕጂ ኰይንዎ ብዘይፈልጥ ህጹጽ መገዲ መቓልሕ ይመልስ ኣሎ።—ኢሳይያስ 54:2
8. ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምግባር እንታይ ልግሲ እተሓወሶ መልሲ ኢዩ ሓጋዚ ዝኸውን፧
8 ስለዚ ኸኣ: ካብተን 104 ዝዀና ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣብ መብዛሕትአን ዘሎ መሳለጥያታት ምግፍሑ ኣድላዪ ኰይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ እተኸፍተ ሓድሽ ዞባታት ዘሎ ሕማቕ ናይ ቍጠባ ኵነታት: ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ወጻኢታት በቲ እቶም ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋት ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝገብርዎ ውጽኢታት ኢዩ ዝሽፈን። እቲ ዘሐጕስ: ጉባኤታትን ውልቀ-ሰባትን ነዚ ብምሉእ ልቦም ይምልስሉ ኣለዉ፣ ነዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዘጸኣት 35:21 ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓዱ ዘልዐለሉ ንመስርሒ . . . ህያብ ኣምጽኤ” ዝብል መንፈስ ብምስምማዕ ኢዮም ዝገብርዎ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ልግሲ እተሓወሶ ምሃብ ዝካፈሉ ነመስግኖም።—2 ቈረንቶስ 9:11
9. ሮሜ 10:13, 18 ብኸመይ ኢያ ሎሚ እትፍጸም ዘላ፧
9 ኣብ 1996 ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት: ንስም ኣምላኽን ንዕላማታቱን ብርግጽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣኽቢርዎ ኢዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኢዩ። ንትንቢት ዮኤልን መበል 19 መዝሙርን ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: . . . ኣነ ግና: ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል አሎኹ። ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ: ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ: ብሓቂ እባ ሰሚዖም።” (ሮሜ 10:13, 18) ስለዚ: ነቲ የሆዋ ዝብል ክቡር ስም ኣምላኽ ክብ ብምባል: ህዝቡ ነታ ናይ ኣምልኾ ቤቱ ብኽብሪ ኣብ ምምላእ ዓቢ ግደ ኣበርኪቶም ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ኣዋጅ እዚ ብፍላይ ኣብ 1996 ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሑ፧ በጃኻ ነቲ ካብ ገጽ 18 ክሳዕ 21 ዘሎ ሰሌዳ መርምሮ።
ዓለምለኻዊ ዓጺድ
10. ከምቲ ካብ ገጽ 18 ክሳዕ 21 ብሓጺሩ ቀሪቡ ዘሎ: ኣብቲ ንጥፈታት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ብሉጽ መዳያት ኢኻ እትርኢ፧
10 እተን ኣብ ሉቃስ 10:2 ዘለዋ “እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ: ለምንዎ” ዝብላ ናይ የሱስ ቃላት ከም ሎሚ ገይሩ ዝያዳ ሓይሊ ሃልይወን ኣይፈልጥ ኢዩ። ነዚ ጻውዒት እዚ ትምልሰሉዶ ኣሎኻ፧ ኣብ ዙርያ ምድሪ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ይምልስሉ ኣለዉ። እዚ በቶም ኣብ 1996 ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ዝሃቡ 5,413,769 ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ: ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ 366,579 ዝኣኽሉ ሓደስቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ተጠሚቖም ኢዮም። ነዞም ሕጂ ‘ንቤት እግዚኣብሄር ብኽብሪ ኣብ ምምላእ’ ዝካፈሉ ዘለዉ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና እንርእዮም!—ሃጌ 2:7
