ዮኤል
ኣብ ቅዱስ ከረነይ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ።
ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ይበሉ።
3 ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡
ኣብ ድሕሪኡ እውን ሃልሃልታ ሞዅ የብል።+
4 ትርኢቱ ኸም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣
ከም ኣፍራስ ውግእ ድማ ይጐይዩ።+
5 ደሃዩ ኸምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ናይ ዚዘልሉ ሰረገላታት፡+
ከምቲ ዚባራዕ ሓዊ ንሓሰር ኪበልዖ ኸሎ ጣዕጣዕ ዚብል እዩ።
ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ እዩ።+
6 ብሰንኮም ህዝብታት ይጭነቑ።
ኵሉ ገጽ በርበረ ይመስል።
8 ንሓድሕዶም ኣይዳፍኡን፣
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመገዱ ይግስግስ።
ንገሊኦም ኣጽዋር* እንተ ኣውዲቕዎም፡
እቶም ዝተረፉ ኣይበታተኑን።
9 ናብ ከተማ ይህንደዱ፡ ኣብ መከበብያ ይጐይዩ።
ናብ ኣባይቲ ይሓዅሩ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
10 ኣብ ቅድሚኦም እታ ምድሪ ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት ከኣ የንቀጥቅጥ።
ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፣+
ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ይስእኑ።
11 ሰፈሩ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ ኼስምዕ እዩ።+
እቲ ንቓሉ ዚፍጽምሲ ሓያል እዩ፣
ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ።+
መን ኪጻወራ ይኽእል፧”+
13 ንሱ ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ፡+
ነቲ መዓት እውን ዳግም ኪሓስበሉ* እዩ እሞ፡
ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ተመለሱ።
15 ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ!
16 ህዝቢ ኣክቡ፣ ጉባኤ ቐድሱ።+
ኣረገውቲ* ኣክቡ፣ ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣክቡ።+
መርዓዊ ኻብ ውሽጣዊት ክፍሊ ይውጻእ፣ መርዓት ድማ ካብ ቤት ሕጽኖታ።
17 ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡
ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን+ ይብከዩ፡ ከምዚ እውን ይበሉ፦
‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ደንግጸሉ፣
ኣህዛብ ኪገዝእዎም ብምሕዳግ፡
ንርስትኻ መስተናዓቒ ኣይትግበሮ።
ስለምንታይከ ህዝብታት፡ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፧” ዚብሉ፧’+
19 የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ኢሉ ኺምልሰሉ እዩ፦
‘እንሆ፡ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን እሰድደልኩም ኣለኹ፣
ንስኻትኩም እውን ኣጸቢቕኩም ክትጸግቡ ኢኹም።+
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም መጻረፊ ኣይክገብረኩምን እየ።+
21 ኣቲ ምድሪ፡ ኣይትፍርሂ።
የሆዋ ዓብዪ ነገራት ኪገብረልኪ እዩ እሞ፡ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ።
23 ንሱ ዝናም ኣዝመራ ብልክዕ ኪህበኩም፡
ከም ቀደሙ ድማ ዝናም፡
እወ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ኪሰድደልኩም እዩ እሞ፡+
ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።+
25 ኣነ ድማ ነተን እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝዀነ
ዕስለ ኣንበጣን ኩብኩብታን
በላዒ ኣንበጣን ወሓጢ ኣንበጣን ዝበልዑለን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ።+
ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ።
28 ድሕርዚ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣+
ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡
ኣረገውትኹም ሕልምታት ኪሓልሙ፡
ኣጕባዝኩም እውን ራእያት ኪርእዩ እዮም።+
29 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ መንፈሰይ
ኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ።