ንመጓሰ የሆዋ ዝሓልዩ “ውህበት ሰብኡት”
“ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት [“ውህበት ሰብኡት:” NW] ሀበ።”—ኤፌሶን 4:8
1. ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኣ ዘለዉ ሽማግለታት እንታይ ኢያ ዝበለት፧
ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ናብ ሽማግለታት ጉባኤኣ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣጸቢቕኩም ስለ እትሓልዩልና አመስግነኩም። ፍሽኽታኹም: ምዉቕ ኣቀራርባኹምን ሓልዮትኩምን ልባዊ ኢዩ። ጽን ኢልኩም ንምስማዕን መንፈስና ዘለዓዕል ቃላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተካፍሉናን ኵሉ ግዜ ድልዋት ኢኹም። ነቲ እትገብሩዎ ኣቕሊለ ከይርእዮ እጽሊ ኢየ።” ብሓቂ እቶም ሓለይቲ ክርስትያን ጓሶት ዘርኣይዎ ፍቕሪ ንልባ ተንኪፍዎ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:2, 3
2, 3. (ሀ) ብመሰረት ኢሳይያስ 32:1, 2 ደንገጽቲ ሽማግለታት ንኣባጊዕ የሆዋ ዝሓልዩለን ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ከም ውህበት ክሕሰብ ዝኽእል እንታይ ምስ ዝገብር ኢዩ፧
2 ሽማግለታት: ኣባጊዑ ንኽጓስዩ ኢሉ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ኢዩ። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16) የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእየን። አረ: ኣዝየን ክቡራት ገይሩ ስለ ዝርእየን እኳ በቲ ክቡር ደም የሱስ ዓደገን። ስለዚ: ሽማግለታት ንመጓሰኡ ብለውሃት ክሕዝወን ከለዉ የሆዋ ይሕጐስ ምዃኑ ኣየገርምን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ብዛዕባ እዞም ሽማግለታት ወይ “መሳፍንቲ” እተነግረ ትንቢታዊ መግለጺ ኣስተብህለሉ:- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 32:1, 2) እወ: ንኣባጊዑ ከዕቝቡን ከሐድሱን ከጸናንዑን ኣለዎም። ስለዚ እምበኣር እቶም ነቲ መጓሰ ብድንጋጽ ዝጓስዩ ሽማግለታት ምስቲ ኣምላኽ ክዀንዎ ዝጽበዮም ተሰማሚዖም ክነብሩ ይጽዕሩ ኢዮም።
3 እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ውህበት ሰብኡት” ተባሂሎም ተጠቒሶም ኣለዉ። (ኤፌሶን 4:8 NW ) ብዛዕባ ህያብ ክትሓስብ ከሎኻ: ንድሌት እቲ ተቐባሊ ንምዕጋብ ወይ ከኣ ንምሕጓሱ ተብሂሉ ዝወሃቦ ነገር ኢዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ። ሓደ ሽማግለ ነቲ ዘለዎ ክእለት ዘድሊ ደገፍ ንምሃብን ንሓጐስ እቲ መጓሰ ኣበርክቶ ንምግባርን ምስ ዝጥቀመሉ ከም ውህበት ክሕሰብ ይከኣል ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል፧ እቲ መልሲ ኣብ ኤፌሶን 4:7-16 ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ቃላት ጳውሎስ እዚ ነቲ የሆዋ ንኣባጊዑ ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ዘጕልሕ ኢዩ።
“ውህበት ሰብኡት”—ካበይ ኢዮም መጺኦም፧
4. ንፍጻሜ መዝሙር 68:18 የሆዋ ‘ናብ ላዕሊ ዝደየበ’ በየናይ መገዲ ኢዩ: እቶም ‘ካብ ሰብ እተወስዱ ውህበትከ’ እንታዎት ኢዮም፧
4 ጳውሎስ ነታ “ውህበት ሰብኡት” እትብል መግለጺት ክጥቀመላ ኸሎ: ነቲ “ናብ ላዕሊ ደየብካ: ምርኮ ማረኽካ: . . . ካብ ሰብ: . . . ውህበት ተቐበልካ” ብምባል ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ እተዛረቦ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። (መዝሙር 68:18) እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ንገለ ዓመታት ምስ ተቐመጡ: የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ደብረ ሲና ‘ደየበ:’ ንዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊኣ ንጉስ ከም ዝኸውን ገይሩ ንየሩሳሌም ርእሲ ኸተማ እስራኤል ገበራ። ይኹን እምበር እቶም ‘ካብ ሰብ እተወስዱ ውህበት’ እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ እታ ምድሪ ተስፋ ክትተሓዝ ከላ እተማረኹ ሰብኡት ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ገለ ግዜውን ካብዞም ምሩኻት እዚኣቶም ንሌዋውያን ኣብ ዕዮ እቲ ማሕደር ክሕግዝዎም ክኢሎም ኢዮም።—እዝራ 8:20
