ኤርምያስ
30 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኵለን እተን እተዛረብኩኻ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን። 3 “እንሆ፡ ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ዚእክበለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ፡ “ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም እውን መሊሶም ኪርስተይዋ እዮም” ይብል የሆዋ።’”+
4 እተን የሆዋ ንእስራኤልን ንይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚአን እየን።
5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ደሃይ እቶም ራዕራዕ ዚብሉ ሰሚዕና ኣለና፣
ሽበራ እምበር ሰላም የልቦን።
6 ሰብኣይ ኪወልድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ እስከ ሕተቱ።
ስለምንታይከ እዩ ዅሉ ገጽ ጸምልዩ ዘሎ፧
7 ኣየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣስ እተስካሕክሕ* እያ።+
ከምኣ ዝበለ የልቦን፣
ንያእቆብሲ ግዜ ጭንቁ እያ።
ግናኸ፡ ካብኣ ኺድሕን እዩ።”
8 “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ኣርዑት ካብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ እውን ክበትኽ እየ፣ ድሕሪ ደጊም ከኣ ጓኖት ባርያኦም ኣይኪገብርዎን* እዮም። 9 ንየሆዋ ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ደኣ ኼገልግሉ እዮም።”+
10 “ንዓኻ ኻብ ርሑቕ፡
ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮ ኸድሕን እየ እሞ፡+
ንስኻ ድማ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ” ይብል የሆዋ፡
“ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+
ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣
ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።”+
11 “ከድሕነካስ ምሳኻ እየ” ይብል የሆዋ።
12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“መስበርትኺ ኣይሓውን እዩ።+
ቍስልኺ ዘይሓዊ እዩ።
13 ዚማጐተልኪ የልቦን፣
ቍስልኺ ዚሓውየሉ መገዲ የልቦን።
ንዓኺ ዚኸውን ፈውሲ የልቦን።
ደጊም ኣይደልዩኽን እዮም።
15 ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መስበርትኺ እተእውዪ፧
ስቓይኪ ዘይሓዊ እዩ!
ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+
እዚ ገይረኪ ኣለኹ።
እቶም ዚዝርፉኺ፡ ኪዝረፉ እዮም፣
ነቶም ዚዘምቱኺ ድማ፡ ንዘመተ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”+
18 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ንምሩኻት ድንኳናት ያእቆብ እእክቦም ኣለኹ፣+
ንማሕደራቱ ድማ ክድንግጸሉ እየ።
እታ ኸተማ ኣብ ኵርባኣ ዳግም ክትህነጽ እያ፣+
እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ኪቐውም እዩ።
19 ካባታቶም ከኣ ምስጋናን ደሃይ ሰሓቕን ኪወጽእ እዩ።+
20 ደቁ ኸም ቀደም ኪዀኑ እዮም፣
ኣኼባኡ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ኪጸንዕ እዩ።+
ንዅሎም ተጻረርቱ ድማ ስጕምቲ ኽወስደሎም እየ።+
21 ዓብይኡ ሓደ ኻብኡ ኪኸውን፡
ገዛኢኡ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ።
ከቕርቦ፡ ንሱ ድማ ኪቐርበኒ እዩ።”
“እንተ ዘይኰነስ፡ ኪቐርበኒ ዚደፍር* መን እዩ፧” ይብል የሆዋ።
22 “ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣+ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”+
23 እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣+
ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ዚብል ዚዅስትር ህቦብላ እዩ።
24 ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡+
ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ።
ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ኽትርድእዎ ኢኹም።+