ዘመናትን ወርሓትን ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ
“ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን [“ወርሓቱን: ” NW ] ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:7
1. የሱስ ነቲ ሃዋርያቱ ንግዜ ኣመልኪቶም ዝሓተትዎ ሕቶታት ብኸመይ መለስሉ፧
ነቶም ኣብ ህዝበ-ክርስትያንን ኣብ ምልእቲ ምድርን ‘ብዝግበር ዘሎ ጽያፍ ዝጕህዩን ዝትክዙን’ ሰባት: እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ተወዲኡ ብጽድቃዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝትካኣሉ ግዜስ መዓስ ኰን ይኸውን ኢሎም ካብ ምሕታት ንላዕሊ ዘገድሶም ነገር እንታይ ክህሉ ይኽእል፧ (ህዝቅኤል 9:4፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ሃዋርያት የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱን ደድሕሪ ትንሳኤኡን ንግዜ ዝምልከት ሕቶ ሓቲቶምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6) ይኹን እምበር: የሱስ ክምልሰሎም ከሎ መዓልትታት ክጽብጽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣይሃቦምን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ምልክት ክህቦም ከሎ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ‘ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን [“ወርሓቱን:” NW ] ክፈልጡ ናታቶም ከም ዘይኰነ’ ነገሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:7
2. ኣብ ግዜ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ዝምልከት ኣቦኡ ዝመደቦ ናይ ግዜ ሰሌዳ የሱስ ኵሉ ግዜ ይፈልጦ ኢዩ ክበሃል ዘይከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ሽሕ’ኳ የሱስ ንየሆዋ ሓደ ወዱ እንተዀነ: ነቲ ኣቦኡ ዕዮታት ዝፍጽመሉ ምዱብ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኵሉ ግዜ ይፈልጦ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዝሃቦ ትንቢት “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን” ብምባል ብትሕትና ኣፍልጦ ሃበ። (ማቴዎስ 24:36) ኣንጻር እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ናይ ጥፍኣት ስጕምቲ ዝወስደሉ ልክዕ ግዜ ኣቡኡ ክገልጸሉ ብትዕግስቲ ክጽበ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ።a
3. የሱስ ንዕላማታት ኣምላኽ ዝምልከት ሕቶታት ምስ ቀረበሉ ካብ ዝሃቦ መልሲ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
3 ምስ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ነገራት ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ዘመልክት ሕቶታት ምስ ቀረበሉ የሱስ ካብ ዝሃቦ ምላሽ ክልተ ነጥብታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ: የሆዋ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣለዎ፣ ካልኣይ: ነቲ በይኑ ዝመደቦ ኣገልገልቱ ብዛዕባ ዘመናት ወይ ወርሓት ዝምልከት ኣቐዲሞም ውሱን ሓበሬታ ክረኽቡ ክጽበዩ ኣይክእሉን ኢዮም።
ናይ የሆዋ ዘመናትን ወርሓትን
4. እተን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 1:7 ‘ዘመናትን’ ‘ወርሓትን’ ተተርጒመን ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃላት ትርጕመን እንታይ ኢዩ፧
4 ‘ዘመናትን ግዜያትን [“ወርሓትን:” NW ]’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:7 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ: ክልተ ዓይነት ግዜ ዝሓዘ ኢዩ። እታ ‘ዘመናት’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ግዜ ብንውሓት ክውሰድ ከሎ:” (ነዊሕ ወይ ሓጺር ግዜ) ማለት ኢያ። ‘ግዜያት [“ወርሓት:” NW ]’ ድማ ካብታ ገለ እተወሰነ ነገራት እተፈጸመሉ ምዱብ ግዜ: ፍሉይ እዋን ወይ ክፍለ-ግዜ እተመልክት ቃል ኢያ ተተርጒማ። ብዛዕባ እዘን ክልተ በዅሪ ቃላት እዚኣተን: ዳብልዩ. ኢ. ቫይን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:7 ‘ኣቦ ብስልጣኑ’ ዘመናት (ክሮኖስ ) ወይ ንውሓት ናይ እተወሰነ ክፍለ-ግዜ: ከምኡውን ወርሓት (ካይሮስ ) ወይ ብእተወሰነ ፍጻመታት ዝልለ እዋን: ‘ሰሪዑ’ ኢዩ።”
5. የሆዋ ነታ ብልሽውቲ ዓለም ንምጥፋእ ዝነበሮ ዕላማ ንኖህ ዝነገሮ መዓስ ኢዩ: ኖህከ ከመይ ዝበለ ድርብ መዝነት ኢዩ እተቐበለ፧
