ምዕራፍ 9
“ሓደ ልቢ ኽህቦም . . . እየ”
ኣትኵሮ፦ ፍረ ነገር ምምላስ ንጹህ ኣምልኾን ኣብ ትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ከም ዝማዕበለን
1-3. ባቢሎናውያን ንኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ኢሎም እዮም ዜላግጹሎም ዝነበሩ፧ ስለምንታይከ፧
ኣብ ከተማ ባቢሎን እትነብር እሙን ኣይሁዳዊ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ተማሪኽካ ምስ ህዝብኻ ኻብ እትውሰድ፡ ፍርቂ ዘመን ዚኸውን ሓሊፉ እዩ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከም ልማድካ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ምስ ብጾትካ ኽትእከብ ኢኻ። በቲ ብዙሕ ሰብ ጃርጃር ዚብለሉ ጐደናታት ኣቢልካ ኽትከይድ ከለኻ፡ ብጥቓ ማእለያ ዘይብሉ ኣብያተ መቕደስ ትሓልፍ። ናብኡ ዚውሕዙ ብዙሓት ህዝቢ ድማ ንኸም ማርዱክ ዝኣመሰሉ ኣማልኽቶም መስዋእቶም የቕርቡን ማህሌት ይዝምሩን ኣለዉ።
2 ካብቶም ህዝቢ ርሒቕካ፡ ምስቶም ብጾትካ ዝዀኑ ሒደት ኣምለኽቲ ትራኸብ።a ብሓባር ንምጽላይን ንምዝማርን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንምስትንታንን ከኣ ናብ ጸጥ ዝበለ ቦታ፡ ምናልባት ናብ ጥቓ ፈለግ እታ ኸተማ ትኸዱ። ብሓባር ኴንኩም ኽትጽልዩ ኸለኹም፡ እተን ኣብ ገምገም እቲ ፈለግ እተኣስራ ጃለቡ ዓቐቕ ኪብላ ትሰምዐን። ኣብቲ ቦታ እቲ እተወሰነ ሰላም ብምርካብኩም፡ እፎይታ ይስምዓካ። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ኸምቲ ብዙሕ ሳዕ ዚገብርዎ ኸይረኽቡኹምን ንኣኼባኹም ከይርብሽዎን ትምነ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧
3 ባቢሎን ኣብ ውግእ ምዕዋት ልማዳ ዀይኑ ነይሩ እዩ፣ እቶም ህዝባ ድማ ንብርታዐ እታ ኸተማ ኻብ ናይ ሓሶት ኣማልኽታ ኸም ዝረኸበቶ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። የሩሳሌም ጠሪሳ ምጥፋኣ፡ ብዓይኒ ባቢሎናውያን፡ ኣምላኾም ማርዱክ ካብ የሆዋ ኸም ዚሕይል ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽካን ንህዝብኻን መላገጺ ገይሮምኹም ኣለዉ። ሓድሓደ ግዜ፡ “ሓደ ኻብ መዝሙራት ጽዮን ዘምሩልና” እናበሉ የላግጹልኩም እዮም። (መዝ. 137:3) ሓያሎ መዝሙራት ነቲ ጽዮን ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ እትረኽቦ ዓወት ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። ምናልባት እቶም ባቢሎናውያን ነተን መዝሙራት እቲአን ኣደዳ ላግጺ ኺገብርወን ይደልዩ ይዀኑ። ገሊኡ መዝሙራት ግና፡ ብዛዕባ ባቢሎናውያን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መዝሙር፡ “ንቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣርኪሶምዋ፣ . . . ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ” ትብል እያ።—መዝ. 79:1, 3, 4።
4, 5. ትንቢት ህዝቅኤል እንታይ ተስፋ ይህብ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ክንርኢ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
4 ብዘይካዚ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ነብያቱን ዘሎካ እምነት ዜላግጹልካ ኸሓድቲ ኣይሁድ እውን ኣለዉ። ላግጾም ብዘየገድስ ግና፡ ንጹህ ኣምልኾ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን የጸናንዓኩም እዩ። ብሓባር ምጽላይን ምዝማርን ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረልኩም እዩ። ቃል ኣምላኽ ምንባብ ከኣ የደዓዕሰኩም እዩ። (መዝ. 94:19፣ ሮሜ 15:4) ሓደ ኻብቶም ምሳኻትኩም ዚእከብ ብጻይኩም ግና፡ ትንቢት ህዝቅኤል ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዙ ኸም ዝመጸ ጌርካ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንህዝቡ ናብ ዓዶም ኪመልሶም ምዃኑ ኸም ዘተስፈወ ምስማዕ ትፈቱ ኢኻ። እቲ ትንቢት ብዓውታ ኺንበብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ስድራ ቤትካ ናብ ዓድኻ ተመሊስካ ኣብቲ ልቢ ዚሰልብ ግዜ ምምላስ እጃምካ እተበርክተሉ እዋን ተስተንትን፣ እዚ ድማ ንልብኻ ብፍስሃ ይመልኦ።
5 ትንቢት ህዝቅኤል ብተደጋጋሚ ተስፋ ምምላስ ተቃልሕ እያ። ነቲ ተስፋ ዝሓዘለ ፍረ ነገር እስከ ንምርምሮ። እቲ ተስፋታት እቲ ነቶም ምሩኻት ብኸመይ ተፈጺሙሎም፧ እቲ ትንቢታትከ ኣብዚ ግዜና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ኣብ ገሊኡ መዳይ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚህልዎ ናይ መወዳእታ ፍጻመ እውን ክንርኢ ኢና።
“ናብ ስደት፡ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም”
6. የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቡ ኸመይ ገይሩ እዩ ብተደጋጋሚ ዘጠንቀቖም፧