11. ኵላትና ኣዚና ክንሕጐስ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ካብዘን ሓደስቲ እተኸፍታ ዞባታት ዝመጸ ናይ ምስፍሕፍሕ ጸብጻባት ጕሉሕ ኢዩ። እሞ እቶም ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ዘየለና መሰኻኽርከ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዕቤት ዘስተማቕሩ ዘለዎ ንቐንኣሎም ዲና፧ ኣይንቐንኣሎምን ኢና: ኣብ ክንድኡስ ምስኦም ኴንና እባ ንሕጐስ። ኵለን ሃገራት ኣጀማምርአን ውሑድ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ግዜ ሃጌ ዝነበረ ነብዪ ዘካርያስ: “ንመዓልቲ ናእሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘካርያስ 4:10) ኣብተን ዕዮ ምስክርነት ኣጸቢቑ ዝደልደለለን ሃገራት: ሕጂ ሚልዮናት ዝኣኽሉ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ምህላዎም: እቲ ዞባታት ብዙሕ ግዜ እተዓየ: አረ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ኣብ ሰሰሙን ይዕየ ምዃኑ ኣዚና ኢና እንሕጐስ። ሕጂ የሆዋ ኣብቲ ቅድም ተኣጊዱ ዝነበረ ቦታታት ናይ ድሕነት ኣጋጣሚ ክዝርግሕ ከሎ: ንሕና ክንሕለል ይግብኣናዶ፧ ብፍጹም ኣይግብኣናን ኢዩ! የሱስ “እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ” በለ። (ማቴዎስ 13:38) ልክዕ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መደምደምታ ኣገባብ ኣይሁድ ምሉእ ምስክርነት ዝሃቡ: ምሉእ ምስክርነት ምሃብ ክቕጽል ይግባእ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:40፣ 10:42፣ 20:24፣ 28:23
ንቕድሚት ምቕጻል
12. ‘ኣቕኒዕና ንቕድሚት’ ንኽንከይድ እንታይ ዘለዓዕለና ነገር ኣሎ፧ (ኣብታ “‘ካብ ወሰን ምድሪ’ እተገብረ ዓጺድ” እትብል ሳጹን እውን ርአ።)
12 እወ: ምስታ ብመላእኽቲ ዝቘመት ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ‘ኣቕኒዕና ንቕድሚት’ ክንስጕም ኣሎና። (ህዝቅኤል 1:12) እተን “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ዝብላ ናይ ጴጥሮስ ቃላት ንዝክረን ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣብተን ብቝጠባ ድኻታት ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት ዘርእይዎ ዘለዉ ኣብነታዊ ቅንኢ ዘለዓዕለና ይግበሮ። ንምምጻእ ኣርማጌዶን ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ምድንጓይ ዝመስል ነገር: ነቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩን ኣብቲ ኣጸቢቑ እተዓየ ዞባ ዘለዉ ብዙሓት ሰባትን ንኽድሕኑ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣይትጋገ: “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።” (ጸፎንያስ 1:14) ብወገንና እውን ናይ መወዳእታ ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ምቅልጣፍ ከድሊ ኢዩ!
13, 14. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ 1996 እተገብረ ምዕዳል ጽሑፋት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ (ለ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ጉባኤታት እንታይ ፍሉይ መደባት ኢየን ክገብራ ዝኽእላ: ኣብኡ ክትካፈልከ ብኸመይ መደብ ትገብር ኣሎኻ፧
13 እቲ ዝርዝር ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ሰሌዳ እኳ እንተ ዘየለ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተዓደለ መጽሓፍ ቅዱሳት: መጽሓፍቲ: ከምኡውን መጽሔታት ዘገርም ወሰኽ ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ 543,667,923 ቅዳሓት ተዓደለ: እዚ ድማ 19 ካብ ሚእቲ ወሰኸ ኣርእዩ ማለት ኢዩ። መጽሔታትና ንገዛእ ርእሱ—ኣብ ጐደናታት: መናፈሲ ቦታታት: ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ: ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት—ነቲ ምስክርነት ከቃላጥፎ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣጸቢቑ እተዓየሉ ገለ ዞባታት: ምሁራት በቲ ዓይነት መጽሔታትናን ትሕዝቶ ናይቲ ዓንቀጻትን ተመሲጦም: ከምኡውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም።
14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ: ጉባኤታት ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታታትን ዝግበር ንሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ናይ ፍሉይ መጽሔት ወፈራ ዝገብርሉ ግዜ ይምድባ ኢየን። ጉባኤኹም ኣብዚ ኣብ ሚያዝያ 1997 ዝግበር ወፈራ እዚ ክትካፈል ድያ፧ ኣብ ሚያዝያ ዝወጻ ብሉጻት ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ተዳልየናልኩም ኣለዋ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደ እዋን ምዕዳለን ድማ ብርግጽ መሳጢ ክኸውን ኢዩ! ኣብ ደሴት ቆጵሮስ እተን ጉባኤታት “ንኽርከብ ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ሒዝካ ምብጻሕ” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝበለ ብመደብ ዝግበር ናይ መጽሔት ኣገልግሎት ኣለወን: ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ 275,359 ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ መጽሔታት ዓደሉ: እዚ ድማ 54 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ኣለዎ።
ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ሃጌ
15. (ሀ) የሆዋ ብሃጌ ገይሩ ተወሳኺ መልእኽትታት ዝሰደደ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ናይ ሃጌ ሳልሰይቲ መልእኽቲ እንታይ ትምህርቲ ኢያ ከተመሓላልፈልና ዘለዋ፧
15 ነታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ምስ ኣመሓላለፈ: ድሕሪ 63 መዓልትታት የሆዋ ንሃጌ ሳልሳይ ኣዋጅ ክነግር ለኣኾ: እዚ ኣዋጅ እዚ ድማ ሎሚ ኵላትና ጽቡቕ ገይርና ከነቕልበሉ እንኽእል ኢዩ። እቶም ኣይሁድ መሰረት እታ ቤት መቕደስ ቅድሚ 17 ዓመታት ሰሪቶምዎ እኳ እንተ ነበሩ: ሃጌ ሽዑ ይስርትዎ ከም ዘለዉ ገይሩ ኢዩ ተዛሪቡ። ሕጂ እውን እንደገና የሆዋ ምጽራይ ኣድላዪ ኰይኑ ረኸቦ። ካህናትን ህዝብን ሸለልተኛታት ኰኑ: ስለዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹሳት ነበሩ። ገሊኦም ህዝቢ የሆዋ በቲ ናይ ዓለም ፍኑውን ፍቕረ-ንዋያውን መገድታት እውን ከይተረፈ ብምኻድ ሎሚ ሸለል ኢሎምዶ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፧ ኵላትና ኣብቲ “ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርኽ እየ” ዝብል መብጽዓ የሆዋ እምንቶ ብምግባር ‘ኻብዛ መዓልቲ እዚኣ ንነጀው’ (NW ) ንኣልባብና ስም የሆዋ ክብሪ ኣብ ምምጻእ ከነቃንዖ ህጹጽ ኢዩ።—ሃጌ 2:10-19፣ እብራውያን 6:11, 12
16. እንታይ ‘ምንቕናቕ’ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ: እንታይከ ኸፍሪ ኢዩ፧
16 ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ: ንራብዓይን መወዳእታን ግዜ ቃል ‘እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት’ ናብ ሃጌ መጸ። “ዝፋን መንግስትታት ክገላብጥ: ሓይሊ መንግስትታት ኣህዛብ ከጥፍእ: ሰረገላታትን ኣብኤን ዚቕመጡን ክገላብጥ እየ: ኣፍራስን ዚውጥሕዎምን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓዉ ኺወድቕ እዩ” ብምባል ‘ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ’ ክብሎ ከሎ እንታይ ከም እተጠቓለለ ኣፍለጠ። (ሃጌ 2:6, 21, 22) እዚ ‘ምንቕናቕ’ እዚ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣጽረያ ኣብቲ ዝለዓለ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ናይቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ሕምብርቲ ንኸቑሙ ድሮ መጺኦም ክጸንሑ ኢዮም። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ንምሕጓስን ንኣምላኽ ንምውዳስን ዝኸውን ምኽንያታት ኰን ኢዩ!—ሃጌ 2:7፣ ራእይ 19:6, 7፣ 21:1-4
17. የሱስ ከም “ቀለቤት ማሕተም” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
17 ሃጌ ትንቢቱ ክድምድም ከሎ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ዎ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል: . . . ኣነ ሐርየካ እየ እሞ: ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ሃጌ 2:23) እቲ ኣማሓዳሪ ዘሩባቤልን ሊቀ ኻህናት እያሱን በበይኖም ኣብ ምድራዊት የሩሳሌም ሒዞምዎ ዝነበሩ መዓርጋት: ሕጂ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንኽልቲኡ ብምጥቕላል ናይ የሆዋ ምሳልያዊ መሲሓዊ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ የማን የሆዋ ከም ዘሎ ናይ ስልጣን ቀለቤት ማሕተም መጠን የሱስ ነቲ ብዙሕ ‘ተስፋታት ኣምላኽ’ ክዉን ዝገብር መሳርሒ የሆዋ ንምዃን እቲ “እወ” ኰነ። (2 ቈረንቶስ 1:20፣ ኤፌሶን 3:10, 11፣ ራእይ 19:10) ኵሉ ትንቢታዊ መልእኽትታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ የሆዋ ንክርስቶስ ከም ንጉስን ናይ ክህነት ተበጃውን ንክኸውን ዝገበሮ ምድላው ዘተኰረ ኢዩ።—ዮሃንስ 18:37፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19
