ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
“መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት: ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ።” —ማርቆስ 1:15
1, 2. ንማርቆስ 1:14, 15 ብኸመይ ትገልጻ፧
እዋኑ ብ30 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ገሊላ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ዝጀመረሉ እዋን እዩ። “ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ” እዩ ዝሰብኽ ነይሩ: “እቲ ዘመን ተፈጸመ: መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት: ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ” ብምባል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ ንብዙሓት ሰብ ገሊላ ኣለዓዓሎም።—ማርቆስ 1:14, 15
2 እቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጅምረሉን ሰባት ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ዘኽእሎም ውሳነ ዝገብሩሉን “ዘመን” ኣኺሉ ነበረ። (ሉቃስ 12:54-56) እቲ ንጉስ ክኸውን እተመርጸ የሱስ ኣብ ምድሪ ብምንባሩ: ‘መንግስቲ ኣምላኽ ቀረበት።’ ስብከቱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኽንስሑ ደረኾም። እንተዀነ ግን: ንሳቶም ‘ብወንጌል ዝኣመኑ’ ብኸመይ እዮም: ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ‘ብወንጌል ክንኣምን እንኽእል፧’
3. ሰባት እንታይ ብምግባር እዮም ብወንጌል ከም ዝኣምኑ ዘርእዩ ዘለዉ፧
3 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ልክዕ ከም የሱስ ንሰባት ክንስሑ ተላብይዎም ነይሩ። ነቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ: ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ተነሲሖም ተጠምቁ እሞ ሰዓብቲ የሱስ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41፣ 4:4) ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ካብ ሓጢኣቶም እተነስሑ ኣህዛብ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሰዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48) ኣብዚ ግዜና እውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብወንጌል ስለ ዝኣመኑ: ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮምን ተጠሚቖምን እዮም። ነቲ ናይ ምድሓን ወንጌል ተቐቢሎም: ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ድማ ኣሚኖም እዮም። ብዘይካዚ: ብጽድቂ ይመላለሱ: ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቈይሞም ኣለዉ።
4. እምነት እንታይ እያ፧
4 እምነት ግን እንታይ እያ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:1) እምነት እንተ ሃልያትና: ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓታት ኵሉ ኸም ዝፍጸም ርግጸኛታት ካብ ምዃንና እተላዕለ ኸም እተፈጸመ ጌርና ኢና እንወስዶ። ሓደ ንብረት ናትና ምዃኑ መረጋገጺ ዝዀነና ሰነድ ከም ምሓዝ ጌርና ኽንወስዳ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: እምነት ነቲ ዘይርአ ነገር “ምርዳእ” እያ። ነቲ ነገር ብዓይንና እኳ እንተ ዘይረኣናዮ: ጋህዲ ምዃኑ በእምሮና ንርድኦ ብልብና ድማ ንቕበሎ ማለት እዩ።—2 ቈረንቶስ 5:7፣ ኤፌሶን 1:18
እምነት ተድልየና እያ!
