54 “ደቂ እታ በይና ዘላ፡
ካብ ደቂ እታ ምስ ሰብኣይ ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡+
ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ!+
ኣቲ ቕልውላው ዘይሓዛ፡+ ተሓጐሲ፡ እልል እውን በሊ!”+ ይብል የሆዋ።
2 “ቦታ ድንኳንኪ ኣግፍሒ።+
ዓለባታት ድንኳን እቲ ዓብዪ ማሕደርኪ ዘርግሒ።
ኣይትግትኢ፡ ኣግማድ ድንኳንኪ ኣንውሒ፣
ሽኻላት ድንኳንኪ እውን ኣበርትዒ።+
3 ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ።
ዘርእኺ ንኣህዛብ ኪወርሶም፡
ነተን ዝባደማ ኸተማታት ድማ ኪነብረን እዩ።+
4 ኣይክትሓንክን ኢኺ እሞ፡+ ኣይትፍርሂ፣+
ኣይክትሓፍርን ኢኺ እሞ፡ ውርደት ኣይሰማዕኪ።
ሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡
ውርደት ምብልውናኺ ኸኣ ደጊም ኣይክትዝክርን ኢኺ።”
5 “እቲ ዓብዪ ገባሪኺ+ ኸም ሰብኣይኪ እዩ፣+
ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ተበጃዊኺ እዩ።+
ንሱ ኣምላኽ ብዘላ ምድሪ ኺብሃል እዩ።+
6 የሆዋስ ሕድግትን ጕህይትን ሰበይቲ ኸም ዝዀነት፡+
ብንእስነታ ተመርዕያስ ደሓር ከም እተገድፈት ሰበይቲ ገይሩ ጸዊዑኪ” ይብል ኣምላኽኪ።
7 “ንሓጺር ህሞት ሓዲገኪ ነይረ፣
ብዓብዪ ምሕረት ግና ክእክበኪ እየ።+
8 ብዕልቕልቕ ቍጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ካባኺ ሓቢአ ነይረ፣+
በቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ግና ክምሕረኪ እየ”+ ይብል እቲ ተበጃዊኺ+ የሆዋ።
9 “እዚ ንዓይ ከም ዘመን ኖህ እዩ።+
ከምቲ ማያት ኖህ ንምድሪ ኸም ዘይከድና ዝመሓልኩ፡+
ከምኡ ድማ ከም ዘይቍጥዓክን ከም ዘይገንሓክን እምሕል ኣለኹ።+
10 ኣኽራንሲ ይለግሱ፡
ኵርባታት ድማ ይናወጹ ይዀኑ፡
ብተኣማንነት ዘርእየኪ ፍቕረይ ግና ካባኺ ኣይኬልግስን፡+
ኪዳን ሰላመይ እውን ኣይኪናወጽን እዩ”+ ይብል እቲ ዚምሕረኪ የሆዋ።+
11 “ኣቲ ውጽዕትን+ ብህቦብላ እተደፍአትን ዘይተጸናንዐትን፡+
ኣእማንኪ ምስ ጽኑዕ ጭቃ መንደቕ፡
መሰረትኪ ኸኣ ምስ ሰፊሮስ ከንብር እየ።+
12 ንመጋረዲታትኪ ብሮቢኖስ፡
ንኣፍ ደገታትኪ ብዜብለጭልጭ ኣእማን፡
ንዅሉ ዶባትኪ ድማ ብኽቡራት ኣእማን ክገብሮ እየ።
13 ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም፣+
ሰላም ደቅኺ እውን ብዙሕ ኪኸውን እዩ።+
14 ኣብ ጽድቂ ብጽኑዕ ክትስረቲ፡+
ካብ ጭቈና ድማ ክትርሕቂ ