ንሓውካ እንተ ረባሕካዮ
“ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ: ንሓውካ ረባሕካዮ።”—ማቴዎስ 18:15
1, 2. የሱስ ንበደል ዝምልከት ዝሃቦ ተግባራዊ ምኽሪ እንታይ ኢዩ፧
የሱስ ኣገልግሎቱ ንኽውድእ ካብ ሓደ ዓመት ዝውሕድ ግዜ ተሪፍዎ ኣብ ዝነበረ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ ኣድላዪ ትምህርቲ ኣመሓላለፈ። እዚ ድማ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብኡ ከም ቈልዑ ትሑታት ናይ ምዃን ኣድላይነት ኢዩ። ቀጺሉ ኸኣ ነቶም “ናእሽቱ” ከነስሕት ከም ዘይብልናን ነቶም ዝሰሓቱ “ናእሽቱ” ክንሕግዝ ከም ዘለናን የጕልሕ። ካብኡ ድማ የሱስ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ንዝለዓል ዘይምርድዳእ ንምህዳእ ዝጠቅም ተግባራዊ ምኽሪ ይህብ።
2 ነቲ ከምዚ ዝብል ቃላቱ ትዝክሮ ትኸውን:- “ሓውካ እንተ በደለካ: ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ: ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና: ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ: ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ: ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና: ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ።” (ማቴዎስ 18:15-17) ነዚ ምኽሪ እዚ መዓስ ኢና ክንትግብሮ ዝግባእ: ከምኡ ክንገብር ከሎናኸ ኣረኣእያና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
3. ብዛዕባ እቲ ካልኦት ኣብ ልዕሌና ዝፍጽምዎ በደል ከመይ ዝበለ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዝግባእ፧
3 እዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ኵልና ዘይፍጹማት ብምዃንና ከም ንብድል እሞ ይቕረ በሃልቲ ንምዃን ክንጽዕር ከም ዘሎና ኣጕሊሓ ነይራ። ከምኡ ምግባር ዘድሊ ብፍላይ ብጻይና ክርስትያን ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ነገራት ክጐድኣና ከሎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:8) መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ በደል ሸለል ኢልካ ከተሕልፎ—ይቕረ ክትብልን ክትርስዕን—እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ንሰላም ናይታ ጉባኤ ኣበርክቶ ከም ምግባር ገይርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 133:1፣ ምሳሌ 19:11) ይኹን እምበር: ምስ ሓደ ዝጐድኣካ ሓው ወይ ሓፍቲ ዘሎ ምስሕሓብ ከተደቅሶ ከም ዝግብኣካ ኰይኑ ዝስምዓካ ግዜ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቃላት የሱስ መምርሒ ይህበና ኢዩ።
4. እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ካልኦት ክጋገዩ ከለዉ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