5. እምነት ኣዝያ ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
5 ክንውለድ ከሎና ኣትሒዝና መንፈሳዊ ድሌት ኣሎና: እምነት ግን ክንውለድ ከሎና ኣይኰንናን እነጥርያ። ከም ሓቂ እሞ ኸኣ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።” (2 ተሰሎንቄ 3:2) ይኹን እምበር: ክርስትያናት እቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ንኽረኽቡ እምነት ክትህልዎም ይግባእ። (እብራውያን 6:12) ጳውሎስ ሓያሎ ኣብነታት እምነት ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” (እብራውያን 12:1, 2) እቲ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ እምነት ምጕዳል: ነታ ዝነበረትካ እምነት እውን ምጥፋእ እዩ። ድልድልቲ እምነት ንኽትህልወና: ‘ናብ የሱስ ክንጥምትን’ ኣብነቱ ኽንስዕብን ኣሎና። ካብ ርኽሰት: ግብሪ ስጋ: ፍቕረ-ንዋይ: ዓለማዊ ፍልስፍና: ከምኡውን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ክንርሕቕ ኣሎና። (ገላትያ 5:19-21፣ ቈሎሴ 2:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10፣ ይሁዳ 3, 4) ብተወሳኺውን: ኣምላኽ ምሳና ምዃኑን ኣብ ቃሉ ዝርከብ ምኽሪ ብሓቂ ይዓዪ ምዃኑን ክንኣምነሉ ኣሎና።
6, 7. እምነት ንኽህልወና ኽንጽሊ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ‘እምነት ክትህልወኒ ኣለዋ’ ኢልና ቈሪጽና ስለ እተለዓልና ጥራይ ብገዛእ ርእስና እምነት ከነጥሪ ኣይንኽእልን ኢና። እምነት ክፍሊ ፍረ ናይቲ ኣምላኽ ዝህቦ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እያ። (ገላትያ 5:22, 23) ከነደልድላ እንተ ደሊና ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ የሱስ ብዛዕባዚ “ንስኻትኩም . . . ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ። (ሉቃስ 11:13) እወ: መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ንለምን: ከመይሲ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ዘኽእለና እምነት ከፍርየልና ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 3:20
7 እምነት ክውሰኸልና ምጽላይ እውን ግቡእ እዩ። የሱስ ካብ ሓደ ቘልዓ ጋኔን ቅድሚ ምውጽኡ: ኣቦ እቲ ቘልዓ “እኣምን እየ፥ ግና ጉድለት እምነተይ ኪርሕቀለይ ደግፈኒ” ኢልዎ እዩ። (ማርቆስ 9:24 ትርጕም 1990 ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን “እምነት ወስኸና” ኢሎም ሓቲቶምዎ እዮም። (ሉቃስ 17:5) ስለዚ: እምነት ክህልወና እንተ ደሊና: ኣምላኽ ንጸሎትና ከም ዝምልሶ ብምትእምማን ንጸሊ።—1 ዮሃንስ 5:14
ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማን ኣገዳሲ እዩ
8. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
8 የሱስ መስዋእታዊ ሞት ቀቅድሚ ሙማቱ: ንሰዓብቱ “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ” ኢልዎም ነይሩ። (ዮሃንስ 14:1) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ኣምላኽን ወዱን እምነት ኣሎና። ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማንከ ብኸመይ ክጠቕመና ይኽእል፧ እንተ ኣጽኒዕናዮን ዝበለጸ ምኽርን መምርሕን ከም ዝህብ ብምትእምማን ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን: ንዓና ዝጠቅም ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12
9, 10. ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:5-8 ብዛዕባ እምነት እተባህለ ነገር ብኸመይ ትገልጾ፧
9 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ህይወትና ብሓሳረ መከራ ዝመልአት እያ። ይኹን እምበር: ኣብ ቃል ኣምላኽ ምስ እንኣምን ብዙሕ ክጠቕመና ይኽእል እዩ። (እዮብ 14:1) ንኣብነት: ንሓደ ፈተና ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ኣይንፈልጥን ንኸውን። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝብል ምኽሪ ይህበና:- “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ: ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ: እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።”—ያእቆብ 1:5-8
10 የሆዋ ኣምላኽ ጥበብ ስለ ዝጐደለትናን ክህበና ድማ ስለ ዝለመንናዮን ኣየስተሓፍረናን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ፈተና ግቡእ ኣረኣእያ ኽህልወና ይሕግዘና። ኣመንቲ ብጾትና ጠቓሚ ጥቕስታት ይነግሩና ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከሎና ዝሕግዘና ጥቕስታት ንረክብ ንኸውን። ወይ ከኣ መንፈስ የሆዋ ብኻልእ መገዲ ይመርሓና ይኸውን። ‘ከይተጣራጠርና ብእምነት እንተ ለሚንና:’ ሰማያዊ ኣቦና ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ዘኽእለና ጥበብ ይህበና እዩ። ከምቲ ንፋስ ዝደፍኦን ዝመልሶን ማዕበል ባሕሪ እንተ ዄንና ግን ካብ ኣምላኽ ገለ ኽንቅበል ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ጸሎትና ዀነ ኣብ ካልእ ነገራት እንማታእን ብቐጻሊ እንቀያየርን ኴንና ኣሎና፣ እዚ ድማ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ድልድልቲ ኣይኰነትን ማለት እዩ። ስለዚ: ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ ዝህበና መምርሕን ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ። ቀጺልና እምነትና ብኸመይ ከም እትሕግዘናን መምርሒ ኸም እትዀነናን ዘርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ንመርምር።
እምነት ዕለታዊ እንጌራና ንኽንረክብ ተኽእለና
11. ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማን ብዛዕባ ዕለታዊ እንጌራና እንታይ መረጋገጺ እዩ ዝህበና፧
11 ብሰንኪ ስእነት ወይ ድኽነት መከራ ነሕልፍ እንተ ኣሎናኸ፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት እንተ ሃልዩና: የሆዋ ዕለታዊ እንጌራና ከም ዝህበናን ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ድማ ንዅሎም እቶም ዘፍቅርዎ ዘድልዮም ኵሉ ኸም ዝህቦምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 72:16፣ ሉቃስ 11:2, 3) የሆዋ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንነብዪ ኤልያስ ብኸመይ ከም ዝመገቦ ምስትንታን ከተባብዓና ይኽእል እዩ። ጸኒሑ እውን ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ሓርጭን ዘይትን ከም ዘይጐድል ብምግባር ንሓንቲ ሰበይትን ወዳን ንኤልያስን ካብ ሞት ኣድሒንዎም እዩ። (1 ነገስት 17:2-16) ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እውን የሆዋ ብተመሳሳሊ ንነብዪ ኤርምያስ ዓንጊልዎ እዩ። (ኤርምያስ 37:21) ሽሕኳ ኤርምያስን ኤልያስን ከም ልቦም እንተ ዘይበልዑ: የሆዋ ግን ኣልይዎም እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ነቶም ኣብኡ ዝኣምኑ ብተመሳሳሊ ይሕብሕቦም እዩ።—ማቴዎስ 6:11, 25-34
12. እምነት ምጥራይና ዕለታዊ እንጌራ ንኽንረክብ ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
12 እምነት ምጥራይናን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልናን ብስጋ ሃብታማት ዘይገብረና እኳ እንተዀነ: ዕለታዊ እንጌራና ንኽንረክብ ግን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛታትን ክኢላታትን ጻዕራማትን ክንከውን እዩ ዘተባብዓና። (ምሳሌ 22:29፣ መክብብ 5:18, 19፣ 2 ቈረንቶስ 8:21) ትጉህ ሰራሕተኛ ዝብል ጽቡቕ ስም ምጥራይ ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። ጥዑይ ስራሕ ብቐሊሉ ኣብ ዘይርከበሉ ዓድታት እውን ከይተረፈ: ሓቀኛታትን ክኢላታትን ጻዕራማትን ሰራሕተኛታት ስራሕ ንምርካብ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት ሃብታማት እኳ እንተ ዘይኰኑ: መብዛሕትኡ ግዜ መሰረታዊ ነገራት ኣይስእኑን እዮም: ብረሃጾም ዘምጽእዎ እንጌራ ስለ ዝበልዑ ድማ ዕግበት ይስምዖም እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:11, 12
እምነት ሓዘንና ንኽንክእሎ ትድግፈና
13, 14. እምነት ሓዘንና ንኽንክእሎ እትድግፈና ብኸመይ እያ፧
