ፈተናታት እኳ እንተሎ ኣብ እምነትካ ጽናዕ!
“ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።”—ያእቆብ 1:2
1. ህዝቢ የሆዋ እንታይ እናሃለወ ክነሶም ኢዮም ብእምነትን ‘ብሕጕስ ልብን’ ዘገልግልዎ፧
ህዝቢ የሆዋ ኣብኡ እምነት ብምሕዳርን ‘ብጽቡቕ [“ብሕጕስ:” NW ] ልብን’ ኢዮም ከም መሰኻኽሩ ኰይኖም ዘገልግልዎ። (ዘዳግም 28:47፣ ኢሳይያስ 43:10) ብብዙሕ ፈተናታት ተኸቢቦም ክነሶም ነዚ ይፍጽምዎ። ጸገማት እኳ እንተለዎም: ካብቲ “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን [“እተፈተነ ዓይነት:” NW ] እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር [ፍለጡ]” ዝብል ቃላት ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም።—ያእቆብ 1:2, 3
2. ብዛዕባ እቲ ንመልእኽቲ ያእቆብ ዝጸሓፈ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝፍለጥ፧
2 እዘን ቃላት እዚኣተን ብ62 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢለን በቲ ንየሱስ ክርስቶስ በዲኡ ሓዉ ዝዀነ ወደ መዝሙር ያእቆብ ኢየን ተጻሒፈን። (ማርቆስ 6:3) ያእቆብ ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ሽማግለ ኢዩ ነይሩ። አረ: ንሱን ኬፋን (ጴጥሮስ) ዮሃንስን: እቶም ‘ኣዕኑድ መሰል:’ ሓያላት: እወ ጽኑዓት ደገፍቲ ናይታ ጉባኤ ኢዮም ነይሮም። (ገላትያ 2:9) እቲ ብዛዕባ ግዝረት እተላዕለ ክርክር ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ናብ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን” ምስ ቀረበ: ያእቆብ: በቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ተቐባልነት ዝረኸበ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሓሳባት ኣቕረበ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:6-29
3. ገለ ካብቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጥሞም ዝነበረ ግድላት እንታይ ኢዩ: ካብ መልእኽቲ ያእቆብ እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ ክንረክብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
3 ያእቆብ ከም ሓደ ሓላዪ መንፈሳዊ ጓሳ መጠን ‘ሃለዋት [እተን] ኣባጊዕ ይፈልጥ’ ነበረ። (ምሳሌ 27:23) ኣብቲ ግዜ እቲ ክርስትያናት ከቢድ ፈተናታት የጋጥሞም ከም ዝነበረ ተገንዘበ። ገሊኦም ክርስትያናት ናብ ሃብታማት የዳልዉ ስለ ዝነበሩ: ኣተሓሳስባኦም ምትዕርራይ የድልዮ ነበረ። ንመብዛሕትኦም ድማ ኣምልኾ ክበሃል ከሎ ደጋዊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ገሊኣቶም በቲ ዘይተገርሐ ልሳኖም ጕድኣት የስዕቡ ነበሩ። ዓለማዊ መንፈስ ጐዳኢ ሳዕቤናት የምጽእ ነበረ: ብዙሓት ከኣ ዘይዕጉሳትን ጸሎት ዘየዘውትሩን ነበሩ። አረ: ንገሊኣቶም ክርስትያናትሲ መንፈሳዊ ሕማም ኣጋጢምዎም ነበረ። መልእኽቲ ያእቆብ ነዚ ነገራት እዚ ብዝሃንጽ መገዲ ኢያ እተቕርቦ: ምኽሩ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ተግባራዊ ዝነበረ ሎሚውን ተግባራዊ ኢዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ንዓና ብብሕቲ ከም እተጻሕፈ ገይርና ንሓስቦ እንተድኣ ዄንና ብዙሕ ክንጥቀም ኢና።a
ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ
4. ንፈተናታት ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧
4 ያእቆብ ንፈተናታት ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዘሎና ይገልጸልና ኢዩ። (ያእቆብ 1:1-4) ነቲ ምስ ወዲ ኣምላኽ ዝነበሮ ስጋዊ ዝምድና ከይጠቐሰ: ብትሕትና ንገዛእ ርእሱ “ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ” ብምባል ጸውዓ። ያእቆብ: ነቶም መጀመርታ ብምኽንያት መስጐጕቲ “ፋሕ ኢሎም” ዝነበሩ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ” መንፈሳውያን እስራኤል ይጽሕፈሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1፣ 11:19፣ ገላትያ 6:16፣ 1 ጴጥሮስ 1:1) ንሕናውን ክርስትያናት ስለ ዝዀንና: ንስጐጕ ኢና: ‘በበይኑ ዝዀነ ፈተና [ድማ] ይበጽሓና’ ኢዩ። እንተዀነ ግን ብምጽማም ዘሕለፍናዮ ፈተናታት ንእምነትና ከም ዘደልድላ እንተድኣ ዘኪርና: ክወርደና ኸሎ ‘ከም ሓጐስ ክንቈጽሮ’ ኢና። ኣብ ግዜ ፈተና ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና እንተድኣ ሓሊና: እዚ ነባሪ ሓጐስ ከምጽኣልና ኢዩ።
5. እቲ ዘጋጥመና ፈተናታትና እንታይ ከጠቓልል ይኽእል: ብዓወት እንተድኣ ተጸሚምናዮኸ እንታይ ንረክብ፧
5 ዘጋጥመና ፈተናታት ነቲ ንወድሰብ ልሙድ ዝዀነ መከራ ዘጠቓልል ኢዩ። ንኣብነት: ጥዕና ምስኣን የሸግረና ይኸውን። ኣምላኽ ሕጂ ተኣምራታዊ ምሕዋያት ኣይፍጽምን ኢዩ ዘሎ: ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ንሕማም ክንጽመሞ ዘኽእለና ጥበብን ሓይልን ምእንቲ ኽዋሃበና እነቕርቦ ጸሎት ይምልሶ ኢዩ። (መዝሙር 41:1-3) መስጐጕቲ ዘሕልፉ መሰኻኽር የሆዋ ብምዃንና ድማ ምእንቲ ጽድቂ ሓሳረ መከራ ንጸግብ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ 1 ጴጥሮስ 3:14) ነዚ ኸምዚ ዝበለ ፈተናታት ብዓወት እንተድኣ ተጸሚምናዮ: እምነትና ከም ሓደ “እተፈተነ ዓይነት” ብምዃን እንታይነታ ተረጋግጽ። እምነትና እንተድኣ ተዓዊታ ኸኣ: ‘ትዕግስቲ ትገብር።’ ብፈተናታት ዝደልደለት እምነት ነቲ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ፈተናታት ንምጽማም ትሕግዘና ኢያ።
6. ‘እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ዝህልዋ’ ብኸመይ ኢዩ: ኣብ ትሕቲ ፈተና ምስ እንህሉኸ እንታይ ተግባራዊ ስጕምትታት ኢዩ ክውሰድ ዝከኣል፧
6 ቀጺሉ ግን ያእቆብ “እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ይብል። ንሓደ ፈተና: ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዘይኰነ መገዲ ከነሕጽሮ ከይፈተንና ክቕጽል እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ምጽማም ነቲ ከም ክርስትያናት መጠን እምነት ዘይጐድለና ፍጹማት ዝገብረና “ግብሪ” ክትዓዮ ኢያ። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ፈተና: ገለ ድኻም ከም ዝግለጽ እንተድኣ ገይሩ: ምእንቲ ኸነሰንፎ ሓገዝ የሆዋ ክንደሊ ይግብኣና። እቲ ፈተና ኣብ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ክንጽመድ ዘስሕተና ነገር እንተድኣ ዀይኑኸ፧ ብዛዕባ እቲ ግድል እቲ ንጸሊ እሞ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንዕየ። ምናልባት እንሰርሓሉ ቦታ ምቕያር ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንምሕላው ካልእ ስጕምትታት ክንወስድ የድልየና ይኸውን።—ዘፍጥረት 39:7-9፣ 1 ቈረንቶስ 10:13
