የሆዋ ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህብ’
“ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” —ሉቃስ 11:13
1. ብፍላይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ዜድልየና መዓስ እዩ፧
‘ነዚ ባዕለይ ክዋጽኣሉ ኣይክእልን እየ። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እየ ነዚ ፈተና እዚ ኽጾሮ ዝኽእል’ ኢልካ ተዛሪብካዶ ትፈልጥ፧ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ከምኡ ኢሎም ይፈልጡ እዮም። ምናልባት እውን ንስኻ ኸቢድ ሕማም ከም ዘሎካ ምስ ፈለጥካ: ከምኡ ኢልካ ተዛሪብካ ትኸውን። ወይ ከኣ ምናልባት መጻምድትኻ ምስ ዓረፈት ከምኡ ኢልካ ትኸውን። ወይ እቲ ብሩህ ኣመለኻኽታኻ: በቲ ጽልሙት ጭንቀት ምስ ተዋሕጠ ነዚ ተዛሪብካ ትኸውን። ኣብ እዋን ጸበባ: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ስለ ዝሃበካ ጥራይ ትነብር ከም ዘለኻ ዀይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን።—2 ቈረንቶስ 4:7-9፣ መዝሙር 40:1, 2
2. (ሀ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኻብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዚወርዶም እናወሰኸ ዚኸይድ ጸቕጥን ምጽራርን ኪጻወሩ ኣለዎም። (1 ዮሃንስ 5:19) ኣብ ልዕሊ እዚ: ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብቲ ምስቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ብርቱዕ ውግእ ዚገብር ሰይጣን ድያብሎስ እውን መጥቃዕቲ ይወርዶም እዩ። (ራእይ 12:12, 17) ስለዚ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ደገፍ መንፈስ ኣምላኽ ምድላይና ዜገርም ኣይኰነን። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብብዝሒ ምእንቲ ኺወሃበና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ የሆዋ ኣብ እዋን ፈተና ዜድልየና ብርታዐ ኺህበና ምሉእ ብምሉእ ፍቓደኛ ምዃኑኸ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብ ክልተ የሱስ እተዛረበን ምሳሌታት ንረኽቦ ኢና።
ከይተሓለልካ ጸሊ
3, 4. የሱስ እንታይ ምሳሌ እዩ ዝመሰለ፧ ነታ ምሳሌ ምስ ጸሎት ዘተሓሓዛኸ ብኸመይ እዩ፧
3 ሓደ እዋን: ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: “ጐይታይ: . . . ምጽላይ ምሀረና” ኢሉ ሓተቶ። (ሉቃስ 11:1) የሱስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ: ክልተ ምሳሌታት ጠቐሰ። እታ ቐዳመይቲ ብዛዕባ ሓደ ጋሻ ዝመጾ ሰብኣይ ክትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ብዛዕባ ንወዱ ዚሰምዖ ኣቦ እያ። ንኽልቲአን እዘን ምሳሌታት እዚኣተን እስከ ንርኣየን።
4 የሱስ ከምዚ በለ:- “መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ: ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፤ ዓርከይ: ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ: ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ: ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ: እንተ በሎ: እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፤ ኣይተድክመኒ: ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ: ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ: ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን: ይብሎ። ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ: ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ [“ስለቲ ብትብዓት ዘይምሕላሉ:” NW] ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ: እብለኩም አሎኹ።” ድሕሪኡ የሱስ እዛ ምሳሌ እዚኣ ኣብ ጸሎት ብኸመይ ከም እትውዕል ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣነ ኸኣ፤ ዚልምን ዘበለ ይቕበል: ዚደሊ ይረክብ: ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ: ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ: እብለኩም አሎኹ።”—ሉቃስ 11:5-10
5. እታ ብዛዕባ እቲ ዘይሕለል ሰብኣይ እትገልጽ ምሳሌ: ክንጽሊ ኸለና ኸመይ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኺህልወና እያ እትምህረና፧
5 እታ ብዛዕባ እቲ ዘይሕለል ሰብኣይ እትገልጽ ንጽርቲ ምሳሌ: ክንጽሊ ኸለና ኸመይ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ትገልጽ። እቲ ሰብኣይ “ስለቲ ብትብዓት ዘይምሕላሉ” ዝደለዮ ኸም ዝረኸበ የሱስ ምግላጹ ኣስተብህል። (ሉቃስ 11:8 NW) እታ “ብትብዓት ዘይምሕላል” እትብል መግለጺ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ እያ እትርከብ። ቃል ብቓሉ ኽትውሰድ ከላ “ዘይምሕፋር” ካብ ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል እተተርጐመት እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምሕፋር ወይ ዘይምስካፍ ሕማቕ ባህርይ ጌርካ እዩ ዚርአ። ንጽቡቕ ዕላማ ዘይምሕፋር ወይ ዘይምሕላል ግን: ዚነኣድ ባህርይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ጋሻ ዝመጾ ሰብኣይ ከምዚ ዓይነት ባህርይ እዩ ነይርዎ። ነቲ ዝደለዮ ነገር ከይተሓለለ ብምልማኑ ኣይሓፍርን እዩ ነይሩ። የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም ኣብነት ገይሩ ስለ ዝጠቐሰልና: ጸሎትና እውን ብተመሳሳሊ ብዘይምሕላል ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ኸየባተኽና ‘ኽንልምንን ክንደልን ክንኵሕኵሕን’ ይደልየና እዩ። ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህብ እዩ።’
6. ብግዜ የሱስ ጋሻ ምቕባል ከመይ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፧
6 የሱስ ብትብዓት ከይተሓለልና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ: ስለምንታይ ከምኡ ኽንገብር ከም ዘሎና እውን ምሂሩና እዩ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ብንጹር ንምስትውዓል: እቶም ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይሕለል ተቐባል ጋሻ እተዛረቦ ምሳሌ ዝሰምዕዎ ሰባት: ጋሻ ብዛዕባ ምቕባል ዝነበሮም ባህሊ ኽንምርምር ይግባእ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓያሎ ጸብጻባት: ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጋይሽ ምክንኻን ኣርዚንካ ዚርአ ባህሊ ምንባሩ እዩ ዚሕብር: ብፍላይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ነዚ የተኵሩሉ ነበሩ። (ዘፍጥረት 18:2-5፣ እብራውያን 13:2) ጋሻ ብጽቡቕ ዘይምቕባል ውርደት እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 7:36-38, 44-46) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ነቲ የሱስ ዘዘንተዎ ዛንታ እስከ እንደገና ንርኣዮ።
7. እቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ተቐባል ጋሻ ለይቲ ንዓርኩ ኼበራብሮ ዘይሓፈረ ስለምንታይ እዩ፧
7 እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ: ፍርቂ ለይቲ ሓደ ጋሻ መጾ። እቲ ሰብኣይ ንጋሻኡ ምግቢ ኪቕርበሉ ኸም ዘለዎ ተሰምዖ: ‘ዚቕርበሉ ግን ሰኣነ።’ ነዚ ድማ ህጹጽ መፍትሒ ዜድልዮ ጕዳይ ገይሩ ረኣዮ። እተኸፍለ ተኸፊሉ እንጌራ ኺረክብ ነበሮ። ስለዚ: ናብ ዓርኩ ኸይዱ: ከይሓፈረ ኣበራበሮ። “ዓርከይ: . . . ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ” በሎ። እቲ ዝደለዮ ኽሳዕ ዚርከብ ከይተሓለለ ምልማኑ ቐጸለ። እንጌራ ምስ ሓዘ ጥራይ እዩ: ግቡእ ተቐባል ጋሻ ኪኸውን ዚኽእል።
ዝያዳ ዚድለ ነገር: ዝያዳ ኺልመነሉ ይግባእ
8. መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ከይተሓለልና ንኽንጽሊ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧
8 እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኸይተሓለልና እንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ትምህረና፧ እቲ ሰብኣይ ከም ተቐባል ጋሻ መጠን ግዴታኡ ንኺፍጽም እንጌራ ኺህልዎ ዘለዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ: ምልማን ኣየቋረጸን። (ኢሳይያስ 58:5-7) ብዘይ እቲ እንጌራ: ግዴታኡ ኺፍጽም ኣይክእልን እዩ። ንሕና እውን ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ኣገልግሎትና ንምፍጻም ህላወ መንፈስ ኣምላኽ ናይ ግድን ኣድላዪ ጌርና ስለ እንርእዮ: ኣምላኽ መንፈሱ ንኺህበና ብምልማን ከይተሓለልና ንጽሊ ኢና። (ዘካርያስ 4:6) ብዘይ መንፈስ ኣምላኽ: ኣይሰልጠናን እዩ። (ማቴዎስ 26:41) ካብዛ ምሳሌ እዚኣ እንረኽቦ ኣገዳሲ መደምደምታ ኣስተብሂልካዶ፧ መንፈስ ኣምላኽ ብህጹጽ ከም ዜድልየና ጌርና እንተ ርኢናዮ: ንኺወሃበና ኸይተሓለልና ንልምን ኢና።