13 እነፍቅሮ ሰብ ክሞተና ኸሎ ምሕዛን ባህርያዊ ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ይገልጸልና እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም: እታ ዘፍቅራ ሰበይቱ ሳራ ምስ ሞተቶ ሓዚኑ እዩ። (ዘፍጥረት 23:2) ዳዊት ከኣ ወዱ ኣቤሴሎም ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ: ኣዝዩ ሓዘነ። (2 ሳሙኤል 18:33) እቲ ፍጹም ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ እውን ከይተረፈ: ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ ነብዐ። (ዮሃንስ 11:35, 36) እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተና: ከቢድ ሓዘን ክስምዓና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መብጽዓታት እምነት እንተ ሃልዩና ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓዘን ክንክእሎ ኢና።
14 ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብቲ ኣምላኽ ብዙሓት ሰባት ንኽትንስኡ ዝገበሮ ምድላው እምነት ክህልወና ኣለዎ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ከም እኒ ኣብርሃም: ሳራ: ይስሃቅ: ርብቃ: ያእቆብ: ልያ: ኰታስ ኵሎም እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉን ኣብታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ሓዳስ ዓለም ትንሳኤ ዝጽበዩን ክትንስኡ እዮም። (ዘፍጥረት 49:29-32) እነፍቅሮም ሰባት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንምንባር ካብ ሞት ክትንስኡ ኸለዉስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ሓጐስ ኰን እዩ ክኸውን። (ራእይ 20:11-15) እዚ ኽሳዕ ዝኸውን ግን እምነት ንዅሉ ሓዘንና እኳ እንተ ዘይኣለየቶ: ካብቲ እነፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተና ዘጸናንዓና ኣምላኽ ንኸይንርሕቕ ግን ተኽእለና እያ።—መዝሙር 121:1-3፣ 2 ቈረንቶስ 1:3
እምነት ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ተበራትዖም
15, 16. (ሀ) ኣብዚ ግዜና እምነት ዘለዎም ሰባት ሕልናኦም እንተ ዓረቦም ሓድሽ ነገር ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕልናና ኽዓርበና ኸሎ ንኽንዋጽኣሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
15 እቶም እምነት ዘለዎም እውን ከይተረፉ ሕልንኦም ክዓርቦም ከም ዝኽእል ቃል ኣምላኽ ይሕብረና እዩ። እዮብ ከቢድ ፈተና የሕልፈሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣምላኽ ከም ዝጠንጠኖ ዀይኑ ተሰምዖ። (እዮብ 29:2-5) የሩሳሌምን መካበብያኣን ምዕናዉ ንነህምያ ኣጕህይዎ ነበረ። (ነህምያ 2:1-3) ጴጥሮስ ንየሱስ ምስ ከሓዶ ኣዝዩ ስለ እተደቝሰ: “መሪር ብኽያት በኸየ።” (ሉቃስ 22:62) ጳውሎስ እውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም” ብምባል ተላበዎም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ስለዚ: ኣብዚ ግዜና እምነት ዘለዎም ሰባት ሕልናኦም እንተ ዓረቦም ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ከምዚ ኸጋጥመና ኸሎ ንኽንጻወሮ ግን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
16 እተፈላለየ ኸቢድ ጸገማት ከጓንፈና ኸሎ ሕልናና ኽዓርበና ይኽእል እዩ። ከም ሓደ ዘይፍታሕ ዓብዪ ጸገም ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም በብቍሩብ ክንፈትሖ ንኽእል ንኸውን። እዚ ንጭንቀትና ኸፍኵሰልና ይኽእል እዩ። ኣብ ኵሉ ተግባራትና ሚዛንና ምሕላውን ግቡእ ዕረፍቲ ምውሳድን እውን ሓጋዚ ክኽውን ይኽእል እዩ። በዚ ይኹን በቲ ግን ኣብ ኣምላኽን ቃሉን እምነት ምስ ዝህልወና: ንሱ ብሓቂ ኸም ዝሓልየልና ርግጸኛታት ስለ እንኸውን: መንፈሳዊ ጥዕናና ኣይጕዳእን እዩ።
17. የሆዋ ኸም ዝሓልየልና ብኸመይ ንፈልጥ፧
17 ጴጥሮስ “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ብምባል ዘጸናንዕ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም: ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 145:14) እዚ መረጋገጺ እዚ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተረኽበ ስለ ዝዀነ: እምነት ከነሕድረሉ ኣሎና። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሕልናና ዋላ እንተ ዓረበና: ኵሉ ጭንቀትና ኣብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸነውድቖ ኸም እንኽእል ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ንእምነትና ዘደልድል ኰን እዩ!
