ዮሃንስ
21 ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጢቤርያስ ከም ብሓድሽ ተጋህደሎም።* በዚ ኸምዚ እውን ተጋህደሎም። 2 ስምኦን ጴጥሮስን እቲ ማንታ ዚብሃል ቶማስን+ ናትናኤል+ ብዓል ቃና ናይ ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን+ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓባር ነበሩ። 3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና እውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ደየቡ፣ በታ ለይቲ እቲኣ ግና ሓደ እኳ ኣይሓዙን።+
4 ኪወግሕ ምስ በለ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና የሱስ ምዃኑ ኣየለለይዎን ነበሩ።+ 5 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ* የብልኩምን፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ፡ ንሳቶም ደርበይዎ፣ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ግና፡ ኪስሕብዎ ኣይከኣሉን።+ 7 ሽዑ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር+ ንጴጥሮስ፡ “ጐይታና እዩ!” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ ጥራዩ* ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ፡ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ኣስታት 90 ሜተር* ጥራይ እምበር፡ ብዙሕ ርሒቖም ስለ ዘይነበሩ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናጐተትዎ፡ በታ ንእሽቶ ጃልባ መጹ።
9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ግና፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። 10 የሱስ ከኣ፡ “ካብዚ ሕጂ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ” በሎም። 11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፡ ነቲ 153 ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐድደን። 12 የሱስ ድማ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። 13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሃቦም፣ ከምኡ እውን ነቲ ዓሳ። 14 የሱስ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ እተጋህደሎም፡ እዚ ሳልሳይ ሳዕ እዩ።+
15 ምስ ቈረሱ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ።+ 16 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ እውን፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ።+ 17 ሳልሳይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ትፈትወኒ ዲኻ፧” በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሳልሳይ ሳዕ፡ “ትፈትወኒ ዲኻ፧” ኢሉ ስለ ዝሓተቶ ጕህዩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ።+ 18 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ብንእስነትካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኽትዝርግሕ፡ ካልእ እውን ኬዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮ እውን ኪወስደካ እዩ” በሎ። 19 ብኸመይ ዝበለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ኼመልክት ኢሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ።+
20 ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ፣+ ንሱ ኸኣ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ እተጸግዐን “ጐይታይ፡ መን እዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ፧” ዝበሎን እዩ። 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንዕኡ ምስ ረኣዮ፡ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ እዚኸ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንሱ ኺጸንሕ እንተ ደልየስ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ። 23 ስለዚ፡ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንሱ ኺጸንሕ እንተ ደልየስ፡ እንታይ ገዲሱካ፧” ደኣ እዩ ዝበለ እምበር፡ ከም ዘይመውትሲ ኣይተዛረቦን።
24 እቲ ብዛዕባ እዚ ዝመስከረን ዝጸሓፈን ወደ መዝሙር፡ እዚ እዩ፣+ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንፈልጥ ኢና።
25 የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ካልእ ኣሎ፣ ብዝርዝር ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጻሕፍቲ፡ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።+