5. (ሀ) ጳውሎስ መዝሙር 68:18 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍጻሜ ከም ዘለዋ ዝሓበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ‘ኣብ ላዕሊ ዝደየበ’ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
5 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓቢ ፍጻሜ ከም ዘለዎ ሓበረ። ንመዝሙር 68:18 ብናቱ ቓላት ኣሕጽር ኣቢሉ ኽገልጻ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። ስለዚ ኸኣ፤ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት [“ውህበት ሰብኡት:” NW ] ሀበ: ይብል።” (ኤፌሶን 4:7, 8) ጳውሎስ ነዚ መዝሙር እዚ ከም ወኪል ኣምላኽ ገይሩ ኣብ የሱስ ኣውዒልዎ ኣሎ። የሱስ: እሙን ኰይኑ ብምምልላሱ ‘ንዓለም ስዒርዋ’ ኢዩ። (ዮሃንስ 16:33) ኣምላኽ ካብ ምዉታት ስለ ዘተንስኦ እውን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሰይጣንን ተዓወተ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:24፣ እብራውያን 2:14) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ዝተንስአ የሱስ ናብ “ልዕሊ ዅሉ ሰማያት”—ካብ ኵሎም ካልኦት ሰማያውያን ፍጥረታት ዝለዓለ ደረጃ—ደየበ። (ኤፌሶን 4:9, 10፣ ፊልጲ 2:9-11) ከም ሰዓሪ መጠን የሱስ ካብ ጸላእቲ “ምሩኻት” ወሰደ። ብኸመይ፧
6. እቲ ንላዕሊ ዝደየበ የሱስ ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው: ንቤት ሰይጣን ክማርኽ ዝጀመረ ብኸመይ ኢዩ: ነቶም ‘ምሩኻትከ’ እንታይ ገበሮም፧
6 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ነቶም ብኣጋንንቲ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብምንጋፍ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዘለዎ ስልጣን ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ድማ የሱስ ናብ ቤት ሰይጣን ኣትዩ ከም ዝኣሰሮ: ኣቕሕኡ ድማ ከም ዝበዝበዞ ኢዩ ዝቝጸር። (ማቴዎስ 12:22-29) የሱስ ተንሲኡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ምስ ተዋህቦ እንታይ ዓይነት ወራር ከም ዘካይድ እሞ ገምት! (ማቴዎስ 28:18) ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው: እቲ ንላዕሊ ዝደየበ የሱስ: ከም ወኪል ኣምላኽ መጠን ‘ምርኮ ብምምራኽ’ ንቤት ሰይጣን ክወራ ጀመረ። እዞም ምሩኻት እዚኣቶም ከኣ እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ብምዃን ኣብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። እዞም ‘ምሩኻት’ እዚኣቶም: ብወለንታ ‘ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኰይኖም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ ይገብርዎ ኣለዉ።’ (ኤፌሶን 6:6) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ የሱስ ካብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ሓራ ኣውጺኡ ኣብ ክንዲ የሆዋ ኰይኑ ነታ ጉባኤ ከም “ውህበት ሰብኡት” ገይሩ ሃቦም። ካብ ግዝኣቱ ምስ ተመንጠሉ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ተቘጢዑ ክኸውን ከም ዝኽእል እሞ ገምት!