እምነትን ካልእ ፈተናታትን
18, 19. እምነት ምስ እትህልወና: ሕማምና ንኽንክእሎን ንዝሓመሙ ኣመንቲ ብጾትና ንኸነጸናንዖምን ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧
18 ከቢድ ሕማም ከጋጥመና ኸሎ ወይ እነፍቅሮ ሰብ ክሓመና ኸሎ እምነትና ኽትፍተን ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም እኒ ኤጳፍሮዲጦስ: ጢሞቴዎስ: ከምኡውን ጥሮፊሞስ ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝሓወዩ ስለ ዘይገልጽ: የሆዋ ንኽጻወርዎ ኸም ዝሓገዞም ኣየጠራጥርን እዩ። (ፊልጲ 2:25-30፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:20) ብተወሳኺ ድማ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ንድኻ ብዛዕባ ምሕላይ’ ዝመጸ “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 41:1-3) እዚ ቓላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ንዝሓመሙ ኣመንቲ ብጾትና ንምጽንናዕ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧
19 ሓደ ኻብቲ ንዝሓመሙ ኽንገብረሎም እንኽእል መንፈሳዊ ሓገዝ: ምሳታቶም ኴንናን ምእንታኦምን ምጽላይ እዩ። ኣብዚ ግዜና ተኣምራዊ ምሕዋይ ክግበር ዘይንሓትት እኳ እንተዀንና: የሆዋ ንሕማሞም ንክኽእልዎ ኸበራትዖምን ኣብቲ ዝደኽሙሉ እዋን ንኽጽመሙ መንፈሳዊ ብርታዐ ኽህቦምን ክንልምኖ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸኣ ከሐይሎም እዩ: ናብቲ ‘ሓደ እኳ “ሕሙም እየ” ዘይብለሉ’ እዋን ኣማዕድዮም ብምርኣይ ድማ እምነቶም ክትድልድል እያ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990 ) እዙዛት ደቅሰብ በቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስን ብመንግስቲ ኣምላኽን ኣቢሎም ንሓዋሩ ኻብ ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ሓራ ክዀኑ ምዃኖም ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን እዩ! እዚ ዅሉ ዘደንቕ ተስፋታት ስለ ዝሃበና ነቲ ‘ዅሉ ሕማምና ዝፍውስ’ የሆዋ ምስጋና ይብጽሓዮ።—መዝሙር 103:1-3፣ ራእይ 21:1-5
20. እምነት ምስ እትህልወና ነቲ “ክፉእ መዓልትታት” እርጋን ንኽንጽመሞ እተኽእለና ብኸመይ እያ፧
20 እምነት ምስ እትህልወና ኣብቲ ጥዕናን ሓይልን ዘንቈልቍለሉ “ክፉእ መዓልትታት” እርጋን እውን ንኽንጽመም ተኽእለና እያ። (መክብብ 12:1-7) ስለዚ: እቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ኣረጋውያን እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይ . . . ኢኻ። . . . ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ: ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ: ኣይትሕደገኒ” ብምባል ንዝዘመሮ መዝሙር ኣብ ጸሎቶም ክጠቕስዎ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 71:5, 9) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ልክዕ ከምቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕድሚኦም ዝደፍኡ ክርስትያናት ብጾትና ሓገዝ የሆዋ ኸም ዘድልዮ ተሰሚዕዎ ነበረ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም እምነት ስለ ዘላቶም: እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽም የሆዋ ወትሩ ኸም ዝድግፋኦም ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዘዳግም 33:27
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኣይተጕድል
21, 22. እምነት እንተ ሃልያትና: እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዝጽሎ ብኸመይ እዩ፧
21 ኣብ ወንጌልን ኣብ ብምሉኡ ቓል ኣምላኽን ዘሎና እምነት ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ይሕግዘና እዩ። (ያእቆብ 4:8) ልክዕ እዩ: የሆዋ ሉዓላዊ ጐይታና እዩ: እንተዀነ ግን: ፈጣሪናን ኣቦናን ምዃኑ እውን ክንርስዕ የብልናን። (ኢሳይያስ 64:8፣ ማቴዎስ 6:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:24) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣቦይ: ኣምላኸይ: ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 89:26) ኣብ የሆዋን ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉን እምነት እንተ ሃልዩና: ንሕና እውን ‘ከውሒ ምድሓንና’ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ኢና። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!