4 የሱስ “ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ” ኢሉ ኢዩ መኺሩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምዚ ምግባር ጥበብ ኢዩ። ገለ ናይ ጀርመን ተርጐምቲ ነዚ ሓረግ እዚ በደሉ “ኣብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓይኒ” ኣቕርቦ ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ትርጕሙ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻን ዓይኑን ማለት ኢዩ። ዝዀነ ጸገም ምስቲ ዝምልከቶ ኣብ በይንኹም እንተ ቐሪቡ ንኽዕረ ዝቐለለ ኢዩ። ሓደ ብዘረባ ወይ ብተግባር ዝበደለ ሓው በይንኻ ምስ እትዛረቦ ብቐሊሉ ንጌግኡ ኣፍልጦ ይህብ ይኸውን። ካልኦት ምስ ዝህልዉ እቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ባህሪ ንኽኽሕድ ወይ ንኸማኻኒ ክደፋፍኦ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ጕዳይ “ኣብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓይኒ” ምስ ተቕርቦ ግን እቲ ነገር ዘይምርድዳእ እምበር ሓጢኣት ወይ ኰነ ኢልካ እተገብረ በደል ከም ዘይኰነ ክትግንዘብ ኢኻ። ክልቴኹም ሓንሳእ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ምስ ተቐበልኩምዎ: ዘይጠቅም ነገር ዓቢ ገይርኩም ብምርኣይ እቲ ርክብኩም ክበላሾ ብዘይምፍቃድ ነቲ ጕዳይ ከተደቅስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንዘጋጥመና ንኣሽቱ ምስሕሓባት እውን ከነውዕሎ ንኽእል ኢና።
እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧
5, 6. ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዝሕብሮ ማቴዎስ 18:15 ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ኢያ እትዛረብ: ነዚ ዘመልክትከ እንታይ ኢዩ፧
5 ብልክዕ ክንዛረብ እንተ ዄንና እቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ክብድ ዝበለ ጕዳያት ዝውዕል ኢዩ። የሱስ “ሓውካ እንተ በደለካ [“ሓጥአ:” NW ]” ኢዩ ኢሉ። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እታ ‘ምሕጣእ’ ተባሂላ ዘላ ቃል ንዝዀነ ይኹን ጌጋ ወይ በደል ከተመልክት ትኽእል ኢያ። (እዮብ 2:10፣ ምሳሌ 21:4፣ ያእቆብ 4:17) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዝሕብሮ የሱስ ዝዛረበሉ ዘሎ ጕዳይ ዝኸበደ ኢዩ። እቲ ጕዳይ ከቢድ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ዝበደለ ሰብ “ከም ኣረምን ከም ተጋውን” ከም ዝርአ ዝገብሮ። እዛ ሓረግ እዚኣ እንታይ ማለት ኢያ፧
6 እቶም ነዚ ቃላት እዚ ዝሰምዑ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ደቂ ዓዶም ምስ ኣህዛብ ከም ዘይሓብሩ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። (ዮሃንስ 4:9፣ 18:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:28) ነቶም ትውልዶም ኣይሁድ ዝዀነ ግን ከኣ ነቲ ህዝቢ ዝጭቁንዎ ዝነበሩ ተገውቲ የርሕቕዎም ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ብልክዕ ክንዛረብ እንተ ዄንና ማቴዎስ 18:15-17 ነቲ ብቐሊሉ ይቕረ ክትብለሉን ክትርስዖን እትኽእል ኣብ ብሕትኻ ክወርድ ዝኽእል በደል ወይ ጕድኣት ዘይኰነስ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝውዕል ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 18:21, 22a
7, 8. (ሀ) ከመይ ዝበለ ሓጢኣት ኢዩ ብሽማግለታት ክተሓዝ ዝግብኦ፧ (ለ) ብመሰረት ማቴዎስ 18:15-17 ኣብ መንጎ ክልተ ክርስትያናት ክፍታሕ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ኢዩ፧
7 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ገሊኡ ዝፍጸም ሓጢኣት እቲ ተበዳሊ ይቕረ ክብል ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ንኣምላኽ ምጽራፍ: ክሕደት: ኣምልኾ ጣኦት: ከም ምንዝር: ዝሙት: ከምኡውን ግብረ ሰዶም ዝኣመሰለ ጾታዊ ሓጢኣት ንሽማግለታት (ወይ ካህናት) ክንገር ንሳቶም ድማ ነቲ ጕዳይ ክከታተልዎ ነበሮም። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከምኡ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 5:1፣ 20:10-13፣ ዘሁልቍ 5:30፣ 35:12፣ ዘዳግም 17:9፣ 19:16-19፣ ምሳሌ 29:24) እቲ የሱስ እተዛረበሉ ሓጢኣት ግን ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ክፍታሕ ዝኽእል ምዃኑ ኣስተብህል። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብሓርቘት ወይ ብቕንኢ ተለዓዒሉ ንብጻዩ የካፍእ ይኸውን። ሓደ ክርስትያን ንሓደ ስራሕ ብእንታይ ዓይነት ኣቝሑትን: መዓስ ከም ዝውድኦን ኮንትራት ይገብር ይኸውን። ካልእውን ኣብ ግዜኡ ወይ ኣብቲ እተሰማምዓሉ እዋን ከም ዝኸፍል ቃል ይኣቱ ይኸውን። ሓደ ሰብ ከኣ እቲ ወሃብ ስርሑ እንተድኣ ምሂርዎ ከም ዘይወዳደሮ (ስራሕ ምስ ዝቕይር እውን ከይተረፈ) ወይ ንእተወሰነ ግዜ ናይቲ ወሃብ ስርሑ ዓማዊል ወይ ቦታ ከም ዘይወስድ ቃል ይኣቱ ይኸውን።b ሓደ ሓው ቃሉ እንተ ዘይሓለወ እሞ በቲ ዝገበሮ ድማ ምስ ዘይናሳሕ ብሓቂ ከቢድ ነገር ኢዩ። (ራእይ 21:8) ከምዚ ዝበለ በደል ግን ኣብ መንጎ እቶም ዝምልከቶም ክልተ ሰባት ክድቅስ ዝኽእል ኢዩ።
8 ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ግን እንታይ ምገበርካ፧ ናይ የሱስ ቃላት ሰለስተ ደረጃ ዘለዎ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፉ እስከ ንርኣዮ። ከም ዘይልወጥ ሕጋዊ መስርሕ ዘይኰነስ መንፈስ ናይቲ ቃላት ብምርዳእ ነቲ ፍቕራዊ ሸቶ ፈጺምካ ኣይትረስዕ።
ንሓውካ ክትረብሖ ጽዓር
9. ንማቴዎስ 18:15 ኣብ ተግባር ከነውዕል ከሎና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዝግብኣና እንታይ ኢዩ፧
9 የሱስ “ሓውካ እንተ በደለካ [“ሓጥአ:” NW ] ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ: ንሓውካ ረባሕካዮ” ብምባል ኢዩ ዝጅምር። ብግልጺ እምበኣር እዚ ብግምት ተገይሩ ይኸውን ኢዩ ንዝበልካዮ በደል ዝምልከት ኣይኰነን። ንሓውካ ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ እትኽእል ጌጋ ከም ዝፈጸመን ነገራት ከዐሪ ከም ዘድልዮን ዘርኢ መርትዖ ወይ ንጹር ሓበሬታ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ነገር ክዓቢ ከይሓደግካ ወይ ኣመለኻኽትኡ ሱር ከይሰደደ ከሎ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ሰናይ ኢዩ። ነቲ ጕዳይ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ ምስትንታን ንዓኻ እውን ክጐድኣካ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። እቲ ምዝርራብ ኣብ መንጎኻን መንጎኡን ጥራይ ክኸውን ስለ ዘለዎ: ደጋፊ ንምርካብ ወይ ሰባት ኣባኻ ዘለዎም ኣረኣእያ ምእንቲ ክመሓየሽ ኢልካ ንኻልኦት ካብ ምዝራብ ተቘጠብ። (ምሳሌ 12:25፣ 17:9) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ዕላማኻ ምእንቲ ክትበጽሕ ኢዩ።
10. ሓውና ንኽንረብሕ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
