ማቴዎስ
13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብኡ ተኣከበ፣ ስለዚ፡ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ተቐመጠ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብቲ ገምገም ደው ኢሉ ነበረ።+ 3 ሽዑ፡ ብምሳሌታት ከምዚ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፦+ “እንሆ፡ ሓደ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።+ 4 ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፣ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ።+ 5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፣ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዘይብሉ ድማ፡ ብኡብኡ በቘለ።+ 6 ጸሓይ ምስ በረቐት ግና ሓረረ፣ ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ነቐጸ። 7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ኣእሻዅ ድማ ዓብዩ ሓነቖ።+ 8 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ገሊኡ 100፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ ድማ 30 ዕጽፊ ፈረየ።+ 9 እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”+
10 ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መጺኦም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብምሳሌታት እትዛረቦም፧” በልዎ።+ 11 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢራት መንግስተ ሰማያት ክትርድኡ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣+ ንዓታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12 ከመይሲ፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፡ ይበዝሓሉ ኸኣ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ።+ 13 እናረኣዩ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑ ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እውን እዮም እሞ፡ ስለዚ እየ ብምሳሌታት ዝዛረቦም።+ 14 ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ኣባታቶም ይፍጸም ኣሎ፡ ከምዚ ዚብል፦ ‘ብርግጽ ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም፣ ብርግጽ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም።+ 15 ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ እሞ፡ ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ከይሰምዑ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነ እውን ከየሕውዮምሲ፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ኣይሃቡን፡ ኣዒንቶም ከኣ ዓሚቶም እዮም።’+
16 “ግናኸ፡ ኣዒንትኹም ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ከኣ ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ሕጉሳት እየን።+ 17 ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፡+ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
18 “እምበኣር፡ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ስምዑ።+ 19 ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ንዘየስተውዕሎ ዘበለ፡+ እቲ እኩይ መጺኡ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርአ ይምንጥሎ፣ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርአ እዚ እዩ።+ 20 እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ።+ 21 ኣብኡ ሱር ስለ ዘይሰደደ ግና፡ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ዚጸንሕ፣ ስለቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22 እቲ ኣብ ኣእሻዅ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕ እዩ፣ ጭንቀት እዚ ስርዓትን*+ ምትላል ሃብትን ግና፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን።+ 23 እቲ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ዜስተውዕሎ እዩ፣ ንሱ ፍረ ይፈሪ፣ ገሊኡ 100፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ 30 ዕጽፊ ድማ ይህብ።”+
24 ካልእ ምሳሌ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። 25 ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። 26 እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ። 27 ባሮት እቲ ብዓል ቤት መጺኦም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጺኡ፧’ በልዎ። 28 ንሱ ኸኣ፡ ‘ነዝስ ጸላኢ እዩ ገይርዎ’ በሎም።+ እቶም ባሮት ድማ፡ ‘እሞ ደኣ ኼድናዶ ኽንኣርዮ ትደሊ ኢኻ፧’ በልዎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ ‘ነቲ ኽርዳድ ክትኣርዩ ኸለኹም፡ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትምሕውዎስ፡ ኣይፋልኩምን ደኣ። 30 ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ፣ ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ’ በሎም።”+
31 ካልእ ምሳሌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል።+ 32 ንሳስ ካብ ኵሉ ዘርኢ ዝደቐቐት እያ፣ ምስ ዓበየት ግና፡ ካብ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን፣ ስለዚ ኸኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ይሰፍራ።”
33 ካልእ ምሳሌ እውን መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ስፍሪ* ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።”+
34 የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እዚ ዅሉ ብምሳሌታት ነገሮም። ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ፣+ 35 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ብነብዪ፡ “ኣፈይ ብምሳሌታት ክኸፍት እየ፣ ካብ ምስራት* ኣትሒዙ ተሓቢኡ ዝነበረ ኽነግር እየ” ተባሂሉ ዝነበረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+
36 ሽዑ፡ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ናብኡ ቐሪቦም፡ “ምሳሌ እቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ግለጸልና” በልዎ። 37 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ዘራኢ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ወዲ ሰብ እዩ፣ 38 እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፣+ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፣ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም፣+ 39 እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ። እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ እቲ ስርዓት* እዩ፣ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40 እምበኣር፡ ከምቲ ኽርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ዚነድድ፡ ኣብ መደምደምታ ስርዓት* እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 41 ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ መዐንቀፊ ዘበለን ጠሓስቲ ሕጊ ዘበሉን ካብ መንግስቱ ኺኣርዩ እዮም፣ 42 ናብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም።+ ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም። 43 ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።+ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
44 “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ስለ እተሓጐሰ ድማ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ።+
45 “መንግስተ ሰማያት ጽቡቕ ሉላት ዚደሊ ተጓዓዚ ነጋዳይ እውን ትመስል። 46 ሓንቲ ኽብርቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ ብኡብኡ ኸይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ።+
47 “መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ፡ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ እውን ትመስል። 48 ምስ መልአት፡ ጐቲቶም ናብ ገምገም ኣውጽእዋ፣ ተቐሚጦም ከኣ ጸጽቡቑ ናብ ኣቕሑ ኣከቡ፡+ ሐሕማቑ+ ኸኣ ደርበይዎ። 49 ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት* እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። መላእኽቲ ወጺኦም፡ ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን ኪፈልይዎም እዮም፣ 50 ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ኸኣ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።
51 “ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ፧” ንሳቶም ድማ፡ “እወ” በልዎ። 52 ንሱ ኸኣ፡ “እምበኣርከስ፡ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት እተማህረ ዅሉ መምህር፡ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በሎም።
53 የሱስ ነዚ ምሳሌታት እዚ ምስ ወድአ፡ ካብኡ ነቐለ። 54 ናብ ዓዱ ምስ መጸ ኸኣ፡+ ኣብ ምኵራቦም መሃሮም፣ ንሳቶም ስለ እተገረሙ ድማ፡ ከምዚ በሉ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብን ነዚ ግብርታት ሓይልን ካበይ ረኺብዎ፧+ 55 እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧+ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱኸ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧+ 56 ኣሓቱስ ኵላተን ምሳናዶ የለዋን፧ ንሱ ደኣ ነዚ ዅሉ ኻበይ ረኺብዎ፧”+ 57 ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ።+ የሱስ ግና፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዓቕን እዩ” በሎም።+ 58 ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ፡ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።