መዝሙር
ንኣላዪ ብነሒሎት።* ናይ ዳዊት መዝሙር።
5 ኦ የሆዋ፡ ናብ ቃላተይ ጽን በል፣+
ናብ እህህታይ ኣድህብ።
2 ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ናባኻ እየ ዝጽሊ እሞ፡
ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ።
5 ዕቡይ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቀውምን እዩ።
የሆዋ ንዓመጽትን ንመታለልትን ይፍንፍኖም* እዩ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ጸላእተይ፡ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣
መገድኻ ጽረገለይ።+
10 ግናኸ፡ ኣምላኽ ይዅንኖም፣
ተንኰሎም የውድቖም።+
ካባኻ ዓልዮም እዮም እሞ፡
ብብዝሒ ኣበሳኦም ይሰጐጉ።
11 ኵሎም እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ግና ኪሕጐሱ፡+
ወትሩ እውን እልል ኪብሉ እዮም።
ንስኻ ትጋርዶም ኢኻ፣
ንስምካ ዚፈትውዎ ድማ ብኣኻ ኺሕጐሱ እዮም።
12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ንጻድቕ ዘበለ ትባርኽ ኢኻ፣
ከም ብዓብዪ ዋልታ ኸኣ፡ ብተቐባልነት ትኸብቦ ኢኻ።+