ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ቀጽል
“ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ።”—መዝሙር 37:34
1, 2. ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ንንጉስ ዳዊት እንታይ ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ: ሎሚኸ ንዓና እንታይ ምግባር ኢዩ ዝሓተና፧
“ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ: እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።” (መዝሙር 143:8) ሎሚ ክርስትያናት ነዘን ቃላት ናይ ንጉስ ዳዊት ድምጾም ዓው ብምባል ይደግምወን ኣለዉ። ብቕንዕና ንየሆዋ ከሐጕስዎን ብመገድታቱ ክመላለሱን ኢዮም ዝደልዩ። እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ ንዳዊት: ሕጊ ኣምላኽ ምሕላው ማለት ኢዩ ነይሩ። ምስ ካልኦት ሃገራት ምሕባር ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ምውካል ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ። እወ: ኣብ ክንዲ ንኣማልኽቲ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት: ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ማለት ኢዩ። ንክርስትያናት ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ዘጠቓልል።
2 ሎሚ ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ንየሱስ ከም “መገድን ሓቅን ህይወትን” ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ምርኣይ ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 14:6፣ እብራውያን 5:9) ብተወሳኺ ኸኣ: ነቲ ንሓድሕድካ ፍቕሪ ምርኣይ ብፍላይ ከኣ ነቶም እተቐብኡ ኣሕዋት የሱስ ፍቕሪ ምርኣይ ዘጣምር “ሕጊ ክርስቶስ” ምፍጻም ማለት እውን ኢዩ። (ገላትያ 6:2፣ ማቴዎስ 25:34-40) እቶም ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ ነቲ ስርዓታቱን ትእዛዛቱን የፍቅሩ ኢዮም። (መዝሙር 119:97፣ ምሳሌ 4:5, 6) ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ናይ ምስታፍ ክቡር መሰሎም ክብ ኣቢሎም ኢዮም ዝርእይዎ። (ቈሎሴ 4:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:5) ጸሎት ስርዓታዊ ክፍሊ ህይወቶም ኢዩ። (ሮሜ 12:12) ‘ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ ብኸመይ ብጥንቃቐ ከም ዝመላለሱ ይምልከቱ።’ (ኤፌሶን 5:15) ብርግጽ ንግዝያዊ ንዋታዊ ጥቕሚ ወይ ንዘይግቡእ ስጋዊ ተድላ ክብሉ መንፈሳዊ ሃብቲ ኣይስውኡን ኢዮም። (ማቴዎስ 6:19, 20፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ኣብ የሆዋ ተኣማንነት ምግባርን ኣብኡ ምውካልን ኣድላዪ ነገር ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:9፣ 10:5፣ ኤፌሶን 4:24) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኵነታትና ምስ ኵነታት ጥንታዊት እስራኤል ተመሳሳሊ ኢዩ።
ናይ ትውክልትን ተኣማንነትን ኣድላይነት
3. ተኣማንነት: እምነት: ከምኡውን ትውክልቲ ብመገዲ የሆዋ ንኽንመላለስ ዝሕግዛና ስለምንታይ ኢየን፧
3 እስራኤል በቶም ናይ ጣኦት ኣማልኽቲ ኣብ ምምላኽ ብዕሉግ ጽንብላት ዝነበሮም ጸላእታ ዝዀኑ ጐረባብቲ ተኸቢባ እትነብር ንእሽቶ ሃገር ኢያ ነይራ። (1 ዜና መዋእል 16:26) ነቲ ሓደ ሓቀኛን ዘይርአን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እተገልግል እስራኤል ጥራይ ኢያ ነይራ። ንሱ ድማ ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዓቂቦም ክመላለሱ ይደሊ ነበረ። (ዘዳግም 6:4) ብተመሳሳሊ ኸኣ ሎሚ: ሒደት ሚልዮናት ሰባት ጥራይ ኢዮም ንየሆዋ ዘምልኹ ዘለዉ፣ ንሳቶም ከኣ ካብቲ ናቶም ኣጸቢቑ እተፈልየ ስርዓታትን ሃይማኖታዊ ኣረኣእያን ዘለዎም ዳርጋ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ኣብ ዝነብሩላ ዓለም ኢዮም ዘለዉ። ካብዞም ሒደት ሚልዮናት እንተድኣ ዄንና: ብግጉይ መገዲ ከይንጽሎ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብኸመይ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተኣማንነት ምርኣይ: ኣብኡ እምነት ምግባርን መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም ጽኑዕ ትውክልቲ ምሕዳርን ሓጋዚ ኢዩ። (እብራውያን 11:6) እዚ ኣብቲ ዓለም ተስፋ እትገብረሉ ነገራት ትውክልቲ ከይነሕድር ክሕግዘና ኢዩ።—ምሳሌ 20:22፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17