ጥበብ ክዋሃበካ ምሕታት
7. ንፈተናታት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ኢና ክንሕገዝ እንኽእል፧
7 ንሓደ ፈተና ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ከም ዘሎና ዘይንፈለጥ እንተድኣ ዄንና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ያእቆብ ይሕብርና ኢዩ። (ያእቆብ 1:5-8) ጥበብ ጐዲሉና ኢልና ብእምነት ምስ እንልምን የሆዋ ኣየስተሓፍረናን ኢዩ። ንሓደ ፈተና ብግቡእ ክንርእዮን ክንጽመሞን ክሕግዘና ኢዩ። ብኣመንቲ ብጾትና ወይ ከኣ ኣብ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ጥቕስታት ንዘኻኸር ንኸውን። እቲ ብመለኮታዊ መሪሕነት ኣምላኽ ዝካየድ ፍጻመታት እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንኽንግንዘብ የኽእለና ይኸውን። ብመንፈስ ኣምላኽ እውን ንምራሕ ንኸውን። (ሉቃስ 11:13) ነዚ ረብሓታት እዚ ምእንቲ ከነስተማቕር ግን ናብ ኣምላኽን ናብ ህዝቡን ክንጠብቕ ከም ዘሎና ፍሉጥ ኢዩ።—ምሳሌ 18:1
8. ሓደ ተጠራጣሪ ሰብ ካብ የሆዋ ገለ ዘይቅበል ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ‘ከይተጠራጠርና ብእምነት እንተድኣ ለሚንና:’ የሆዋ ንፈተናታት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ጥበብ ይህበና ኢዩ። ሓደ ተጠራጣሪ ሰብ “ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል።” ብመንፈሳዊ መገዲ ዘይጽኑዓት እንተድኣ ዄንና: ‘ካብ ጐይታ ገለ እንቕበል ከይመስለና።’ ኣብ ጸሎት ይኹን ኣብ ካልእ መገድታት ‘ክልተ ዝልቦም’ ወይ ከኣ ‘ዘይጽኑዓት’ ኣይንኹን። ኣብ ክንድኡ ግን: ኣብቲ ምንጪ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ እምነት ይሃልወና።—ምሳሌ 3:5, 6
ሃብታማትን ድኻታትን ክሕጐሱ ይኽእሉ ኢዮም
9. ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ንኽንሕጐስ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ድኽነት ሓደ ካብ ፈተናታትና እኳ እንተዀነ: ሃብታማትን ድኻታትን ክርስትያናት ክሕጐሱ ከም ዝኽእሉ ንዘክር። (ያእቆብ 1:9-11) መብዛሕትኦም ቅቡኣት: ሰዓብቲ የሱስ ቅድሚ ምዃኖም ዝነበሮም ስጋዊ ነገራት ኣዝዩ ሒደት ኢዩ ነይሩ: ብዓለም ከኣ ይነዓቑ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 1:26) ግናኸ በቲ ከም ወረስቲ መንግስቲ መጠን ዝረኽብዎ ቦታ “ልዕል” ብምባሎም ክሕጐሱ ይኽእሉ ነበሩ። (ሮሜ 8:16, 17) ብኣንጻሩ ድማ እቶም ቀደም ክቡራት ዝነበሩ ሃብታማት ሰባት: ሕጂ ብዓለም ስለ እተናዕቁ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም ‘ውርደት’ የሕልፉ ኣለዉ። (ዮሃንስ 7:47-52፣ 12:42, 43) ይኹን እምበር: ዓለማዊ ሃብትን መዓርግን ምስቲ እነስተማቕሮ መንፈሳዊ ሃብቲ ክነጻጸር ከሎ ምንም ዋጋ ስለ ዘይብሉ: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ኵልና ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ከምኡውን ኣብ ማእከልና ብምኽንያት ማሕበራዊ ደረጃ ዝመጽእ ኵርዓት ቦታ ስለ ዘይብሉ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና!—ምሳሌ 10:22፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
