ኣብዛ ነውሪ መሊእዋ ዘሎ ዓለም ወረጃ ምዃን
“ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም: . . . ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ”—ፊልጲ 2:14, 15
1, 2. ኣምላኽ ከንኣናውያን ክጸንቱ ዝኣዘዘ ስለምንታይ ኢዩ፧
ትእዛዛት የሆዋ ምልምማጥ ዘፍቅድ ኣይኰነን። እስራኤላውያን: ነብዪ ሙሴ “ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና: . . . ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ: ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም” ክብሎም ከሎ ናብ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ይቀራረቡ ኢዮም ነይሮም።—ዘዳግም 7:2፣ 20:17
2 የሆዋ መሓሪ ኣምላኽ ክነሱ ተቐማጦ ከንኣን ፈጺሞም ክጸንቱ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዘጸኣት 34:6) ሓደ ካብቲ ምኽንያት ‘ከምቲ ንኣማልኽቶም ዚገብርዎ ዅሉ ጽያፎም ንኽገብሩ ንእስራኤላውያን ምእንቲ ኸይምህርዎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከይብድሉ’ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 20:18) ሙሴ ወሲኹ “ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደኣ እዩ” በለ። (ዘዳግም 9:4) ከንኣናውያን ናይ ነውሪ ምሳሌ ኢዮም ነይሮም። ጾታዊ ሕስረትን ኣምልኾ ጣኦትን ናይ ኣምልኾኦም መለለዪ ጠባይ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 23:24፣ 34:12, 13፣ ዘሁልቍ 33:52፣ ዘዳግም 7:5) ምስ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ: ግብረ-ሰዶም: ከምኡውን ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ‘ግብሪ ሃገር ከነኣን’ ነበረ። (ዘሌዋውያን 18:3-25) ንጹሃት ቈልዑ ብጭከና ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ይስውኡ ነበሩ። (ዘዳግም 18:9-12) የሆዋ ህላወ ናይዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ንኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ድሕንነት ህዝቡ ከም ዘስግእ ገይሩ እንተወሰዶ ኣይገርምን ኢዩ!—ዘጸኣት 34:14-16
3. እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ተቐማጦ ከንኣን ዝሃቦ ትእዛዛት መሊኦም ዘይምሕላዎም እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧
3 ትእዛዛት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተሓለወ: እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ወሪሮም ምስ ሓዝዋ ንብዙሓት ተቐማጦ ከንኣን ብህይወቶም ሓዲጎምዎም ኢዮም። (መሳፍንቲ 1:19-21) ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ እቲ ናይ ከንኣናውያን ሰላሕታዊ ጽልዋ ተንከፎም: ከምዚ ዝስዕብ ክባሃል ድማ ተኻእለ:- “[እስራኤላውያን] ንሕጋጋቱን ነቲ [የሆዋ] ምስ ኣቦታቶም ዝአተዎ ኺዳንን ነቲ ዝመስከረሎም ምስክራትን ነዐቑ: ደድሕሪ ኸንቱነት ስዒቦም ከአ ከንቱ ዀኑ: ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከማታቶም ከይገብሩ ዝአዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ሰዐቡ።” (2 ነገስት 17:15) እወ: ኣብቲ ዓመታት እቲ ብዙሓት እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ከንኣናውያን ንኽጸንቱ ክእዝዝ ዘለዓዓሎ ነውራም ተግባራት ማለት ዝሙት: ጾታዊ ፋሉልነት: ከምኡውን ንቘልዓ ምስዋእ እውን ከይተረፈ ፈጸምዎ።—መሳፍንቲ 10:6፣ 2 ነገስት 17:17፣ ኤርምያስ 13:27
4, 5. (ሀ) ነተን ዘይእሙናት እስራኤልን ይሁዳን እንታይ ኣጋጠመን፧ (ለ) ኣብ ፊልጲ 2:14, 15 እንታይ ምሕጽንታ ኢዩ እተዋህበ: እንታይ ሕቶታትከ ኢዮም ዝላዓሉ፧
