ዘዳግም
9 “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ኽትኣቱ፡+ ዓበይትን ክሳብ ሰማያት እተዓርዳን* ከተማታት ዘለዎም+ ካባኻ ዚዓብዩን ዚብርትዑን ኣህዛብ ከኣ ከተልቅቕ ኢኻ፣+ 2 ንዓብይን ንነዊሕን ህዝቢ፡ ነቶም እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧’ ኪብሃል ዝሰማዕካ ደቂ ዓናቂም+ ከተልቅቖም ኢኻ። 3 እምበኣር፡ የሆዋ ኣምላኽካ ቐቅድሜኻ ኸም ዚሳገር ሎሚ ፍለጥ።+ ንሱ ዚባላዕ ሓዊ እዩ፣+ ኬጥፍኦም እውን እዩ። ከምቲ የሆዋ ዘተስፈወካ፡ ቀልጢፍካ ምእንቲ ኽትሰጕጎምን* ምእንቲ ኸተጥፍኦምን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኼምበርክኾም እዩ።+
4 “የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም፡ ብልብኻ፡ ‘ብጽድቀይ እዩ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽርስተያ ዘእተወኒ’ ኣይትበል።+ የግዳስ፡ ብሰንኪ እከይ እዞም ኣህዛብ እዚኦም እዩ+ የሆዋ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጕጎም ዘሎ። 5 ብጽድቅኻ ወይ ብቕንዕና ልብኻ ኣይኰንካን ንምድሮም ክትርስተያ እትኣትዋ ዘለኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እከይ እዞም ኣህዛብ እዚኦምን+ እቲ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ዝመሓለሎም ቃል ምእንቲ ኺፍጽምን እዩ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጕጎም ዘሎ። 6 ተሪር* ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ዜረስትየካ ዘሎ ስለ ጽድቅኻ ኢሉ ኸም ዘይኰነ ፍለጥ።+
7 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘቘጣዕካዮ ዘክር፡+ ከቶ እውን ኣይትረስዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጻእካላ መዓልቲ ኣትሒዛካ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ካብ የሆዋ ዓሎኹም።+ 8 ኣብ ሆሬብ እውን ንየሆዋ ኣቘጣዕኩምዎ፣ የሆዋ ድማ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዓኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ።+ 9 ነተን ጽላት እምኒ፡ ማለት ጽላት እቲ የሆዋ ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን፡+ ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡+ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩን ማይ ከይሰተኹን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ።+ 10 የሆዋ ኸኣ ብኣጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፈን ክልተ ጽላት እምኒ ሃበኒ፣ ኣብአን ድማ እተን በታ መዓልቲ ኣኼባ፡* የሆዋ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ እተዛረበኩም ኵለን ቃላት ነበራ።+ 11 ኣብ መወዳእታ እተን 40 መዓልትን 40 ለይትን፡ የሆዋ እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሃበኒ። 12 የሆዋ ኸኣ፡ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ኻብዚ ውረድ።+ ካብቲ ኺስዕብዎ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም ኣለዉ። ንዓታቶም ድማ ፍሱስ ምስሊ ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ።+ 13 የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣለኹ፣ እንሆ ድማ፡ ተሪር* ህዝቢ እዩ።+ 14 ከጥፍኦምን ስሞም ካብ ትሕቲ ሰማያት ክድምስስን ሕደገኒ፣ ንዓኻ ድማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ ሕደገኒ’ በለኒ።+
15 “እቲ ኸረን ብሓዊ እናነደደ ድማ፡ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ።+ 16 ምስ ጠመትኩ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ረኣኹ። ንዓኻትኩም ፍሱስ ምራኽ ጌርኩም ነበርኩም። ካብቲ የሆዋ ኽትስዕብዎ ዝኣዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣልጊስኩም ነበርኩም።+ 17 ነተን ክልተ ጽላት ሒዘ፡ ብኽልቲአን ኢደይ ደርበኽወን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ድማ ሰበርክወን።+ 18 ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተደፋእኩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እከይ ብምግባርኩምን ንዕኡ ብምቝጣዕኩምን ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣት፡ እንጌራ ኣይበላዕኩን፡ ማይ እውን ኣይሰተኹን።+ 19 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣዝዩ ተቘጢዑኩም ብምንባሩ፡ ኬጥፍኣኩም ደልዩ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሀ ነበርኩ።+ ግናኸ፡ የሆዋ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+
20 “የሆዋ ድማ ንኣሮን ኣዝዩ ስለ እተቘጥዖ፡ ኬጥፍኦ ደለየ፣+ በታ ግዜ እቲኣ ኸኣ፡ ምእንቲ ኣሮን ተማህለልኩ። 21 ነቲ ብእኡ ሓጢኣት ዝገበርኩምሉ ምራኽ+ ወሲደ፡ ቀጥቀጥክዎ፡ ከም ደበቝበቛ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ኣድኪመ ጠሓንክዎ፣ ነቲ ደበቝበቛኡ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ውሒዝ ደርበኽዎ።+
22 “ኣብ ታብዔራህን+ ኣብ ማሳን+ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባን+ እውን ንየሆዋ ኣቘጣዕኩምዎ። 23 የሆዋ፡ ‘ነታ ብርግጽ ዝህበኩም ምድሪ ደዪብኩም ተረስተይዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ምስ ሰደደኩም፡ ንስኻትኩም መሊስኩም ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽኩም ዓሎኹም፡+ ብእኡ ኸኣ ኣይኣመንኩምን፡+ ኣይተኣዘዝኩምዎን እውን። 24 ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ኣትሒዝኩም፡ ካብ የሆዋ ዓሊኹም ኢኹም።
25 “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተደፊአ ነበርኩ፣+ የሆዋ ኸም ዜጥፍኣኩም ተዛሪቡ ስለ ዝነበረስ፡ በዚ ኸምዚ ተደፋእኩ። 26 ናብ የሆዋ ድማ ከምዚ ኢለ ተማህለልኩ፦ ‘ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ኣይተጥፍኣዮ። ንሳቶም ብዕቤትካ እተበጆኻዮምን ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮምን+ ጥሪትካ* እዮም።+ 27 ንገላዉኻ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዘክር።+ ናብ ንቕጽናን ናብ እከይን ናብ ሓጢኣትን እዚ ህዝቢ እዚ ኣይተቕልብ።+ 28 እንተ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ እታ ኻብኣ ዝወጻእናላ ምድሪ፡ “የሆዋ ናብታ ዘተስፈዎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ኣብ በረኻ ኪቐትሎም ኣውጺእዎም” ኪብሉ እዮም።+ 29 እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም+ ህዝብኻን ጥሪትካን* እውን እዮም።’+