10. ሓደ ክርስትያን ንስጋዊ ሃብቲ ብኸመይ ኢዩ ክርእዮ ዘለዎ፧
10 ያእቆብ ህይወትና ኣብ ሃብትን ኣብ ዓለማዊ ዓወታትን እተመክሐ ከም ዘይኰነ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ከምቲ ናይ ሓደ ዕምባባ ጽባቐ ብናይ ጸሓይ ‘ዋዒ’ ከይነቅጽ ክከላኸለሉ ዘይክእል: ሃብቲ ናይ ሓደ ሃብታም ሰብ ከኣ ንህይወቱ ከናውሓ ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 49:6-9፣ ማቴዎስ 6:27) ‘መገዱ’—ምናልባት ናይ ንግዲ ጕዳያቱ—እናሰዓበ ኸሎ ክመውት ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እምበኣር “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ምዃን: ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ ከኣ ዝከኣለና ዘበለ ምግባር ኢዩ።—ሉቃስ 12:13-21፣ ማቴዎስ 6:33፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17-19
እቶም ንፈተና ዝጽመሙ ሕጕሳት ኢዮም
11. እቶም ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧
11 ሃብታማት ንኹን ድኻታት: ሕጕሳት ክንከውን እንኽእል ነቲ ዘጋጥመና ፈተናታት እንተድኣ ተጸሚምናዮ ጥራይ ኢዩ። (ያእቆብ 1:12-15) ንፈተናታት እምነትና ከይተተንከፈት እንተድኣ ተጸሚምናዮ: ሕጕሳት ክንበሃል ንኽእል ኢና: ከመይሲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ብምግባር ሓጐስ ይርከብ ኢዩ። እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ክሳዕ ሞት ኣብ እምነቶም ብምጽናዕ: “ኣኽሊል ህይወት” ማለት ኣብ ሰማያት ዝረኽብዋ ዘይትመውት ህይወት ይቕበሉ ኢዮም። (ራእይ 2:10፣ 1 ቈረንቶስ 15:50) ምድራዊ ተስፋታት እንተድኣ ኣልዩና እሞ ነታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ንሕልዋ እንተድኣ ዄንና: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ብተስፋ ኽንጽበ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 23:43፣ ሮሜ 6:23) የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እምነት ዝገብሩ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ሕያዋይ ኰን ኢዩ!
12. መከራ ከነሕልፍ ከሎና: “ኣምላኽ ፈቲኑኒ” ክንብል ዘይግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
12 የሆዋ ብመከራ ገይሩ ይፍትነና ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን: “ኣምላኽ ፈቲኑኒ” ክንብል ኣይግብኣናን ኢዩ። የሆዋ ሓጢኣት ከም እንፍጽም ክገብረና ኣይፍትንን ኢዩ: ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ኣብ እምነትና እንተድኣ ጸኒዕና ንኽሕግዘናን ፈተናታት ንምጽማም ዘኽእለና ሓይሊ ክህበናን ድሉው ኢዩ። (ፊልጲ 4:13) ኣምላኽ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ንእኩይ ግብሪ ንምጽራር ዘሎና ክእለት ከዳኽመልና ዝኽእል ኵነታት ከም ዘጋጥመና ኣይገብርን