‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’
“ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።” —ሮሜ 11:33።
1. እተጠመቕና ክርስትያናት ዘበልና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኽብ ኣቢልና እንርእዮ ፍሉይ መሰል እንታይ እዩ፧
ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰላት እቲ ዝዓበየ እንታይ እዩ፧ ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ መዝነት ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እተቐበልካዮ ሽልማት ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ እተጠመቕና ክርስትያናት ዘበልና፡ ነቲ ምስቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽብ ኣቢልና ኢና እንርእዮ። እዚ ኸኣ ‘ብእኡ ንኽንፍለጥ’ ኣኽኢሉና እዩ።—1 ቈረ. 8:3፣ ገላ. 4:9።
2. ንየሆዋ ኽንፈልጦን ብእኡ ኽንፍለጥን ፍሉይ መሰል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ንየሆዋ ኽንፈልጦን ብእኡ ኽንፍለጥን ፍሉይ መሰል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዕቈብ እቶም ዜፍቅሮም እውን ስለ ዝዀነ እዩ። ነብዪ ናሆም ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ናሆ. 1:7፣ መዝ. 1:6) ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ዘሎና ተስፋ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘሎና ፍልጠት እተመርኰሰ እዩ።—ዮሃ. 17:3።
3. ንኣምላኽ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
3 ንኣምላኽ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፡ ንስሙ ጥራይ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዚሓቍፍ እዩ። ልክዕ ከም ፈታዊና ጌርና፡ ብዛዕባ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት ክንፈልጥ ኣሎና። ምስቲ ፍልጠት ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ኸም ዝፈለጥናዮ ኺርአ እዩ። (1 ዮሃ. 2:4) ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ እንተ ደሊና፡ ካልእ ክንገብሮ ዚግባእ ነገር ኣሎ። ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከምኡ ኸም ዝገበረ እውን ክንፈልጥ ኣሎና። ንዕላማኡ ብዝያዳ ብእተረዳእናዮ መጠን፡ ብዛዕባ ‘ዕምቈት ጥበቡ’ ብዝያዳ ኽንግረም ኢና።—ሮሜ 11:33።
ዕላማ ዘለዎ ኣምላኽ
4, 5. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ምኽሪ” ወይ ዕላማ ተባሂላ ዘላ ቓል እንታይ ማለት እያ፧ (ለ) ዕላማ ብእተፈላለየ መገዲ ኺብጻሕ ከም ዚኽእል ብኣብነት ኣረድእ።
4 የሆዋ ዕላማ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ “ናይ ዘለኣለም ምኽሩ” ወይ ዕላማኡ ይገልጽ እዩ። (ኤፌ. 3:10, 11) “ናይ ዘለኣለም ምኽሩ” ወይ ዕላማኡ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዛ “ምኽሪ” ወይ ዕላማ ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ብእተፈላለየ መገዲ ኺብጻሕ ዚኽእል ንጹር ሸቶ እያ እተመልክት።
5 ነዚ ብኣብነት ንምብራህ፦ ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ኺጐዓዝ ደለየ። ስለዚ፡ ሸቶ ወይ ዕላማ እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብቲ ዝደለዮ ቦታ ምብጻሕ እዩ። ኣብቲ ቦታ ንኺበጽሕ ዜኽእሎ ኣማራጺ መጐዓዝያን መገድን ይፈልጥ ይኸውን። ንሓንቲ መገዲ መሪጹ ብእኣ ኺጐዓዝ ከሎ፡ ዘይተጸበዮ ዅነታት ኣየርን ጻዕቂ ትራፊክን እተዓጽወ መገድን የጋጥሞ ይኸውን፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብኻልእ መገዲ ኪኸይድ ይግደድ። ኰይኑ ግን፡ ዝዀነ ይኹን ምትዕርራይ ይግበር ብዘየገድስ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብቲ ዝሓሰቦ ቦታ ስለ ዚበጽሕ፡ ሸቶኡ ኸም ዝወቕዐ እዩ ዚቝጸር።
6. የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ለውጥታት ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧
6 የሆዋ እውን ነቲ ናይ ዘለኣለም ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ዜደንቕ ለውጥታት ገይሩ እዩ። ነቲ እቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዘለዎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣብ ግምት ስለ ዜእቱ፡ ዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገዲ የተዓራሪ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዘውጸኦ ዕላማ ብኸመይ ይፍጽሞ ኸም ዘሎ እስከ ንርአ። ኣብ ፈለማ፡ የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። (ዘፍ. 1:28) እሞኸ እዚ ዕላማ እዚ በቲ ኣብ ገነት ኤድን እተገብረ ዕልወት ፈሺሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ካልእ “መገዲ” ኺጥቀም ብኡንብኡ ወሰነ። ነቲ እቶም ዓለወኛታት ዘምጽእዎ ሳዕቤን ዜወግድ “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ከኣ ተነበየ።—ዘፍ. 3:15፣ እብ. 2:14-17፣ 1 ዮሃ. 3:8።
7. ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 3:14 ዚርከብ የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝሃቦ መግለጺ እንታይ ንመሃር፧
7 የሆዋ ንዕላማኡ ኺፍጽም ከሎ ምስ ሓድሽ ኵነታት ንኺሰማማዕ ኢሉ ዚገብሮ ለውጥታት ንኽእለቱ ዜርኢ ዀይኑ፡ ምስቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝሃቦ መግለጺ ዚሰማማዕ እዩ። ሙሴ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም ከሎ ኼጋጥሞ ብዛዕባ ዚኽእል ዕንቅፋት ምስ ገለጸ፡ የሆዋ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ንደቂ እስራኤል፡ ‘ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡’ በሎም” በሎ። (ዘጸ. 3:14 NW) እወ፡ የሆዋ ዕላማኡ ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም፡ ዝደለዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 11፡ ነዚ ብጽቡቕ ምሳሌ ገይሩ ኣብሪህዎ ኣሎ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ብዛዕባ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ገሊጹ ነበረ። ተስፋና ናብ ሰማይ ክንከይድ ይኹን ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ፡ ነቲ ምሳሌ ምምርማርና ንዕምቈት ጥበብ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸም ዚውስኽ ኪገብር እዩ።
ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ ዚምልከት ዕላማ የሆዋ
8, 9. (ሀ) ንምሳሌ እታ ኦም ኣውልዕ ክንርድኦ ዚሕግዘና ኣርባዕተ ነጥብታት እንታይ እዩ፧ (ለ) መልሲ ናይ ኣየነይቲ ሕቶ እያ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ለውጢ ኸም ዚገብር እትሕብር፧
8 ነቲ ብዛዕባ ኦም ኣውልዕ ዚገልጽ ምሳሌ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ምስቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዘርኢ ንዚተሓሓዝ ኣርባዕተ ምዕባለታት ዕላማ የሆዋ ኽንፈልጥ ኣሎና። ቀዳማይ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 22:17, 18) ካልኣይ፡ እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ “መንግስቲ ኻህናት” ኬቝሙ መብጽዓ ተኣትዩሎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 19:5, 6) ሳልሳይ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ንመሲሕ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ የሆዋ፡ “መንግስቲ ኻህናት” ንምቛም ካልእ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። (ማቴ. 21:43፣ ሮሜ 9:27-29) ራብዓይ፡ የሱስ ቀንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም እኳ እንተ ዀነ፡ ካልኦት እውን ክፍሊ እቲ ዘርኢ ኪዀኑ ፍሉይ መሰል ተዋሂብዎም እዩ።—ገላ. 3:16, 29።
9 ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣርባዕተ መሰረታዊ ነጥብታት፡ 144,000 ዝዀኑ ሰባት፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ፡ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 14:1-4) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ደቂ እስራኤል” ተባሂሎም እውን ተጸዊዖም ኣለዉ። (ራእ. 7:4-8) ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ እቶም 144,000 ብምሉኦም ብስጋ እስራኤላውያን ወይ ኣይሁድ እዮም ማለት ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ለውጢ ኸም ዚገብር እያ እትሕብር። እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንመልሲ እታ ሕቶ ኽንፈልጥ ብኸመይ ከም እትሕግዘና እስከ ንርአ።
“መንግስቲ ኻህናት”
10. ህዝቢ እስራኤል ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ፧