4. ህዝብታት ‘ኣእምሮኦም ጸልሚቱ’ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ሃዋርያ ጳውሎስ “እምብኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ: እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር አሎኹ። ንሳቶም: ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም [ኢዮም]” ኢሉ ብምጽሓፍ ክርስትያናት ካብ ዓለም እተፈልዩ ክዀኑ ከም ዘለዎም ኣርኣየ። (ኤፌሶን 4:17, 18) የሱስ “ብርሃን ሓቂ” ኢዩ። (ዮሃንስ 1:9) ንየሱስ ዝነጽጎ ወይ ከኣ ኣብኡ ከም ዝኣምን ዝዛረብ እንተዀነ ግን “ሕጊ ክርስቶስ” ዘይፍጽም ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ኣእምሮኡ ጸልሚቱ’ ኢዩ። ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ብምግዳፎም “ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም” ኢዮም። ይኹን እምበር: ብዓለማዊ መገዲ ጥበበኛታት ዝዀኑ እኳ እንተ መሰሎም ብዛዕባ እቲ ናብ ህይወት ዝመርሕ እንኮ ፍልጠት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ግን ‘ደንቍሮም’ ኢዮም።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ቈረንቶስ 3:19
5. ብርሃን ሓቂ ኣብ ዓለም የንጸባርቕ እኳ እንተሎ ብዙሓት ሰባት ኣወንታዊ መልሲ ዘይህቡ ስለምንታይ ኢዮም፧
5 እንተዀነ ግን: ብርሃን ሓቂ ኣብ ዓለም የንጸባርቕ ኢዩ ዘሎ! (መዝሙር 43:3፣ ፊልጲ 2:15) “ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር” ኣላ። (ምሳሌ 1:20) ዝሓለፈ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንምንጋር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕለፉ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወንታዊ መልሲ ሂቦም ኢዮም። ብዙሓት ካልኦት ብዘይምቕባሎም ግን ክገርመና ይግባእዶ ኢዩ፧ ኣይፋልን: ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ትሪ ልቦም’ ተዛሪቡ ኣሎ። ገሊኦም ብሰንኪ ስስዐን ፍቕሪ ገንዘብን ልቦም ተሪሩ ኢዩ። ካልኦት ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ በቲ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓለማዊ ኣረኣእያ እተጸልዉ ኢዮም። ኣብ ህይወት ዘጋጥም ሕማቕ ተመክሮታት ብዙሓት ንኣምላኽ ዝባኖም ከም ዝህቡ ገይርዎም ኢዩ። ካልኦት ምስቲ ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ክመላለሱ ኣይደለዩን። (ዮሃንስ 3:20) ልቢ ናይ ሓደ ብመገዲ የሆዋ ዝመላለስ ሰብ በዚ መዳይ እዚ ክተርር ይኽእል ድዩ፧
6, 7. እስራኤላውያን ኣምለኽቲ የሆዋ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበሩ ኣበየናይ ኣጋጣሚታት ኢዮም ዝወደቑ: ስለምንታይከ፧
6 ጳውሎስ ገሊጽዎ ከም ዘሎ እዚ ንጥንታውያን እስራኤል ኣጋጢምዎም ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እዚ ኸኣ: ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ: መለበሚ ዀነልና። እምብኣርከ፤ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ: ዚብል ከም እተጻሕፈ: ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር።”—1 ቈረንቶስ 10:6-8
7 ጳውሎስ መጀመርታ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ከረን ሲና ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ዘምለኹሉ እዋን ኢዩ ዝጠቅስ። (ዘጸኣት 32:5, 6) እዚ ብቐጥታ ነቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከኽብርዎ እተሰማምዑሉ መለኮታዊ ትእዛዝ ምጥሓስ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 20:4-6፣ 24:3) ካብኡ ጳውሎስ ነቲ እስራኤላውያን ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኰይኖም ንበዓል ዘምለኹሉ እዋን የመልክት። (ዘሁልቍ 25:1-9) ናይ ምራኽ ኣምልኾ ርእስኻ ናይ ምርዋይ ብርቱዕ ስምዒት ማለት ‘ምስሓቕ’ ዘለዎ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ።a ናይ በዓል ኣምልኾ ብነውራም ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር እተሰነየ ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 2:14) እስራኤላውያን ነዚ ሓጢኣት እዚ ዝፈጸሙ ስለምንታይ ኢዮም፧ ልቦም ‘ነቲ እከይ’: እዚ ኸኣ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ይኹን ነቲ ዘሰንዮ ብዕሉግ ልምድታት ‘ክምነዮ’ ስለ ዘፍቀዱሉ ኢዩ።