7. (ሀ) እቶም “ውህበት ሰብኡት” ኣብተን ጉባኤታት ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታታት ኢዮም ዘገልግሉ፧ (ለ) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ሰብኣይ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝህቦ፧
7 ሎሚ ኣብታ ጉባኤ ከምዚኣቶም ዝበሉ “ውህበት ሰብኡት” ንረክብዶ፧ እወ: ብርግጽ ንረክብ ኢና! ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዋ ካብ 87,000 ዝበዝሓ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ከም ‘ወንጌላውያን: ጓሶት: መምህራን’ ኰይኖም ኣበርቲዖም ብምዕያይ ሽማግለታት ኰይኖም ከገልግሉ ኢና እንረኽቦም። (ኤፌሶን 4:11) ሽማግለታት ነተን መጓሰ ክገፍዕወን ከለዉ ከም ምርኣይ ገይሩ ንሰይጣን ዘሐጕሶ ነገር የለን። ኣምላኽ ብክርስቶስ ገይሩ ነታ ጉባኤ “ውህበት ሰብኡት” ዝሃባ ግን ከምኡ ክገብሩ ኢሉ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ግን: የሆዋ ነዞም ሰብኡት እዚኣቶም ንሰናይ እታ ጉባኤ ኢዩ ኣዳልይዎም: ብዛዕባ እተን ብሕድሪ እተዋህብኦም ኣባጊዕ ድማ ጸብጻብ ከቕርብሉ ኢዮም። (እብራውያን 13:17) ሽማግለ ዄንካ ተገልግል እንተድኣ ኣሊኻ: የሆዋ ንኣሕዋትካ ውህበት ወይ በረኸት ምዃንካ ከተርኢ ግሩም ኣጋጣሚ ሂቡካ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ሓላፍነታት ብምፍጻም ኢኻ ክትገብሮ እትኽእል።
‘ምቕናዕ’ ኣድላዪ ክኸውን ከሎ
8. ኵልና ሓድሓደ ግዜ ምቕናዕ ዘድልየና በየናይ መገድታት ኢዩ፧
8 ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ናይ “ውህበት ሰብኡት” ምድላው እተገብረሉ ቀዳማይ ምኽንያት ‘ነቶም ቅዱሳት ምሉኣት ንምግባር [“ንምቕናዕ:” NW ]’ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:12) እታ “ምቕናዕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም: ንሓደ ነገር “ኣብቲ ግቡእ መስመር” ከም ዝኣቱ ምግባር ኢያ እተመልክት። ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክንቀንዕ እዚ ማለት ከኣ ኣተሓሳስባና: ኣመለኻኽታና: ወይ ጠባይና ኣብቲ ምስ ኣተሓሳስባን ፍቓድን ኣምላኽ ዝሰማማዕ “ግቡእ መስመር” ከነእትዎ ከድልየና ኢዩ። የሆዋ እቲ ዘድሊ ምትዕርራይ ንምግባር ምእንቲ ክሕግዙና ብፍቕሪ ተደሪኹ “ውህበት ሰብኡት” ሂቡና ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ኢዮም ዝገብርዎ፧
9. ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ እተጋገየት በጊዕ ንምቕናዕ ክሕግዛ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ እተጋገየት በጊዕ: ምናልባትውን ‘ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘት’ ንኽሕግዛ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ሽማግለ ብኸመይ ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል፧ ገላትያ 6:1 “ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ” ትብለና። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ክህብ ከሎ ነቲ እተጋገየ ሰብ ተሪር ቃላት ተጠቒሙ ኣይገንሖን ኢዩ። ምኽሪ ነቲ ዝቕበል ዘሎ ሰብ ዘተባብዕ ድኣ እምበር ‘ዘሰንብድ’ ክኸውን ኣይግባእን። (2 ቈረንቶስ 10:9፣ ምስ እዮብ 33:7 ኣረኣእዮ።) እቲ ሰብ ድሮ ሕፍረት ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ሓደ ፈቃር ጓሳ ንመንፈሱ ከይደቝሶ ይጥንቀቕ። ምኽሪ አረ ተሪር ተግሳጽ እውን ከይተረፈ: ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምስ ዝውሃብ: ንኣተሓሳስባ ወይ ጠባይ ናይቲ እተጋገየ ሰብ ኣብ መስመሩ ከእትዎ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ክመልሶ ይኽእል።—2 ጢሞቴዎስ 4:2
10. ንኻልኦት ምቕናዕ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
10 የሆዋ ዘቕንዑና “ውህበት ሰብኡት” ከዳሉ ኸሎ: ሽማግለታት ብመንፈስ ዘሐድሱ: ህዝቡ ንኽቐድሕዎም ድማ ብቝዓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:17, 18፣ ፊልጲ 3:17) ንኻልኦት ምቕናዕ ክበሃል ከሎ: ነቶም ኣብ ግጉይ መገዲ ዘለዉ ምእራሞም ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም እሙናት ኣብቲ ቅኑዕ መገዲ ክጠብቁ ምሕጋዞም እውን ዘጠቓልል ኢዩ።a ሎሚ ተስፋ ዘቝርጽ ብዙሕ ግድላት ስለ ዘሎ: ነዚ ምእንቲ ክዋጽእሉ መብዛሕትኦም ምትብባዕ የድልዮም ኢዩ። ገሊኣቶም ንኣተሓሳስባኦም ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምእንቲ ከሰማምዕዎ ብለውሃት እተለዓዓለ ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ገሊኦም እሙናት ክርስትያናት: ምስቲ ዘይብቑዓት ወይ ዘይጠቕሙ ከም ዝዀኑ ዝስምዖም ዓሚቝ ስምዒታት ቃልሲ ኣለዎም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ‘እተጨነቑ ነፍሳት’ የሆዋ ከፍቅሮም ከም ዘይክእል ከምኡውን እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገብርዎ ብሉጽ ጻዕርታት እውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ክረክብ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW ) እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣምለኽቱ ዘለዎ ናይ ሓቂ ስምዒት ዝሰማማዕ ኣይኰነን።
11. ሽማግለታት: ነቶም ምስ ናይ ርእስኻ ምንኣስ ስምዒታት ዝቃለሱ ኣሕዋት ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
11 ሽማግለታት ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኽትድግፍዎም እንታይ ክትገብሩ ምኸኣልኩም፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሓልየሎም ብሕያውነት ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣቕርቡሎም: እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እዚ ብብሕቲ ኣብኣቶም ከም ዝውዕል ድማ ኣረጋግጹሎም። (ሉቃስ 12:6, 7, 24) የሆዋ ከገልግልዎ ስለ ‘ዝሰሓቦም’ ብርግጽ ዋጋ ዘለዎም ገይሩ ከም ዝርእዮም ክርድኡ ሓግዝዎም። (ዮሃንስ 6:44) በይኖም ከም ዘይኰኑ ማለት ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ከምኡ ዝኣመሰለ ስምዒታት ከም ዝነበሮም ኣረጋግጹሎም። ሓደ ግዜ ነብዪ ኤልያስ ኣዝዩ ካብ ምጭናቑ እተላዕለ ሞት ተመነየ። (1 ነገስት 19:1-4) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት: ልቦም ‘ነቐፎም።’ (1 ዮሃንስ 3:20) እቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት “ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት” 1 መጋቢት 1998 ገጽ 26 ርአ ከም ዝነበሮም ምፍላጥ ዘጸናንዕ ኢዩ። (ያእቆብ 5:17 NW ) ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ንዝወጸ ዘተባብዕ ዓንቀጻት ምስቶም እተደቝሱ ሰባት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ንእምንቶ ናይዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ንምድልዳል ኢልኩም ንእትገብርዎ ፍቕራዊ ጻዕርታት እቲ ከም “ውህበት ሰብኡት” ገይሩ ዝወፈየኩም ኣምላኽ ከይዘከሮ ኣይተርፍን ኢዩ።—እብራውያን 6:10
ነቲ መጓሰ ‘ምህናጽ’
12. እቲ ‘ምህናጽ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ክርስቶስ’ ዝብል መግለጺ እንታይ ኢዩ ዝሕብር: ነቲ መጓሰ ንምህናጽ ዘድሊ ኣገዳሲ ነገርከ እንታይ ኢዩ፧
12 “ውህበት ሰብኡት” እተዳለዉሉ ካልኣይ ምኽንያት “ንምህናጽ ስጋ [“ኣካል” NW ] ክርስቶስ” ምእንቲ ክጠቕሙ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:12) ኣብዚ ጳውሎስ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ ድማ ‘ምህናጽ’ ንሓደ ህንጻ ኢዩ ዘዘኻኽር: “ኣካል ክርስቶስ” ከኣ ንሰባት—ንኣባላት ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት—ኢዩ ዘመልክት። (1 ቈረንቶስ 12:27፣ ኤፌሶን 5:23, 29, 30) ሽማግለታት: ኣሕዋቶም ብመንፈስ ድልዱላት ምእንቲ ክዀኑ እናዓበዩ ክኸዱ ክሕግዝዎም የድልዮም። ዕላምኦም ነቲ መጓሰ ‘ንምህናጽ እምበር: ንምፍራስ ኣይኰነን።’ (2 ቈረንቶስ 10:8) ‘ፍቕሪ ሃናጺት’ ስለ ዝዀነት ነቲ መጓሰ ንምህናጽ እተድሊ ቀንዲ ባህሪ ኢያ።—1 ቈረንቶስ 8:1
13. ደንጋጺ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ሽማግለታት ድንጋጽ ከርእዩ ኣገዳሲ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ንምህናጽ ዘድልዮም ሓደ ናይ ፍቕሪ መዳይ ድንጋጽ ኢዩ። ደንጋጺ ምዃን ክበሃል ከሎ: ንኻልኦት ርሕሩሕ ምዃን—ነቲ ድሩት ዓቕሞም ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ኣተሓሳስባኦምን ስምዒታቶምን ምልላይ—ማለት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ሽማግለታት ድንጋጽ ክህልዎም ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ ልዕሊ ዅሉ እቲ “ውህበት ሰብኡት” ዝሃበ የሆዋ ደንጋጺ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ኣገልገልቱ ክሳቐዩ ወይ ከኣ ክቕንዘዉ ከለዉ: ይስምዖ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:7፣ ኢሳይያስ 63:9) ነቲ ድሩት ዓቕሞም ኣብ ግምት የእትዎ ኢዩ። (መዝሙር 103:14) ስለዚ እምበኣር: ሽማግለታት ድንጋጽ ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