9, 10. (ሀ) ኣምላኽ መንፈሱ ኺህበና ኸይተሓለልና ኽንልምኖ ዜድልየና ስለምንታይ ምዃኑ ብምሳሌ ግለጽ። (ለ) ንርእስና እንታይ ሕቶ ኽንሓትት ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧
9 ነዛ ምሳሌ እዚኣ ኣብዚ ግዜና ንምውዓል: ሓደ ኣባል ስድራቤትካ ፍርቂ ለይቲ ኸም ዝሓመመ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሓገዝ ንኺህበካ ኢልካ ንሓደ ሓኪም ካብ ድቃሱ መበራበርካዮዶ፧ እቲ ሕማም ቀሊል እንተ ዀይኑ: ኣይተበራብሮን ኢኻ። እቲ ኣባል ስድራቤትካ ድኻም ልቢ እንተ ኣለዎ ግን: ሓኪም ንምብርባር ኣይምሓፈርካን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ጕዳይ እዩ ኣጋጢሙካ። እቲ ኽኢላ ሰብ ዚህበካ ሓገዝ ብሓቂ ኸም ዜድሊ ትፈልጥ ኢኻ። ሓገዝ ዘይምሕታት ክሳዕ ሞት ኬብጽሕ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቀጻሊ ህጹጽ ፍታሕ ዜድልዮ ነገራት የጋጥሞም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ከመይሲ: ሰይጣን ዚውሕጦ ደልዩ ኸም “ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀይኑ ይዘውር ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ብመንፈሳዊ መዳይ ህያዋን ንኽንከውን: ብዘይጥርጥር ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ የድልየና እዩ። ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ዘይምሕታት ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ብትብዓት ከይተሓለልና ንኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ንኺህበና ንልምኖ ኢና። (ኤፌሶን 3:14-16) ከምዚ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና: ‘ክሳዕ መወዳእታ ንኽንዕገስ’ ብርታዐ ኺህልወና ዚኽእል።—ማቴዎስ 10:22፣ 24:13
10 ስለዚ: ሓድሓደ ግዜ ሓንሳእ ደው ኢልና ‘ብሓቂ ግን ክሳዕ ክንደይ እየ ኸይተሓለልኩ ዝጽሊ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ሓገዝ ኣምላኽ ከም ዜድልየና ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣስተውዒልና: መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ብዝያዳ ጸኒዕና ጸሎት ከም እነቕርብ ኣይንረስዕ።
ብምትእምማን ንኽንጽሊ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧
11. የሱስ ኣወዓዕላ እታ ብዛዕባ ሓደ ኣቦን ወዱን እትገልጽ ምሳሌ ብኸመይ ሓበረ፧
11 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይሕለል ተቐባል ጋሻ ዝመሰላ ምሳሌ: ንኣመለኻኽታ እቲ ዚጽሊ ሰብ: ማለት ንኣመለኻኽታ እቲ ኣማኒ እያ እተጕልሕ። እታ እትቕጽል ምሳሌ ኸኣ: ንኣመለኻኽታ እቲ ጸሎት ዚሰምዕ: ማለት ንኣመለኻኽታ የሆዋ ኣምላኽ እተጕልሕ እያ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ: ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ: እምኒ ዚህቦ፧ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ: ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ: ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧” የሱስ ቀጺሉ ኣወዓዕላ ኺገልጽ ከሎ: “እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ።—ሉቃስ 11:11-13
12. እታ ብዛዕባ እቲ ንለመና ወዱ ዚሰምዕ ኣቦ እትገልጽ ምሳሌ: ነቲ የሆዋ ንጸሎትና ንኺምልስ ዘለዎ ፍቓደኛነት እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧
12 ኣብዚ ብዛዕባ ሓደ ኣቦ ንወዱ ዚህቦ ምላሽ ዚገልጽ ኣብነት: የሆዋ ብዛዕባ እቶም ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ከመይ ከም ዚስምዖ እዩ የሱስ ዝገለጸ። (ሉቃስ 10:22) ፈለማ: ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ምሳሌታት ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ። የሆዋ ኸምቲ ሓገዝ ኪሕተት ከሎ ምላሽ ንምሃብ ዚደናጐ ኣብታ ቐዳመይቲ ምሳሌ እተገልጸ ሰብኣይ ዘይኰነስ: ከም ሓደ ኻብ ውላዱ ንዝመጾ ለመና ምላሽ ኪህብ ድሉው ዝዀነ ሓላዪ ሰብኣዊ ወላዲ እዩ። (መዝሙር 50:15) ብተወሳኺ: የሱስ ነቲ የሆዋ ንኺምልሰልና ዘለዎ ፍቓደኛነት: ካብ ዝነኣሰ ናብ ዝዓበየ መረዳእታ ብምሃብ እዩ ገሊጽዎ። ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ብሰሪ ዝወረሶ ሓጢኣት ‘ክፉእ ክነሱ’ ንወዱ ጽቡቕ ህያብ ዚህብ ካብ ኰነ: እቲ ገባር ሰናይ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ግዳ ነቶም ስድራቤቱ ዝዀኑ ኣምለኽቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚሑ ኺህቦም ከመይ ዘይንጸበ!—ያእቆብ 1:17
13. ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
13 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና መንፈስ ቅዱስ ኪህበና ኽንሓቶ ኸለና: ለመናና ንኼማልኣልና ብሓቂ ፍቓደኛ ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:14) ደጋጊምና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: “ኣይተድክመኒ: ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ” ኢሉ ኣይምልሰልናን እዩ። (ሉቃስ 11:7) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: የሱስ “ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ” በለ። (ሉቃስ 11:9, 10) እወ: የሆዋ ‘በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይሰምዓና እዩ።’—መዝሙር 20:9፣ 145:18
14. (ሀ) ገሊኦም ፈተናታት ዘጋጠሞም ሰባት እንታይ ግጉይ ሓሳባት እዩ ዜጨንቖም፧ (ለ) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ብምትእምማን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
14 እታ የሱስ ብዛዕባ ሓላዪ ኣቦ ዝመሰላ ምሳሌ: የሆዋ ዚገብሮ ሰናይ: ካብቲ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ወላዲ ዜርእዮ ሰናይ ዚዓቢ ምዃኑ ተጕልሕ። ስለዚ: እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት: ኣምላኽ ከም ዘይተሓጐሰልና ዚገልጽ ኰይኑ ኺስምዓና የብሉን። እቲ ቐንዲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን እዩ ኸምዚ ኢልና ኽንሓስብ ዚደልየና። (እዮብ 4:1, 7, 8፣ ዮሃንስ 8:44) ከምዚ ዝኣመሰለ ንርእስና ዚዅንን ሓሳባት ንኺህልወና መሰረት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ የልቦን። የሆዋ “ብእኩይ” ኣይፍትነናን እዩ። (ያእቆብ 1:13) ከም ተመን ወይ ዕንቅርቢት ዝኣመሰለ ፈተና ኣይህበናን እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ‘ንዚልምንዎ ጽቡቕ ይህቦም እዩ።’ (ማቴዎስ 7:11፣ ሉቃስ 11:13) ብሓቂ እምበኣር: ንሰናይ የሆዋን ንኺሕግዘና ዘለዎ ፍቓደኛነትን ዝያዳ ብእተረዳእናዮ መጠን: ብምትእምማን ንኽንጽሊ ብዝያዳ ኢና እንድረኽ። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ: ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ” ዚብል ስምዒታት ክንገልጽ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 10:17፣ 66:19
መንፈስ ቅዱስ መጸናንዒ ዚዀነሉ መገዲ
15. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንታይ መብጽዓ እዩ ዝኣተወ፧ (ለ) ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ እንረኽበሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
15 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ: ነቲ ኣብ ምሳሌታቱ ዝሃቦ መረጋገጺ ደጊሙ ጠቒስዎ እዩ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረብ ከሎ: ንሃዋርያቱ: “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:16) በዚ ኸምዚ: የሱስ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ሓደ መጸናንዒ: ወይ መንፈስ ቅዱስ: ምስ ሰዓብቱ ኪኸውን ምዃኑ ነገሮም፣ እዚ ኸኣ ነዚ ግዜና እውን ዜጠቓልል እዩ። ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምጽንናዕ ወይ ሓገዝ ክንረኽበሉ እንኽእል ሓደ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧ መንፈስ ቅዱስ እተፈላለየ ፈተናታት ንኽንጽመም ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ብዙሕ ፈተናታት ዘጋጠሞ ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣብታ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቲ: መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ገሊጹ ኣሎ። ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርኣዮ።