6 የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ንህዝቡ ስለቲ ዓለወኛ መገዶም ከመይ ገይሩ ኸም ዚቐጽዖም ብንጹር ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። “ናብ ስደት፡ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ህዝ. 12:11) ኣብ ምዕራፍ 6 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ህዝቅኤል ነቲ ፍርዲ እቲ ብተዋስኦ ኣቕሪብዎ ነይሩ እዩ። እቲ መጠንቀቕታ ግና ንፈለማ ግዜ እተዋህበ ኣይነበረን። የሆዋ ኻብቲ ዳርጋ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ ዝነበረ ግዜ ሙሴ ኣትሒዙ፡ ህዝቡ ብመገዲ ዕልወት እንተ ተመላሊሶም፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ኸም ዚወስዶም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 28:36, 37) ከም እኒ ኢሳይያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ነብያት እውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቦም ነይሮም እዮም።—ኢሳ. 39:5-7፣ ኤር. 20:3-6።
7. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ቐጺዕዎም፧
7 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነቲ መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ እዮም ሂቦምዎ። ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ብምኽንያት እቲ ህዝቡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኽፉኣት ጓሶት ኰይኖም ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕልወትን ኣምልኾ ጣኦትን ጥልመትን ብልሽውናን ልቡ ተሰብረ። ስለዚ ድማ ኣደዳ ጥሜት ከም ዝዀኑ ገበረ፣ እታ ምድሪ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ስለ ዝነበረት ከኣ፡ እዚ መዓትን ውርደትን እዩ ነይሩ። (ህዝ. 20:6, 7) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኸምቲ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ዝነገሮም፡ ነቶም ነቓጻት ህዝቡ ናብ ምርኮ ብምስዳድ ቀጽዖም። ብ607 ቅ.ክ.፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ኣጥፍአን። ብህይወት ዝተረፉ ኣሽሓት ኣይሁድ ድማ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ። ኣብኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ኣደዳ ላግጽን ተቓውሞን ኰኑ።
8, 9. ኣምላኽ ንክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ብዛዕባ ኽሕደት እንታይ መጠንቀቕታታት እዩ ሂብዋ፧
8 ንክርስትያናዊት ጉባኤኸ ኸምቲ ንምሩኻት ባቢሎን ዘጋጠሞም ነገር ኣጋጢምዋዶ፧ እወ ኣጋጢምዋ እዩ። ከምቲ ጥንቲ ንዝነበሩ ኣይሁድ መጠንቀቕታ እተዋህበ፡ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። የሱስ ኣብ ኣጋ መጀመርታ ኣገልግሎቱ፡ “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 7:15) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ እዩ፦ “ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምን ነቲ መጓሰ ኸም ዘየናሕስዩሉን፡ እፈልጥ እየ፣ ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም።”—ግብ. 20:29, 30።
9 ክርስትያናት ነቶም ሓደገኛታት ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዜለልይዎምን ከመይ ገይሮም ካባታቶም ከም ዚርሕቁን ተማሂሮም ነይሮም እዮም። ክርስትያን ሽማግለታት ንኸሓድቲ ኻብ ጉባኤ ኼወግዱ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 1:19፣ 2 ጢሞ. 2:16-19፣ 2 ጴጥ. 2:1-3፣ 2 ዮሃ. 10) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጥንቲ ኣብ ዝነበራ እስራኤልን ይሁዳን እተገብረ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ነቲ ብፍቕሪ እተዋህበ መጠንቀቕታ በብቝሩብ ጸማም እዝኒ ሂቦምዎ እዮም። ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ ክሕደት ኣብታ ጉባኤ ሱር ሰዲዱ ነይሩ እዩ። እቲ ኽሳዕ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብህይወት ዝነበረ ዮሃንስ፡ እታ ጉባኤ ብኸምዚ ዝበለ ብልሽውናን ዕልወትን ተጠቒዓ ምንባራ ተዓዚቡ እዩ። ነቲ እከይ እቲ ዚኽልክል ንሱ ጥራይ እዩ ተሪፉ ነይሩ። (2 ተሰ. 2:6-8፣ 1 ዮሃ. 2:18) እሞ ደኣ ድሕሪ ሞት ዮሃንስ እንታይ እዩ ዀይኑ፧
10, 11. ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ብኸመይ ተፈጺሙ፧
