መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር።
109 ኣታ ዝውድሰካ ኣምላኽ፡+ ስቕ ኣይትበል።
2 እኩይን መታለልንሲ ኣፎም ይኸፍቱለይ ኣለዉ።
4 ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ይጻረሩኒ፣+
ኣነ ግና እጽሊ ኣለኹ።
6 ኣብ ልዕሊኡ እኩይ ሽም፣
ኣብ የማኑ ድማ ተጻራሪ* ይቑም።
9 ደቁ ዘኽታማት ይኹኑ፣
ሰበይቱ እውን መበለት ትኹን።
10 ደቁ ዀለል ዚብሉ ለመንቲ ይኹኑ፣
ካብ ዝዓነዋ ኣባይቶም ርሒቖም ምግቢ ይማእርሩ።
11 ንዘለዎ ዅሉ፡ ኣለቃሒኡ ይሓዞ፣*
ጓኖት ከኣ ንጥሪቱ ይዝመትዎ።
12 ሓደ እኳ ኣይለውሃሉ፣*
ንዘኽታማቱ ድማ ሓደ እኳ ሞገስ ኣየርእዮም።
13 ሓድጉ ይመንቈሱ፣+
ስሞም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ይደምሰስ።
14 ስሕተት ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዘከር፣+
ሓጢኣት ኣዲኡ ድማ ኣይደምሰስ።
15 የሆዋ ወትሩ ዝገበርዎ ይዘክር፣
መዘከርታኦም ከኣ ካብ ምድሪ የጥፍእ።+
17 ምርጋም ፈተወ እሞ፡ ንሱ ድማ መጾ፣
ምምራቕ ኣይበሃገን እሞ፡ ምርቓ ኣይረኸበን።
18 ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድኖ።
ንሱ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጢ ሰብነቱ፡
ከም ዘይቲ ናብ ውሽጢ ኣዕጽምቱ ሰረጸ።
19 መርገሙ ኸምቲ ዚጕልበቦ ኽዳን፡+
ከምቲ ወትሩ ዚዕጠቖ ዕጣቕ ይኹኖ።
21 ንስኻ ግና የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡
ስለ ስምካ ኢልካ ግበረለይ።+
ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ።+
23 ከም ዚሃስስ ጽላሎት እሓልፍ ኣለኹ፣
ከም ኣንበጣ እረግፍ ኣለኹ።
24 ኣብራኸይ ብጾም ረብሪበን፣
ሰብነተይ ዓቢሩ፣ ኣነ ድማ ማህሚነ።*
25 መባጨዊኦም ኰይነ።+
ምስ ዚርእዩኒ፡ ርእሶም ይንቕንቑ።+
26 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፣
በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።
27 እዚ ብኢድካ ምዃኑ፡
ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ይፍለጡ።
28 ንሳቶም ይርገሙ፣ ንስኻ ግና ባርኽ።
ምስ ተንስኡኒ፡ ይሕፈሩ፣
ጊልያኻ ግና ይተሓጐስ።
30 ኣፈይ ንየሆዋ ኣዝዩ ኺውድሶ እዩ፣
ኣብ ቅድሚ ብዙሓት እውን ክውድሶ እየ።+