16. ኵነታትና ምስ ኵነታት ጳውሎስ ብኸመይ ኪመሳሰል ይኽእል፧
16 ፈለማ: ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ‘ኣብ ስጋኡ ግራጭ:’ ወይ ሓደ ዓይነት ፈተና ኸም ዘለዎ ብጋህዲ ነገሮም። ድሕሪኡ: “እዚ ኻባይ ኪርሕቕ: ብዛዕባኡ ንጐይታ [ንየሆዋ] ሰለስተ ሳዕ ለመንኩዎ” በለ። (2 ቈረንቶስ 12:7, 8) ጳውሎስ እዚ ስቓይ እዚ ምእንቲ ኺውገደሉ ንኣምላኽ እኳ እንተ ለመኖ: ኣይተወገደሉን። ንስኻ እውን ሎሚ ምናልባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣጋጢሙካ ይህሉ ይኸውን። ከም ጳውሎስ: የሆዋ ንፈተናኻ ንኼወግደልካ ኸይተሓለልካ ብምትእምማን ጸሊኻ ትኸውን። ኰይኑ ግን: ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ለመንካ: እቲ ጸገም ግን ኣይተወገደን። እዚ ግን የሆዋ ንጸሎትካ ኣይመለሶን ወይ መንፈሱ ኣይሓገዘካን ማለት ድዩ፧ ብጥራሽ ከምኡ ኣይኰነን! (መዝሙር 10:1, 17) ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝበሎ እሞ ኣስተብህል።
17. የሆዋ ንጸሎት ጳውሎስ ብኸመይ መለሶ፧
17 ኣምላኽ ነቲ ጳውሎስ ዝጸለዮ ጸሎት: “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ: “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ [“ከም ድንኳን:” NW] ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ” በለ። (2 ቈረንቶስ 12:9፣ መዝሙር 147:5) ጳውሎስ ብክርስቶስ ኣቢሉ: እቲ ሓያል ዕቝባ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ድንኳን ኰይኑ ኸም እተዘርግሐ ተሰሚዕዎ እዩ። ሎሚ: የሆዋ ንጸሎትና ብተመሳሳሊ መገዲ ይምልሶ እዩ። ንዕቝባኡ ኸም መዕቀሊ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ ይዝርግሖ እዩ።
18. ፈተናታት ክንጻወር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ልክዕ እዩ: ሓደ ድንኳን ዝናም ከም ዘይዘንም ወይ ንፋስ ከም ዘይነፍስ ኣይገብርን እዩ: ኰይኑ ግን ካብዚ ነገራት እዚ እተወሰነ ዕቝባ ይኸውን እዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ “ሓይሊ ክርስቶስ” ዚህበና ዕቝባ: ፈተናታት ንኸየጋጥመና ወይ ጸገማት ንኸየጓንፈና ዚዓግት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ካብቲ ኻብዛ ዓለም እዚኣን ካብ ገዛኢኣን ዚምንጭ ጐዳኢ ነገራት መንፈሳዊ ዕቝባ ይዀነና እዩ። (ራእይ 7:9, 15, 16) ስለዚ: ምስ ሓደ ‘ካባኻ ዘይርሕቕ’ ፈተና ትቃለስ እኳ እንተ ኣለኻ: የሆዋ ንቓልስኻ ኸም ዚፈልጦን ‘ንብኽያትካ’ ምላሽ ከም ዚህበሉን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (ኢሳይያስ 30:19፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”—1 ቈረንቶስ 10:13፣ ፊልጲ 4:6, 7
19. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘራጽነት ዝገበርካ፧ ስለምንታይከ፧
19 ልክዕ እዩ: እዚ ዘለናሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም: “ክፉእ ዘመን” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኰይኑ ግን: እዚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዋጽኡሉ ዘይክእሉ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንዅሎም እቶም ከይተሓለሉ ብምትእምማን ዚልምንዎ ሰባት ብፍታው ኣብዚሑ ደገፍን ዕቝባን መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም እዩ። ሃየ እምበኣር: መዓልታዊ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኸይተሓለልና ኽንጽሊ ቘራጽነት ንግበር።—መዝሙር 34:6፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
• የሆዋ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና እንገብሮ ጸሎት ምላሽ ከም ዚህበሉ ብኸመይ ክንተኣማመን ንኽእል፧
• መንፈስ ቅዱስ: ፈተናታት ንኽንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ካብታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይሕለል ተቐባል ጋሻ ዘዘንተዋ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ኸይተሓለልካ ትጽሊ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ካብታ ብዛዕባ ሓደ ሓላዪ ኣቦ እትገልጽ ምሳሌ: ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንመሃር፧