ኢዩ። “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ” ባዕልና ኣብ ዘይቅዱስ ኵነታት ብምእታው ገለ ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺምና ክንወቕሶ ኣይግብኣናን ኢዩ። የሆዋ ምእንቲ ጥቕምና ኢሉ ፈተና ክቐጽዓና ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ: ብእኩይ ድራኸ ተበጊሱ ግን ኣይፍትነናን ኢዩ። (እብራውያን 12:7-11) ሰይጣን ጌጋ ክንገብር ይፍትነና ይኸውን: ኣምላኽ ግን ካብቲ ኽፉእ እቲ ከድሕነና ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:13
13. ግጉይ ትምኒት እንተድኣ ዘይነጺግናዮ እንታይ ኢዩ ከጋጥም ዝኽእል፧
13 ገለ ኵነታት: ናብቲ ሓጢኣት ንኽንፍጽም ዝደፋፍኣና ክፉእ ትምኒት ክመርሓና ስለ ዝኽእል ጸሎት ከነዘውትር ኣሎና። ያእቆብ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን” ይብል። ልብና ብቐጻሊ ግጉይ ትምኒት እናተመነየ ክነብር እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንኣምላኽ ክንወቕሶ ኣይንኽእልን ኢና። ንግጉይ ትምኒት እንተድኣ ዘየወጊድናዮ: ‘ይጠንስ:’ ኣብ ልቢ ይዓቢ: ‘ንሓጢኣት ከኣ ይወልድ።’ ሓጢኣት ምስ ተፈጺመ ኸኣ “ንሞት ይወልዶ።” ንልብና ክንሕልዎ ሓጥእ ዝንባለታት ከኣ ወጊድ ክንብል ከም ዘሎና እምበኣር ንጹር ኢዩ። (ምሳሌ 4:23) ቃየል: ሓጢኣት ከሰንፎ ይቀራረብ ከም ዝነበረ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ: ንሱ ግን ኣይተቓወሞን። (ዘፍጥረት 4:4-8) ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ መገዲ ክንስዕብ ንጅምር እንተድኣ ኣሊናኸ፧ ክርስትያን ሽማግለታት ኣንጻር ኣምላኽ ሓጢኣት ምእንቲ ከይንገብር ኢሎም ከቕንዑና እንተድኣ ፈቲኖም መማሰውቲ ክንከውን ይግብኣና።—ገላትያ 6:1
ኣምላኽ ናይ ጽቡቕ ነገራት ምንጪ ኢዩ
14. ውህበት ኣምላኽ “ምሉእ” ክበሃል ዝከኣል በየናይ መሰረት ኢዩ፧
14 የሆዋ ናይ ፈተናታት ዘይኰነስ ናይ ጽቡቕ ነገራት ምንጪ ከም ዝዀነ ክንዝክር ይግብኣና። (ያእቆብ 1:16-18) ያእቆብ ነቶም ኣመንቲ ብጾት ‘ፍቑራት ኣሕዋት’ ብምባል ይጽውዖም: ኣምላኽ ወሃቢ ናይ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ከም ዝዀነ ኸኣ ይሕብር። እቲ ናይ የሆዋ መንፈሳውን ስጋውን ውህበታት ጐደሎ ዘይብሉ “ምሉእ:” ወይ ከኣ ፍጹም ኢዩ። “ካብ ላዕሊ:” ካብቲ ኣምላኽ ዝነብረሉ ኣብ ሰማያት ዘሎ ስፍራ ኢዩ ዝመጽእ። (1 ነገስት 8:39) የሆዋ “ኣቦ ብርሃናት”—ጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ—ኢዩ። መንፈሳዊ ብርሃንን ሓቅን እውን ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 43:3፣ ኤርምያስ 31:35፣ 2 ቈረንቶስ 4:6) ኣምላኽ: ከምታ ክትንቀሳቐስ ከላ ናይ ጽላሎት ለውጥታት እትገብር: ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ክኸውን ከሎ ጥራይ ድማ ምሉእ ብምሉእ እተብርህ ጸሓይ ዘይኰነስ: ጽቡቕ ዘበለ ነገራት ንምድላው ወትሩ ቅሩብ ኢዩ። ካብቲ ብቓሉ ከምኡውን በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ዝቕርቦ መንፈሳዊ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ንጥቀም እንተድኣ ዄንና ፈተናታት ንምቅዋም ብርግጽ ከዕጥቐና ኢዩ።—ማቴዎስ 24:45 NW
15. ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ውህበታት የሆዋ እንታይ ኢዩ፧