5 ኣምላኽ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ነታ ደቅሰብን እቶም ዓለወኛታት ስጋ ዝለበሱ መላእኽትን ዘምጽእዋ ብልሽውቲ ዓለም 120 ዓመታት ዝኣክል ግዜ መዲቡላ ነበረ። (ዘፍጥረት 6:1-3) እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኖህ ኣብቲ ግዜቲ ዕድሚኡ 480 ዓመት ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 7:6) ኣብቲ ግዜ እቲ ውሉድ ኣይነበሮን ብድሕሪኡውን ከይወለደ 20 ዓመታት ጸንሐ። (ዘፍጥረት 5:32) ነዊሕ ጸኒሑ: ደቂ ኖህ ዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ድሕሪ ምምርዓዎም ኢዩ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንረሲእነት ካብ ምድሪ ንምጽራግ ዝነበሮ ዕላማ ዝነገሮ። (ዘፍጥረት 6:9-13, 18) ይኹን እምበር: ሽዑውን እንተዀነ ኖህ ኣብ ሓደ ግዜ ድርብ መዝነት ማለት መርከብ ክሃንጽን ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ክሰብከሎምን ሕድሪ እኳ እንተ ተዋህቦ የሆዋ ነቲ ናይ ግዜ መደቡ ኣይገለጸሉን።—ዘፍጥረት 6:14፣ 2 ጴጥሮስ 2:5
6. (ሀ) ኖህ ንግዜ ዝምልከት ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ከም ዝሓደጎ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብነት ኖህ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል: ምናልባት ፍርቂ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ ክኸውን ይኽእል: ‘ኖህ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።’ ኖህ: ውሱን ዕለት ከይፈለጠ: “ብእምነት” ኢዩ ከምኡ ዝገበረ። (ዘፍጥረት 6:22፣ እብራውያን 11:7) ማይ ኣይሂ ክጅምር ሰሙን ክሳዕ ዝተርፎ: የሆዋ እቲ ኵነታት ዝፍጸመሉ ልክዕ ግዜ ፈልዩ ኣይነገሮን። (ዘፍጥረት 7:1-5) ኖህ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልትን እምነትን ስለ ዝነበሮ ንግዜ ዝምልከት ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ ሓዲግዎ። ኖህ ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ ዕቝባ የሆዋ ከም ዝረኸበ ምስ ተገንዘበ: ጸኒሑ ድማ ካብ መርከብ ወጺኡ ናብ ጽርይቲ ምድሪ ምስ ወረደ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣመስጊኑ ክኸውን ዘለዎ! ንሕናውን ተመሳሳሊ ናይ ድሕነት ተስፋ ብምሓዝ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ኣምላኽ እምነት ናይ ምግባር መንፈስ ከነማዕብልዶ ኣይግብኣናን፧
7, 8. (ሀ) ኣህዛብን ሓይልታት ዓለምን ኣብ ህላወ ክመጹ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) የሆዋ ‘ንመነባበሪኦም ዝኸውን ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ዝሓገገሎም’ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
7 ብድሕሪ ማይ ኣይሂ መብዛሕትኦም ዘርኢ ኖህ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ገደፍዎ። ኣብ ሓደ ቦታ ክነብሩ ብምሕሳብ: ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝኸውን ሓንቲ ዓባይ ከተማን ግምብን ክሰርሑ ጀመሩ። የሆዋ ኢዱ ዘእትወሉ ግዜ ምዃኑ ወሰነ። ቋንቍኦም ደባለቐ እሞ “ካብኡ [ካብ ባቤል] ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም።” (ዘፍጥረት 11:4, 8, 9) ጸኒሖም እቶም ብቛንቋ እተኸፋፈሉ ጕጅለታት ነናቶም ሃገራት ኣቘሙ: ገለ ካብተን ሃገራት ከኣ ንኻልኦት ሃገራት ብምውራር ሰፊሕ ግዝኣት ዘለወን ሓይልታት: ሕሉፍ ሓሊፈን እውን ሓይልታት ዓለም ኰና።—ዘፍጥረት 10:32
8 ኣምላኽ ምስ ዕላምኡ ተሰማሚዑ ብምዕያይ: ሓድሓደ ግዜ ሃገራዊ ዶብ ይውስን ነይሩ ኢዩ: ከምኡውን ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር ኣብ ከባቢኣ ዓብላሊት ኰይና እትርከበሉ ወይ ከኣ ከም ሓይሊ ዓለም እትዀነሉ ግዜ ፈልዩ ይውስን ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:13, 14, 18-21፣ ዘጸኣት 23:31፣ ዘዳግም 2:17-22፣ ዳንኤል 8:5-7, 20, 21) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴንስ ዝነበሩ ናይ ግሪኽ ምሁራት ክዛረቦም ከሎ ነዚ ዝምልከት ናይ የሆዋ ዘመናትን ወርሓትን ሓቢሩ ኣሎ:- “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ . . . ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። . . . ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 26