10 ዕላማኻ ሓውካ ንምርባሕ ኢዩ እምበር ንምቕጽዑ: ንምውራዱ: ወይ ንምህሳዩ ኣይኰነን። ብሓቂ በዲሉ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። ክርስትያን ሓውካ ኰይኑ ክቕጽል ከም እትደልዮ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብቲ ንበይንኹም እትገብርዎ ምዝርራብ ህድእ እንተድኣ ኢልካ: ተሪር ቃል ካብ ምውሳእ ወይ ናይ ወቐሳ ድምጺ ካብ ምጥቃም እንተ ተቘጢብካ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍቕራዊ ዝዀነ ምዝርራብ እዚ ክትገብሩ ከለኹም ክልቴኹም ዘይፍጹማት ሓጢኣተኛታት ሰባት ምዃንኩም ኣይትረስዕ። (ሮሜ 3:23, 24) ከም ዘይሓመኻዮን ብቕንዕና ክትሕግዞ ትደሊ ከም ዘለኻን ምስ ኣስተብሃለ ብኡንብኡ መፍትሒ ይርከብ ይኸውን። ብፍላይ ክልቴኹም በዲልኩም ምስ ትዀኑ ወይ እቲ ቀንዲ መሰረት ናይቲ ጕዳይ ዘይምርድዳእ ምስ ዝኸውን ከምዚ ዝበለ ሕያውነት ዘለዎን ንጹርን ኣቀራርባ ምጥቃም ጥበብ ዝመልኦ ኢዩ።—ምሳሌ 25:9, 10፣ 26:20፣ ያእቆብ 3:5, 6
11. ሓደ በዳሊ እንተ ዘይሰምዓና እውን እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
11 ጌጋ ከም እተፈጸመ እሞ እቲ እተፈጸመ ድማ ከቢድ ምዃኑ ንኽርዳእ ምስ እትሕግዞ ንኽናሳሕ ይለዓዓል ይኸውን። ይኹን እምበር: ትዕቢት ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 16:18፣ 17:19) ስለዚ ኣብቲ መጀመርታ ነቲ ጌጋ ተቐቢሉ እንተ ዘይተናስሐ እውን: ናብቲ ስዒቡ ዘሎ ስጕምቲ ንኸይትኸይድ ቍሩብ ትጽበ ትኸውን። የሱስ ‘ሓንሳእ ኪድ ግንሓዮ’ ኣይበለን። ከተዐርዮ እትኽእል ሓጢኣት ብምዃኑ እንደገና ብመንፈስ ናይ ገላትያ 6:1 “ኣብ ትሕቲ ኣርባዕተ ዓይኒ” ክትቀርቦ ፈትን። ይሰልጠካ ይኸውን። (ምስ ይሁዳ 22, 23 ኣረኣእዮ።) ሓጢኣት ከም እተፈጸመ ርግጽ ምስ እትኸውን: ንሱ ግን ምላሽ ምስ ዝኣቢኸ፧
ናይ ብሱላት ሰባት ሓገዝ ምርካብ
12, 13. (ሀ) የሱስ ጌጋ ንምፍታሕ ዝውሰድ ካልኣይ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ በለ፧ (ለ) እዚ ስጕምቲ እዚ ንምፍጻም ዝሕግዝ ኣቐዲምካ ክግበር ዘለዎ ግቡእ ጥንቃቐታት እንታይ ኢዩ፧
12 ከቢድ ጌጋ ምስ እትፍጽም ሰባት ተስፋ ቘሪጾም ቀልጢፎም ክገድፉኻ ትደሊዶ፧ ፈጺምካ ኣይትደልን ኢኻ። ብተመሳሳሊ የሱስ እውን ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ድሕሪ ምውሳድካ: ሓውካ ምሳኻን ምስ ካልኦትን ሓቢሩ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ከምልኽ ንኽትረብሖ ኢልካ ምፍታን ክትገድፎ ከም ዘይብልካ ኢዩ ኣርእዩ። የሱስ ከምዚ ብምባል ካልኣይ ስጕምቲ ገለጸ:- “እንተ ዘይሰምዓካ ግና: ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ: ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።”
13 “ሓደ ወይ ክልተ” ውሰድ ኢዩ ኢሉ። እቲ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ድሕሪ ምውሳድካ ነቲ ጕዳይ ምስ ብዙሓት ካልኦት ክትመያየጠሉ: ንገያሺ ተዓዛቢ ክትነግር: ወይ ነሕዋት ብዛዕባ እቲ ሽግር ክትጽሕፈሎም ትኽእል ኢኻ ኣይበለን። ጌጋ ተፈጺሙ ኢዩ ኢልካ ትኣምን እኳ እንተዀንካ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ነገር ግን ኣይኰነን። ደሓር ከም መካፍኢ ከቝጽረካ ዝኽእል ልክዕ ዘይኰነ ሓበሬታ ክትነዝሕ ኣይትደልን ኢኻ። (ምሳሌ 16:28፣ 18:8) የሱስ ግን ምሳኻ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ተማላእ ኢሉ ኣሎ። ስለምንታይ፧ መን ኢዮምከ ክዀኑ ዝኽእሉ፧
14. ኣብቲ ካልኣይ ስጕምቲ ምሳና መን ኢና ክንወስድ እንኽእል፧