22 የሆዋ ኣቦ እቶም መንፈስ ውልድነት እተቐበሉ ክርስትያናትን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን እዩ። (ሮሜ 8:15) እታ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘላትና እምነት ከኣ ኣብ መወዳእታ ኣይተሕፍረናን እያ። ዳዊት “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ። (መዝሙር 27:10) ብዘይካዚ: “እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ኣሎና።—1 ሳሙኤል 12:22
23. ምስ የሆዋ ነባሪ ርክብ ንኽህልወና: እንታይ ከነማልእ ኣሎና፧
23 ምስ የሆዋ ነባሪ ርክብ ንኽህልወና: ብወንጌል ክንኣምንን ንቕዱሳት ጽሑፋት ድማ ከም ቓል ኣምላኽ ጌርና ኽንቅበሎን ኣሎና። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ክትህልወናን ቃሉ ንመገድና ብርሃን ክኸውን ከነፍቅደሉን ኣሎና። (መዝሙር 119:105፣ ምሳሌ 3:5, 6) ኣብ ድንጋጹን ምሕረቱን ደገፉን ብምትእምማን ናብኡ ኽንጽሊ ኸሎና እምነትና ኽትዓቢ እያ።
24. ኣብ ሮሜ 14:8 እንታይ ዘጸናንዕ ሓሳባት እዩ ዝርከብ፧
24 እምነት እንተ ሃልያትና: ህይወትና ንዘለኣለም ንኣምላኽ ንኽንውፊ ትድርኸና እያ። ድልድልቲ እምነት እንተ ሃልያትና: ዋላ እውን እንተ ሞትና: ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘሎና ውፉያት ኣገልገልቱ ኢና። እወ: “ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና: ናይ ጐይታ ኢና።” (ሮሜ 14:8) ወትሩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ከየጥፋእና ብወንጌል ብምእማን: ነዚ ዘጸናንዕ ሓሳባት ኣብ ልብና ነሕድሮ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እምነት እንታይ እያ: ስለምንታይከ እያ እተድልየና፧
• ብወንጌልን ኣብ ምሉእ ቃል ኣምላኽን ክንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
• እምነት ንእተፈላለየ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
• እምነትና ንኸይትጐድል ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እምነት እንታይ እያ: ስለምንታይከ እያ እተድልየና፧
• ብወንጌልን ኣብ ምሉእ ቃል ኣምላኽን ክንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
• እምነት ንእተፈላለየ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
• እምነትና ንኸይትጐድል ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኤርምያስን ኤልያስን እምነት ስለ ዝነበሮም: የሆዋ ዕለታዊ እንጌራኦም ሂብዎም እዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እዮብን ጴጥሮስን ነህምያን ድልድልቲ እምነት ነበረቶም
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ምስ የሆዋ ነባሪ ርክብ ንኽህልወና: ብወንጌል ክንኣምን ኣሎና