4 ስለዚ ኸኣ ኢዩ ነብዪ ሆሴእ ከምዚ ብምባል ዝኣወጀ:- “ኣቱም ደቂ እስራኤል: ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ: ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ: እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ: ነገር አለዎ። መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ: ደም ንደም ተጻናበረ። ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን: እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶም ምስ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኬሕለልዉ: ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም።” (ሆሴእ 4:1-3) ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. እታ ብልሽውቲ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ብኣሶር ተሳዕረት። ልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘመን ጸኒሑ ድማ እታ ዘይእምንቲ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ብባቢሎን ተሳዕረት።
5 እዚ ፍጻመታት እዚ ገዛእ ርእስና ብነውሪ ክንዕብለል እንተድኣ ኣፍቂድና ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘረድእ ኢዩ። ኣምላኽ ረሲእነት ይጸልእ ኢዩ ኣብ ማእከል ህዝቡ ክርአ ከሎ ድማ ኣይጻወሮን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ኣብዛ “ሕጂ ዘላ” ብቐጻሊ እናተበላሸወት እትኸይድ “እክይቲ ዓለም” ንነብር ምህላውና ዘይክሓድ ኢዩ። (ገላትያ 1:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:13) ገና ግን ቃል ኣምላኽ ንዅሎም ክርስትያናት ‘ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኰይኖም: ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እናብርሁ’ ክመላለሱ ይላበዎም። (ፊልጲ 2:14, 15) ግናኸ ኣብዛ ብነውሪ መሊኣ ዘላ ዓለም ከመይ ገይርና ኢና ወራዙት ክንከውን እንኽእል፧ እዚ ብሓቂ ዝከኣል ድዩ፧
እታ ብነውሪ መሊኣ ዝነበረት ናይ ሮሜ ዓለም
6. እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ወራዙት ናይ ምዃን ብድሆ ዘጋጠሞም ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ነውሪ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ሮሜ ሕብረተሰብ ልሒኹ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ወረጃ ናይ ምዃን ብድሆ ኣጋጠሞም። እቲ ሰኔካ እተባህለ ናይ ሮሜ ፈላስፋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ በለ:- “ሰብኡት ኣብ ብርቱዕ ናይ እከይ ውድድር ይቃለሱ። መዓልቲ-መዓልቲ እከይ ናይ ምግባር ባህጊ ዝዓበየ ክኸውን ከሎ እከይ ንኸይትገብር ምፍራሕ ኸኣ ዝተሓተ ኢዩ።” ንናይ ሮሜ ሕብረተሰብ ድማ ምስ “ናይ ኣራዊት ማሕበረሰብ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ሮማውያን ጭከና ዝመልኦ ናይ ቃልሲ ውድድርን ብዕሉግ ናይ ትያትር ጸወታታትን ምድላዮም ኣየገርምን ኢዩ።
7. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ እውን ልሙድ ዝነበረ ነውሪ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ፧
7 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህረየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ እቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም: ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ: ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ: ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ” ብምባል ክጽሕፍ ከሎ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ብልሽው ጠባይ ወድሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 1:26, 27) ናይ ሮሜ ሕብረተሰብ ርኹስ ስጋዊ ባህግታት ክስዕብ ብምውሳኑ ነውሪ ኣዕለቕለቖ።
8. ኣብ ናይ ግሪኽን ሮሜን ሕብረተሰባት ቈልዑ ብኸመይ ኢዮም ዝምዝመዙ ዝነበሩ፧
