ዘሌዋውያን
21 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ እኳ ኻብ ህዝቡ ብምዉት ሰብ* ኣይርከስ።+ 2 ግናኸ፡ ቀረባ ዘመዱ፡ ኣዲኡ፡ ኣቦኡ፡ ወዱ፡ ጓሉ፡ ሓዉ እንተ ዀይኑ ኸምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። 3 እትቐርቦ ድንግልን ዘይተመርዓወትን ሓብቱ እንተ ዀይና ኸኣ ብእኣ ኪረክስ ይኽእል እዩ። 4 ሓደ ኻብ ህዝቡ ብዘእተዋ ሰበይቲ ኣይርከስ፡ ርእሱ ድማ ኣየሕስር። 5 ርእሶም ኣይምለጡ፡+ ወይ ወሰን ጭሕሞም ኣይላጽዩ፡ ወይ ስጋኦም ኣይብጥሑ።+ 6 ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡+ ስም ኣምላኾም ከኣ ኣየርክሱ፣+ ከመይሲ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ፡ ማለት እንጌራ* ኣምላኾም የቕርቡ እዮም፣ ቅዱሳት እውን ይኹኑ።+ 7 ኣመንዝራ፡+ ዝነወረት፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ሰበይቲ+ ኣይመርዓዉ፣ ከመይሲ፡ ካህን ንኣምላኹ ቕዱስ እዩ። 8 ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ቀድሶ።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ቕዱስ ይኹነልኩም።+
9 “‘ጓል ካህን ብምንዝርና ርእሳ እንተ ኣርኪሳ፡ ንኣቦኣ ኣርኪሳቶ እያ። ብሓዊ ትንደድ።+
10 “‘እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት ዝፈሰሶ፡+ ክዳውንቲ ኽህነት ምእንቲ ኪኽደን እተሸመ፡*+ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ርእሱ ኣየወንጭር፡ ወይ ክዳኑ ኣይቕደድ።+ 11 ናብ ዝዀነ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ።+ ብኣቦኡ ወይ ብኣዲኡ እውን ኣይርከስ። 12 ምልክት ተወፋይነት፡ ማለት ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ+ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ ንመቕደስ ኣምላኹ ድማ ኣየርክሶ።+ ኣነ የሆዋ እየ።
13 “‘ድንግል ሰበይቲ የእቱ።+ 14 ካብ ህዝቡ ድንግል ዝዀነት ሰበይቲ የእቱ እምበር፡ መበለት፡ ፍትሕቲ፡ ዝነወረት፡ ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። 15 ዝቕድሶ ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዘርኡ ኣየርክስ።’”+
16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 17 “ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ ‘ካብ ዘርእኻ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብ ንውሉድ ወለዶኡ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 18 ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ኣይቕረብ፣ ማለት ዕዉር፡ ወይ ሓንካስ፡ ወይ ቅርጺ ገጹ እተበላሸወ፡* ወይ ሓደ ኻብ መሓውሩ ሓለፋ ዘለዎ፡ 19 ወይ ስቡር እግሪ፡ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ 20 ወይ መንዳዕ፡ ወይ ድንኪ፡* ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፡ ወይ መበላይ ዘለዎ፡ ወይ ተውሳስ ዘለዎ፡ ወይ ፍረ ነፍሱ እተጐድአ+ ኣይቕረብ። 21 ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ዝዀነ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብኣይ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 22 እንጌራ ኣምላኹ ኻብ ቅዱስ ቅዱሳንን+ ካብቲ ቕዱስን ኪበልዕ ይኽእል እዩ።+ 23 ጕድለት ስለ ዘለዎ ግና፡ ናብ ጥቓ እቲ መጋረጃ+ ኣይቕረብ፡ ናብቲ መሰውኢ+ ኸኣ ኣይቕረብ። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡+ ንመቕደሰይ ኣየርክሶ።’”+
24 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ተዛረቦም።