ሉቃስ 7:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፣ ንሱ ንኣዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ።+ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት። ካብታ ኸተማ እውን ብዙሓት ሰባት ምስኣ ነበሩ። ሉቃስ 7:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲ እውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።+ ሉቃስ 8:52-54 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+ ዮሃንስ 11:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።+ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ፣
12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፣ ንሱ ንኣዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ።+ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት። ካብታ ኸተማ እውን ብዙሓት ሰባት ምስኣ ነበሩ።
52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+