14. ሽማግለታት ንኻልኦት ድንጋጽ ከርእዩ ዝኽእሉ በየናይ መገድታት ኢዮም፧
14 ሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ምስ ዝቐርቦም: ንስምዒታቱ ኣብ ግምት ብምእታው ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ። ነቲ ናይ ኣሕዋቶም ኣተዓባብያን ባህርያትን ኵነታትን ክርድኡ ይጽዕሩ ኢዮም። ስለዚ ሽማግለታት ኣብ ጥቕሲ ተመርኲሶም ዝሃንጽ ደገፍ ክህቡ ኸለዉ: ካብቶም ብሓቂ ዝርድኡለንን ዝሓልዩለንን ጓሶት ስለ ዝመጸን እተን ኣባጊዕ ክቕበልኦ ኣይከብደንን ኢዩ። (ምሳሌ 16:23) ሽማግለታት ደንገጽቲ ክዀኑ ከለዉ ነቲ ናይ ካልኦት ዓቕምን ነቲ ብሰንኩ ዝመጽእ ስምዒታትን ንኽርድኡሎም እውን ይድርኾም ኢዩ። ንኣብነት: ገለ ክርስትያናት ምናልባት ብምኽንያት እርጋን ወይ ከኣ ጥዕና ምስኣን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ክገብሩ ስለ ዘይክእሉ ናይ ገበን ስምዒት ክሓድሮም ይኽእል ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ገሊኦም ኣገልግሎቶም ንምምሕያሽ ምትብባዕ ከድልዮም ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 5:12፣ 6:1) ሽማግለታት ብድንጋጽ ተደሪኾም ንኻልኦት ክሃንጽ ዝኽእል “ባህ ዜብል ቃላት” ንምርካብ ይጽዕሩ ኢዮም። (መክብብ 12:10) ኣባጊዕ የሆዋ ክህነጹን ክተባብዑን ከለዉ: እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ንዕኡ ንምግልጋል ዝከኣሎም ዘበለ ንምግባር የለዓዕሎም!
ሓድነት ከም ዝህሉ ዝገብሩ ሰብኡት
15. እታ “ሕብረት እምነት” እትብል መግለጺት እንታይ ትርጕም ኢያ ሒዛ ዘላ፧
15 “ውህበት ሰብኡት” እተዋህበሉ ሳልሳይ ምኽንያት ‘ኵላትና ናብ ሕብረት እምነትን ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን ምእንቲ ክንበጽሕ’ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:13) እታ “ሕብረት እምነት” እትብል ሓረግ: ናይ እምነታት ሓድነት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኣመንቲ ሓድነት እውን እተመልክት ኢያ። ኣምላኽ “ውህበት ሰብኡት” ዝሃበና ካልእ ምኽንያት እምበኣር ኣብ ማእከል ህዝቡ ሓድነት ከም ዝህሉ ንምግባር ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ኢዮም ዝገብርዎ፧
16. ሽማግለታት ኣብ መንጎኦም ሓድነት ክዕቅቡ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ቅድም ቀዳድም ሽማግለታት ኣብ ንሓድሕዶም ሓድነት ክዕቅቡ ኣለዎም። እቶም ጓሶት እንተድኣ ተፈላልዮም: እተን ኣባጊዕ ዕሽሽ ክበሃላ ይኽእላ ኢየን። ነተን መጓሰ ኣብ ምጕሳይ ክጠፍእ ዝኽእል ግዜ ኣብ ዘየድሊ ነዊሕ ኣኼባታት ምግባርን ብዙሕ ኣገዳሲ ኣብ ዘይኰነ ነገራት ብምክታዕን ክሓልፍ ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:8) ሽማግለታት እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም ሰብኡት ብምዃኖም: ኣብ ኵሉ ዝመያየጥሉ ነገራት ብቕጽበት ክሰማምዑ ኣይክእሉን ይዀኑ። ሓድነት ኣለዎም ክበሃል ከሎ እተፈላለየ ኣመለኻኽታ ክህልዎም የብሉን ወይ ድማ ኣብ እዋን እቲ ብጋህዲ ዝገብርዎ ምይይጥ ብሚዛናዊ መገዲ ክገልጽዎ የብሎምን ማለት ኣይኰነን። ሽማግለታት: ኣብ ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ከለዉ ከይመርመሩ ብሕማቕ ኣብ ክንዲ ዝፈርዱ ብኣኽብሮት ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ምስ ዝዀኑ ነቲ ዘለዎም ሓድነት ክዕቅብዎ ይኽእሉ። ዝዀነ ይኹን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት እንተድኣ ዘይተጣሒሱ: ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ልኡም ክኸውንን ነቲ ኣብ መወዳእታ ኣካል ሽማግለታት ዝህብዎ ውሳነ ድማ ክድግፍን ይግባእ። ልኡም መንፈስ: በታ “ሰላማዊት: ልእምቲ” ዝዀነት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ይምርሑ ከም ዘለዉ ዘርኢ ኢዩ።—ያእቆብ 3:17, 18
17. ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ሓድነት ምእንቲ ክዕቀብ ብኸመይ ክሕግዙ ምኸኣሉ፧
17 ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ሰላም ከም ዝህሉ ንምግባር እውን ንቑሓት ኢዮም። ከም ኣዕናዊ ዝዀነ ሕሜት: ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርካ ምሕሳብ: ወይ ከኣ ናይ ምክርኻር መንፈስ ዝኣመሰለ ዝጐጃጅል ጽልዋ ነቲ ዘሎ ሰላም ዝዘርግ እንተድኣ ዀይኑ: ሓጋዚ ምኽሪ ንኽህቡ ድሉዋት ኢዮም። (ፊልጲ 2:2, 3) ንኣብነት: እምብዛ ነቐፍቲ ወይ ከኣ ኣብ ጕዳይ ካልኦት ክጽንበሩ ዝደልዩ ወጠምጠም በሃልቲ ከም ዘለዉ ይግንዘቡ ይዀኑ። (1 ጢሞቴዎስ 5:13፣ 1 ጴጥሮስ 4:15) ሽማግለታት ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት: እዚ ተግባር እዚ ኣንጻር እቲ ብኣምላኽ እተማሃርናዮ ምዃኑ: ነፍሲ ወከፍ ድማ “ጸጾሩ ኺጸውር” ከም ዝግባእ ክግንዘቡ ንምሕጋዞም ይጽዕሩ። (ገላትያ 6:5, 7፣ 1 ተሰሎንቄ 4:9-12) ሽማግለታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሞም: የሆዋ ብዙሕ ነገራት ኣብ ብሕታዊ ሕልናና ከም ዝገድፎ: ሓደ እውን ይኹን ንኻልኦት በዚ ጕዳያት እዚ ዝመጸ ክፈርዶም ከም ዘይግባእ ይገልጹ። (ማቴዎስ 7:1, 2፣ ያእቆብ 4:10-12) ብሓድነት ሓቢርካ ንምግልጋል: ኣብታ ጉባኤ ናይ ትውክልትን ምክብባርን ሃዋሁ ክህሉ ይግባእ። ከድሊ ኸሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብምሃብ: እቶም “ውህበት ሰብኡት” ነቲ ዘሎና ሰላምን ሓድነትን ክንዕቅብ ይሕግዙና።—ሮሜ 14:19
ነቲ መጓሰ ምዕቋብ
18, 19. (ሀ) “ውህበት ሰብኡት” ካብ መን ኢዮም ዘዕቍቡና፧ (ለ) እተን ኣባጊዕ ካብ ከመይ ዝበለ ካልእ ሓደጋ ኢየን ክዕቈባ ዘድልየን: ሽማግለታትከ ነተን ኣባጊዕ ንምዕቋብ እንታይ ስጕምቲ ኢዮም ዝወስዱ፧
18 የሆዋ “ውህበት ሰብኡት” ዝሃበና ራብዓይ ምኽንያት “ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ” ምእንቲ ከይንጽሎ ከዕቍቡና ኢሉ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:14) እታ ‘ምጥባር’ እትብል በዅሪ ቓል: “ብመጣልዒ ገይርካ ምድንጋር” ወይ ከኣ “ነቲ መጣልዒ ብምቍጽጻር ዝመጸ ክኢላ ምዃን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እዝስ ከሓድቲ ክሳዕ ክንደይ ብብልሓት ከም ዝዓዩ ዘዘኻኽረናዶ ኸይኰነ፧ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ኣስዲዖም ካብ እምነቶም ምእንቲ ከዘንብልዎም መደናገሪ ክትዓት ብምጥቃም ነቲ ጥቕስታት ይጠዋውይዎ። ሽማግለታት: ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ “እኩያት ተዃሉ” ክጥንቀቑሎም ይግባእ!—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30
19 ኣባጊዕ የሆዋ ካብ ካልእ ሓደጋታት እውን ክዕቈባ ከድልየን ኢዩ። እቲ ጥንታዊ ጓሳ ዳዊት ንመጓሰ ኣቡኡ ብትብዓት ካብ ኣራዊት ኣዕቍብወን ኢዩ። (1 ሳሙኤል 17:34-36) ሎሚውን: ግዱሳት ክርስትያን ጓሶት: ንኣባጊዕ የሆዋ ብፍላይ እኳ ነተን ዝያዳ ተኣፈፍቲ ዝዀና ካብቶም ብዘይ ግቡእ ዝሕዝወን ወይ ከኣ ዝጭቍንወን ሰባት ንኸዕቍብወን ትብዓት ከርእይሉ ዘለዎም ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ሽማግለታት: ነቶም ረሲእነት ምእንቲ ከተኣታትዉ ብምጥባርን ምትላልን ውዲትን ተጠቒሞም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት ካብታ ጉባኤ ንምእላይ ቅልጡፍ ስጕምቲ ይወስዱ።b—1 ቈረንቶስ 5:9-13፣ ምስ መዝሙር 101:7 ኣረኣእዮ።
20. እቶም “ውህበት ሰብኡት” ብዘርእይዎ ሓልዮት ዕቝባ ክስምዓና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
20 “ውህበት ሰብኡት” ስለ እተዋህበና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! ብለውሃት ዘቕንዑና: ብፍቕሪ ዝሃንጹና: ድሉዋት ኰይኖም ንሓድነትና ዝዕቅብዎ: ብትብዓት ዘዕቍቡና ብምዃኖም: ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮቶም ድሕንነት ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: “ውህበት ሰብኡት” ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ግደ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎ ዝግባእ፧ ንሕናኸ ከም እነማስዎም ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብቲ ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰፕቱጀንት: እዛ “ምቕናዕ” ተተርጒማ ዘላ ግሲ: ኣብ መዝሙር 17 [16]:5 እውን ውዒላ ኣላ። ኣብኡ ድማ እቲ እሙን ዳዊት ስጕምትታቱ ምስ ኣሰር የሆዋ ኣሰማሚዑ ክኸይድ ጸለየ።
b ንኣብነት: ነቲ ኣብ 15 ሕዳር 1979 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31-2 ዘሎ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ:” ከምኡውን ኣብ 1 ጥሪ 1997 ሕታም ገጽ 26-9 ዘሎ “ንኽፍኣት ዘበለ ንፈንፍኖ” ዝብል ዓንቀጻት ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ “ውህበት ሰብኡት” መን ኢዮም: ኣምላኽ ብክርስቶስ ገይሩ ነታ ጉባኤ እዞም “ውህበት ሰብኡት” እዚኣቶም ዝሃባኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ንምቕናዕ ተዋሂብዎም ዘሎ ሓላፍነት ብኸመይ ኢዮም ዝፍጽምዎ፧
◻ ሽማግለታት ንኣመንቲ ብጾቶም ንምህናጽ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
◻ ሽማግለታት ሓድነት ናይታ ጉባኤ ክዕቅቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ደንገጽቲ ምስ ዝዀኑ ነቶም እተደቝሱ ከተባብዕዎም ይኽእሉ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መንጎ ሽማግለታት ሓድነት ምስ ዝህሉ ኣብታ ጉባኤ እውን ሓድነት ይህሉ