8 ኣብ ማእከል ሮማውያን ግብረ-ሰዶም ክሳዕ ክንደይ ገኒኑ ከም ዝነበረ ታሪኽ ኣነጺሩ ኣይነግርን ኢዩ። በቶም ቅድሚኦም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እሞ ግብረ-ሰዶም ኣብ ማእከሎም ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ግሪኻውያን ከም እተጸልዉ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዓበይቲ ሰብኡት ንንኣሽቱ ኣወዳት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዝምቡል ጾታዊ ጠባይ ዝመርሕ: ናይ ተመሃራይን መምህርን ርክብ መስሪቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ብምሓዝ ከበላሽውዎም ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብድሕሪ እዚ ነውራምን ንቘልዑ ብዘይግቡእ ናይ ምሓዝን ተግባር ከም ዘለዉ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ዮኤል 3:3፣ ይሁዳ 6, 7
9, 10. (ሀ) 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ነቲ እተፈላለየ ዓይነት ነውሪ ዝዀነነቶ በየናይ መገድታት ኢዩ፧ (ለ) ገለ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ዓይነት ምምልላስ ኢዩ ዝነበሮም: ብወገኖምከ እንታይ ለውጥታት ኢዮም ዝገበሩ፧
9 ጳውሎስ ብመሪሕነት መንፈስ ተደሪኹ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም: ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ አምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 6:9-11
10 እቲ ብመንፈስ እተመርሐ ናይ ጳውሎስ ደብዳበ ‘ኣመንዝራታት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዋን ኢዮም’ ብምባል ‘ነመንዝራታት’ ኰኒንዎም ኢዩ። ጳውሎስ ብዙሕ ነውሪ ነገራት ድሕሪ ምዝርዛሩ ‘ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም: ግናኸ ተሐጺብኩም ኢኹም’ በለ። ገበርቲ እከይ ብሓገዝ ኣምላኽ ኣብ ኣዒንቱ ንጹሃት ክዀኑ ክኢሎም ኢዮም።
11. እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ እኩይ ኣከባቢ ብኸመይ ኢዮም እተመላለሱ፧
11 እወ: ክርስትያናዊ ውርዝውና ኣብታ ብነውሪ ዝመልአት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ዓለም እውን ከይተረፈ ዓምቢቡ ነይሩ ኢዩ። ኣመንቲ ‘ብምሕዳስ ሓሳቦም ተለዊጦም’ ኢዮም። (ሮሜ 12:2) ነቲ ‘ቐደም እተመላለሱሉ’ ሓዲጎም ‘በቲ ናይ ኣእምሮኦም መንፈስ’ ተሓዲሶም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ካብቲ ናይ ዓለም ነውርታት ሃዲሞም ‘እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ለበሱ።’—ኤፌሶን 4:22-24
እዛ ሎሚ ብነውሪ መሊኣ ዘላ ዓለም
12. ካብ 1914 ንነጀው ኣብ ልዕሊ ዓለም እንታይ ለውጢ ኢዩ ዝመጸ፧
12 ብዛዕባ ግዜናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብነውሪ መሊኣ ኣላ። ብፍላይ ካብ 1914 ንነጀው ዓለምለኻዊ ናይ ስነ-ምግባር ውድቀት ይርአ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብዙሓት ሰባት ንውርዝውና: ስነ-ምግባራዊ ስርዓት: ክብረት: ከምኡውን ስነ-ልቦና ዝምልከት ልምዳዊ ኣተሓሳስባ ነጺጎም ብኣተሓሳስባኦም ጥራይ ብምኻድ ‘ድንዙዛት ኰይኖም’ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:19) መጽሔት ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) “ስነ-ምግባር ተዛማዲ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዘለዎ መዋእል ኢና እንነብር ዘሎና” በለ እሞ: ወሲኹ ድማ እቲ ገኒኑ ዘሎ ናይ ስነ-ምግባር ሃዋሁ “ንዅሉ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ሓሳባት ናይ ብሕታዊ መቐረት: ስምዒታዊ ኣማራጺታት ወይ ባህላዊ ምርጫታት ጕዳይ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ” ብምባል ገለጸ።
13. (ሀ) መብዛሕትኡ ካብቲ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒታት ንነውሪ ዘተባብዕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዘይግቡእ ምዝንጋዕ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት እንታይ ሕማቕ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