18. እቲ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ኣብ መደምደምታ ‘ዝበሎ’ ዘሐጕስ ፍጻሜ ዝህልዎ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብሓቂ ኣብዚ ግዜና: እቲ ዝዓበየ ክብሪ ኣብታ እተንጸባርቕ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኢዩ ዝርከብ! ድሕሪ ሓጺር እዋን: የሆዋ ንዅሉ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ምስ ጸራረጎ ኸኣ እቲ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል: ኣብ ሃጌ 2:9 ዘሎ ቃላት ባህ ዘብል ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ሰላም ክህሉ ኢዩ! እቲ ናይ የሆዋ “ቀለቤት ማሕተም:” “መስፍን ሰላም:” ብዛዕብኡ ድማ “ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ዋሕሱ ዝዀነ ነባሪ: ኣድማሳዊ ሰላም ክህሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ክብሪ ኣምልኾ ቤት የሆዋ ድማ ኣብ መላእ እታ ሰላማዊት ግዝኣት ናይ ኣድማሳዊ ሉዓላውነቱ ንዘለኣለም ክሰፍን ኢዩ። ኣብታ ቤት ንዘለኣለም እንነብር ይግበረና!—መዝሙር 27:4፣ 65:4፣ 84:10
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ናይ 1 ሕዳር 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ “ካብ ‘ክፉእ ወለዶ’ ዝደሓኑ” ከምኡውን “ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ” ዝብል ኣርእስትታት ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ሎሚ ቤት የሆዋ ‘ብኽብሪ እትመልእ’ ብኸመይ ኢያ፧
◻ ነቲ ብስራት ምስባኽ ከም ሎሚ ገይሩ ህጹጽ ኰይኑ ዘይፈልጥ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ናይ 1996 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ጸብጻብ ብህጹጽ ንምስባኽ እንታይ መለዓዓሊ ኢዩ ዝህብ፧
◻ ክርስቶስ ከም ናይ የሆዋ “ቀለቤት ማሕተም” ኰይኑ ዘገልግል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]
“ካብ ወሰን ምድሪ” እተረኽበ ዓጺድ
ኣብ ኢሳይያስ 43:6 ከምዚ ዝብል ትእዛዝ የሆዋ ነንብብ:- ‘ኣይትኽላእ: ነወዳተይ ካብ ርሑቕ: ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ ኣምጽእ።’ ሎሚ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ፍሉይ ፍጻሜ ኣለዋ። ንኣብነት: እታ ቅድም ኮሙኒስት ዝነበረት ሃገር ሞልዶቫ ርአ። ካብቶም ተቐማጦ ፍርቆም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑለን ኣቝሻት ኣለዋ። ዝሰብክሉ ዞባታት ንምርካብ ነዊሕ ክጐዓዙ ኣለዎም: ይኹን እምበር: ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ! ኣብዘን ጉባኤታት እዚኣተን ዘለዉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ውሉዳት ናይቶም ኣብ መጀመርታ ናይ 1950ታት ንማሓዩር ናብ ሳይበርያ እተወስዱ ወለዲ ኢዮም። ሕጂ ስድራቤቶም ኣብቲ ናይ ዓጺድ ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኖም ኣለዉ። ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ 12,565 ኣስፋሕቲ: እቶም 1,917 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተጠምቁ ኢዮም። ካብተን ጉባኤታት ኣርብዓን ሰለስተን ነፍሲ ወከፈን 150 ኣስፋሕቲ ዘለዉወን ኢየን: ወረዳታት ድማ ኣብዚ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ካብ ኣርባዕተ ናብ ሸሞንተ ወሲኸን ኢየን።
