ኢሳይያስ
10 እቶም ጐዳኢ ስርዓታት ዚሰርዑ፡+
እቶም ጨቋኒ ትእዛዛት ዜርቅቑ፡ ወይለኦም!
ረድኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም፧+
ሃብትኹምከ* ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም፧
4 ብዘይካ ኣብ መንጎ እሱራት ምዅርማይ፡
ወይ ኣብ መንጎ ቕቱላት ምውዳቕ፡ ዚተርፈኩም የብልኩምን።
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣
ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+
5 “ኣየ! እቲ ኣሶራዊ፡+
እቲ ቝጥዓይ ዝገልጸሉ ሻቦጥን+
እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ዅነኔይን፡
6 ኣንጻር ከሓዲ ህዝቢ፡+
ኣንጻር ዜነድረኒ ህዝቢ ኽሰድዶ እየ፣
ብዙሕ ኪማርኽን ብዙሕ ኪዘምትን፡
ከም ጭቃ ድማ ኣብ ጐደናታት ኪረግጾም ክእዝዞ እየ።+
7 ንሱ ግና ነዚ ኣይኪህቅኖን፡
ልቡ እውን ነዚ ኣይኪሓስቦን እዩ፣
ኣብ ልቡስ ምጥፋእን
ሒደት ዘይኰኑ ብዙሓት ኣህዛብ ምምንቋስን እዩ ዘሎ።
8 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦
‘ኵሎም መሳፍንተይሲ ነገስታት ደይኰኑን፧+
10 ንመንግስትታት እቶም ከንቱ ኣማልኽቲ፡
ነተን ቅሩጽ ምስልታተን ካብ ናይ የሩሳሌምን ናይ ሰማርያን ዚበዝሑ፡ ኢደይ ሒዛተን!+
11 ከምቲ ንሰማርያን ንኸንቱ ኣማልኽታን ዝገበርክዎ፡
ንየሩሳሌምን ንጣኦታታን እውን ከምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧’+
12 “የሆዋ፡ ኵሉ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ዚገብሮ ግብሩ ምስ ፈጸመ፡ ንንጉስ ኣሶር ስለቲ ድርቅና ልቡን ስለቲ ዅሩዕን ዕቡይን ጠመተኡን ኪቐጽዖ እዩ።*+ 13 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦
‘ኣነ ጥበበኛ እየ እሞ፡
ነዚ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ክገብሮ እየ።
14 ከምቲ ሰብ ናብ ሰፈር ዑፍ ኢዱ ዚዝርግሕ፡
ኢደይ ጥሪት ህዝብታት ክትሕዝ እያ፣
ከምቲ ሰብ እተሓድገ እንቋቝሖታት ዚእክብ፡
ንብዘላ ምድሪ ኽእክባ እየ!
ሓደ እኳ ኣኽናፉ ኣይኬንገብግብን፡ ወይ ኣፉ ኣይኪኸፍትን፡ ወይ ጭቝጭቝ ኣይኪብልን እዩ።’”
15 ፋስሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚቘርጽዶ ልዕል ይብል እዩ፧
መጋዝከ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚምግዝዶ ልዕል ይብል እዩ፧
ሻቦጥሲ+ ነቲ ዜልዕሎዶ ኼወዛውዞ ይኽእል እዩ፧
በትሪኸ ነቲ ብዕንጨይቲ ዘይተገብረዶ ኼልዕሎ ይኽእል እዩ፧
19 እቲ ዝተረፈ ኣእዋም ዱሩ ኸኣ፡
ኣዝዩ ሒደት ካብ ምዃኑ እተላዕለ ቘልዓ እኳ ኺዝርዝሮ እዩ።
20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ኣብ እስራኤል ዚተርፉን
እቶም ዘምለጡ ቤት ያእቆብን
ደጊም ኣብቲ ዝወቕዖም ኣይኪምርኰሱን እዮም፣+
የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡
ብተኣማንነት ኪምርኰሱ እዮም።
23 እወ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝመደቦ ጥፍኣት
ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኺፍጸም እዩ።+
24 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣብ ጽዮን እትቕመጥ ህዝበይ በቲ ብሻቦጥ ዚወቕዓካን+ ከም ግብጺ በትሩ ዜልዕለልካን+ ዝነበረ ኣሶር ኣይትፍራህ። 25 ድሕሪ ቝሩብ ግዜስ እቲ ዅነኔ ኺውዳእ እዩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ናብ ጥፍኣቶም ኪቐንዕ እዩ።+ 26 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ንሚድያን ኣብ ከውሒ ዖሬብ ዝሰዓሮ፡+ ሓለንጊ ኼልዕለሉ እዩ።+ በትሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ እውን ኬልዕሎ እዩ።+
30 ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ኣእውዪ፡ ወጭጪ!
ኣቲ ላይሻ፡ ጽን በሊ!
ይዋእኪ ዓናቶት!+
31 ማድሜና ሃዲማ ኣላ።
ነበርቲ ጌቢም መጸግዒ ደልዮም ኣለዉ።
32 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ኖብ+ ደው ኪብል እዩ።
ኢዱ ድማ ንኸረን ጓል ጽዮን፡
ንዅርባ የሩሳሌም የወጣውጠላ ኣሎ።
34 ንጣሻ ዱር ብንዋት ሓጺን* ኪወቕዖ፡
ሊባኖስ ከኣ ብኢድ ሓያል ኪወድቕ እዩ።