1 ሳሙኤል
31 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን+ ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ደቂ ሳኦል+ ቀተልዎም። 3 እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ብብርቱዕ ቈሰለ።+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት+ እዚኦም መጺኦም ከይወግኡንን ከይጭክኑለይንሲ፡* ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡+ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ተሰካም ኣጽዋሩን ኵሎም ሰቡን በታ መዓልቲ እቲኣ ብሓደ ሞቱ።+ 7 እቶም ኣብ ዞባ ስንጭሮን* ኣብ ዞባ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን።
8 ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9 ርእሱ ቘሪጾም፡ ኣጽዋሩ እውን ገፊፎም ከኣ፡ ኣብ ኣባይቲ* ጣኦታቶምን+ ኣብቲ ህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10 ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ምስልታት ኣሽቶረት ኣንበርዎ፣ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካበብያ ቤት-ሻን+ ሰቐልዎ። 11 ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡+ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡ 12 ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ካብ መንደቕ ቤት-ሻን ወሰድዎ እሞ፡ ናብ ያቤሽ ተመሊሶም ኣብኡ ኣንደድዎ። 13 ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ዕቦል ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።