10 ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ህዝቢ እስራኤል “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ኬቝሙ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ሮሜ 9:4, 5 ኣንብብ።) ኰይኑ ግን፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምስ መጸ፡ ህዝቢ እስራኤል ንዅሎም እቶም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ 144,000 መንፈሳውያን እስራኤላውያን የቝሙ ደዀን ይዀኑ፧
11, 12. (ሀ) እቶም ንሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዜቝሙ ሰባት ኪምረጹ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ለ) የሆዋ ንቝጽሪ እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ‘ዝመልኦ’ ብኸመይ እዩ፧
11 ሮሜ 11:7-10 ኣንብብ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ብደረጃ ህዝቢ ንየሱስ ነጸግዎ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ንዕኦም ጥራይ እተዋህበ ዘርኢ ኣብርሃም ናይ ምቛም ኣጋጣሚ ኣቋረጸ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ ሰማይ ዜመሓድሩ “መንግስቲ ኻህናት” ኪምረጹ ምስ ጀመሩ፡ ንዝቐረበሎም ዕድመ እተቐበሉ ቕኑዕ ዝልቦም ኣይሁድ ነይሮም እዮም። ምስ ብምሉኦም እስራኤላውያን ኪወዳደሩ ኸለዉ፡ ሒደት ጥራይ ስለ ዝነበሩ፡ ከም “ተረፍ” እዮም ነይሮም።—ሮሜ 11:5።
12 ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንቝጽሪ እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ‘ዝመልኦ’ ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 11:12, 25) ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ ኣስተብህል፦ “ግናኸ እቶም ካብ [ብስጋ] እስራኤል ዘበሉ ዅላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። . . . [ብስጋ] ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኵላቶም ውሉድ [ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም] ኣይኰኑን። ማለት፣ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።” (ሮሜ 9:6-8) ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ናይ ግድን ብስጋ እስራኤላውያን ኪዀኑ ኣይጽበዮምን እዩ።
ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ
13. (ሀ) ኦም ኣውሊዕ፡ (ለ) ሱር፡ (ሐ) ጕንዲ፡ (መ) ጨናፍር እንታይ የመልክት፧
13 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ሰባት፡ ምስ ጨናፍር ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ኣመሳሰሎም።a (ሮሜ 11:21) እዚ ኦም ኣውልዕ እዚ፡ ነቲ ምስቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ዚተሓሓዝ ዕላማ ኣምላኽ የመልክት። ሱር እዚ ኦም እዚ ቕዱስ ኰይኑ ንየሆዋ እዩ ዜመልክት፣ የሆዋ ኸኣ እዩ ነቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ህይወት ዚህቦም። (ኢሳ. 10:20፣ ሮሜ 11:16) እቲ ጕንዲ ነቲ ቐንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ እዩ ዜመልክት። እቲ ጨናፍር ከኣ፡ ‘ንብምሉኦም’ እቶም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ ዜመልክት።
14, 15. ካብቲ ኦም ኣውልዕ ‘እተሰብሩ’ መን እዮም፧ ኣብቲ ኦም ኣውልዕ እተተኽሉኸ መን እዮም፧
14 ኣብቲ ብዛዕባ ኦም ኣውልዕ ዚገልጽ ምሳሌ፡ እቶም ንየሱስ ዝነጸግዎ ብስጋ ኣይሁድ ምስቲ ‘እተሰብረ’ ጨናፍር ተመሳሲሎም ኣለዉ። (ሮሜ 11:17) ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ። ንዕኦም ዚትክኡ ደኣ እሞ መን እዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብዓይኒ እቶም ብስጋ ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖም ዚሕበኑ ዝነበሩ ኣይሁድ ክትርአ ኸላ፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ዮሃንስ መጥምቕ ኣቐዲሙ ንኣይሁድ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ካብ ኣእማን እውን እንተ ዀነ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ኸም ዚኽእል ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 3:8።
