1 ነገስት 17:21, 22 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ ተዘርጊሑ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ህይወት* እዚ ቘልዓ እዚ ናብኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 22 የሆዋ ኸኣ ልማኖ ኤልያስ ሰምዐ፣+ ህይወት* እቲ ቘልዓ ድማ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ።+ ሉቃስ 8:52-54 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+ ዮሃንስ 11:43 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 43 እዚ ምስ በለ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ ግብሪ ሃዋርያት 9:40 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 40 ጴጥሮስ ግና ንዅላቶም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡+ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፣ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ እውን፡ ኮፍ በለት።+
21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ ተዘርጊሑ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ህይወት* እዚ ቘልዓ እዚ ናብኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 22 የሆዋ ኸኣ ልማኖ ኤልያስ ሰምዐ፣+ ህይወት* እቲ ቘልዓ ድማ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ።+
52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+
40 ጴጥሮስ ግና ንዅላቶም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡+ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፣ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ እውን፡ ኮፍ በለት።+