15 ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ ምስቲ ብስራት: ወይ ከኣ ምስቲ ‘ቓል ሓቂ’ እተተሓሓዘ ዕዮ ብምዕያይ: መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ምውላድ ኢዩ። እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኽቡ ሰባት: ሰማያውያን “መንግስትን ካህናትን” ምእንቲ ክዀኑ ካብ ደቅሰብ እተሓርዩ “በዅራት” (NW ) ኢዮም። (ራእይ 5:10፣ ኤፌሶን 1:13, 14) ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ኣብ 16 ኒሳን—የሱስ ዝተንስኣሉ ዕለት—እተወፈየ ቀዳማይ ዓጺድ ስገም: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ከሎ እተወፈየ ክልተ እንጌራ ስርናይ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ ዝኸውን። (ዘሌዋውያን 23:4-11, 15-17) በዚ መሰረት እዚ: የሱስ በዅሪ ክኸውን ከሎ እቶም መዋርስቱ ድማ “በዅራት” ኢዮም። ምድራዊ ተስፋ እንተልዩናኸ፧ ምድራዊ ተስፋ ከም ዘሎና ምዝካር: ኣብቲ ወሃብ ‘ጽቡቕ ውህበት’ ዝዀነ: ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ እንረኽቦ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ከም ዝከኣል ዝገበረ ኣምላኽብርህቲ ክትከውን እምነትና ከነጽንዕ ክሕግዘና ኢዩ።
‘ገባሪ ቓል’ ኩን
16. ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት: ንምዝራብን ንዅራን ደንጐይቲ’ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ናይ እምነትና ፈተናታት ሕጂ የጋጥመና ኣየጋጥመና ብዘየገድስ: “ገበርቲ ቓል” ክንከውን ኣሎና። (ያእቆብ 1:19-25) እዙዛት ገበርቲ ቓል ብምዃን: ቃል ኣምላኽ ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ክንከውን ኣሎና። (ዮሃንስ 8:47) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብዛዕባ እቲ እነውጽኦ ቃላት ጥንቁቓት ብምዃን ‘ንምዝራብ ደንጐይቲ’ ንኹን። (ምሳሌ 15:28፣ 16:23) ያእቆብ ፈተናታትና መበገሲኡ ካብ ኣምላኽ ኢዩ ኢልና ብታህዋኽ ከይንዛረብ ኢዩ ዝላበወና ዝህሉ። ብዘይዚውን ‘ኵራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ስለ ዘይገብር: ንዅራ ደንጐይቲ’ ክንከውን ተመኺርና ኢና። ሓደ ሰብ ብዝበሎ እንተድኣ ሓሪቕና: ናይ ሕንሕነ መልሲ ካብ ምሃብ ምእንቲ ኽንሕሎ ‘ደንጐይቲ’ ንኹን። (ኤፌሶን 4:26, 27) ግድላት ከምጽኣልና: ንኻልኦት ድማ ፈታኒ ክኸውን ዝኽእል ቍጡዕ መንፈስ: ኣብቲ ጻድቕ ኣምላኽና ዘሎና እምነት ክንፈርዮ ዝሓተና ፍረ ከፍሪ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: “ብዙሕ ኣእምሮ” እንተድኣ ኣልዩና ‘ንዅራ ደንጐይቲ’ ክንከውን ኢና: ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ናባና ክቐርቡ ኢዮም።—ምሳሌ 14:29
17. ካብ ልብን ኣእምሮን እከይ ብምርሓቕ እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዝከኣል፧