15 እሞኸ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ገበረ፧ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ ነቶም እተሰብሩ ጨናፍር ንምትካእ፡ ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ተወሲዱ ኣብቲ ኦም ኣውልዕ ከም ዚትከል ተገብረ። (ሮሜ 11:17, 18 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ከምቶም ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ዝኣመሰሉ ገሊኦም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ተተኺሎም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ኰኑ። ኣብ ፈለማ፡ ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ስለ ዝነበሩ፡ ክፍሊ እዚ ፍሉይ ኪዳን ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣይነበሮምን። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ መንፈሳውያን ኣይሁድ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—ሮሜ 2:28, 29።
16. ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧
16 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ስለዚ ንኣኻትኩም [ማለት ነቶም ካብ ኣህዛብ ንዝዀኑ ክርስትያናት እውን ዜጠቓልሉ መንፈሳውያን እስራኤላውያን] እትአምኑ፡ [የሱስ ክርስቶስ] ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይአምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። . . . ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም።”—1 ጴጥ. 2:7-10።
17. እቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገር “ብዘይመገዲ ባህርይ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
17 የሆዋ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ነገር እዩ ገይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዘይመገዲ ባህርይ” በለ። (ሮሜ 11:24) ዘይባህርያዊ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ንጨንፈር ኣውልዕ በረኻ ኣብ ኦም ኣውልዕ ክትተኽሎ ዘይተለምደን ዘይባህርያውን እኳ እንተ መሰለ፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓረስቶት ግን ከምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም።b የሆዋ እውን ምስዚ ብዚመሳሰል መገዲ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ገበረ። ብዓይኒ ኣይሁድ ኪርአ ኸሎ፡ ኣህዛብ ተቐባልነት ዘለዎ ፍረ ኺፈርዩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። የሆዋ ግን ክፍሊ እቶም ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ዚፈርዩ “ህዝቢ” ገበሮም። (ማቴ. 21:43) እቲ ናብ ክርስትና ኻብ እተቐየሩ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ናይ መጀመርታ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ብ36 ድ.ክ. ካብ ዚቕባእ ንነጀው፡ እቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኣብቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ንኺትከሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—ግብ. 10:44-48።c
18. እቶም ብስጋ ኣይሁድ ድሕሪ 36 ድ.ክ. እውን እንተ ዀነ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ነይርዎም፧
18 ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ድሕሪ 36 ድ.ክ. እቶም ብስጋ ኣይሁድ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ንሳቶም [እቶም ብስጋ ኣይሁድ] ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪትከሉ እዮም። ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ኸመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ።”d—ሮሜ 11:23, 24።
“ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ”
19, 20. ካብ ምሳሌ እቲ ኦም ኣውልዕ ከም እተራእየ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ፈጺሙ፧
19 እቲ የሆዋ ን“ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ብዚምልከት ዘውጸኦ ዕላማ፡ ብዜደንቕ መገዲ ይፍጸም ኣሎ። (ገላ. 6:16) ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ “ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ።” (ሮሜ 11:26) ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ እዋን፡ “ብዘሎ እስራኤል፡” ማለት ብምሉኦም መንፈሳውያን እስራኤላውያን፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ኬገልግሉ እዮም። ንዕላማ የሆዋ ኺዓናቕፎ ዚኽእል ዋላ ሓደ ነገር የልቦን።