13 ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ሎሚውን እንተዀነ ብልሹው መዘናግዒታት ልሙድ ኢዩ። ተለቪዥን: ረድዮ: ፊልምታት: ከምኡውን ቪድዮታት ብቐጻሊ ብጾታዊ ኣተሓሳስባ እተዓብለለ ፕሮግራማት ኢዩ ዘዳሉ። ነውሪ ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ኔት ዎርክ እውን ከይተረፈ ሰሪጹ ኣሎ። ብመሰረት ሓደ ናይ ዩኒቨርስቲ መጽናዕቲ ናይ ኮምፕዩተር ስእለ-ጽዩፍ ሕጂ “ነቶም ኮምፕዩተር ኔትዎርክ ዝጥቀሙ ሰባት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ (እንተዘይኰነ ኸኣ ካብ ኵሉ ዝዓበየ) ናይ መዘናግዒ ድልየታቶም” ኰይኑ ኣሎ። ናይዚ ዅሉ ሳዕቤናትከ እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ናይ ጋዜጣ ዓምዲ ዘዳሉ ሰብ ከምዚ በለ:- “ምፍሳስ ደምን ምስንካል ኣካላትን ጾታዊ ብዕልግናን ነቲ ቅቡል ባህልና ክመልኦ ከሎ: ንምፍሳስ ደምን ምስንካል ኣካላትን ጾታዊ ብዕልግናን ንለምዶ። ብእኡ እናደንዘዝና ኢና እንዓቢ። ኣብ ብዕልግና ዝነበረና ምጽያፍ እናነነከየ ስለ ዝኸይድ ዝያዳ ተጻዋርነት እናረኸበ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።”—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2 ኣረኣእዮ።
14, 15. ጾታዊ ስነ-ምግባር ኣብ መላእ ዓለም ተበላሽዩ ምህላዉ ዝገልጽ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧
14 እዚ ዝስዕብ ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ርኣዮ:- “25 ዓመታት ይገብር ከም ነውሪ ዝቝጸር ዝነበረ ነገር ሕጂ ከም ቅቡል ናብራ ህይወት ኰይኑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ክንዲ ዝምርዓዉ ተኣኻኺቦም ክነብሩ ዝመርጹ ሰብኣይን ሰበይትን [ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ] ካብ 1980 ክሳዕ 1991 ቍጽሮም ናብ 80 ሚእታዊ ደይቡ ኣሎ።” እዚ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ተርእዮ ጥራይ ኣይኰነን። ኤሽያዊክ እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበ:- “ኣብ [ኤስያ] ኣብ ዝርከባ ሃገራት ባህላዊ ክርክር ገኒኑ ኣሎ። እቲ መካትዒ ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ጾታዊ ናጽነትን ባህላዊ ቍም-ነገርን ኢዩ: እቲ ንምልዋጥ ዝግበር ጸቕጥታት ከኣ ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ።” ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ዝሙትን ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ተቐባልነት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣሃዛዊ ጸብጻብ የርኢ ኢዩ።
15 መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣናዊ ንጥፈታት ኣብ ግዜና ኣጸቢቑ ክርአ ምዃኑ ኣቐዲሙ ይነግር ኢዩ። (ራእይ 12:12) ነውሪ ዘሰንብድ ዝርጋሐ ረኺቡ ምህላዉ እምበኣር ከገርመና የብሉን። ንኣብነት: ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ምምዝማዝ ከም ለበዳ ኰይኑ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።a ዩናይትድ ኔሽንስ ቺልድረንስ ፋንድ “ንግዳዊ ናይ ጾታ ምምዝማዝ ኣብ ዓለም ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንዝርከቡ ቈልዑ ይሃሲ ኣሎ” ዝብል ጸብጻብ ኣቕረበ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት “ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝዀኑ ቈልዑ ብምግዳድ ኣብ ናይ ቈልዑ ምንዝርና ከም ዝጠሓሉ: ንጾታዊ ዕላማታት ከም እተሸጡ: ከምኡውን ናይ ቈልዑ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ምድላው ከም እተጠቕሙሎም ጸብጻብ ይነግር ኢዩ።” ግብረ-ሰዶም ኣብ ገሊኦም ፖለቲካውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን እውን ልሙድ ኢዩ ዘሎ: እዚኣቶም ኣብዚ ተግባር እዚ መራሕቲ ብምዃን “ኣብ ህይወት ለውጢ” ከም ዝዀነ ገይሮም የስፋሕፍሕዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ዓለም ነውርታት ምንጻግ
16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ጾታዊ ስነ-ምግባር ዝምልከት እንታይ ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም፧
16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ብዛዕባ ጾታዊ ስነ-ምግባር ናይ ሸለልትነት ኣተሓሳስባ ዝድግፉ ሰባት ኣይሓብሩን ኢዮም። ቲቶስ 2:11, 12 ከምዚ ይብል:- “ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ: ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ: . . . ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።” እወ: ኣብ ከም ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ: ዝሙት: ከምኡውን ናይ ግብረ-ሰዶም ተግባራት ዝኣመሰለ ነውርታት ናይ ሓቂ ጽልኢ ወይ ከኣ ምፍንፋን ንዅስኵስ ኢና።b (ሮሜ 12:9፣ ኤፌሶን 5:3-5) ጳውሎስ “ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ” ዝብል ምሕጽንታ ሂቡና ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:19
17. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣጠቓቕማ ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ፧
17 ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ዓለም ዘለዋ ክሳዕ ክንድቲ ዘየኽፍእ ነውሪ ዝብል ኣመለኻኽታ ይነጽግዎ ኢዮም። ንኣብነት: ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንኣልኮላዊ መስተ ብዘይ ግቡእ ምዝውታር ከም ዘደስት መዘናግዒ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ህዝቢ የሆዋ ግን ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:18 ዘሎ ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ:- “ዝርገት አለዎ እሞ: ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ . . . መንፈስ ይምላእኩም።” ሓደ ክርስትያን ክሰቲ እንተድኣ መሪጹ: ብዓቐን ኢዩ ዝሰቲ።—ምሳሌ 23:29-32
18. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣባላት ስድራቤቶም ብኸመይ ኢዩ ዝመርሖም፧
18 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ነቲ ገለ ካብ ዓለም ዝዀኑ ሰባት ንናይ መርዓ ብጻይካ ወይ ቈልዑ ዓው ኢልካ ምዝራብን ምጭዳርን ወይ ከኣ ብዝሃሲ ዘረባ ምዝራብ ከም ቅቡል ጠባይ ገይሮም ሒዞምዎ ዘለዉ ኣመለኻኽታ እውን ንነጽጎ ኢና። ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ውርዝውና መገዲ ንምስዓብ ቈራጽነት ብምውሳድ: ንምኽሪ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓቢሮም ኢዮም ዝሰርሑ:- “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ኤፌሶን 4:31, 32
19. ነውሪ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
19 ብዘይዚውን ጥልመት: ምትላል: ሓሶት: ጭከና ዝመልኦ ናይ ንግዲ ሜላታት: ከምኡውን ስርቂ ሎሚ ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ሲ.ኤፍ.ኦ እተባህለ ናይ ንግዲ መጽሔት እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ሓደ ኣብ 4, 000 ሰራሕተኛታት እተኻየደ ግምገማ . . . 31 ሚእታዊ ካብቶም ግምገማ እተገብረሎም ሰባት ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ‘ከቢድ ዘይቅጥዓዊ ጠባይ’ ከም ዘርኣዩ ኣረጋጊጹ።” እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይቅጥዓዊ ጠባይ: ከም እኒ ሓሶት: ዘይቅኑዕ ጸብጻባት: ጾታዊ ማህሰይቲ: ከምኡውን ስርቂ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ብስነ-ምግባራዊ መገዲ ንጹሃት ኴንና ክንርከብ እንተድኣ ደሊና: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጠባያት ከነርሕቕን ምስ ገንዘብ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያትና ሓቀኛታት ክንከውንን ኣሎና።—ሚክያስ 6:10, 11
20. ክርስትያናት ካብ “ፍቕሪ ገንዘብ” ናጻ ክዀኑ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ብዛዕባ ሓደ ህሩግ ኢሉ ኣብ ዝኣተዎ ናይ ገንዘብ ወፍሪ ዝለዓለ መኽሰብ እንተድኣ ረኺቡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ከም ዝረክብ ኰይኑ እተሰምዖ ሰብኣይ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ንዝመጽእ ዝርከብ መኽሰብ ኣጋኒኑ ብምንጋር ንኻልኦት ኣብ ናይ ውፍሪ ውጥን ከም ዝኣትዉ ገበሮም። እዚ መኽሰብ እዚ ምስ ፈሸለ: ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ዘጋጠመ ዓቢ ክሳራታት ንምሕዋይ ነቲ ሕድሪ እተዋህቦ ገንዘብ ሰረቖ። ብምኽንያት ተግባራቱን ናይ ነስሓ ምልክት ብዘይምርኣዩን: ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወገደ። “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቐቕታ ብርግጽ ሓቂ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10
