እያሱ
9 ኵሎም እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ፡+ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ሼፈላን ኣብ ብዘሎ ገማግም እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ኣብ ቅድሚ ሊባኖስን ዝነበሩ ነገስታት፡ ማለት ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ እቲ ዝዀነ ምስ ሰምዑ፡ 2 ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ኪዳን ገበሩ።+
3 ነበርቲ ጊብዖን+ እውን፡ እያሱ ንያሪኮን+ ንዓይን+ እንታይ ከም ዝገበረን ሰምዑ። 4 ንሳቶም ድማ ብጕርሒ ተላዒሎም፡ ስንቆም ኣብ ዝኣረገ ኸረጺት ገይሮም ኣብ ኣእዱግ ጸዓኑ፡ ምስኡ ኸኣ እተቐድደን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ሓዙ፣ 5 ዝኣረገን እተለገበን ኣሳእን ድማ ኣብ ኣእጋሮም ወደዩ፡ ዝበለየ ኽዳውንቲ ኸኣ ተኸድኑ። ኵሉ እቲ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ። 6 ናብ እያሱ ናብቲ ኣብ ጊልጋል+ ዝነበረ ሰፈር ከይዶም ከኣ፡ ንዕኡን ንሰብ እስራኤልን፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር ኢና መጺእና። ሕጂ፡ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም። 7 ሰብ እስራኤል ግና ንሒዋውያን፡+ “ምናልባት ኣብ ጥቓና እትነብሩ ትዀኑ። ስለዚ፡ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ኪዳን ንኣቱ፧” በልዎም።+ 8 ንእያሱ ድማ፡ “ንሕና ገላዉኻ* ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
እያሱ ድማ፡ “እንታዎት ኢኹም፧ ካበይከ መጺእኩም፧” በሎም። 9 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ምእንቲ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፣+ ከመይሲ፡ ብዛዕባ ዝናኡን ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዝገበሮን ሰሚዕና፡+ 10 ብዛዕባ ዅሉ እቲ ነቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን+ ንጉስ ሔስቦንን ኣብ ዓሽታሮት ንዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን ዝገበሮ ድማ ሰሚዕና። 11 ዓበይትናን ኵሎም ነበርቲ ምድርናን ከኣ፡ ‘ስንቂ ንመገዲ ሒዝኩም ክትቅበልዎም ኪዱ። “ንሕና ገላዉኹም ኢና፣+ ሕጂ፡ ምሳና ኺዳን እተዉ”+ በልዎም’ ኢሎምና። 12 እዚ እንጌራ እዚ በታ ናባኻትኩም ክንመጽእ ካብ ኣባይትና ዝወጻእናላ መዓልቲ ብውዑዩ ዝሰነቕናዮ እዩ። ሕጂ ግና፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን ከም ዘሎ ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።+ 13 እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸኣ ክንመልኦ ኸለና ሓድሽ ነይሩ፣ ሕጂ ግና፡ ተቐዲዱ።+ ክዳውንትናን ኣሳእንናን ድማ ካብ እምብዛ ምንዋሕ መገዲ በልዩ።”
14 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፣* ንየሆዋ ግና ኣይሓተትዎን።+ 15 እያሱ ኸኣ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡+ ብህይወት ኪሓድጎም ድማ ኪዳን ኣተወሎም፣ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ እውን ከምኡ ኢሎም መሓሉሎም።+
16 ምሳታቶም ኪዳን ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓኦም፡ ማለት ኣብ ቀረባኦም ከም ዚነብሩ ሰምዑ። 17 እስራኤላውያን ድማ ነቒሎም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ፣ እተን ከተማታቶም ጊብዖንን+ ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን+ ነበራ። 18 ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፡+ እስራኤላውያን ኣየጥቅዕዎምን። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብቶም ሹማምንቲ ኣጕረምረመ። 19 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸምዚ በልዎ፦ “ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝመሓልናሎም፡ ክንጐድኦም ኣይፍቀደልናን እዩ። 20 ከምዚ ንግበር፦ ብምኽንያት እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ ቝጥዓ ኸይወርደናስ፡ ብህይወት ንሕደጎም።”+ 21 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ፡ “ብህይወት ይንበሩ፣ ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ይኹኑ” በሉ። እቶም ሹማምንትስ ከምኡ ኢሎም እዮም ኣተስፍዮምዎም።
22 እያሱ ድማ ንዓታቶም ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብ መንጎና እናነበርኩም ክነስኹምሲ፡ ‘ንሕና ኻባታትኩም ኣዝዩ ኻብ ዚርሕቕ ቦታ ኢና’ ብምባል ስለምንታይ ኣታሊልኩምና፧+ 23 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ርጉማት ኢኹም፣+ ወትሩ ድማ ባሮት ኴንኩም፡ ንቤት ኣምላኸይ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ክትኰኑ ኢኹም።” 24 ንሳቶም ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “የሆዋ ኣምላኽካ ንሙሴ እቲ ጊልያኡ፡ ኵላ እዛ ምድሪ ኺህበኩምን ኵሎም ነበርታ ኻብ ቅድሜኹም ኬጥፍኦምን ከም ዝኣዘዞ ብንጹር ስለ እተነግረና ኢና።+ ስለዚ፡ ብሰንክኹም ንህይወትና* ፈሪህና+ እዚ ነገር እዚ ጌርና።+ 25 ሕጂ ኣብ ኢድካ ኢና። ጽቡቕን ቅኑዕን ዝመሰለካ ግበር።” 26 ከምኡ ኸኣ ገበሮም፣ ካብ ኢድ እስራኤላውያን ኣድሓኖም፡ ንሳቶም እውን ኣይቀተልዎምን። 27 ግናኸ እያሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ የሆዋን፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ፡+ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ገበሮም፣+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ከምኡ እዮም።+