ዘጸኣት
28 “ንሓውካ ኣሮን ምስ ደቁ፡—ኣሮን+ ምስ ናዳብን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን ኢታማርን+ ዚብሃሉ ደቂ ኣሮን፡+—ካህን ኰይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ+ ኻብ እስራኤላውያን ጸውዓዮ። 2 ንሓውካ ኣሮን ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ ግበረሉ።+ 3 ነቶም ብመንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም ኵሎም ክኢላታት* ተዛረቦም፣+ ኣሮን ካህን ኰይኑ ንምግልጋል ምእንቲ ኪቕደስ ከኣ፡ ክዳውንቲ ኣሮን ይግበሩ።
4 “እቲ ዚገብርዎ ኽዳውንቲ ድማ እዚ እዩ፦ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡+ ኤፎድ፡+ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡+ ሰንጠረጃዊ ወለል ዚብል ክዳን፡ መጠምጠምያ፡+ ቅናት።+ ካህነይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነዚ ቕዱስ ክዳውንቲ እዚ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ይግበሩሎም። 5 እቶም ክኢላታት ብወርቅን ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ይግበርዎ።
6 “ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ኤፎድ ይግበሩ፣ ኪጥለፍ ድማ ኣለዎ።+ 7 ኣብ ክልቲኡ ላዕለዋይ ጫፍ እተለገበ ኽልተ ጨርቂ መንኵብ ይሃልዎ። 8 እቲ ምስቲ ኤፎድ እተላገበ ንምዕጣቕ ዚኸውን እሉም ዕጣቕ፡+ ብሓደ ዓይነት ስርሓት ይገበር፣ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ይገበር።
9 “ክልተ እምኒ ኦኒክስ+ ውሰድ እሞ፡ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ፣+ 10 ሽዱሽተ ስማት ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ስማት ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ፡ ከከምቲ እተወልዱሉ ቕረጽ። 11 ቀራጽ እምኒ፡ ማሕተም ከም ዚቐርጽ ገይሩ፡ ነቲ ስማት ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኽልተ እምኒ ይቕረጾ።+ ኣብ መቓናት ወርቂ ድማ ግበሮ። 12 ነቲ ኽልተ እምኒ ኸኣ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ ኣብ ኤፎድ ዘሎ ኣጭርቕቲ መንኵብ ኣንብሮ፣+ ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጨርቂ መንኵቡ ስማቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም መዘከርታ ይጹሮ። 13 መቓናት ወርቂ ድማ ግበር፣ 14 ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ክልተ ሰንሰለት ከም ገመድ ፍሒስካ ግበር፣+ ነቲ እተገመደ ሰንሰለት ምስቲ መቓናት ኣላግቦ።+
15 “ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ ብጠላፋይ ኣግብር።+ ከምቲ ኤፎድ ጌርካ ይገበር፣ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ይገበር።+ 16 ምስ ተዓጽፈ፡ ትርብዒት፡ ስድሪ* ዝንውሓቱን ስድሪ ዝግፍሑን ይኹን። 17 ኣብኡ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ግበረሉ። ኣብቲ ቐዳማይ መስርዕ፡ ሮቢኖስን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። 18 ኣብቲ ኻልኣይ መስርዕ፡ ቱርቆይዝን ሰፊሮስን ያስጲስን። 19 ኣብቲ ሳልሳይ መስርዕ፡ ለሸምን ኣጋትን ኣሜትስጦስን። 20 ኣብቲ ራብዓይ መስርዕ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያሸፈን። ኣብ መቓናት ወርቂ ኸኣ ይገበር። 21 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት እቶም 12 ደቂ እስራኤል ይኹን። ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ተገይሩ ን12 ነገዳት ሓሓደ ስም ይቀረጸሉ።