14 ሓጢኣት ምፍጻሙ ከም ዝኣምን ብምግባር ከምኡውን ምሳኻን ምስ ኣምላኽን ሰላም ንኽገብር ኣረዲእካ ንሓውካ ክትረብሕ ኢኻ ትጽዕር ዘሎኻ። ኣብዚ ሸቶ እዚ ምእንቲ ክትበጽሕ: መሰኻኽር ክዀኑ ዝኽእሉ “ሓደ ወይ ክልተ” ሰባት ምሳኻ ክህልዉ ጽቡቕ ኢዩ። ምናልባት ክፍጸም ከሎ ዝነበሩ: ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ንግዲ እተገብረ (ወይ ዘይተገብረ) ጕዳይ ቅኑዕ ሓበሬታ ዘለዎም ክዀኑ ይኽእሉ። ከምዚ ዝበሉ መሰኻኽር ዘይርከቡ እንተ ዀይኖም: እቶም እትወስዶም ሰባት እቲ እተፈጸመ ብሓቂ ጌጋ ድዩ ኣይኰነን ከረጋግጹ ምእንቲ ክኽእሉ ብዛዕባ እቲ ትዘራረቡሉ ዘለኹም ጕዳይ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብተወሳኺውን: ጸኒሑ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ነቲ ዝቐረበ ነገርን እተገብረ ጻዕርን ንምርግጋጽ ናይቲ እተባህለ ነገራት መሰኻኽር ክዀኑ ይኽእሉ። (ዘሁልቍ 35:30፣ ዘዳግም 17:6) ስለዚ ገለልተኛታት ወገን ወይ ዳኛታት ጥራይ ኣይኰኑን: ኣብኡ ምህላዎም ሓውካን ሓዎምን ንምርባሕ ኢዩ።
15. ካልኣይ ስጕምቲ ክንወስድ ከሎና ሽማግለታት ሓገዝቲ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
15 እቶም እትወስዶም ሰባት ግድን ሽማግለታት ጉባኤ ክዀኑ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሽማግለታት ዝዀኑ ብሱላት ሰብኡት በቲ መንፈሳዊ ብቕዓታቶም ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ሽማግለታት ልክዕ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:1, 2) ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምርድዳእን ምዕራይን ተመክሮ ኣለዎም። እቲ በዳሊ ድማ ኣብ ቅድሚ ከምዚኦም ዝበሉ “ውህበት ሰብኡት” ተኣማንነት ንኸርኢ ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ።c (ኤፌሶን 4:8, 11, 12 NW ) ኣብ ቅድሚ ከምዚኦም ዝበሉ ብሱላት ሰባት ምዝራብን ምስኦም ምጽላይን ሓድሽ ሃዋህው ክፈጥር ይኽእል እሞ ነቲ ክዕረ ዘይክእል ዝመስል ዝነበረ ከዐርዮ ይኽእል።—ምስ ያእቆብ 5:14, 15 ኣረኣእዮ።
ንምርብሑ ዝግበር ናይ መወዳእታ ጻዕሪ
16. እቲ የሱስ ዝገለጾ ሳልሳይ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧
16 ካልኣይ ስጕምቲ ነቲ ጕዳይ ከደቅሶ እንተ ዘይክኢሉ: ኣብቲ ሳልሳይ ስጕምቲ ናይ ጕባኤ ተዓዘብቲ ብርግጽ እቱዋት ኢዮም። “ንኣታቶም [ነቲ ሓደ ወይ ክልተ] እንተ ዘይሰምዖም ከኣ: ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና: ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ።” እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
17, 18. (ሀ) ትርጕም ናይቲ “ንማሕበር ንገራ” ዝብል ሓሳብ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ተግባር እነውዕሎ ብኸመይ ኢና፧
17 ኣብቲ ብስሩዕ ዝግበር ኣኼባታት ወይ ፍሉይ ኣኼባ ብምግባር እቲ እተፈጸመ ሓጢኣት ወይ በደል ንብምልእታ እታ ጉባኤ ክዝርዘር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ ብምርኣይ እቲ ግቡእ መስርሕ እንታይ ምዃኑ ክንውስን ንኽእል ኢና። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዓመጸኛ: ህሩፍ: ከምኡውን ሰካር ምስ ዘጋጥም እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ እስከ ንርአ። “ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን: ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ: እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም: ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ። ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ: እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ: ንቓልና ኣይሰምዕን: ህሩፍን ሰካርን እዩ: ከኣ ይበልዎም። ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።”—ዘዳግም 21:18-21 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