8. ካብ ናይ እስራኤል ተመክሮታት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
8 ጳውሎስ ካብዚ ፍጻመታት እዚ ክንማሃር ከም ዘሎና ኢዩ ኣመልኪቱ። እንታይ ኢና ክንማሃር፧ ሓደ ክርስትያን ንሓደ ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ወይ ንሓደ ጥንታዊ ናይ ሞኣብ ኣምላኽ ክሰግድ ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣብ ዘይስነ-ምግባራውነት ወይ ከኣ ኣብቲ ገደብ ዘይብሉ ርእስኻ ናይ ምርዋይ ብርቱዕ ስምዒት ግን ክኣቱ ይኽእልዶ፧ እዚ ሎሚ እውን እንተዀነ ልሙድ ኢዩ: እዚ ባህጊ እዚ ኣብ ልብና ክዓቢ እንተ ኣፍቂድናሉ ኸኣ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ የሆዋን ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ውጽኢቱ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኣምልኾ ጣኦት ብምፍጻም ክመጽእ ዝኽእል: ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ ኢዩ። (ምስ ቈሎሴ 3:5፣ ፊልጲ 3:19 ኣረኣእዮ።) ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ነቶም ብጾቱ ኣመንቲ “ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ኢሉ ብምምዓድ ኢዩ ደምዲምዎ።—1 ቈረንቶስ 10:14
ብመገዲ ኣምላኽ ንምምልላስ ዝሕግዝ
9. (ሀ) ኣብ መገዲ የሆዋ ምምልሳስ ንኽንቅጽል ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል’ ክንሰምዓሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
9 ብመገዲ የሆዋ ክንመላለስ እንተድኣ ወሲንና ሓገዝ ኣይንስእንን ኢና። ኢሳይያስ “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 30:21) ‘ኣእዛንና’ ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል ዝሰምዓ’ ብኸመይ ኢየን፧ ሎሚ ቃል ብቓሉ ድምጺ ዝሰምዕ ወይ ካብ ኣምላኽ ብሕታዊ መልእኽቲ ዝቕበል የለን። እቲ ዝስማዕ “ቃል” ንዅልና ብሓደ መገዲ ኢዩ ዝመጸና። ብመጀመርታ በቲ ሓሳባት ኣምላኽን ናይቲ ምስ ሰባት ዝገበሮ ምምልላስ ዝገልጽ ጸብጻብን ዝሓዘ: መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጸና። መዓልቲ መዓልቲ ካብቲ ‘ካብ ህይወት ኣምላኽ ዝረሓቐ’ ምንጭታት ዝመጽእ ፕሮፓጋንዳ ስለ እንሰምዕ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ንምርካብ ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ብእኡ ከነስተንትንን ይግብኣና። እዚ ኸኣ “ኸንቱ ነገር” ከነርሕቕን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳሎና’ ክንከውንን ክሕግዘና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:14, 15፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከበርትዓናን ከደልድለናን ‘መገድና ንኸነቕንዕ’ ክሕግዘናን ኢዩ። (እያሱ 1:7, 8) ስለዚ ቃል የሆዋ “ሕጂ ድማ ደቀየ: መገደይ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ: ስምዑኒ። ጠቢባን ኩኑ: ተግሳጸይ ስምዑ: ኣይትእበይዎ” ብምባል ይላቦ።—ምሳሌ 8:32, 33
10. ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል’ ክንሰምዓሉ እንኽእል ካልኣይ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
10 እቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል’ በቲ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ዝህብ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ እውን ይመጽእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ሓደ ካብቲ እዚ መግቢ እዚ ዝዳለወሉ መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ብምሕታም ኢዩ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ከኣ እዚ ተዳልዩ ዘሎ መግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ኰይኑ ኢዩ። ንኣብነት ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣቢሉ እቲ ኣብ ትንቢት ዘሎና ምርዳእ ተማሓይሹ ኢዩ። ዘይምግዳስ እናማዕበለ ይኸይድ እኳ እንተ ሃለወ: በዚ መጽሔት እዚ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ወደ መዝሙር ናይ ምግባርን ዕዮ ክንቅጽል ተተባቢዕና: መጻወድያታት ከነወግድ ተሓጊዝና: ከምኡውን ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብል ተማዒድና ኢና። ነዚ ኣብ እዋኑ ዝቐርብ ከምዚ ዝበለ መግቢ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና ክንርእዮ ዝግብኣና!
11. ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቃል’ ክንሰምዓሉ እንኽእል ሳልሳይ መገዲ ግለጽ።
11 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባታት እውን መግቢ ይቕርብ ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብወረዳ ደረጃ ዝግበር ኣሰምብሊታት: ከምኡውን እቲ ዝገፍሐ ዓመታዊ ዓቢ ኣኼባታትን ዘጣምር ኢዩ። ኣድላይነት ናይዚ ኣኼባታት እዚ ኣኽቢሩ ዘይርኢ ኣየናይ እሙን ክርስትያን ኢዩ፧ እዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ብመገዲ የሆዋ ንምምልላስ ዝድግፉ ኣድለይቲ ሓገዛት ኢዮም። ሓያሎ ሰባት ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስቶም ከምቲ ናቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ስለ ዘሕልፉ: እቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣኼባ ቃል ብቓሉ ህይወት ዘድሕን ኢዩ። ኣኼባታት ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ንሓድሕድና ንኸነስተብህል’ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (እብራውያን 10:24) ነሕዋትና ነፍቅሮም ኢና ምስኦም ምሕባር ከኣ ደስ ኢዩ ዝብለና።—መዝሙር 133:1
12. ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ቈራጽነት ኢዩ ዘለዎም: ኣብዚ ቀረባ ግዜኸ ነዚ ብኸመይ ገለጽዎ፧
12 ሎሚ ብኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ መግቢ ተተባቢዖም ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣለዉ: ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኸኣ ብኸመይ ከም ዝመላለሱ ንኽማሃሩ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ። ምስቶም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ምድሪ ተዋዳዲሮም ሒደት ብምዃኖም ተስፋ ይቘርጹ ወይ ይደኽሙ ድዮም፧ ፈጺሞም! ብተኣማንነት ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ነቲ ‘ኣብ ድሕሪኦም ዘሎ ቃል’ ንምቕላብ ቈሪጾም ኢዮም። እዚ ቈራጽነት እዚ ከም ዝገበሩ ዘርኢ ኣብቲ ናይ 1998/99 “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃውን ኣህጕራውን ኣኼባታት እቶም ተኣከብቲ ነቲ ልባዊ መርገጾም ዘብርህ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ገበሩ። ቀጺሉ ኸኣ እቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ተዘርዚሩ ኣሎ።
ናይ ኣቕዋም መግለጺ
13, 14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዅነታት ዓለም እንታይ ርትዓዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧
13 “ንሕና ኣብዚ ‘ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት’ ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንካፈል ዘሎና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ንሰማምዓሉ ኢና። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ደቅሰብ ካብዚ ናትና እተፈልየ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ንግንዘብ ኢና። ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንምምስራት እተፈላለየ ኣምራት: ፍልስፍናታት: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ሓሳባት ፈቲኑ ኢዩ። ንሰብኣዊ ታሪኽን ሕጂ ንዘሎ ኵነታት ዓለምን ብቕንዕና ምስ እንዕዘብ ግን እቲ ኣብ ኤርምያስ 10:23 ዘሎ ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዝመላለስውን ስጓሜኡ ከቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ዝብል መለኮታዊ መግለጺ ሓቂ ምዃኑ ዝምስክር ኢዩ።
14 “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እዘን ቃላት እዚኣተን ሓቂ ምዃነን ዝሕብር ተወሳኺ መርትዖታት ንርኢ ኢና። መብዛሕትኡ እዋን ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ሸለል ኢዩ ዝብሎ። ሰባት ነቲ ኣብ ኣዒንቶም ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም ነገራት ኢዮም ዝስዕቡ። ውጽኢቱ ኸኣ ዘሰንብድ ኢዩ። ምብትታን ስድራቤትን ንውሉዳት ብዘይ መምርሒ ምግዳፍን፣ ደድሕሪ ፍቕረ-ንዋይ ምጕያይ፣ ኣብ ናይ ባዶነት ስምዒትን ተስፋ ምቝራጽን ምውዳቕ፣ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዘጥፍእ ዘሎ ንሕስያ ዘይብሉ ገበንን ዓመጽን፣ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዘጥፍእ ዘሎ ዓሌታዊ ናዕብን ውግእን፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ከም ዝውስኽ ዝገብር ዘሎ ቀይዲ ዘይብሉ ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዩ ኣስዒቡ። እዚ ካብቲ ደድሕሪ ሓጐስን ሰላምን ድሕነትን ንኸይትስዕብ ዝዓናቕፍ ሒደት ኣብነታት ጥራይ ኢዩ።