22 “ኣብ ልዕሊ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ እተተንገ ሰንሰለት ግበር።+ 23 ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበረሉ፣ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣላግቦ። 24 ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኽልተ ገመድ በቲ ኣብ ጫፋት እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ኣሕልፎ። 25 ነቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ኽልተ ገመድ በቲ ኽልተ መቓን ኣሕልፎ፣ ምስቲ ኣጭርቕቲ መንኵብ እቲ ኤፎድ ድማ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ኣላግቦ። 26 ካብ ወርቂ ኸኣ ክልተ ቐለቤት ጌርካ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጥርዚ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ኣብ ክልተ ጫፉ፡ ናብቲ ኤፎድ ገጹ ጌርካ ግበሮ።+ 27 ክልተ ኻልእ ቀለቤት ወርቂ እውን ኣብ ቅድሚት እቲ ኤፎድ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ ጨርቂ መንኵብ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚላገበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ኤፎድ ግበር።+ 28 እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብቲ ኤፎድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ በቲ ኻብቲ ቐላብቱ ናብቲ ቐላብቲ ኤፎድ ዚሓልፍ ሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር።
29 “ኣሮን ናብታ ቕድስቲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ወትሩ መዘከርታ ኪኸውን፡ ነቲ ስማት ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። 30 ነቲ ኡሪምን ነቲ ቱሚምን*+ ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣንብሮ፣ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን። ኣሮን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ ነቲ መፍረዲ እስራኤላውያን ይጹሮ።
31 “ናይ ኤፎድ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኸኣ፡ ብምሉኡ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ ግበር።+ 32 ኣብ ላዕሊ ኣብ ማእከሉ ኣፍ* ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ኣብ ዙርያኡ ብኣላማይ እተኣልመ መኽፈፍ ይሃልዎ። ምእንቲ ኸይቅደድ ከኣ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ይኹን። 33 ኣብ ዙርያ እቲ ታሕተዋይ ከፈፉ ኸኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሮማናት ግበረሉ፣ ኣብ መመንጎኡ ድማ ቃጭላት ወርቂ ግበረሉ። 34 ኣብ ታሕተዋይ ከፈፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብ ዙርያኡ ቓጭል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጭል ወርቅን ሮማንን እናኣዛነቕካ ግበር። 35 ኣሮን ምእንቲ ኼገልግል፡ ንዕኡ ይከደኖ፣ ናብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺኣቱን ኪወጽእን ከሎ ምእንቲ ኸይመውት፡ ደሃዩ ይሰማዕ።+
36 “ካብ ጽሩይ ወርቂ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ግበር እሞ፡ ኣብኡ፡ ‘ቅድስና ናይ የሆዋ’ ዚብል ከም ኣቀራርጻ ማሕተም ጌርካ ቕረጸሉ።+ 37 ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኸኣ ኣብቲ መጠምጠምያ እሰሮ፣+ ኣብቲ መጠምጠምያ ድማ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን። 38 ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፣ ኣብቲ እስራኤላውያን ቅዱስ መባእ ኬቕርቡ ኸለዉ ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራት በደል ምስ ዚግበር ከኣ፡ ኣሮን ሓላፍነት ኪጸውር እዩ።+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ወትሩ ኣብ ግምባሩ ይኹን።
39 “ካብ ቅጭን በፍታ፡ ሰንጠረጃዊ ወለል ዚብል ክዳን እለም፣ ካብ ቅጭን በፍታ ድማ መጠምጠምያ ግበር፡ እሉም ቅናት እውን ግበር።+
40 “ንደቂ ኣሮን+ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ወለል ዚብል ክዳውንትን ቅናውትን መዐመምያን ግበረሎም።+ 41 ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ክደኖም፣ ቅብኣዮም፡+ ሽሞም፡*+ ቀድሶም ድማ፣ ካህናት ከኣ ኪዀኑኒ እዮም። 42 ካብ በፍታ ድማ ሕፍረት ስጋኦም ዚኸድን ስረ* ግበረሎም።+ እዚ ኸኣ ካብ ሕቘኦም ክሳብ ሰለፎም ይብጻሕ። 43 ኣሮንን ደቁን ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪመጹ ኸለዉ፡ ወይ ኣብቲ መቕደስ ንምግልጋል ናብቲ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ ይከደንዎ። እዚ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።