ማቴዎስ
14 በቲ ግዜ እቲ፡ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ፡* ወረ የሱስ ሰምዐ።+ 2 ንገላዉኡ ኸኣ፡ “እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብእኡ ግብርታት ሓይሊ ዚግበር ዘሎ” በሎም።+ 3 ሄሮድስሲ* ንዮሃንስ፡ ብሰሪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ሒዙ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።+ 4 ምኽንያቱ፡ ዮሃንስ፡ “ናትካ ኽትገብራ ኣይተፈቕደልካን” ይብሎ ነበረ።+ 5 ይኹን እምበር፡ ኪቐትሎ ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ፈርሆም።+ 6 ሄሮድስ ዕለተ ልደቱ ኼብዕል ከሎ፡+ ጓል ሄሮድያዳ ኣብኡ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስ ከኣ ብዙሕ ኣሐጐሰቶ።+ 7 ስለዚ ድማ፡ ዝደለየቶ ዘበለ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 ንሳ እውን ከምቲ ኣዲኣ ዝበለታ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ኣብ ሸሓኒ ጌርካ ኣብዚ ሃበኒ” በለቶ።+ 9 እቲ ንጉስ ዋላ እኳ እንተ ጐሃየ፡ ስለቲ ማሕላታቱን ስለቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩን ኢሉ፡ ኪውሃባ ኣዘዘ። 10 ልኢኹ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ርእሲ ዮሃንስ ኣሰየፈ። 11 እታ ርእሱ ኣብ ሸሓኒ ተገይራ ነታ ጓል ተዋህበታ፣ ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ፣ ከይዶም ድማ ንየሱስ ነገርዎ። 13 የሱስ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብሕት ኪብል ኢሉ፡ ካብኡ ብጃልባ ነቒሉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ግና ብዛዕባ እዚ ሰሚዖም፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዓብዎ።+
14 ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡+ ሕሙማቶም እውን ኣሕወየ።+ 15 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ እሞ፡ ነዞም ህዝቢ ናብ ኣቝሻት ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 16 የሱስ ግና፡ “ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ብዘይካ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን፡ ገለ እኳ የብልናን” በልዎ። 18 ንሱ እውን፡ “ናባይ ኣምጽእዎ” በሎም። 19 ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ድማ ናብ ሰማይ ጠመተ እሞ ባሪኹ፡+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። 20 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ 12 መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ 21 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት 5,000 ሰብኡት ነበሩ።+ 22 ብኡብኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኸም ዚድይቡ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብቶም ድማ፡ ናብ ስግር ከም ዚቕድምዎ ገበረ።+
23 ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸኣ፡ ኪጽሊ ኢሉ በይኑ ናብ ከረን ደየበ።+ ምስ መሰየ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24 ሽዑ፡ እታ ጃልባ ኻብ ምድሪ ኣማእታት ሜተራት* ርሒቓ ነበረት፣ ንፋስ ኣንጻሮም ብምንባሩ ድማ፡ ምስ ማዕበል ትቃለስ ነበረት። 25 ንሱ ግና ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ኣብ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ለይቲ* ናባታቶም በጽሐ። 26 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ “ምትሃት እዩ!” እናበሉ ተረበሹ፣ ብፍርሂ ድማ ኣእወዩ። 27 የሱስ ግና ብኡብኡ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ተዛረቦም።+ 28 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” ኢሉ መለሰሉ። 29 ንሱ ድማ፡ “ንዓ!” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ከደ። 30 ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!” ኢሉ ኣእወየ። 31 የሱስ ብኡብኡ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” በሎ።+ 32 ናብታ ጃልባ ምስ ደየቡ፡ እቲ ህቦብላ ንፋስ ሃድአ። 33 ሽዑ፡ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ሰገዱሉ።* 34 ተሳጊሮም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጹ።+
35 እቶም ሰብ እቲ ዓዲ ምስ ኣለለይዎ፡ ናብ ኵሉ እቲ ጐደቦታት ለኣኹ፣ ኵሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። 36 ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ፣+ ኵሎም እቶም ዝተንከዩ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ሓወዩ።