ራእይ
2 “ናብ መልኣኽ+ እታ ኣብ ኤፌሶን+ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ እውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 2 ‘ግብርኻን ጻዕርኻን ተጻዋርነትካን፡ ነቶም እኩያት እውን ክትጻወሮም ከም ዘይከኣልካ፡ ነቶም “ሃዋርያት ኢና” ዚብሉ፡+ ግናኸ ዘይኰኑ ድማ ፈቲንካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ እየ። 3 ትጻወር ከኣ ኣለኻ፣ ምእንቲ ስመይ ኢልካ ድማ ጸኒዕካ ኢኻ፡+ ኣይተሓለልካን እውን።+ 4 ግናኸ፡ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ።
5 “‘እምበኣር፡ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡+ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻ እውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ፡ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሲሕካ እውን፡+ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ቦታኡ ኸልግሶ እየ።+ 6 ነቲ ኣነ እውን ዝጸልኦ ግብሪ ኑፋቐ ኒቆላዎስ+ ትጸልኦ ኢኻ እሞ፡ እዚ ግዳ ጽቡቕ ኣሎካ። 7 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦+ ነቲ ዚስዕር፡+ ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክፈቕደሉ እየ።’+
8 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ስሚርና ዘላ ጉባኤ እውን ጽሓፍ፦ እቲ ‘ቐዳማይን ዳሕራይን፡’+ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 9 ‘ጸበባኻን ድኽነትካን፡—ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡+—ጸርፊ እቶም “ኣይሁድ ኢና” ዚብሉን፡—ግናኸ ምኵራብ ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡+—እፈልጥ እየ። 10 ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ።+ እንሆ፡ ኣጸቢቕኩም ምእንቲ ኽትፍተኑ፡ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ጸበባ ምእንቲ ኺረኽበኩምሲ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብየኩም እዩ። ክሳዕ ሞት እኳ እሙን ኩን፣ ኣነ እውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።+ 11 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡+ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦ እቲ ዚስዕር፡+ በቲ ኻልኣይ ሞት ከቶ ኣይኪጕዳእን እዩ።’+
12 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ጴርጋሞስ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ዘለዎ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦+ 13 ‘ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ዝፋን ሰይጣን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ግናኸ፡ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣለኻ፣+ ብመዓልትታት ኣንቲጳስ እቲ ኣብ ጐድንኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ እተቐትለ+ እሙን ምስክረይ እኳ፡+ ነታ ኣባይ ዘላትካ እምነት ኣይከሓድካያን።+
14 “‘ግናኸ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መዐንቀፊ ኼንብረሎም ኢሉ፡ ንጣኦታት እተሰውአ ኺበልዑን ኪምንዝሩን*+ ንባላቅ+ ዝመሃሮ ትምህርቲ በላዓም+ ኣጽኒዖም ዝሓዙ ስለ ዘለዉኻ፡ ሒደት ነገራት ረኺበልካ ኣለኹ። 15 ከምኡ ድማ፡ ንትምህርቲ ኑፋቐ ኒቆላዎስ ኣጽኒዖም ዝሓዙ እውን ኣለዉኻ።+ 16 እምበኣር፡ ተነሳሕ። እንተ ዘይኰነስ፡ ቀልጢፈ ኽመጸካ፡ በቲ ነዊሕ ሰይፊ ኣፈይ እውን ክዋግኦም እየ።+
17 “‘እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦+ ነቲ ዚስዕር፡+ ገለ ኻብቲ ሕቡእ ማና ኽህቦ እየ፣+ ጻዕዳ ጸጸር እውን ክህቦ እየ፣ እቲ ጸጸር ድማ ብዘይካ እቲ እተቐበሎስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም እተጻሕፎ እዩ።’
18 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ትያቲራ+ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡+ ኣእጋሩ እውን ጽሩይ ነሓሲ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 19 ‘ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ተጻዋርነትካን፡ እቲ ግብርኻ እውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ እፈልጥ እየ።
20 “‘ግናኸ፡ ነታ “ነብዪት እየ” እናበለትሲ ንባሮተይ ኪምንዝሩን*+ ንጣኦታት እተሰውአ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡+ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ። 21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ግዜ ሂበያስ፡ ካብ ምንዝርናኣ* ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22 እንሆ፡ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፣ እቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነሲሖም፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። 23 እቲ ውሽጣዊ ሓሳብን* ልብን ዚምርምር፡ ኣነ ምዃነይ ኵለን ጉባኤታት ምእንቲ ኺፈልጣ፡ ንደቃ እውን ብመዓት ክቐትሎም እየ፣ ንነፍሲ ወከፍኩም እውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።+
24 “‘ንዅላትኩም ኣቱም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዘይሰዓብኩም፡ ነቲ “መዓሙቝ ሰይጣን”+ ዚብሃል ድማ ዘይፈለጥኩም ኣብ ትያቲራ ዘለኹም ካልኦት ግና፡ ከምዚ እብለኩም ኣለኹ፦ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ። 25 ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።+ 26 ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታ ግብረይ ዚሕሉን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ክህቦ እየ፣+ 27 እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ እዩ። ንሱ እውን እቶም ህዝቢ ኸም ኣቕሑ መሬት ምእንቲ ኺሰባበሩ፡ ብበትሪ ሓጺን+ ኪጓስዮም እዩ። 28 ኰዀብ ጽባሕ እውን ክህቦ እየ።+ 29 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’