17 ብርግጽ ካብቲ ኣምላኽ ዝጸልኦን ኵራ ዘተባብዕን ‘ርኽሰት ዘበለ’ ዅሉ ናጻ ክንከውን የድልየና። ኣብ ርእሲ እዚውን ‘ብዝሒ ኽፍኣት ከነርሕቕ’ ይግብኣና። ኵላትና ካብ ህይወትና ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዝዀነ ይኹን ነገራት ከነርሕቕ ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 7:1፣ 1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 1 ዮሃንስ 1:9) ካብ ልብን ሓሳብን ክፍኣት ምርሓቕ ‘ነቲ ትኹል ቃል ብግርህነት ክንቅበሎ’ ሓጊዙና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11, 12) ክርስትያናት ካብ እንኸውን ክንደይ ዓመታት ከም ዝገበርና ብዘየገድስ: ወትሩ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኣብ ልብና ከም ዝትከል ክንገብር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ትኹል ቃል ነቲ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ “ሓድሽ ሰብ” ኢዩ ዘፍሪ።—ኤፌሶን 4:20-24
18. ሓደ ሰማዕ ቃል ጥራይ ዝዀነ ሰብ ካብቲ ገባሪ ቓል ብኸመይ ኢዩ ዝፍለ፧
18 እቲ ቓል መራሒና ምዃኑ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ እዙዛት “ገበርቲ ቓል” ድኣ እምበር ‘ሰማዕቲ ጥራይ ብዘይምዃን’ ኢና ከነርእዮ እንኽእል። (ሉቃስ 11:28) “ገበርቲ” ከም እኒ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅንኢ ዘለዎ ንጥፈት ከምኡውን ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ዝኣመሰለ ግብሪ እተፍሪ እምነት ኣላቶም። (ሮሜ 10:14, 15፣ እብራውያን 10:24, 25) ሓደ ሰማዕ ቃል ጥራይ ዝዀነ ሰብ ከምቲ “ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል።” ይጥምት: ድሓር ይኸይድ: ትርኢቱ ንምትዕርራይ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኸኣ ይርስዕ። ከም ‘ገበርቲ ቓል’ መጠን ነቲ ዅሉ ካባና ዝደልዮ ነገራት ዘጠቓልል “ምሉእ ሕጊ” ኣምላኽ ተጠንቂቕና ኢና እነጽንዖን እንእዘዞን። እቲ እነስተማቕሮ ናጽነት ናብ ህይወት ስለ ዝመርሕ ድማ ኣንጻር ናይ ሓጢኣትን ሞትን ባርያ ምዃን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ብቐጻሊ ኣድቂቕና ብምምርማርን ብምእዛዝን ‘ኣብቲ ምሉእ ሕጊ ሓርነት ንጽናዕ።’ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ‘ዝርስዑ ሰማዕቲ ዘይኰነስ ገበርቲ ቓል’ ከም ምዃና መጠን: ካብ ስምረት ኣምላኽ ዝመጽእ ሓጐስ ንረክብ ኢና።—መዝሙር 19:7-11
መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ካብ ምዃን ንላዕሊ ይሓትት
19, 20. (ሀ) ብመሰረት ያእቆብ 1:26, 27 ንጹህ ኣምልኾ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ (ለ) ገለ ካብቶም ናይ ዘይረኸሰ ኣምልኾ ኣብነታት እንታይ ኢዮም፧
19 መለኮታዊ ስምረት ክንረክብ እንተድኣ ዄንና: ሓቀኛ ኣምልኾ መልክዕ ጥራይ ከም ዘይኰነ ክንዝክር የድልየና። (ያእቆብ 1:26, 27) ቅቡላት ‘ኣምለኽቲ’ የሆዋ ከም ዝዀንና ንሓስብ ንኸውን: ግናኸ እቲ ቐንዲ ዘገድስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ግምት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:4) ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጕድለት ‘ልሳን ክትለጕም’ ዘይምኽኣል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኻልኦት ንሓሚ: ሓሶት ንዛረብ: ወይ ከኣ ብኻልእ መገድታት ንልሳንና ብዘይግቡእ ንጥቀመሉ እንተድኣ ዄንና እሞ ኸኣ ኣምላኽ ብኣምልኾና ይሕጐስ ኢዩ ኢልና ድማ ንሓስብ እንተድኣ ዄንና ንገዛእ ርእስና ኢና ነታልል ዘሎና። (ዘሌዋውያን 19:16፣ ኤፌሶን 4:25) ብርግጽ: ‘ኣምልኾና’ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ‘ከንቱን’ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ዘይቅቡልን ክኸውን ኣይንደልን ኢና።
