ግብሪ ሃዋርያት
28 ምስ ደሓንና ኸኣ፡ እታ ደሴት ማልታ ኸም እትብሃል ፈለጥና።+ 2 እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ* ድማ ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ* ገበሩልና። ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን ቍሪ ስለ ዝነበረን፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዅላትና ተቐበሉና። 3 ጳውሎስ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ረስኒ፡ ኣፍዑት ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ተጣበቐ። 4 እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ ነቲ ሕንዛም ፍጥረት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ “እዚ ሰብ እዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፣ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፡ ፍትሒ* ግና ብህይወት ኪነብር ኣይሓደገቶን” ተባሃሃሉ። 5 ንሱ ግና ነቲ ሕንዛም ፍጥረት ናብቲ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለ እውን ኣይጐድኦን። 6 ንሳቶም ከኣ፡ ኪሓብጥ ወይ ብሃንደበት ሞይቱ ኺወድቕ ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ተጸብዮም ገለ እኳ ኸም ዘይተጐድአ ምስ ረኣዩ፡ ሓሳቦም ለዊጦም፡ ኣምላኽ ምዃኑ ተዛረቡ።
7 ኣብ ጥቓ እታ ቦታ ኸኣ፡ እቲ ጱብልዮስ ዝስሙ ኣውራ እታ ደሴት፡ ግራውቲ ነበሮ፣ ንሱ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ ጽቡቕ ገይሩ ኣአንገደና። 8 ኣቦ ጱብልዮስ ድማ ረስንን ውጽኣትን ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ፣ ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኸይዱ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩ ጸለየሉ እሞ ሓወየ።+ 9 እዚ ምስ ኰነ፡ እቶም ዝተረፉ ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መጺኦም ተፈወሱ።+ 10 ብብዙሕ ህያባት ከኣ ኣኽበሩና፣ ብመርከብ ክንነቅል ከለና እውን፡ ዜድልየና ዘበለ ሃቡና።
11 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ፡ በታ ኣብታ ደሴት ዝኸረመት፡ “ደቂ ድያ”* ዚብል ኣርማ ዘለዋ፡ ካብ እስክንድርያ ዝመጸት መርከብ ጌርና ነቐልና። 12 ኣብ ሲራኩሳ ምስ በጻሕና ድማ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና፣ 13 ካብኣ ሓሊፍና ኸኣ፡ ኣብ ረግዩም በጻሕና። ንጽብሒቱ፡ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። 14 ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሸውዓተ መዓልቲ ኽንቅኒ እውን ለመኑና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናብ ሮሜ ገጽና ኸድና። 15 ካብኣ እውን፡ እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፡ ኪቕበሉና ኢሎም ክሳብ ዕዳጋ ኣጵዩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን መጹ። ጳውሎስ ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን።+ 16 ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ድማ፡ ጳውሎስ ምስ ሓደ ዚሕልዎ ወተሃደር ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።
17 ግናኸ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣንጻር ህዝብና ወይ ኣንጻር ልምዲ ኣቦታትና+ ሓንቲ ዘይገበርኩ ኽነሰይ፡ ካብ የሩሳሌም እሱር ኰይነ ናብ ኢድ ሮማውያን ተዋሂበ።+ 18 ንሳቶም መርሚሮም+ ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደልዮም ነይሮም።+ 19 ኣይሁድ ምስ ተቓወሙ ግና፡ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገዲደ፣+ ግናኸ፡ ንህዝበይሲ ዝኸስሰሉ ነገር ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን። 20 እምበኣር፡ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ ሰንሰለት እዚ ተኣሲረ ዘለኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም” በሎም።+ 21 ንሳቶም ከኣ፡ “ብዛዕባኻ ኻብ ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፣ ካብቶም ካብኣ ዝመጹ ኣሕዋት እውን ብዛዕባኻ ኽፉእ ዘውረየ ወይ እተዛረበ የልቦን። 22 ብዛዕባ እዛ ኑፋቐ+ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ኸም ዚቃወምዋ ንፈልጥ ኢና እሞ፡+ ሓሳባትካ ኻባኻ ኽንሰምዕ ግቡእ ይመስለና” በልዎ።
23 መዓልቲ ምስ ተቛጸሩ፡ ብዙሓት ኰይኖም ናብታ ዝዓረፈላ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ድማ፡ ካብ ሕጊ ሙሴን+ ካብ ነብያትን+ ብዛዕባ የሱስ+ ምእንቲ ኼእምኖም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እናመስከረ ገለጸሎም። 24 ገሊኣቶም ነቲ ዝበሎ ኣመንዎ፣ ገሊኣቶም ግና ኣይኣመንዎን። 25 ንሓድሕዶም ምስምማዕ ስኢኖም ኪኸዱ ምስ ተበገሱ ኸኣ፡ ጳውሎስ እዚ ቓል እዚ ተዛረቦም፦
“መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንኣቦታትኩም ጽቡቕ እዩ ተዛሪብዎም፣ 26 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ፡ ከምዚ በሎም፦ “ብርግጽ ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣ ብርግጽ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም።+ 27 ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ እሞ፡ ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ከይሰምዑ፡ ብልቦም ከይርድኡ፡ ከይምለሱ፡ ኣነ እውን ከየሕውዮምሲ፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ኣይሃቡን፡ ኣዒንቶም ከኣ ዓሚቶም እዮም።”’+ 28 እምበኣር፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ድሕነት ናብ ኣህዛብ ከም እተላእከ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣+ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።”+ 29 *——
30 ኣብታ እተኻረያ ቤት ከኣ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣+ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዝመጹ እውን ብጽቡቕ ይቕበሎም ነበረ፣ 31 ከይተኸልከለ ድማ ብብዙሕ ትብዓት+ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎምን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህሮምን ነበረ።