ቲቶስ
3 ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡+ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። 2 ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት* ኪዀኑ፡+ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ+ እውን ኣዘኻኽሮም። 3 ከመይሲ፡ ንሕና እውን ሓደ እዋን ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ዝሰሓትና፡ ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን እንግዛእ፡ ብኽፍኣትን ብቕንእን እንነብር፡ ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ኢና ኔርና።
4 እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ+ ዘለዎ ለውሃትን ንሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ 5 (እዚ ድማ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡+ ብምሕረቱ እዩ ዝዀነ፡)+ በቲ ናብ ህይወት ዘምጽኣና ሕጽበትን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን+ ኣድሒኑና እዩ።+ 6 ነዚ መንፈስ እዚ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሲስዎ እዩ።+ 7 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብጸጋኡ ምስ ጸደቕና፡+ ከም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡+ ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን እዩ።+
8 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፣ እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብዛዕባ እዚ ብምትእምማን ኣትሪርካ ኽትዛረቦም እደሊ እየ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ።
9 ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ክትዕን ብዛዕባ ሕጊ ዚልዓል ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቕ።+ 10 ንመናፍቕ ከኣ፡+ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡*+ ኣርሕቆ፣+ 11 ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዘንቢሉ ይሓጥእ ከም ዘሎን ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዝዀነነን ድማ ፍለጥ።
12 ንኣርጤማስ ወይስ ንትኪቆስ+ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 13 ንዜናስ እቲ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ እኳ ኸይጐድሎም ዚከኣለካ ዘበለ ኣማልኣሎም።+ 14 እቶም ናትና እውን ብዘይ ፍረ ምእንቲ ኸይኰኑ፡+ ነቲ ብህጹጽ ዜድልዮም ንምምላእ፡+ ሰናይ ግብሪ ምግባር ይምሃሩ።
15 ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዚፈትዉና ሰላም በለለይ።
ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።