10 ድሕሪ ሞት ዮሃንስ፡ እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኪፍጸም ጀመረ። (ማቴዎስ 13:24-30 ኣንብብ።) ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ሰይጣን ኣብታ ጉባኤ “ኽርዳድ” ወይ ኣምሰሉ ክርስትያናት ዘርአ፣ ብልሽውና እታ ጉባኤ ኸኣ ፍጥነቱ ወሲኹ። የሆዋ፡ እታ ወዱ ዝሰረታ ጉባኤ ብኣምልኾ ጣኦትን ብኣረማዊ በዓላትን ልማዳትን በቲ ኻብ ፈላስፋታትን ካብ ሰይጣናዊ ሃይማኖታትን እተኣታተወ ናይ ሓሶት ሰረት እምነታትን ክትበላሾ ኸላ ምስ ረኣየስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ልቡ ተሰይሩ ኪኸውን ኣለዎ! እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ገይሩ፧ ከምቲ ነቶም ጠላማት እስራኤላውያን ዝገበሮም፡ ነዞም ህዝቡ እውን ናብ ምርኮ ኺውሰዱ ሓደጎም። ካብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ንደሓር፡ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ክርስትያናት በቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ተዋሕጡ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ምርኮ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኣተወት፣ እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ድማ ምስታ ብልሽውቲ ሃጸያዊት ግዝኣት ተዋሃሃዱ። እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት እናሰሰኑ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ህዝበ ክርስትያን ተፈጥረት።
11 ኣብ ብምሉኡ እቲ ህዝበ ክርስትያን ዓብሊላትሉ ዝነበረ እዋን ጸልማት፡ እተወሰኑ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ወይ “ስርናይ” ነይሮም እዮም። ከምቶም ኣብ ህዝቅኤል 6:9 እተገልጹ ምሩኻት ኣይሁድ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይዝክርዎ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብትብዓት ንናይ ሓሶት ሰረተ እምነት ህዝበ ክርስትያን ተቓዊሞምዎ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ኣደዳ ላግጽን መስጐጕትን ኰይኖም እዮም። እሞ ደኣ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ንሓዋሩ ኺሓድጎም ሓሊኑ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋልን። ከምቲ ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ዝዀነ፡ የሆዋ ንቝጥዓኡ ብልክዕ መጠንን ንግቡእ ንውሓት ግዜን እዩ ዚገልጽ። (ኤር. 46:28) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዘይ ተስፋ ኣይሓደጎምን። ናብቶም ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ንመለስ እሞ፡ የሆዋ ብዛዕባ መወዳእታ ምርኮኦም ብኸመይ ተስፋ ኸም ዝሃቦም እስከ ንርአ።
“ቍጥዓይ ኪውዳእ [እዩ]”
12, 13. እቲ የሆዋ ኣብቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ምሩኻት ህዝቡ እተቘጥዖ ቝጥዓ ኣማስያኡ ዝዘሓለ ስለምንታይ እዩ፧
12 የሆዋ ንህዝቡ እተቘጥዖ ቝጥዓ ብግሁድ ገሊጽዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ጻድቕ ቍጥዓኡ ንሓዋሩ ኸም ዘይቅጽል እውን ኣረጋጊጹሎም እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ቍጥዓይ ኪውዳእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎኒ ነድሪ እውን ኪዝሕል፡ ሃናይ እውን ከውጽእ እየ። ነድረይ ኣባታቶም ፈንየ ምስ ወዳእኩ፡ ኣነ የሆዋ ንበይነይ ተወፋይነት ብምድላየይ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም።” (ህዝ. 5:13) ስለምንታይ ደኣ እዩ ኣማስያኡ ነድሪ የሆዋ ዚዝሕል፧
13 ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት፡ ምስቶም ጠላማት ተለኪሞም እተወስዱ እሙናት ኣይሁድ ነይሮም እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣምላኽ ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ ገለ ኻብ ህዝቡ ኣብ ምርኮ ኸለዉ ኸም ዚንስሑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እቶም እተጣዕሱ ኣይሁድ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ብምዕላው ዝገበርዎ ዜሕፍር ነገር ከም ዚጽብጽቡ፡ ካብ የሆዋ ድማ ይቕረታን ሞገስን ከም ዚልምኑ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 6:8-10፣ 12:16) ህዝቅኤል ሓደ ኻብቶም እሙናት እዩ ነይሩ፣ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን እውን ካብቶም እሙናት እዮም ነይሮም። ዳንኤል ንነዊሕ እዋን ብህይወት ስለ ዝነበረ፡ መጀመርታን መወዳእታን እቲ ምርኮ ኺርኢ ኽኢሉ እዩ። እቲ ብሓጢኣት እስራኤል ተነሲሑ ኻብ ልቡ ዝጸለዮ ጸሎት ከኣ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 9 ተመዝጊቡ ኣሎ። ስምዒታቱ ድማ ንስምዒት እቶም ካብ የሆዋ ይቕረታን በረኸትን ንምርካብ ሃረር ዚብሉ ኣሽሓት ምሩኻት ዚውክል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቅኤል ብመንፈስ ተደሪኹ እቶም ህዝቢ ሓራ ኸም ዚወጹን ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱን ዘተስፈዎ ተስፋስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ልቢ ዚሰልብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ!
14. ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንህዝቡ ናብ ዓዶም ዝመለሶም፧
14 ይኹን እምበር፡ ህዝቢ የሆዋ ሓራ ዚወጹሉን ናብ ዓዶም ዚምለሱሉን ዝያዳ ኣገዳሲ ረቛሒ ነይሩ እዩ። ካብቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ምርኮ ሓራ ዝወጹ፡ ንሳቶም ዚግብኦም ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ዚቕድሰሉ ግዜ ስለ ዝኣኸለ እዩ። (ህዝ. 36:22) ድሕርዚ ድማ እቶም ባቢሎናውያን፡ እቶም ከም ማርዱክ ዝኣመሰሉ ኣጋንንቲ ዝዀኑ ኣማልኽቶም ምስቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘይዳረጉ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኪፈልጡ እዮም። የሆዋ ንህዝቅኤል ብመንፈሱ ደሪኹ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻት ዝገለጸሎም ሓሙሽተ ተስፋታት እስከ ንርአ። ፈለማ፡ ነቲ ተስፋታት በብሓደ እናዘርዘርና ነቶም እሙናት እንታይ ትርጉም ከም ዝነበሮ ንርአ። ድሕሪኡ፡ እቲ ተስፋታት ብኸመይ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም እተፈጸመ ኽንርኢ ኢና።
15. ኣብ ሃይማኖታዊ ተግባራት እቶም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ህዝቢ እንታይ ለውጢ እዩ ዚህሉ፧
15 ተስፋ 1። ኣምልኾ ጣኦት ኰነ ኻልእ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ጽዩፍ ተግባራት ደጊም ኣይህሉን። (ህዝቅኤል 11:18፣ 12:24 ኣንብብ።) ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ብኸም ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተበኪለን እየን ነይረን። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ተበላሽዮምን ካብ ኣምላኽ ርሒቖምን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ እቶም ምሩኻት ናብቲ ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ ዚህልወሉ እዋን ኬማዕድዉ ኸም ዚኽእሉ ተነበየ። ኵሉ እቲ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ዚረኽብዎ በረኸት፡ ኣብቲ ቐንዲ ነገር፡ ማለት ኣብቲ ኣምላኽ ንንጹህ ኣምልኾ ንምምላስ ዝገበሮ መሰናድዎ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ።
16. የሆዋ ብዛዕባ እታ ህዝቡ ዚምለስዋ ዓዲ እንታይ ኢሉ እዩ ዘተስፈወ፧
16 ተስፋ 2። ናብ ዓዶም ይምለሱ። የሆዋ ነቶም ምሩኻት፡ “ምድሪ እስራኤል . . . ክህበኩም እየ” በሎም። (ህዝ. 11:17) እቶም መባጨውቲ ዝዀኑ ባቢሎናውያን ነቶም ምሩኻት ህዝቢ ኣምላኽ ናብታ ዚፈትዉዋ ዓዶም ብዛዕባ ምምላስ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ይህብዎም ስለ ዘይነበሩ፡ እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 14:4, 17) ብዘይካዚ፡ እቶም ተመለስቲ እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ፡ እታ ምድሪ ፍርያም ከም እትኸውን፡ ዜድልዮም ምግብን ዕዮን ከም እትህቦም ኣተስፍይዎም እዩ። እቲ ጥሜት ዜስዕቦ ውርደትን ጸበባን ነበርያ ነበረ ኪኸውን እዩ።—ህዝቅኤል 36:30 ኣንብብ።
17. ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ እንታይ ተስፋ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
17 ተስፋ 3። መባእ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ዳግም ኪቐርብ ይጅምር። ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ መስዋእትን መባእን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣገዳሲ ኽፋል ንጹህ ኣምልኾ እዩ ነይሩ። እቶም ተመለስቲ ምሩኻት እዙዛትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃትን ክሳዕ ዝዀኑ፡ መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ይኸውን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ሓጢኣቶም ኪተዓረቑን ንኣምላኽ ኪቐርብዎን ይኽእሉ። ስለዚ ድማ የሆዋ፡ “ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምሲ፡ . . . ኣብታ ምድሪ ኼገልግሉኒ እዮም። . . . ኣነ ኣብኡ ብኣታቶም ባህ ኪብለኒ፣ መባእኩምን በዅሪ መስዋእትኹምን፡ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ህዝ. 20:40) እወ፡ ንጹህ ኣምልኾ ብሓቂ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ እውን በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።
18. የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚጓስዮም እዩ ዘተስፈወ፧
18 ተስፋ 4። እቶም ክፉኣት ጓሶት ተመምዮም ይወጹ። ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ጌጋታት ዝገበሩሉ ሓደ ቐንዲ ምኽንያት፡ በቶም ዚመርሕዎም ዝነበሩ ብልሹዋት ሰባት ይጽለዉ ብምንባሮም እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ነዚ ኸም ዚልውጦ ኣተስፈዎም። ብዛዕባ እቶም ክፉኣት ጓሶት ከኣ፡ “ንኣባጊዐይ ከየብልዑ እውን ክሰጕጎም እየ፣ . . . ንኣባጊዐይ ካብ ኣፎም ከናግፈን እየ” በለ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ፡ “ንኣባጊዐይ ክኣልየን እየ” ኢሉ መረጋገጺ ሃቦም። (ህዝ. 34:10, 12) ከመይ ገይሩ እዩ ነዚ ዚገብሮ፧ እሙናት ሰባት ከም ጓሶት ገይሩ ብምጥቃም እዩ ዚገብሮ።
19. የሆዋ ብዛዕባ ሓድነት እንታይ እዩ ኣተስፍዩ፧
19 ተስፋ 5። ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድነት ይህሉ። እሙናት ኣምለኽቲ ነቲ ቕድሚ ምርኮ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ኽፍፍል ኪርእዩ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ይጕህዩ ምንባሮም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። እቶም ህዝቢ ብናይ ሓሶት ነብያትን ብብልሹዋት ጓሶትን እናተጸልዉ፡ ካብቶም ንየሆዋ ዚውክሉ እሙናት ነብያት ይዓልዉ ነይሮም እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን እቶም ህዝቢ ተጐጃጂሎም ንሓድሕዶም ይጻብኡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ ባህ ዜብል መዳያት እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ “ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ እውን ኣብ ውሽጦም ከንብር እየ” ዚብል እዩ ነይሩ። (ህዝ. 11:19) እቶም ተመለስቲ ኣይሁድ ምስ የሆዋ ኣምላኽን ምስ ብጾቶምን ሓድነት ክሳዕ ዝሃለዎም፡ ዋላ ሓደ ተጻራሪ ኺስዕሮም ኣይክእልን እዩ። ብደረጃ ህዝቢ ድማ ንየሆዋ ተወሳኺ ጸርፍን ውርደትን ዘይኰነስ፡ ክብሪ ኼምጽኡሉ ዜኽእል ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ።
20, 21. ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ህዝቢ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧
20 እሞኸ፡ እዚ ሓሙሽተ ተስፋታት ኣብቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ ተፈጺሙዶ፧ እቲ ብተኣማንነት እተመላለሰ ጥንቲ ዝነበረ እያሱ ኸምዚ ዚስዕብ ከም ዘበለ ኽንርስዕ የብልናን፦ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።” (እያ. 23:14) ብግዜ እያሱ ኸምኡ እዩ ዀይኑ፣ ብግዜ እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ምሩኻት እውን ከምኡ እዩ ዀይኑ።
21 ኣይሁድ ነቲ ኻብ የሆዋ ዘርሓቖም ኣምልኾ ጣኦትን ነቲ ጽዩፍ ተግባራት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ኣርሒቖም እዮም። ዘይከውን ዚመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብኣ ኺነብሩን ኪሓርስዋን ፍሪኣ ኺሓፍሱን ጀሚሮም እዮም። ሓደ ኻብቲ ኣብ ፈለማ ዝገበርዎ ነገር፡ መሰውኢ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ዳግም ምስራሕን ኣብኡ ቕቡል መስዋእቲ ምቕራብን እዩ ነይሩ። (እዝ. 3:2-6) የሆዋ ኸኣ ሕያዎት መንፈሳውያን ጓሶት ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ። ገለ ኻባታቶም እቲ እሙን ካህንን ቀዳሕን ዝነበረ እዝራ፡ እቶም ሹማምንቲ ዝነበሩ ነህምያን ዘሩባቤልን፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱ፡ እቶም ነብያት ዝነበሩ ሃጌን ዘካርያስን ሚልክያስን ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። እቶም ህዝቢ ንመንፈሳዊ መምርሒ ኽሳዕ ዝሰምዑ፡ ቅድሚኡ ንነዊሕ እዋን ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ሓድነት የስተማቕሩ ነይሮም እዮም።—ኢሳ. 61:1-4፣ ኤርምያስ 3:15 ኣንብብ።
22. ናይ ፈለማ ፍጻመ እቲ ብዛዕባ ምምላስ እተዋህበ ትንቢታት ንዝዓበየ ፍጻመ ዜመልክት ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
22 ናይ ፈለማ ፍጻመ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ምምላስ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ! እቲ ፍጻመ ግና ንዝዓበየ ፍጻመ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ እቲ ተስፋታት ኣብ ኵነት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ነቲ ተስፋታት ዚፍጽሞ፡ በቲ እቶም ህዝቢ እዙዛት ዝዀኑሉ መጠን እዩ ነይሩ። ጸኒሖም፡ ኣይሁድ መሊሶም ዘይእዙዛትን ዓለወኛታትን ኰይኖም እዮም። ከምቲ እያሱ ዝበሎ ግና፡ ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ተስፋታት ብዝዓበየ ደረጃን ዝያዳ ነባሪ ብዝዀነ መገድን ኪፍጸም ነይርዎ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝዀነ እስከ ንርአ።
“ብኣኻትኩም ባህ ኪብለኒ እዩ”
23, 24. “ግዜ ምምላስ ኵሉ” መዓስን ብኸመይን እዩ ጀሚሩ፧
23 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀንና፡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ናብ መወዳእታ ዜንቈልቍለሉ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝጀመረ ንፈልጥ ኢና። ንኣገልገልቲ የሆዋ ግና እዚ ዜሕዝን እዋን ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ካብ 1914 ኣትሒዝና ልቢ ኣብ ዚሰልብ እዋን ኢና ዘለና፣ እዚ ኸኣ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ተባሂሉ ኣሎ። (ግብ. 3:21) እዚ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ብ1914 ኣብ ሰማይ እንታይ ድዩ ዀይኑ፧ የሱስ ክርስቶስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ደዪቡ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ምስ ምምላስ ዚተሓሓዝ፧ የሆዋ ንንጉስ ዳዊት፡ ንግስና ኣብ ወለዶኡ ንዘለኣለም ከም ዚጸንዕ ቃል ኣትዩሉ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 17:11-14) እቲ ንግስና እቲ ኸኣ፡ ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ እሞ ንግዝኣት ነገስታት ወለዶ ዳዊት መወዳእታ ምስ ገበሩሉ፡ ኣብቂዑ ነይሩ እዩ።
24 የሱስ “ወዲ ሰብ” ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት እዩ ነይሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጋዊ ወራሲ ንግስና ዳዊት እዩ ነይሩ። (ማቴ. 1:1፣ 16:13-16፣ ሉቃ. 1:32, 33) ብ1914 የሆዋ ንየሱስ ሰማያዊ ዝፋን ምስ ሃቦ፡ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ጀሚሩ እዩ! ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ እቲ የሆዋ በቲ ፍጹም ንጉስ ገይሩ ዕዮ ምምላስ ዚዓይየሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱ እዩ።
25, 26. (ሀ) ንነዊሕ ዝጸንሐ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን መዓስ ኣብቂዑ፧ (“ስለምንታይ 1919፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) ካብ 1919 ንደሓር እንታይ ኪፍጸም ጀሚሩ፧
25 ሓደ ኻብቲ ክርስቶስ ንጉስ ምስ ኰነ ኣብ ፈለማ ዝገበሮ ተግባራት፡ ምስ ኣቦኡ ሓቢሩ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ መሰናድዎ ንጹህ ኣምልኾ ምምርማር እዩ ነይሩ። (ሚል. 3:1-5) ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን እተነበዮ፡ ነቲ ስርናይ ካብ ክርዳድ ምፍላዩ፡ ማለት ነቶም ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ካብቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ምፍላዮም ዘይከኣል እዩ ዀይኑ ነይሩ።b ድሕሪኡ ግና ግዜ ቐውዒ ብ1914 ኣኸለ፡ እቲ ፍልልዮም ከኣ ንጹር ኰነ። ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እሙናት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዚግበር ዝነበረ ኸቢድ ጌጋታት ኬቃልዑን ካብታ ብልሽውቲ ውድብ ገዛእ ርእሶም ኪፈልዩን ጸኒሖም እዮም። የሆዋ ንዓታቶም ምሉእ ብምሉእ ናብ ንጹህ ኣምልኾ ዚመልሰሉ እዋን ኣኺሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መጀመርታ 1919፡ ካብቲ “ግዜ ቐውዒ” ዝጀመረሉ ሒደት ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዀኑ። (ማቴ. 13:30) እቲ ምርኮ ኣብቅዐ!
26 ካብ ሽዑ ንነጀው፡ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተነበዮ ትንቢታት፡ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ኣጸቢቑ ዝዓበየ ፍጻመ ኺረክብ ጀመረ። ሕጂ እምበኣር፡ እቲ ኣቐዲምና ዝመርመርናዮ ሓሙሽተ ተስፋታት ከመይ ኢሉ ብዝዓበየ ደረጃ ኸም እተፈጸመ እስከ ንርአ።
27. ኣምላኽ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ኣንጺህዎም፧
27 ተስፋ 1። ኣምልኾ ጣኦትን ካልእ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ጽዩፍ ተግባራትን የብቅዕ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመንን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመንን፡ እሙናት ክርስትያናት ኪእከቡን ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬወግዱን ጀመሩ። ኣምልኾ ስላሴን እምነት ዘይትመውት ነፍሲ ሰብን ሰረተ እምነት ገሃነም እሳትን ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሱር ዝሰደደ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ብምዃኑ ተወገደ። ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ከኣ ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ ተቓልዐ። መስቀል ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ድማ፡ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ በብቝሩብ ነጸረ።—ህዝ. 14:6።
28. ብኸመይ እዮም ህዝቢ የሆዋ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኪብሃል ዚከኣል፧
28 ተስፋ 2። ህዝቢ ኣምላኽ ናብ መንፈሳዊ ዓዶም ይምለሱ። እሙናት ክርስትያናት ንባቢሎናዊ ሃይማኖት ሓዲጎም ምስ ወጹ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ደጊም ናብ ዘይጠምዩላ መንፈሳዊ ዓዶም፡ ወይ ናብ እተባረኸ ዅነታት ወይ ሃዋህው እዮም ኣትዮም። (ህዝቅኤል 34:13, 14 ኣንብብ።) ኣብ ምዕራፍ 19 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ እቲኣ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንፈሳዊ ምግቢ ባሪኽዋ እዩ።—ህዝ. 11:17።
29. ብ1919 ዕዮ ስብከት ኪጐሃሃር ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧
29 ተስፋ 3። መባእ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ዳግም ኪቐርብ ይጅምር። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ክርስትያናት ንኣምላኽ፡ ቃል ብቓሉ መስዋእቲ እንስሳታት ዘይኰነስ፡ ካብኡ ኣጸቢቑ ዚበልጽ መባእ ኬቕርቡ ኸም ዘለዎም ተማሂሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ንውዳሰ የሆዋ ዚዝረብ ቃላትን ብዛዕባኡ ንሰባት ዚእወጅ ስብከትን እዩ። (እብ. 13:15) ኣብቲ ኣብ ምርኮ ዝነበሩሉ ዘመናት፡ ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ዜቕርቡሉ እተወደበ መሰናድዎ ኣይነበረን። እቲ ምርኮ ናብ ምብቃዑ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ መስዋእቲ ውዳሰ የቕርቡ ነይሮም እዮም። ኣብ ዕዮ ስብከት ተጸሚዶም ነይሮም እዮም፣ ኣብ ኣኼባታቶም ድማ ተሓጒሶም ንኣምላኽ ይውድስዎ ነይሮም እዮም። ካብ 1919 ንደሓር፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ኣትኵሮ ኺገብር ጀመረ፡ ነቲ ዕዮ እውን ጽቡቕ ገይሩ ወደቦ። (ማቴ. 24:45-47) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ መሰውኢ የሆዋ በቲ እቶም ብዝሖም እናወሰኸ ዚኸይድ ወደስቲ እቲ ቕዱስ ስም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ጀርበበ።
30. የሱስ ንህዝቡ ዚጓስዩ ሕያዎት ጓሶት ንምድላው እንታይ ገይሩ፧
30 ተስፋ 4። እቶም ክፉኣት ጓሶት ተመምዮም ይወጹ። ክርስቶስ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐይዩ ብልሹዋት ጓሶት ህዝበ ክርስትያን ሓራ ኣውጽኦም። ኣብ መጓሰ ክርስቶስ ድማ፡ እቶም ብተግባሮም ከም ናይ ሓሶት ጓሶት ምዃኖም ዘርኣዩ ዘበሉ፡ ካብ ሓላፍነት ጕስነቶም ተኣልዩ። (ህዝ. 20:38) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ፡ ንኣባጊዑ ኽንክን ከም ዚግበረለን ገበረ። ብ1919፡ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ሸመ። እቶም ሒደት ዝኣባላቶም ጕጅለ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምቕራብ ኪመርሑ ብምጅማሮም፡ ህዝቢ ኣምላኽ ጽቡቕ ክንክን ረኸቡ። ደሓር ከኣ፡ ሽማግለታት ን“መጓሰ ኣምላኽ” ኣብ ምክንኻን ኪሕግዙ ስልጠና ተዋህቦም። (1 ጴጥ. 5:1, 2) ክርስትያናት ጓሶት ካብ የሆዋ ኣምላኽን ካብ የሱስ ክርስቶስን እንታይ ትጽቢት ከም ዚግበረሎም ንምዝኽኻር ድማ፡ እቲ ኣብ ህዝቅኤል 34:15, 16 ብድራኸ መንፈስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓል ብተደጋጋሚ ይዕየየሉ እዩ።
31. የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 11:19 ዘሎ ትንቢት ከመይ ገይሩ እዩ ፈጺምዎ፧
31 ተስፋ 5። ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድነት ይህሉ። ህዝበ ክርስትያን ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ንሓድሕደን ናብ ዚጻብኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሃይማኖታትን ጕጅለታትን ተኸፋፊላ ኣላ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ነቶም ናብ ንጹህ ኣምልኾ ዝመለሶም ህዝቡ ተኣምራዊ ነገር ገይሩሎም ኣሎ። ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ “ሓደ ልቢ ኽህቦም . . . እየ” ኢሉ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ብዜደንቕ መገዲ ተፈጺሙ ኣሎ። (ህዝ. 11:19) ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ማእለያ ካብ ዘይብሉ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ቍጠባውን ማሕበራውን ድሕረ ባይታ እተኣከቡ ሚልዮናት ሰዓብቲ ኣለውዎ። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም ሕደ ሓቅታት ይምሃሩ፡ ብዜደንቕ ስኒት እውን ሕደ ዕዮ ይዓይዩ ኣለዉ። የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ሰዓብቱ ሓደ ኪዀኑ ብጽኑዕ ጸልዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:11, 20-23 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ጸሎት እቲ፡ ኣብዚ ግዜና ብዝዓበየ መገዲ ፈጺምዎ ኣሎ።
32. ምስ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ትንቢታት ብዛዕባ እተፈጸመሉ መገዲ ኸመይ ይስምዓካ፧ (“ትንቢታት ምርኮን ምምላስን” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
32 ኣብዚ ልቢ ዚሰልብ ግዜ ምምላስ ምንባርካስ ደስዶ ኣይብለካን፧ ሎሚ ትንቢታት ህዝቅኤል ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ኣምልኾና ንርእዮ ኣለና። የሆዋ ከምቲ ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ “ብኣኻትኩም ባህ ኪብለኒ እዩ” ኢሉ እተነበየ፡ ሕጂ ንህዝቡ ብሞገስ ከም ዚርእዮም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ህዝ. 20:41) እሞኸ ኣባል እቶም ሓድነት ዘለዎምን ጽቡቕ ዚምገቡን ንየሆዋ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚውድስዎን ህዝቢ ምዃን፡—እወ ኣባል እቶም ካብቲ ንዘመናት ዝጸንሐ መንፈሳዊ ምርኮ ሓራ ዝወጹ ህዝቢ ምዃን፡—ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ መሰል ምዃኑስ ተገንዚብካዮዶ፧ ግናኸ፡ ገሊኡ ኻብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ እተነበዮ ትንቢታት ገና ብዝዓበየ ደረጃ ኺፍጸም እዩ።
“ከም ገነት ኤደን”
33-35. (ሀ) ህዝቅኤል 36:35 ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧ (ለ) እቲ ትንቢት እቲ ሎሚ ንህዝቢ የሆዋ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ (“ግዜ ምምላስ ኵሉ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
33 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ኣብቲ የሱስ ብ1914 ምስ ነገሰ እሞ ኻብ ወለዶ ነገስታት ዳዊት ኪገዝእ ዝጀመረሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። (ህዝ. 37:24) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንክርስቶስ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ መንጎ እቶም ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቡ ኺመልስ ስልጣን ሃቦ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ክርስቶስ ዚገብሮ ዕዮ ምምላስ፡ ኣብዚ ድዩ ዜብቅዕ፧ ኣይፋልን። እቲ ዕዮ እቲ፡ ኣብ መጻኢ እውን ብዜደንቕ መገዲ ኪቕጽል እዩ፣ ትንቢታት ህዝቅኤል ድማ መሳጢ ዝርዝር ነጥብታት ሂቡና ኣሎ።
34 ንኣብነት፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ “‘እታ ዝባደመት ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ኰይና ኣላ’ . . . ኺብሉ እዮም” ዚብል ቃላት እሞ ሕሰበሉ። (ህዝ. 36:35) እዚ ተስፋ እዚ ንህዝቅኤልን ነቶም ምሩኻትን እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ መሸም ቃል ብቓሉ ኺፍጸም፡ ማለት እታ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸምታ የሆዋ ዝተኸላ ገነት ክትከውን ተጸብዮም ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። (ዘፍ. 2:8) የግዳስ፡ ዓዶም ጽብቕትን ፍርያምን ክትከውን ምዃና ኻብ የሆዋ መረጋገጺ ኸም እተቐበሉ ገይሮም ተረዲኦምዎ ኪዀኑ ኣለዎም።
35 እሞ ደኣ እዚ ተስፋ እዚ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ሕጂ ኣብዛ ብሰይጣን ድያብሎስ እትግዛእ እክይቲ ዓለም ቃል ብቓሉ ኺፍጸም ኣይንጽበን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሎሚ መንፈሳዊ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ንግንዘብ ኢና። ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ብዙሕ ፍረ እናፈረና ኣብ እነገልግለሉን ቅዱስ ኣገልግሎት ማእከል ህይወትና ኣብ እንገብረሉን መንፈሳዊ ምድሪ፡ ኵነታት፡ ወይ ሃዋህው ኢና እንነብር ዘለና። እዛ መንፈሳዊ ምድሪ እዚኣ፡ በብቝሩብ ከም ገነት ትኸውን ኣላ። ኣብ መጻኢኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧
36, 37. ኣብታ ናይ መጻኢ ገነት እንታይ ተስፋታት እዩ ኺፍጸም፧
36 ድሕሪ እቲ ዓብዪ ውግእ ኣርማጌዶን፡ የሱስ ነቲ ናይ ምምላስ ዕዮኡ ንምድሪ ቓል ብቓሉ ኸም ዚሽፍን ኪገብሮ እዩ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ደቂ ሰብ ንምድርና ናብቲ የሆዋ ወትሩ ዝሓለኖ ገነት ኤደን ከም ዚቕይርዋ ኺገብር እዩ። (ሉቃ. 23:43) ሽዑ፡ ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶምን ምስ ምድርን ተሳንዮም ኪነብሩ እዮም። ሓደጋ ወይ ስግኣት ኣይኪህሉን እዩ። እዚ ዚስዕብ ተስፋ እዚ ዚፍጸመሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብሎ፦ “ምሳታቶም ከኣ ኪዳን ሰላም ክኣቱ እየ፣ ኣብ በረኻ ብደሓን ምእንቲ ኺነብሩን ኣብ ዱር ምእንቲ ኺድቅሱን፡ ካብታ ምድሪ ሕሱማት ኣራዊት ከጥፍእ እየ።”—ህዝ. 34:25።
37 ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ከይፈራህካ ናብ ቃሕ ዝበለካ ቦታ ኽትከይድ ኢኻ። ዚጐድኣካ እንስሳ ኣይኪህሉን እዩ። ንሰላምካ ዜስግእ ሓደጋ ኣይኪህሉን እዩ። ኣብ ማእከል ዱር ነቲ ጽባቐኡ እናኣድነቕካ በይንኻ ኽትከይድ፡ ከይፈራህካ እውን ኣብኡ በጥ ኢልካ ኽትድቅስ ኢኻ!
38. ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቅኤል 28:26 ተመዝጊቡ ዘሎ ተስፋ ዚፍጸመሉ እዋን ከመይ ይስምዓካ፧
38 እዚ ዚስዕብ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ እውን ክንርኢ ኢና፦ “ብደሓን ኣብኣ [ኣብታ ምድሪ] ኪቕመጡን ኣባይቲ ኺሃንጹን ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን እዮም፣ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዚንዕቕዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ብደሓን ኪቕመጡ እዮም፣ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።” (ህዝ. 28:26) ኵሎም ጸላእቲ የሆዋ ምስ ጠፍኡ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰላምን ደሓንን ኪሰፍን እዩ። ንምድሪ እናተኸናኸንና፡ ንርእስናን ንእንፈትዎም ሰብናን ክንከናኸን ኢና፣ ምሹእ ኣባይቲ ኽንሃንጽ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ክንተክል ኢና።
39. ስለምንታይ ኢኻ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ገነት ዝመዝገቦ ትንቢታት ከም ዚፍጸም ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧
39 እዚ ተስፋታት እዝስ ከም ሰናይ ትምኒት ጥራይ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብዚ “ግዜ ምምላስ ኵሉ፡” ክሳዕ ሕጂ እንታይ ከም ዝረኣኻ ዘክር። ብርቱዕ ተቓውሞ ሰይጣን እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣብዚ ዝኸፍአ እዋን ጸልማት እዚ፡ የሱስ ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ኺመልሶ ኽኢሉ ኣሎ። እዝስ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዜረጋግጽ ከመይ ዝበለ ሓያል መርትዖ ዀን እዩ!
a መብዛሕትኦም ምሩኻት ኣይሁድ ካብ ከተማ ባቢሎን ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዚርከብ ሰፈራት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ንኣብነት፡ ህዝቅኤል ምስ ካልኦት ኣይሁድ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር እዩ ዚነብር ነይሩ። (ህዝ. 3:15) ኰይኑ ግና፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዚነብሩ ሒደት ምሩኻት ኣይሁድ ነይሮም እዮም። ገለ ኻባታቶም ከኣ፡ “ካብ ዘርኢ ንጉስን ልዑላንን” እዮም ነይሮም።—ዳን. 1:3, 6፣ 2 ነገ. 24:15።
b ንኣብነት፡ ካብቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበሩ ኣብ ምንቅስቓስ ተሓድሶ እተሳተፉ ሰባት፡ ኣየኖት ቅቡኣት ክርስትያናት ነይሮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርግጸኛታት ኴንና ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና።