ጸሎትካ “ኸም ዕጣን” ድዩ፧
“ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን . . . ይኹን። ”—መዝሙር 141:2
1, 2.ዕጣን ምትካኽ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ነብይኡ ዝነበረ ሙሴ ኣብቲ እስራኤላውያን ንኣምልኾ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ማሕደር: ቅዱስ ዕጣን ክቐርብ ኣዚዝዎ ነበረ። እቲ መለኮታዊ ትእዛዝ እቲ: ቅዱስ ዕጣን ብኣርባዕተ ዓይነት ቀመም ክዳሎ ኢዩ ዝእዝዝ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:34-38) ብሓቂ ኸኣ ጥዑም ጨና ኢዩ ነይሩ።
2 እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዉዎ ሕጊ ኪዳን: መስዋእትታት ክግበር ከሎ መዓልቲ-መዓልቲ ዕጣን ክቐርብ ዝእዝዝ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:7, 8) ዕጣን ምጥቃም ፍሉይ ትርጕም ነይርዎዶ ኢዩ፧ እወ ነይርዎ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ [የሆዋ ኣምላኽ] ኸም ዕጣን: ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን” ብምባል ዘሚሩ ኢዩ። (መዝሙር 141:2) ኣብ መጽሓፍ ራእይ: ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ሰማያዊ ዝፋን ኣምላኽ ዝነበሩ ፍጡራት ዕጣን ዝመልአ ጽዋእ ወርቂ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝገልጾም። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከኣ “እዚ [እቲ ዕጣን] ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ” ይብል። (ራእይ 5:8) ስለዚ እምበኣር: ጥዑም ዝጨንኡ ዕጣን ምትካኽ ነቲ ብኣገልገልቲ የሆዋ ለይትን መዓልትን ዝቐርብ ተቐባልነት ዘለዎ ጸሎት ኢዩ ዘመልክት።—1 ተሰሎንቄ 3:10፣ እብራውያን 5:7
3. ‘ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዕጣን’ ንኸነዳልዎ እንታይ ኢዩ ክሕግዘና ዝግባእ፧
3 ጸሎትና ብኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ: ብስም የሱስ ክርስቶስ ናብኡ ክንጽሊ ይግብኣና። (ዮሃንስ 16:23, 24) እንተዀነ ግን: ዓይነት ናይቲ እነቕርቦ ጸሎት ከነመሓይሽ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ናብ ሒደት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ምድሃብ: ጸሎትና ከም ዕጣን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኸነዳልዎ ክሕግዘና ይግባእ።—ምሳሌ 15:8
ጸሎትካ ብእምነት ኣቕርብ
4. እምነት ምስቲ ቅቡል ጸሎት እትተሓሓዝ ብኸመይ ኢያ፧
4 ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጥዑም ዝጨንኡ ዕጣን ክቐርብ እንተድኣ ዀይኑ ብእምነት ክንጽሊ ይግብኣና። (እብራውያን 11:6) ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ዝህብዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ዝቕበል ብመንፈስ ዝደኸመ ሰብ ምስ ዝረኽቡ: ‘እታ ናይ እምነት ጸሎቶም ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ።’ (ያእቆብ 5:15) ብእምነት ዝቐርብ ጸሎትን ንቓል ኣምላኽ ብጸሎት ምጽናዕን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሐጕሶ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል: ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ትእዛዛትካ አሚነ አሎኹ እሞ: ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ” ኢሉ ክዝምር ከሎ ሰናይ ኣመለኻኽታ ከም ዘለዎ ኣርኣየ። (መዝሙር 119:48, 66) እምበኣር ብናይ ትሕትና ጸሎት ‘ኣእዳውና ንዘርግሕ:’ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ብምስምማዕ ከኣ እምነትና ነርኢ።
5. ጥበብ ምስ ዝጐድለና እንታይ ኢና ክንገብር ዝግባእ፧
5 ንኣብነት ንሓደ ፈተና ንኽንዋጽኣሉ እቲ ዘድሊ ጥበብ ይጐድለና ይኸውን ንበል። ምናልባት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ብኸመይ ፍጻሜ ይረክብ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኣይኰንናን ንኸውን። እዚ ንመንፈሳውነትና ከም ዘይረግእ ክገብሮ ካብ እነፍቅድ ጥበብ ክንረክብ ንጸሊ። (ገላትያ 5:7, 8፣ ያእቆብ 1:5-8) ኣምላኽ መስተንክር ብዝዀነ መገዲ ክምልሰልና ክንጽበ ከም ዘይንኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። ነቲ ኵሎም ህዝቡ ክትግብርዎ ዝጽበዮም ነገራት ብምፍጻም ቅንዕና ናይ ጸሎትና ከነርኢ ከድልየና ኢዩ። ብሓገዝ ናይቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ዝዳሎ ጽሑፋት ገይርና ኣብቲ እምነት ዝሃንጽ መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንጽመድ ኣድላዪ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ እያሱ 1:7, 8) ኣብ ኣኼባታት ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ስርዓታውያን ኴንና ብምስታፍ ብፍልጠት ክንዓቢ እውን የድልየና ኢዩ።—እብራውያን 10:24, 25
6. (ሀ) ኵልና ብዛዕባ ግዜናን መፈጸምታ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ክንግንዘቦ ዝግብኣና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ኣብ ርእሲ ምጽላይና: እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
6 ሎሚ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ድርኵዂት “ዘመን መወዳእታ” ምህላውና ኣይንፈልጥን ኢና ብምባል: ደድሕሪ ብሕታዊ ጥቕምን ስራሕን ይጓየዩ ኣለዉ። (ዳንኤል 12:4) እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ህላወ ክርስቶስ: የሆዋ ሰማያዊ ንጉስ ክኸውን ምስ ሸሞ ብ1914 ከም ዝጀመረ ሕጂ ኸኣ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ከም ዘሎ በቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብምርዳእ እምነቶም እንደገና ንኽውልዑ ወይ ንኸደልድሉ ኣመንቲ ብጾቶም ክጽልዩሎም ግቡእ ኢዩ። (መዝሙር 110:1, 2፣ ማቴዎስ 24:3) እቲ ከም ጥፍኣት እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን:” እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዝወርድ ናይ ጎግ ማጎግ ሰይጣናዊ መጥቃዕቲ: ከምኡውን ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን በቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝረኽብዎ ድሕነትን ዝኣመሰለ ፍጻመታት ብምሉኡ ሃንደበትን ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜን ክፍጸም ከም ዝኽእል ኵልና ክንግንዘብ ይግብኣና። (ራእይ 16:14, 16፣ 18:1-5፣ ህዝቅኤል 38:18-23) ስለዚ ብመንፈስ ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ንጸሊ። ኵልና ስም የሆዋ ንኽቕደስ: መንግስቱ ንኽትመጽእ: ከምኡውን ኵሉ ፍቓዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀኖ ኣብ ምድሪ እውን ክኸውን ኣዕሚቝና ንጸሊ። እወ: እምነት ምዝውታርን እቲ ጸሎትና ቅኑዕ ምዃኑ ምርኣይን ከኣ ንቐጽል። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብሓቂ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ሰባት መጀመርታ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደልዩ: መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ኸኣ ብእተኻእለ መጠን ኣብቲ ብስራት ንምስባኽ ዝዓበየ ግደ ዝህልዎም ይገብሮም።—ማቴዎስ 6:33፣ 24:14
ንየሆዋ ወድሶን ኣመስግኖን
7. ካብቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 29:10-13 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ዳዊት ዝመሰጠካ እንታይ ኢዩ፧
7 ጸሎትና ከም ‘ዕጣን ክኸውን’ ዝኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ንኣምላኽ ልባዊ ውዳሰን ምስጋናን ብምግላጽ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ንሱን ህዝቢ እስራኤልን ንቤት መቕደስ የሆዋ መስርሒ ዝኸውን ምስ ኣዋጽኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣቕረበ። ኣብ ጸሎቱ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል: ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን። ጐይታየ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ: ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ: ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ። ሕጂ ኸኣ: ዎ ኣምላኽ: ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ አሎና።”—1 ዜና መዋእል 29:10-13
8. (ሀ) ካብቲ ኣብ መዝሙር ምዕራፍ 148 ክሳብ 150 ዘሎ ናይ ውዳሰ ቃላት ብፍላይ ልብኻ ዝተንከፈካ ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ልክዕ ከምቲ ኣብ መዝሙር 27:4 ተገሊጹ ዘሎ ዝስምዓና እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ኢና እንገብር፧
8 ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ መግለጺ ናይ ውዳሰን ምስጋናን ኰን ኢዩ! ጸሎትና ከምዚ ዝበለ ክእለት ኣዘራርባ ክህልዎ እኳ እንተ ዘይከኣለ: ካብ ልቢ ዝነቐለ ክኸውን ግን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ መዝሙር ብናይ ምስጋናን ውዳሰን ጸሎት ዝመልአት ኢያ። ካብ መዝሙር 148 ክሳብ 150 ምሩጽ ዝዀነ ቃላት ውዳሰ ይርከብ። ንኣምላኽ ምምስጋን ኣብ ብዙሕ ክፍሊ መዝሙር ተገሊጹ ኣሎ። ዳዊት “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ: ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ: መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 27:4) ብቕንኢ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ማሕበር የሆዋ ብምክፋል: ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ተሰማሚዕና ንንበር። (መዝሙር 26:12) ከምዚ ምግባርን መዓልቲ-መዓልቲ ኸኣ ንቓል ኣምላኽ ምምርማርን ንየሆዋ ልባዊ ውዳሰን ምስጋናን ንኸነቕርበሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክህበና ኢዩ።
ብትሕትና ሓገዝ የሆዋ ድለ
9. ንጉስ ኣሳ ብኸመይ ኢዩ ጸልዩ: እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧
9 ንየሆዋ ከም መሰኻኽሩ መጠን ብምሉእ ልብና ነገልግሎ እንተድኣ ኣሊና: እቲ ሓገዝ ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎትና ከም ዝሰምዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 43:10-12) ንኣብነት ንኣሳ ንጉስ እስራኤል ንርአ። ካብተን 41 ዓመታት ግዝኣቱ (977-937 ቅ.ኣ.ዘ.) እተን ናይ መጀመርታ 10 ዓመታት ሰላም ዝነበረን ኢየን። ብድሕሪኡ ይሁዳ በቶም ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰራዊት ናይቲ ዜራሕ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ተወረት። ቍጽሮም ኣዝዮም ብዙሓት እኳ እንተ ነበሩ: ኣሳን እቶም ሰቡን ነቶም ወረርቲ ንኽጋጠምዎም ወጹ። ይኹን እምበር: ቅድሚ እቲ ውግእ ኣሳ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። የሆዋ ንኸድሕን ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ሃበ። ሓገዝ ንምርካብ እቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ተማህለለ:- “ናባኻ ተጸጋዕና: ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ: ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ርድኣና። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ: ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ።” የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓቢ ስሙ ክብል ንይሁዳ ምስ ኣድሓና ምሉእ ዓወት ተረኽበ። (2 ዜና መዋእል 14:1-15) ኣምላኽ ካብ ፈተና የውጽኣና ወይ ንኽንጽመሞ የተባብዓና ብዘየገድስ እቲ ሓገዝ ንኽንረክብ እነቕርቦ ጸሎትና ከም ዝሰምዖ እተረጋገጸ ኢዩ።
10. ገለ ጸገማት ከጋጥመና ከሎ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ዘይንፈልጥ እንተድኣ ዄንና: እቲ ናይ ንጉስ ዮሳፋጥ ጸሎት ሓጋዚ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
10 ንሓደ ጸገም ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ርግጸኛታት ምስ ዘይንኸውን: የሆዋ እቲ ሓገዝ ንምርካብ ኢልና እነቕርቦ ልመና ከም ዝሰምዖ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ መዓልትታት ናይቲ ን25 ዓመት ዝገዝአ: ብ936 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ: ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ተራእዩ ኢዩ። ናይ ሞኣብን ዓሞንን ከረን ሰዒርን ሓይልታት ብሓባር ንይሁዳ ምስ ኣፈራርሑዋ ዮሳፋጥ ከምዚ ብምባል ተማህለለ:- “ዎ ኣምላኽና ኣይትፈርዶምን ዲኻ፧ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን: እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና: ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ አለዋ።” የሆዋ እቶም ዕጡቓት ሰራዊት ጸላኢ ሕንፍሽፍሽ ከም ዝኣትዎም እሞ ንሓድሕዶም ከም ዝቃተሉ ገይሩ ምእንቲ ይሁዳ ብምውጋእ ነዚ ናይ ትሕትና ጸሎት እዚ መለሰሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ እተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ሃገራት ራዕዲ ኣተወን: ኣብ ይሁዳ ኸኣ ሰላም ነገሰ። (2 ዜና መዋእል 20:1-30) ንሓደ ጸገም ንምግጣሙ እቲ ዘድሊ ጥበብ ምስ ዝጐድለና ንሕናውን ከም ዮሳፋጥ ‘እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ኢና: ኣዒንትና ግና ዎ [የሆዋ] ናባኻ ይጥምታ አለዋ’ ብምባል ክንጽሊ ንኽእል ኢና። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሽግር ንምፍትሑ ዘድሊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ ከም እንዝክር ክገብረና: ወይ ከኣ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ብዝበልጽ መገዲ ገይሩ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ሮሜ 8:26, 27
11. ካብቲ ነህምያ ምስ መንደቕ የሩሳሌም እተተሓሓዘ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
11 ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ብቐጻሊ ምጽላይ የድልየና ይኸውን። ነህምያ ብዛዕባ እቲ ዝፈረሰ መናድቕ የሩሳሌምን እቲ ተስፋ ዘይብሉ ሃለዋት ተቐማጦ ይሁዳን ንብዙሕ መዓልትታት ጕህዩን: በኽዩን: ጸይሙን ጸልዩን ኢዩ። (ነህምያ 1:1-11) እቲ ጸሎቱ ከም ጥዑም ዝጨንኡ ዕጣን ናብ ኣምላኽ ደየበ። ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ ፋርስ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ነቲ ጕህዩ ዝነበረ ነህምያ ‘እንታይ ትደሊ፧’ ብምባል ሓተቶ። ነህምያ ኸኣ ብኡንብኡ ‘ናብ ኣምላኽ ሰማይ ከም ዝጸለየ’ ይዛረብ። ነህምያ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነቲ ዝፈረሰ መንደቕ ብምህናጽ ዝነበሮ ባህጊ ክፍጽም ስለ እተፈቕደሉ: እዚ ሓጺርን ብዘይ ድምጽን ዝቐረበ ጸሎት ምላሽ ረኺቡ ኢዩ።—ነህምያ 2:1-8
ብኸመይ ከም እትጽሊ ካብ የሱስ ተማሃር
12. ኣብቲ ብየሱስ ዝቐረበ ናይ ኣብነት ጸሎት ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ብናትካ ቃላት ገይርካ ብኸመይ ጸሚቝካ መቕረብካዮ፧
12 ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ፍሉይ መምርሒ ዝኸውን እቲ ከም ጥዑም ዝጨንኡ ዕጣን ብየሱስ ክርስቶስ ዝቐረበ ናይ ኣብነት ጸሎት ኢዩ። ናይ ሉቃስ ወንጌል ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ [ናይ የሱስ]፤ ጐይታይ: ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም: ምጽላይ ምሀረና: በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም: ኽትጽልዩ ኸሎኹም፤ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።” (ሉቃስ 11:1-4፣ ማቴዎስ 6:9-13) ስለዚ እምበኣር ነዚ ንምድግጋም ተባሂሉ ዘይኰነስ ከም መምርሒ ንኽንጥቀመሉ እተዋህበ ጸሎት እስከ ንመርምሮ።
13. ትርጕም ናይተን “ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ዝብላ ቃላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
13 “ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። ” ንየሆዋ ኣቦ ኢልካ ምጽዋዕ ፍሉይ መሰል ናይቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ኢዩ። ከምቲ ደቂ ሓደ መሓሪ ዝዀነ ኣቦ ክሽገሩ ከለዉ ብቐሊሉ ዝቐርብዎ: ንሕና እውን ግዜ ወሲድና ስርዓታዊ ዝዀነን ኣኽብሮት ዘለዎን ጸሎት ናብ ኣምላኽ ከነቕርብ ኣሎና። (መዝሙር 103:13, 14) ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ስም ኣምላኽ ተኾሚሩ ዝነበረ ጸርፊ ተጸሪጉ ክንርኢ ስለ ንብህግ: ጸሎትና ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ከም እንግደስ ከንጸባርቕ ኣለዎ። እወ: ስም የሆዋ ተፈልዩን ተቐዲሱን ክንርኢ ኢና ንደሊ።—መዝሙር 5:11፣ 63:3, 4፣ 148:12, 13፣ ህዝቅኤል 38:23
14. “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልካ ምጽላይ እንታይ ማለት ኢዩ፧
14 “መንግስትኻ ትምጻእ። ” እታ መንግስቲ: በታ ኣብ ኢድ ወዱን እቶም መጋዝእቲ የሱስ ዝዀኑ ‘ቅዱሳንን’ ዘላ ሰማያዊት መሲሓዊት መንግስቲ እትግለጽ ናይ የሆዋ ኣገዛዝኣ ኢያ። (ዳንኤል 7:13, 14, 18, 27፣ ራእይ 20:6) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣንጻር ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝጻረሩ ተጻረርቲ ‘ክትመጽእ’ ኢያ: ካብ ምድሪ ድማ ከተልግሶም ኢያ። (ዳንኤል 2:44) ብድሕርዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ኣብ ምድሪ እውን ክፍጸም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:10) እዝስ ነቶም ንናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ብተኣመንነት ዘገልግሉ ኵሎም ፍጡራት ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ከምጽኣሎም!
15. ንየሆዋ ብዛዕባ “ናይ ዕለት እንጌራና” ምልማን እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
15 “ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሃበና። ” የሆዋ “ናይ ዕለት” መግብና ክህበና ክንሓቶ ከሎና: ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት ጥራይ እምበር ብብዝሒ ክህበና ከም ዘይንሓትት ኢዩ ዘመልክት። ከዳልወልና ከም ዝኽእል ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ንገብር እኳ እንተ ዀንና: መግብን ዘድልየና ካልእ ነገራትን ንምርካብ ንሰርሕ: ዝዀነ ይኹን ብግቡእ እተረኽበ ኣታዊ ድማ ንጥቀምሉ ኢና። (2 ተሰሎንቄ 3:7-10) ርግጽ ኢዩ ብድሕሪ እዚ ምድላዋት እዚ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ: ጥበብ: ከምኡውን ሓይሊ ስለ ዘሎ ነቲ ዘዳልወልና ኣምላኽ ከነመስግኖ ይግባእ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:15-17
16. ካብ ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 “ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ” ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ስለ ዝዀንና ምስቲ ፍጹም መዐቀኒታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ክበሃለልና ክንጽሊ የድልየና ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ጥቕሚ ናይቲ መስዋእቲ ኣብ ሓጢኣትና ከውዕሎ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ክንናሳሕን ንዝዀነ ይኹን ዝህበና ተግሳጽ ክንቅበልን ይግብኣና። (መዝሙር 65:2፣ ሮሜ 5:8፣ 6:23፣ እብራውያን 12:4-11) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ይቕረ ክብለልና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል: ንሕና እውን “ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል” እንተ ዄንና ጥራይ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:12, 14, 15
17. እተን “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ዝብላ ቃላት እንታይ ኢዩ ትርጕመን፧
17 “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና። ” መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ነቲ የሆዋ ንኽፍጸም ዘፍቀዶ ነገራት: ከም ዝገበሮ ገይሩ ይዛረብ ኢዩ። (ሩት 1:20, 21) ኣምላኽ ሓጢኣት ንኽንፍጽም ኣይፍትነናን ኢዩ። (ያእቆብ 1:13) እከይ ንምፍጻም ዝቐርብ ፈተና ኵሉ ግዜ ምንጩ ሰይጣን: እቲ ሓጥእ ስጋና: ከምኡውን እዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም። ሰይጣን እቲ ኣንጻር ኣምላኽ ንኽንሓጥእ ክጠዋውየና ዝፍትን ፈታኒ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:3፣ 1 ተሰሎንቄ 3:5) “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ዝብል ልመና ከነቕርብ ከሎና: ንኣምላኽ ንኸይንእዘዞ ምስ እንፍተን ክንወድቕ ከየፍቅድ ኢና ንኣምላኽ ንሓቶ ዘሎና። እቲ “ክፉእ” ዝዀነ ሰይጣን ከየሐልለናን ከይብለጸልናን ኣምላኽ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:13፣ 1 ቈረንቶስ 10:13
ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ
18. ምስቲ ብዛዕባ ሕጉስ ሓዳርን ናይ ስድራቤት ህይወትን ዘቕረብናዮ ጸሎት ተሰማሚዕና ክንዓዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 እቲ የሱስ ዘቕረቦ ናይ ኣብነት ጸሎት ቀንዲ ነጥብታት ዝሽፍን ኢዩ: እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ብዛዕባ ሕጉስ መርዓ ንኽህልወና ዘሎና ባህጊ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሓዳር እንምስርት ንጹሃት ምእንቲ ኽንከውን ርእሰ-ግትኣት ክወሃበና ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ብድሕርዚ ግን ዘይስነ-ምግባራዊ ጽሑፋትን መዘናግዕን ብምውጋድ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንንበር። ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ንኽንምርዖ’ ኸኣ ቈራጽነት ንውሰድ። (1 ቈረንቶስ 7:39፣ ዘዳግም 7:3, 4) ምስ ተመርዓና ኸኣ ናይ ኣምላኽ ምኽሪ ኣብ ተግባር ብምውዓል ምስቲ ሕጉስ ሓዳር ክህልወና ዘቕረብናዮ ጸሎት ተሰማሚዕና ክንዓዪ ከድልየና ኢዩ። ቈልዑ እንተ ኣልዮምና ኸኣ: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ክዀኑ ምጽላይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ምስኦም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ብምኻድን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ኣእምሮኦም ንምቕራጽ ዝከኣለና ዅሉ ክንገብር ይግብኣና።—ዘዳግም 6:5-9፣ 31:12፣ ምሳሌ 22:6
19. ብዛዕባ ኣገልግሎትና ንጽሊ እንተድኣ ኣሊና እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧
19 ኣብ ኣገልግሎት ክንባረኽ ንጽሊዶ ኣሎና፧ እምብኣርከስ ምስ ከምዚ ዝበለ ጸሎት ብምስምማዕ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ትርጕም ዘለዎ ግደ ይሃልወና። ካልኦት ኣብ ናይ ዘለኣለም ህይወት መገዲ ክኣትዉ ንኽንሕግዞም ኣጋጣሚ ክንረክብ ንጽሊ እንተድኣ ዄንና: ግቡእ ዝዀነ መዝገብ ናይቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ክህልወናን ኣብ መደብና ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ከነእቱን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ፓይነራት ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ ንብህግ እንተ ዄንናኸ፧ ምስ ጸሎትና ብምስምማዕ ነቲ ናይ ስብከት ንጥፈታትና ንምዕባይን ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ምስ ፓይነራት ንምክፋልን ስጕምቲ ንውሰድ። ከምዚ ዝበለ ስጕምትታት ምውሳድ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንዓዪ ከም ዘሎና ዘርኢ ኢዩ።
20. እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ናብ እንታይ ኢያ ከተተኵር፧
20 ንየሆዋ ብተኣማንነት ነገልግሎ እንተድኣ ዄንና: ነቲ ምስ ፍቓዱ ዝሰማማዕ ጸሎትና ከም ዝምልሰልና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:14, 15) ብርግጽ ንገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ብምምርማር ጠቓሚ ነጥብታት ክርከብ ተኻኢሉ ኢዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: ነቶም ‘ጸሎቶም ኣብ ቅድሚ [የሆዋ] ከም ዕጣን ክኸውን’ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ክንርኢ ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ብእምነት ክንጽሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
◻ ውዳሰን ምስጋናን ኣብ ጸሎትና እንታይ ግደ ክህልዎ ይግባእ፧
◻ ሓገዝ የሆዋ ንኽንረክብ እምንቶ ብምግባር ክንጽሊ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
◻ ገለ ካብቲ ቀንዲ ነጥብታት ናይ ኣብነት ጸሎት እንታይ ኢዩ፧
◻ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ክንዓዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ከም ንጉስ ዮሳፋጥ ሓድሓደ ግዜ ‘እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ኢና: ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ ’ ብምባል ክንጽሊ የድልየና ይኸውን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ምስቲ ናይ የሱስ ናይ ኣብነት ጸሎት ተሰማሚዕካዶ ትጽሊ ኢኻ፧