9. የሆዋ ንነገስታት ዝምልከት ‘ዘመናትን ወርሓትን ዝለዋውጥ’ ብኸመይ ኢዩ፧
9 እዚ ኽበሃል ከሎ ግን የሆዋ ንዅሉ ፖለቲካዊ ዓወታትን ኣብ ሃገራት ዝርአ ለውጥታትን ሓላፍነት ይወስድ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ዕላምኡ ንምፍጻም ኢሉ ብእኡ ክጥቀም ምስ ዝመርጽ ኢዱ ከእቱ ይኽእል ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ: እታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ባቢሎን ክትወድቕ ከላን ብሜዶ-ፋርስ ክትካእ ከላን ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ዳንኤል ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ ዝበለ:- “ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ: ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም: ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም።”—ዳንኤል 2:21፣ ኢሳይያስ 44:24–45:7
‘እቲ ዘመን ይቐርብ ነበረ’
10, 11. (ሀ) የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ካብ ባርነት ሓራ ዘውጽኣሉ ግዜ ክንደይ ዓመታት ኣቐዲሙ ኢዩ ዝመደቦ፧ (ለ) እስራኤላውያን ዝድሕንሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ብልክዕ ይፈልጥዎ ከም ዘይነበሩ ዝሕብረልና እንታይ ኢዩ፧
10 የሆዋ ንንጉስ ናይታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግብጺ ኣዋሪዱ ንዘርኢ ኣብርሃም ካብ ባርነት ግብጺ መዓስ ሓራ ከም ዘውጽኦም ኣርባዕተ ክፍለ-ዘበናት ኣቐዲሙ ውሱን ዓመት መዲቡ ነይሩ ኢዩ። ዕላምኡ ንኣብርሃም ብምግላጽ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ተማባጽዐ:- “ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎም: ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዜጨንቕዎም: ኣርጊጽካ ፍለጥ። ነቲ ዝግዝእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ኽፈርዶም እየ። ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጹ እዮም።” (ዘፍጥረት 15:13, 14) እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ቀሪቡ ሓፈሻዊ ታሪኽ እስራኤል ክገልጽ ከሎ ነዚ 400 ዓመት ዝወሰደ ግዜ ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:- “ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ: እቲ: ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ: እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን።”—ግብሪ ሃዋርያት 7:6, 17, 18
11 እዚ ሓድሽ ፈርኦን እዚ ንእስራኤላውያን ባሮት ገበሮም። እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ተመሓላሊፉ እኳ እንተ ነበረ: ሙሴ ንመጽሓፍ ዘፍጥረት ዛጊት ኣይጽሓፋን ኢዩ ነይሩ። እቲ እስራኤላውያን ዓቂቦምዎ ዝነበሩ ሓበሬታ እውን እንተዀነ ካብ ግብጺ ዝወጹላ ዕለት ጸብጺቦም ክረኽብዋ ዘኽእሎም ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ። መዓስ ሓራ ከም ዘውጽኦም ኣምላኽ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግን ኣይተነግሩን። ከምዚ ዝብል ከኣ ነንብብ:- “ኰነ ድማ: ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ: ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ: ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝአቶዎ ኺዳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየ: ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።”—ዘጸኣት 2:23-25
12. ሙሴ ካብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣቐዲሙ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ እስጢፋኖስ ብኸመይ ኢዩ ዝሓበረ፧