20 ያእቆብ ንዅሉ ናይ ንጹህ ኣምልኾ መዳይ እኳ እንተ ዘይጠቐሰ: “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ” ከም ዘጠቓልል ግን ይዛረብ ኢዩ። (ገላትያ 2:10፣ 6:10፣ 1 ዮሃንስ 3:18) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንመበለታት ዘድልየን ኣብ ምቕራብ ፍሉይ ተገዳስነት ተርኢ ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8-10) ኣምላኽ ንመበለትን ዘኽታምን ዘዕቍብ ካብ ኰነ: ብመንፈሳውን ብስጋውን ምእንቲ ኽንሕግዞም ዝከኣለና ዘበለ ብምግባር: ምስኡ ንተሓባበር። (ዘዳግም 10:17, 18) ንጹህ ኣምልኾ ክበሃል ከሎ “ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም:” ካብዚ ብስልጣን ሰይጣን ተታሒዙ ዘሎ ሓጥእ ሕብረተሰብ ‘ምሕላው’ ማለት እውን ኢዩ። (ዮሃንስ 17:16፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ስለዚ እምበኣር: ንየሆዋ ክብሪ ምእንቲ ኸነምጽኣሉ ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ጠቐምቲ ኽንከውን ካብቲ ርኹስ ጠባይ ናይዛ ዓለም ርእስና ንሓሉ።—2 ጢሞቴዎስ 2:20-22
21. ብመሰረት እቲ ምስ መልእኽቲ ያእቆብ እተተሓሓዘ ሓሳባት: ኣቓልቦና ዘድልዮም ተወሰኽቲ ሕቶታት ኣየኖት ኢዮም፧
21 እቲ ክሳዕ ሕጂ ክንምርምሮ ዝጸንሓና ምኽሪ ያእቆብ እምበኣር ፈተናታት ክንጽመምን ኣብ እምነትና ክንጸንዕን ክሕግዘና ይግባእ። ኣብቲ ፈቃር ወሃቢ ናይ ጽቡቕ ውህበት ዘሎና ሞሳ ከዕብዮ ይግባእ። ከምኡውን ቃላት ያእቆብ ሓቀኛ ኣምልኾ ከነዘውትር ይሕግዘና ኢዩ። ንኸነቕልበሉ ኢሉ ጠቒሱዎ ዘሎ ካልእ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኣብ የሆዋ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘሎና ንምርግጋጽ እንታይ ተወሳኺ ስጕምትታት ኢና ክንወስድ እንኽእል፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነዛ ዓንቀጽ እዚኣን ነተን ቀጺለን ዘለዋ ክልተን: ብብሕቲ ይኹን ምስ ስድራቤትካ ከተጽንዐን ከሎኻ: ብፍላይ ነቲ ካብታ እምነት እተደልድል መልእኽቲ ያእቆብ እተጠቕሰ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምንባቡ ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ፈተናታት ንምጽማም ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
◻ ፈተናታት እኳ እንተሎ ክርስትያናት ክሕጐሱ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ገበርቲ ቓል ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ትሕቲ ፈተና ምስ እንህሉ: የሆዋ ጸሎት ክምልስ ሓይሊ ከም ዘለዎ እምነት ይሃልወና
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
“ገበርቲ ቓል” ኣብ ብዘላ ዓለም መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጁ ኣለዉ