18 ናይቲ ሰብኣይ ሓጢኣት እታ ሃገር ብምልእታ ወይ እቶም ናቱ ነገድ ብምሉኦም ኣይኰኑን ዝሰምዕዎን ዝፈርድዎን ነይሮም። ኣብ ክንድኡስ ኣፍልጦ እተዋህቦም “ዓበይቲ” ኢዮም ከም ወከልቲ ናይታ ማሕበር ነቲ ጕዳይ ዝከታተልዎ ነይሮም። (ምስቲ ኣብ ዘዳግም 19:16, 17 ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ‘ኻህናትን እቶም በተን መዓልትታት እቲአን ፈራዶ ዝዀኑን’ ሰባት ዝከታተልዎ ዝነበሩ ጕዳያት ኣረኣእዮ።) ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን ነቲ ሳልሳይ ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እቶም ንጉባኤ ዝውክሉ ሽማግለታት ኢዮም ነቲ ጕዳይ ዝከታተልዎ። እንተ ተኻኢሉ ነቲ ክርስትያን ሓው ምርባሕ ዝብል ሓደ ዓይነት ዕላማ ኢዩ ዘለዎም። ነዚ ድማ ነቲ ጕዳይ ኣቐዲሞም ብዘይምፍራድ ወይ ኣድልዎ ብዘይምርኣይ ሚዛናውያን ኰይኖም ኢዮም ዝሕዝዎ።
19. እቶም ነቲ ጕዳይ ክሰምዑ እተመዘዙ ሽማግለታት እንታይ ክገብሩ ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም፧
19 ነቲ ነጥብታት ክግምግሙ ሓጢኣት ከም እተፈጸመን ዘይተፈጸመን (ወይ ገና ይፍጸም እንተልዩ) ንምርግጋጽ ድማ ነቶም መሰኻኽር ክሰምዑ ክጽዕሩ ኢዮም። ነታ ጉባኤ ካብ ብልሽውናን መንፈስ ዓለምን ክሕልውዋ ኢዮም ዝደልዩ። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ 5:7) ምስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታቶም ብምስምማዕ: ‘በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ክምዕዱ: ነቶም ተቓናቐንቲውን ክገንሑ’ ኢዮም ዝጽዕሩ። (ቲቶስ 1:9) እቲ በዳሊ ከምቶም ናይ የሆዋ ነብዪ “ጸዋዕኩኹም: ኣይመለስኩምን: ተዛረብኩ: ጽን ድማ ኣይበልኩምን: ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም: ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሐሪኹም” ብምባል ብዛዕብኦም ዝጸሓፈ እስራኤላውያን ከይከውን ተስፋ ንገብር።—ኢሳይያስ 65:12
20. የሱስ ከም ዝበሎ እቲ ሓጥእ ምስማዕን ምንሳሕን ምስ ዝኣቢ እንታይ ይግበር፧
20 ብተዛማዲ ክርአ ከሎ ኣብ ውሑድ ኣጋጣሚታት እቲ ሓጥእ ከም ናይ እስራኤላውያን ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘንጸባርቕ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ንጹር ኢዩ። “ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ።” ጐይታ ሰብኣውነት ዘይብልኩም ኩኑ ወይ ጕድኣት ናይ ምፍጻም ባህጊ ይሃሉኹም ኣይበለን። ነቲ ዘይናሳሕ ሓጥእ ካብ ጉባኤ ክወጽእ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ግን ዋላ ሓንቲ ዘማትእ ነገር የብሉን። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) እዚ እውን እንተዀነ ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ሓጥእ ንምርባሕ ሸቶ ኣለዎ።
21. ንሓደ ካብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ እንታይ ክፉት ኣጋጣሚ ኢዩ ዘለዎ፧
21 እዚ ተኽእሎ እዚ ከም ዘሎ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ከምቲ በሪሁ ዘሎ እቲ ውሉድ ካብቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ናይ ቤት ኣቡኡ ወጺኡ ድሕሪ ምጽንሑ ‘ናብ ልቡ ተመልሰ።’ (ሉቃስ 15:11-18) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዝጠቐሰሉ ድማ ገለ በደልቲ ድሕሪ ገለ ግዜ ተናሲሖም “ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 2:24-26) ዝዀነ ይኹን ሓጢኡ ምንሳሕ ዝኣበየ እሞ ካብታ ጕባኤ ዝውገድ ሰብ: ስምረት ኣምላኽ ከምኡውን ምዉቕ ብጻይነትን ሕብረትን ናይቶም እሙናት ክርስትያናት ጐዲልዎ ናብ ልቡ ክምለስ ተስፋ ንገብር።