15, 16. ኣብቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት እንታይ ቈራጽነት ኢዩ እተገልጸ፧
15 “ነዚ ዘሕዝን ናይ ደቅሰብ ሽግር ከምኡውን ምቕራብ ናይታ ኣርማጌዶን እትበሃል ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ (ራእይ 16:14, 16) ብምርኣይ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እዚ ዝስዕብ ኣቕዋምና ንገልጽ:-
16 “ቀዳማይ:- ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ብዘይ ገለ ቅድመ-ዅነት ገዛእ ርእስና ስለ ዝወፈና ናይ የሆዋ ምዃንና ንርዳእ: ኣብቲ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ናይ በጅነት ምድላው ዘሎና ነቕ ዘይብል እምነት ከኣ ክንዕቅብ ኢና። ከም መሰኻኽሩ መጠን ንዕኡ ብምግልጋልን ነቲ ብንግስነት የሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ዘሎ ሉዓላውነቱ ኸኣ ብምግዛእን ብናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ክንመላለስ ቈሪጽና ኢና።
17, 18. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ክርስትያናዊ ሕውነትን ከመይ ዝበለ ኣቕዋም ሒዞም ኢዮም ዝቕጽሉ፧
17 “ካልኣይ:- ምስቲ ዝለዓለ ናይ ስነ-ምግባርን መንፈሳውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስምማዕ ክንቅጽል ኢና። በቲ ኣህዛብ ብሕሱር ኣእምሮኦም ዝመላለስዎ መገዲ ከይንመላለስ ቈሪጽና ኢና። (ኤፌሶን 4:17-19) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፋት: ካብ ርኽሰት ዓለም ከኣ ናጻ ኴንና ክንነብር ውሳነና ኢዩ።—ያእቆብ 1:27
18 “ሳልሳይ:- ከም ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘለዎም ክርስትያናት መጠን ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ኣጽኒዕና ክንሕዞ ኢና። ንገዛእ ርእስና ብዓሌታዊ: ሃገራዊ ወይ እውን ቀቢላዊ ጽልኢ ወይ ምክፍፋል ከም ዘይንጽሎ ብምግባር ኣብ መንጎ ህዝብታት ክርስትያናዊ ገለልትነትና ክንሕሉ ኢና።
19, 20. (ሀ) ክርስትያን ወለዲ እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧ (ለ) ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧
19 “ራብዓይ:- እቶም ወለዲ ዝዀንና ንደቅና መገዲ ኣምላኽ ክንሰርጸሎም ኢና። ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ስድራቤት መጽናዕትን ብምግባር ከምኡውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ብምሉእ ነፍስና ብምክፋል ብክርስትያናዊ ናብራ ኣብነት ክንገድፈሎም ኢና።
20 “ሓምሻይ:- ኵላትና ነቲ ፈጣሪና ዘርኣየና ኣምላኻዊ ባህርያት ንምዅስኳስ ክንጽዕር ኢና: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ኸኣ ባህርያቱን መገድታቱን ክንቀድሕ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ኢና። (ኤፌሶን 5:1) ንዅሉ ጕዳያትና ብፍቕሪ ክንገብሮ ወሲንና ኢና: በዚ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ነርኢ።—ዮሃንስ 13:35
21-23. ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ምግባር ኢዮም ዝቕጽሉ: ብዛዕባ እንታይ ኢዮምከ ርግጸኛታት ዝዀኑ፧
21 “ሻድሻይ:- ብዘይ ምቍራጽ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንቅጽል ኢና: ንሰባት ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ክንምህሮም: ከምኡውን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተወሳኺ ልምምድ ክረኽቡ ከነተባብዖም ኢና።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ እብራውያን 10:24, 25
22 “ሻብዓይ:- ከም ውልቀ-ሰባትን ሃይማኖታዊ ማሕበርን መጠን: ኣብ ህይወትና ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ክንቅጽል ኢና። ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መምርሒና ብምጥቃም: ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይከነላግስን ኢና: በዚ ኸኣ መገዲ ኣምላኽ ካብ መገድታት ዓለም ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ነረጋግጽ። ንሕጂ ይኹን ንዘለኣለም ጸኒዕናን ብተኣማንነትን ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ክንስዕብ ቈሪጽና ኢና!