21. ኣብቶም ናይ ዓለም ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሰባት እንታይ ጠባያት ኢዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ: ግናኸ እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ክመላለለሱ ዘለዎም፧
21 ስልጣንን ጽልዋን ዘለዎም ዓለማውያን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ውርዝውና ይጐድሎም ኢዩ: ከምኡውን ነቲ ‘ስልጣን የባዕልግ’ ዝብል ብሂል ሓቅነቱ የርእይዎ ኣለዉ። (መክብብ 8:9) ኣብ ገለገለ ሃገራት ጉቦን ካልእ ዓይነት ብልሽውናን ናይ ደያኑን ፖሊስን ፓለቲካውያንን ክፍሊ ናብራ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር: እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱ ሰባት ወራዙት ክዀኑ ኣለዎም: ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክጕይተቱ ድማ የብሎምን። (ሉቃስ 22:25, 26) ሽማግለታትን ኣገልግልቲ ጉባኤን ‘ንከንቱ ረብሓ’ ኢሎም ኣየገልግሉን ኢዮም። ብሕታዊ ብልጽግና ክረኽቡ ተስፋ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ፍርዶም ጽልዋ ንምግባር ዝመጾም ዝዀነ ይኹን ፈተነ ክጋጠምዎ ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 5:2፣ ዘጸኣት 23:8፣ ምሳሌ 17:23፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:21
22. ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ክዝረበሉ፧
22 ብሓፈሻ: ክርስትያናት ነቲ ኣብዛ ብነውሪ መሊኣ ዘላ ዓለምና ወረጃ ንምዃን ዘሎ ናይዚ እዋን እዚ ብድሆ ብዓወት ይጋጠምዎ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ውርዝውና ረሲእነት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ውርዝውና ምዅስኳስ ብሓቂ እንታይ ከም ዝሓትት ክንመያየጠሉ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነቲ ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ንደቅኻ ኣዕቍቦም!” ዝብል ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዘለዎ ኣርእስቲ ርአ።
b እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ግብረ-ሰዶም ዝጽመዱ ዝነበሩ ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገለ ሰባት ዝገበርዎ ኣብ ጠባያቶም ለውጢ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:11) ኣብ ናይ 22 መጋቢት 1995 ንቕሑ! ገጽ 21-3 (እንግሊዝኛ) ሓጋዚ ሓበሬታ ቐሪቡ ኣሎ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
▫ የሆዋ ከንኣናውያን ክጸንቱ ዝኣዘዘ ስለምንታይ ኢዩ፧
▫ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እንታይ ነውሪ ኢዩ ልሙድ ዝነበረ: ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ከባቢ ዝነበሩ ክርስትያናትከ ብኸመይ ኢዮም እተመላለሱ፧
▫ ዓለም ካብ 1914 ንነጅው ኣብ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ምህላዋ ከም ዘረጋገጸት ዝሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
▫ ህዝቢ የሆዋ ነየናይ ልሙድ ነውሪ ኢዮም ክነጽግዎ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ኣብታ ብነውሪ ዝመልአት ዓለም እኳ እንተ ነበሩ ወራዙት ኢዮም ነይሮም
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ነውሪ ኣብ ናይ “ኮምፒዩተር ኔትዎርክ ” እውን ሰሪጹ ኢዩ: እዚ ድማ ንብዙሓት መንእሰያትን ካልኦትን ንስእለ-ጽዩፍ የቃልዖም ኣሎ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ነቲ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ጥልመት ዝሓዘ ሜላታት ብዘይ ምስዓብ ውርዝውና ክዕቅቡ ኣለዎም