12 እታ እስራኤላውያን ድሕነት ዝረኽቡላ ፍልይቲ ዕለት ትፍለጥ ከም ዘይነበረት ካብቲ እስጢፋኖስ ዘቕረቦ ጽማቝ ሓሳባት ክንድምድም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሙሴ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ: ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ አተዎ። ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረአየ ድማ: ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር: ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም: ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:23-25 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሙሴ ኣብዚ እዋን እዚ ካብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ 40 ዓመት ኣቐዲሙ ስጕምቲ ወሰደ። ኣምላኽ ‘ንእስራኤላውያን ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ክሳዕ ዝህቦም’ ሙሴ ተወሳኺ 40 ዓመት ክጽበ ከም ዝነበሮ እስጢፋኖስ ሓቢሩ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:30-36
13. ኵነታትና ምስቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ቅድሚ ምውጽኦም ዝነበረ ኵነታት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
13 ሽሕኳ ‘እቲ ዘመን ተስፋ ይቐርብ:’ እታ ፍልይቲ ዓመት ድማ ብኣምላኽ ተመዲባ እንተ ነበረት: ሙሴን እስራኤላውያንን እምነት ከርእዩ ነበሮም። ነታ የሆዋ ዝመደባ ፍልይቲ ዕለት እቲኣ ኣቐዲሞም ብምጽብጻብ ክረኽብዋ ይኽእሉ ስለ ዘይነበሩ ክጽበዩ ነበሮም። ንሕና እውን ካብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ እንድሕነሉ ግዜ እናቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘእምነና መርትዖ ኣሎና። ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ኸኣ ንፈልጥ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ስለዚ እምነትና ከነርእን የሆዋ ነታ ዓባይ መዓልቱ ንምምጻእ ዝመደባ ግዜ ክንጽበን ፍቓደኛታትዶ ክንከውን ኣይግብኣናን፧ (2 ጴጥሮስ 3:11-13) ሽዑ: ከም ሙሴን እስራኤላውያንን ክቡር ናይ ድሕነት መዝሙር ንውዳሴ የሆዋ ክንዝምር ኢና።—ዘጸኣት 15:1-19
‘እቲ ዘመን ምስ መጸ’
14, 15. ኣምላኽ ወዱ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣቐዲሙ መዲቡ ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ: ነብያት አረ መላእኽቲ እውን ከይተረፉ ነየናይ ኢዮም ነቒሖም ዝጽበይዎ ነይሮም፧
14 የሆዋ እቲ ሓደ ወዱ ከም መሲሕ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ፍሉይ ግዜ ኣቐዲሙ መዲቡ ነይሩ ኢዩ። ጳውሎስ “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና: . . . ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለአኾ” ብምባል ጸሓፈ። (ገላትያ 4:4) እዚ ድማ ፍጻሜ ናይቲ ኣምላኽ: ዘርኢ ማለት ‘ህዝብታት ዝእዘዝዎ ሽሎ’ ክልእኽ ምዃኑ እተማባጽዖ መብጽዓ ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:15፣ 49:10
15 ነብያት ኣምላኽ—መላእኽቲውን ከይተረፉ—ነቲ መሲሕ ኣብ ምድሪ ዝመጽኣሉን ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ከኣ ድሕነት ዘዳልወሉን ‘ወርሓት’ ነቒሖም ይጽበዩ ኢዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን: እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስን በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ: ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ [እውን መርመሩ።] . . . መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።”—1 ጴጥሮስ 1:1-5, 10-12
16, 17. (ሀ) የሆዋ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ንመሲሕ ኽጽበይዎ ዝሓገዞም በየናይ ትንቢት ገይሩ ኢዩ፧ (ለ)ትንቢት ዳንኤል ነቲ ኣይሁድ መሲሕ ንኽመጽእ ዝነበሮም ትጽቢት ዝተንከፎ ብኸመይ ኢዩ፧
16 የሆዋ በቲ ዘይትነቓነቕ እምነት ዝነበረቶ ዳንኤል ገይሩ “ሰብዓ ሰሙናት” ዝምልከት ትንቢት ሃበ። እቲ ትንቢት ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዝመጽኣሉ ግዜ ይቐርብ ከም ዝነበረ ክፈልጡ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ። ክፋል ናይቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዝብል ቃል ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ: መስፍን: ሾብዓተ ሰሙንን ስሳን ክልተን ሰሙንን ኢየን።” (ዳንኤል 9:24, 25 NW ) ናይ ኣይሁድን ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ምሁራት እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ሰሙን’ ናይ ዓመታት ሰሙን ምዃኑ ብሓፈሻ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እተን ኣብ ዳንኤል 9:25 (NW ) ዘለዋ 69 ‘ሰሙን’ (483 ዓመታት) ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ንነህምያ “የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን” ዘፍቀደሉ ዓመት ኢየን ዝጅምራ። (ነህምያ 2:1-8) 483 ዓመታት ጸኒሐን ማለት ኣብቲ የሱስ ብምጥማቕን ብመንፈስ ቅዱስ ብምቕባእን መሲሕ ወይ ክርስቶስ ዝዀነሉ 29 ከ.ኣ.ዘ. ተወድኣ።—ማቴዎስ 3:13-17