23 “ነዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዚ ዘውጻእና ኣብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ንዘለኣለም ይነብር ዝብል ፍቕራዊ መብጽዓታቱ ምሉእ እምንቶ ስለ ዘሎና ኢዩ። ነዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዚ ዘውጻእና ምስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት: ምኽሪ: ከምኡውን ማዕዳ ተሰማሚዕካ ምንባር ኣብዚ እዋን እዚ ዝበለጸ ህይወት ከም ዝህልወካ ዝገብር: ንመጻኢ ኸኣ ጽቡቕ መሰረት ዘንብር ብምዃኑ ኢዩ። በዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ንሕዞ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:7ለ, 8) ልዕሊ ዅሉ ግን ነዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዚ ዘውጻእና ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ስለ እነፍቅሮ ኢዩ!
24, 25. ነቲ ዝቐረበ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ከመይ ዝበለ መልሲ ኢዩ እተዋህቦ: ናይቶም ብመገዲ የሆዋ ዝማላለሱ ውሳነኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
24 “ኣብዚ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዘለኹም ተኣከብቲ ነዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዚ እትድግፉ ኵልኹም በጃኹም እወ! ብምባል መልሱ።”
25 ኣብ ብዘላ ምድሪ እቶም ተኣከብቲ ነጐዳ ብዝጥዕም ድምጺ “እወ!” ኢሎም ምስ መለሱ እቲ መድረኻትን ስታድዮማትን ኣንቀጥቀጠ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ክቕጽሉ ምዃኖም ኣይጠራጠሩን ኢዮም። ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኣለዎም: መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም ከኣ እምነት ኣለዎም። ዘጋጥሞም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንዕኡ እሙናት ኢዮም። ፍቓዱ ክገብሩ ኸኣ ወሲኖም ኢዮም!
“ኣምላኽ ምሳና [ኢዩ]”
26. ዘሐጕስ ኵነታት ናይቶም ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ ሰባት እንታይ ኢዩ፧
26 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ” ዝብል ለበዋ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ይዝክሩ ኢዮም። (መዝሙር 37:34) ነቲ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር: ዘይነሐፎ: ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧” ዝብል ዘተባብዕ ቃላት ጳውሎስ ኣይርስዕዎን ኢዮም። (ሮሜ 8:31, 32) እወ: ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ እንተድኣ ቀጺልና ምእንቲ ‘ክንሕጐስ ኵሉ ብልግሲ’ ክህበና ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ካብዚ ምስቶም ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና ብመገዲ የሆዋ እንመላለሰሉ ዘሎና ዝበልጽ ቦታ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ኣብ ጐንና ብምዃኑ: ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ እዋን ከኣ ንዅሉ መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽሞ ብምትእምማን ኣብዚ ዘሎናዮ ቦታ ክንቅጽልን ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመምን ቈራጽነት ንግበር።—ቲቶስ 1:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓደ ወሃብ ርእይቶ እታ ኣብዚ ‘ምስሓቕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ነቲ ኣብ ናይ ኣረማውያን በዓል ዝርአ ዝነበረ ሳዕስዒታት ከም ዘመልክት ድሕሪ ምግላጹ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ዝበዝሐ ካብዚ ሳዕስዒታት እዚ ነቲ ኣዝዩ ብዕሉግ ዝዀነ ስምዒታት ንምልዕዓል ተባሂሉ እተማህዘ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።”
ትዝክሮዶ፧
◻ ሓደ ክርስትያን ብመገዲ የሆዋ ክማላለስ እንታይ የድልዮ፧
◻ ኣብ የሆዋ ምውካልን ኣብኡ ተኣማንነት ምግባርን ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ ብመገዲ የሆዋ ክንመላለስ ከሎና እንታይ ሓገዝ ንረክብ፧
◻ ኣብቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ እተመሓላለፈ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ጥቐስ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
ኣብቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃውን ኣህጕራውን ኣኼባታት ሓደ ኣገዳሲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ተመሓላለፈ