22. ንሓውና ብኸመይ ክንረብሖ ንኽእል፧
22 የሱስ ንኣረማውያንን ንተገውትን ድሕነት ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ገይሩ ኣይረኣዮምን። እቲ ሓደ ካብ ተገውቲ ዝነበረ ማቴዎስ ዝብሃል ሌዊ ተናስሐ: ብቕንዕና ‘ንየሱስ ሰዓቦ’ ሓደ ካብ ሃዋርያት ክኸውን ከኣ ተመርጸ። (ማርቆስ 2:15፣ ሉቃስ 15:1) በዚ መሰረት እዚ: ሓደ ሓጥእ ሎሚ “ነታ ማሕበር እውን እንተ ዘይሰምዓ” እሞ ካብኣ ምስ ዝውገድ: ድሕሪ ገለ ግዜ ተናሲሑ መገዱ ኣተዓራርዩ ክምለስ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ተመሊሱ እንደገና ኣባል ናይታ ጉባኤ ምስ ኰነ ሓውና ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ንኽምለስ ስለ ዝረባሕናዮ ክንሕጐስ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሶም ዘለዉ ተገውቲ ምስቶም ኣህዛብ ቀጻሊ ርክብ ስለ ዝነበሮም: ብፍታዎም ድማ መሳርሒ ናይቲ ጨቋኒ ብምዃኖም ከም ዓለወኛታትን ከሓድትን ኢዮም ዝቝጸሩ ነይሮም። ምስ ሓጢኣተኛታት ኢዮም ዝምደቡ ነይሮም። . . . የግልልዎም ስለ ዝነበሩ ዋላ ሓደ ካብቶም ተራ ህዝቢ ምስኦም ዝሓብር ኣይነበረን። ኣዕሩኽ ወይ ብጾት ዝዀኑዎም ካብቶም ከምኦም ዝበሉ በቲ ሕብረተሰብ እተጠልዩ ሰባት ኢዮም ዝረኽቡ።”
b ምትላል: ምድንጋር: ወይ ሽጣራ ዘለዎ ንግዲ ወይ ገንዘብ ኣብቲ የሱስ ጠቒስዎ ዘሎ ሓጢኣት ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ዘመልክት ድማ የሱስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዘሎ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ ብዛዕባ ገንዘብ እተለቅሑ እሞ ምኽፋል ዝሰኣኑ ባሮት መብርሂ ሃበ።
c ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “ሓድሓደ ግዜ እቲ በዳሊ ካብ ናይ ሓደ ሰብ ንናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት (ብፍላይ ክብሪ ዝወሃቦም ሰባት ምስ ዝዀኑ) ምኽሪ ዝያዳ የቕልበሉ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ምስቲ መባእስቱ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምስ ዝህልዎ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
ትዝክሮዶ፧
◻ ማቴዎስ 18:15-17 ብቐዳምነት ኣብ እንታይ ዓይነት ሓጢኣት ኢዩ ዝውዕል፧
◻ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ክንወስድ እንተድኣ ኴንና እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
◻ ናብቲ ካልኣይ ስጕምቲ ክንከይድ እንተድኣ ኴንና መን ኢዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ፧
◻ እቲ ሳልሳይ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ እቱዋት ዝዀኑ መን ኢዮም: ንሓውና ክንረብሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣይሁድ ምስ ተገውቲ ኣይቀርቡን ኢዮም ነይሮም። ማቴዎስ መገዱ ኣዐርዩ ንየሱስ ሰዓቦ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝለዓል ሽግር “ኣብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓይኒ” ክንፈትሖ ንኽእል ኢና