17 እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ እተን 483 ዓመታት ዝጀመራሉ ዓመት ብልክዕ ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ እተረጋገጸ ኣይኰነን። ይኹን እምበር ዮሃንስ መጥምቕ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ ‘እቶም ህዝቢ ክጽበዩ ኸለዉ: ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፤ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።’ (ሉቃስ 3:15) ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነዚ ትጽቢት እዚ ምስ ትንቢት ዳንኤል ኢዮም ዘተሓሕዝዎ። ማቲው ሄንሪ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ርእይቶ ብምሃብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ህዝቢ ካብቲ ዮሃንስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎትን ጥምቀትን ብዛዕባ እቲ መሲሕ ንምሕሳብን ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዘሎ ገይሮም ኽወስድዎን ብኸመይ ከም እተሓገዙ ፈሊጥና ኣሎና። . . . ኣብቲ ግዜ እቲ እተን ናይ ዳንኤል ሰብዓ ሰሙናት ተጸንቂቐን ኢየን ነይረን።” ቪጉረ ባኩኤዝ ከምኡውን ብረሳክ ብቛንቋ ፈረንሳ ኣብ ዘዳለውዎ ማኑኤል ቢብሊክ እተባህለ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “እተን ብዳንኤል እተወሰና ሰብዓ ሰሙናት ክወድኣ ይቐርባ ከም ዝነበራ እቶም ህዝቢ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም፣ ዮሃንስ መጥምቕ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበት ክነግር ከሎ እተገረመ ሰብ ኣይነበረን።” ኣይሁዳዊ ምሁር ኣባ ሂለል ሲልቨር ከም ዝጸሓፎ ብመሰረት ናይቲ እዋን እቲ “ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ግዜ ጸብጻብ . . . እቲ መሲሕ ኣብ ከባቢ ናይቲ ካልኣይ ርብዒ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ ክመጽእ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ።”
ኣብ ናይ ግዜ ጸብጻብ ዘይኰነስ ኣብ ፍጻመታት እተመርኰሰ ኢዩ
18. ኣይሁድ: መሲሕ ንኽመጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ግዜ ንኽፈልጡ ትንቢት ዳንኤል ሓጊዝዎም እኳ እንተዀነ: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዝያዳ ዘእምን መርትዖ ግን ኣየናይ ኢዩ፧
18 እቲ ናይ ግዜ ጸብጻብ ንኣይሁድ መሲሕ መዓስ ከም ዝመጽእ ሓፈሻዊ ግምት ክህልዎም ሓጊዝዎም እኳ እንተዀነ: ተኸታታሊ ፍጻመታት ከም ዝሕብሮ ንመብዛሕትኦም የሱስ መሲሕ ምዃኑ ንኽኣምኑ ኣይሓገዞምን። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንደቀ-መዛሙርቱ “ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ዮሃንስ መጥምቕ: ገሊኦም፤ ኤልያስ እዩ: ይብሉ: ገሊኦምውን፤ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ: ዚብሉ ኣለዉ” ኢሎም መለስሉ። (ሉቃስ 9:18, 19) የሱስ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ናይቲ ምሳልያዊ ሰሙናት ትንቢት ከም ዝጠቐሰ ዝገልጽ ጸብጻብ የብልናን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን “እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ: እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ: ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ: ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዝዐቢ ምስክር አሎኒ” በለ። (ዮሃንስ 5:36) ካብ ዝዀነ ይኹን እተገልጸ ናይ ግዜ ጸብጻብ ንላዕሊ ስብከት የሱስ: እቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ኣብ ግዜ ሞቱ እተራእየ ፍጻመታትን (ተኣምራታዊ ምጽልማት: ምትርታር መጋረጃ ቤት መቕደስን ምንቅጥቃጥ ምድርን) ብኣምላኽ እተላእከ መሲሕ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 27:45, 51, 54፣ ዮሃንስ 7:31፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:22
19. (ሀ) ክርስትያናት ጥፍኣት የሩሳሌም ይቐርብ ከም ዝነበረ ብኸመይ ክፈልጡ ነበሮም፧ (ለ) እቶም ካብ የሩሳሌም ዝሃደሙ ክርስትያናት ገና ብዙሕ እምነት ዘድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ድሕሪ ሞት የሱስ እውን እንተዀነ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እቲ ክመጽእ ዝነበሮ መወዳእታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መዓስ ከም ዝዀነ ዝጽብጽብሉ መገዲ ኣይተዋህቦምን። ሓቂ ኢዩ: ብዛዕባ እተን ምሳልያውያን ሰሙናት ዝነግር ትንቢት ዳንኤል ጥፍኣት ናይቲ ኣገባብ እቲ ጠቒሱ ኢዩ። (ዳንኤል 9:26ለ, 27ለ) እዚ ግን ኣብ መወዳእታ ናይተን “ሰብዓ ሰሙናት” (455 ቅ.ኣ.ዘ.– 36 ከ.ኣ.ዘ.) ክፍጸም ነበሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ዳንኤል ምዕራፍ 9 ካብቲ ኣህዛብ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑሉ 36 ከ.ኣ.ዘ. ሓሊፋ ንክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ናይ ግዜ ጸብጻብ ኣይትሕብሮምን ኢያ ነይራ። ኣገባብ ኣይሁድ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ክጠፍእ ምዃኑ ዝሓበሮም: እቲ ሽዑ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ድኣ እምበር ናይ ግዜ ጸብጻብ ኣይኰነን። እቲ ብየሱስ ኣቐዲሙ እተነግረ ፍጻመታት ካብቲ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከቢቦም እተመልስሉ ናይ 66 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ክፍጸም ጀመረ። እዚ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ እሙናትን ንቑሓትን ክርስትያናት ‘ናብ ኣኽራን ክሃድሙ’ ኣጋጣሚ ከፈተሎም። (ሉቃስ 21:20-22) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ግዜ ጸብጻብ ዝገልጽ መሐበሪታት ስለ ዘይነበሮም: ጥፍኣት የሩሳሌም መዓስ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ኣባይቶምን ሕርሽኦምን ስርሖምን ጠንጢኖም ሰራዊት ሮሜ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ተመሊሶም ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ክሳዕ ዘጥፍእዎ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ክነብሩሲ ከመይ ዝበለ እምነት ኰን ኢዩ ክህልዎም ነይርዎ!—ሉቃስ 19:41-44
20. (ሀ) ካብ ኣብነት ናይ ኖህን ሙሴን ናይቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናትን ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
20 ንሕናውን ሎሚ ልክዕ ከም ኖህን ሙሴን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናትን: ንዘመናትን ወርሓትን ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ምህላውናን ድሕነትና ኣዝዩ ምቕራቡን ዘሎና ጽኑዕ እምነት: ግዜ ኣብ ምጽብጻብ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርአ ክዉን ነገራት እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ህላወ ክርስቶስ ንነብር እኳ እንተሎና: እምነት ምርኣይን ንቑሓት ምዃንን ኣየድልየናን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተነግረ ዘሐጕስ ፍጻመታት ብሃንቀውታ ምጽባይ ክንቅጽል ይግብኣና። እዚ ኣርእስቲ ናይታ እትስዕብ ዓንቀጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1 ነሓሰ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ርአ።
ብመልክዕ ድግማ
◻ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝመደቦ ዘመናትን ወርሓትን: የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነገሮም፧
◻ ማይ ኣይሂ ዝጅምረሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኖህ ቅድሚ ክንደይ እዋን ኢዩ ዝፈለጠ፧
◻ ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ዝወጽእሉ ግዜ ፈልዮም ይፈልጥዎ ከም ዘይነበሩ ዝሕብረልና እንታይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝመደቦ ዘመናትን ወርሓትን ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
እምነት ኖህ ንግዜ ዝምልከት ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ክሓድጎ ኣኽኢላቶ ኢያ