እቲ ኣብ ኣልባንያ ዘሎ ምስፍሕፋሕ እውን ጕሉሕ ኢዩ። እቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ መሰኻኽር ንገለ 50 ዓመታት በቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ጭከና ዝመልኦ ናይ ውልቀ-መለኽቲ ግዝኣት ዝወረዶም ማህሰይቲ ንጹር ንክኸውን ተጸሚሞም ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ተቐቲሎም ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ “ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ . . . እሞ: ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዝብል ናይ የሱስ መብጽዓ ከም ዝዝክርዎ ገይርዎም ኢዩ። (ራእይ 2:10፣ ብተወሳኺ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:24, 25 ርአ።) ሕጂ ኣብ ኣልባንያ እንታይ ኢና እንርኢ፧ ብሓቂ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዘሎ “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ . . . ኪኸውን እዩ” ዝብል ናይ የሆዋ መብጽዓ ዘደንቕ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢና እንርኢ! ብ1990: ኣብ ኣልባንያ ሓደ ኣስፋሒ ጥራይ ኢዩ ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ሂቡ። ይኹን እምበር: ካብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ብዙሓት “ዓየይቲ” ነቲ ‘ስለዚ ኺዱ እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ዝብል ጻውዒት የሱስ መልሲ ሂቦምሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19፣ ሉቃስ 10:2) ብ1996 ዝኽሪ ሞት የሱስ ክበዓል ከሎ 773 ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንጡፋት ነበሩ: ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ኣኼባታቶም ድማ 6,523 ሰባት ኣከቡ: እዚ ድማ ካብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ልዕሊ ሾሞንተ ዕጽፊ ኢዩ! ካብተን ብሕት ኢለን ዘለዋ ቦታታት እውን ዘገርም ጸብጻብ ቍጽሪ ተኣከብቲ ተረኺቡ ኣሎ። ከተማታት ኩከስን ዲቭከን ኣብአን ዝቕመጡ ኣስፋሕቲ እኳ እንተዘይብለን: እታ ቐዳመይቲ 192ን እታ ኻልኣይቲ ድማ 230 ተኣከብቲ ነበሩወን። ሓደ ኣስፋሒ ጥራይ ዘለዋ ክሩጀ እተባህለት ዓዲ: ኣብ ዝኽሪ በዓል 212 ተኣከብቲ ነበሩ። እቶም ኣብ ኮርሰ ዘለዉ 30 ኣስፋሕቲ ንልዕሊ 300 ዝዀኑ ሰባት ዝኸውን መሳለጥያታት ተኻረዩ። ክንድኡ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብቲ መኣከቢ ኣደራሽ ምስ መልኡ: ካልኦት 200 ቦታ ስለ ዘይነበረ ተመልሱ። ብሓቂ ንዓጺድ ዝበጽሐ ግርሁ!
ካብ ሩማንያ እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ መጸ:- “ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከሎና: ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የብላን ኢልና ዝሓሰብናያ ንእሽቶ ዓዲ ዝነብር ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ዝነገረና ሰብ ረኸብና። ብዘይካኡ ንብዙሕ ዓመታት ሓሙስን ሰንበትን ኣኼባታት ክገብሩ ዝጸንሑ: ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ድማ ዝጀመሩ ካልኦት 15 ሰባት ከም ዘለዉ ነገረና። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ናብታ ቦታ ከድና። ንዓና ዝጽበዩ ዝነበሩ 15 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ረኸብና: 20 መጻሕፍትን 20 ሓደስቲ መጽሔታትን ድማ ተቐበሉ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝምራሕ ኣርኣናዮም። ብሓባር ኴንና ዘመርና: ነቲ ኣዝዩ ህጹጽ ሕቶታቶም ድማ መብዛሕትኡ መለስናሎም። እቲ ነቲ ጕጅለ ዝመርሖ ዝነበረ ሰብ ‘ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ጓሳ ክሰደልና እናነባዕኩ ናብ የሆዋ ጸሌኹ: ጸሎተይ ድማ ተመለሰ’ ብምባል ተኣመነ። ኣዚና ተሓጐስና: ክንፋነዎም ከሎና ድማ ልክዕ ከም ሓደ ኣብ መወዳእታ ኣቦ ዝረኸበ ዘኽታም ቈልዓ ‘በጃኹም ኣይትረስዑና። ካልኣይ ግዜ ክትበጽሑና ምጹ’ በለና! ተመሊስና ከድናዮም: ሕጂ ድማ ኣብታ ቦታ ሸውዓተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ሓድሽ ዞባታት እቲ ዕዮ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣገራሚ ብዝዀነ መገዲ ጀሚሩ: እቲ ጽሑፋት ድማ ኣዝዩ ዝፍቶ ኢዩ: እዚ ድማ እቲ ዕዮ መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።”
[ኣብ ገጽ 18-21 ዘሎ ሰሌዳ]
ናይ 1996 ኣገልግሎት ዓመት ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእልታት]
“ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ” ኣብዚ ዝስዕብ ቦታታት ይእከቡ ኣለዉ:- ደሴታት ባሕሪ (1): ደቡብ ኣመሪካ (2): ኣፍሪቃ (3): እስያ (4): ሰሜን ኣመሪካ (5):ከምኡውን ኣውሮጳ (6)