1 ተሰሎንቄ
4 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ኸም ዚግብኣኩም ካባና ትእዛዝ እተቐበልኩም፡+ ከምቲ እትመላለስዎ እውን ዘለኹም፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምሕጸነኩምን ኣለና። 2 ብጐይታና የሱስ ዝሃብናኩም ትእዛዛትሲ ትፈልጥዎ ኢኹም።
3 ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+ 4 ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ* ብቕድስናን+ ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣+ 5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ+ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ+ ድማ ኣይትመርሑ። 6 ሓደ እኳ በዚ ነገር እዚ ኻብ ግቡእ ደረት ኣይሕለፍ፡ ንሓዉ እውን ኣይበለጸሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዘጠንቀቕናኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ* እዩ። 7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን።+ 8 ስለዚ፡ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንዓኻትኩም ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ+ ኣምላኽ እምበር፡+ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።
9 ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ 10 ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት እውን ከምኡ ትገብሩሎም ኣለኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና። 11 ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ብህድኣት ክትነብሩን+ ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን+ ብኣእዳውኩም ክትዓይዩን+ ጽዓቱ፣ 12 በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደለኹም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብኣደብ ትመላለሱ።+
13 ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡+ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም* ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ 14 የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንናስ፡+ እቶም ብየሱስ ዝሞቱ* እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።+ 15 ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ* ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ* ንነግረኩም ኣለና፣ 16 ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን+ ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም።+ 17 ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡+ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣+ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።+ 18 ስለዚ፡ በዘን ቃላት እዚአን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።