20 ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ፡ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ማለት የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000ን፡ ን“ህዝብታት ኵላ ምድሪ” በረኸት ኬምጽኡሎም እዮም። (ሮሜ 11:12፣ ዘፍ. 22:18) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ መሰናድዎ ኺጥቀሙ እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ ዘለኣለማዊ ዕላማ የሆዋ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኽንምርምር ከለና፡ “ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ።—ሮሜ 11:33።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ኦም ኣውልዕ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ኣየመልክትን እዩ። ብስጋ እስራኤላውያን ዝዀኑ ነገስታትን ካህናትን እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ግን መንግስቲ ኻህናት ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ነገስታት፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ካህናት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ብስጋ እስራኤላውያን፡ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ኣይነበሩን። ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ “መንግስቲ ኻህናት” ንምቛም ዝገበሮ ዕላማ፡ ኣብቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝዀኑ ኸም እተፈጸመ ብምሳሌ ንምግላጽ እዩ ንኦም ኣውልዕ ተጠቒሙ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1983 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 14-19 ወጺኡ ዝነበረ ትምህርቲ ዚእርም እዩ።
b ነታ፡ “ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ኣብ ኦም ኣውልዕ ምትካል ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
c እቲ ኣጋጣሚ ንኣህዛብ እተኸፍተሎም፡ ነቶም ብስጋ ኣይሁድ ዝነበሩ ጥራይ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኣጋጣሚ ድሕሪ ምዝዛሙ እዩ፣ እቲ ነቶም ብስጋ ኣይሁድ፡ ክፍሊ እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ኪዀኑ እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እዩ ጸኒሑ። እቲ ብዛዕባ 70 ናይ ዓመታት ሰሙናት ዚገልጽ ትንቢት፡ ነዚ ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ዳን. 9:27።
d እታ ኣብ ሮሜ 11:24፡ “ጽብቕቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቕድመ-ጥብቆ፡ እታ ኦም “ብልጽቲ” ወይ “ብቕዕቲ” ምዃና ኻብ እትሕብር ቃል ዝመጸት እያ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ንሓደ ንእተዓለመሉ ነገር ብብቕዓት ዚፍጽም ነገር ንምምልካት እውን ኣብ ጥቕሚ ትውዕል ነይራ እያ።
ትዝክሮዶ፧
• ካብቲ የሆዋ ንዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧
• እዚ ዚስዕብ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 11 ዚርከብ ነገራት እንታይ የመልክት፧
ኦም ኣውልዕ
ሱር
ጕንዲ
ጨናፍር
• እቲ ኻብ ሓደ ተኽሊ ናብ ካልእ ተኽሊ እተገብረ ምትካል፡ “ብዘይመገዲ ባህርይ” ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ኣብ ኦም ኣውልዕ ምትካል ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧
▪ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ፡ ሉሽየስ ጁንየስ ማደሬተስ ካልየሜላ ዚበሃል ሮማዊ ወተሃደርን ሓረስታይን ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ በተን ንናብራ ገጠርን ንማሕረስን ብዚምልከት ዝጸሓፈን 12 መጻሕፍቲ እዩ ዚፍለጥ።
ኣብታ ሓምሸይቲ መጽሓፉ፡ “ኣግራብ ኣውልዕ ዚዅስኵስ፡ ፍረ ይሓትት፣ ድዅዒ ዚድኵዕ፡ ፍረ ይልምን፣ ዚጽልጽል፡ ፍረ የቀላጥፍ” እትብል ጥንታዊት ምስላ ጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ ኣዝዩ ዕሙር ክነሱ ፍረ ዘየፍሪ ኣግራብ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪግበር ከም ዚከኣል ሓበረ፦ “ነቲ ኣግራብ ብመንደል ጌርካ ብምንዳል፡ ነቲ እተነድለ ቦታ፡ ካብ ኣውልዕ በረኻ ብእተወስደ ልሙዕ ጨንፈር ክትውትፎ ጽቡቕ እዩ፣ ከምኡ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ኦም፡ ፍረ ኼፍሪ ዚኽእል ጨንፈር ስለ እተወተፎ፡ ብዙሕ ፍረ እዩ ዜፍሪ።”
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ትርጕም እቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ተረዲኡካዶ፧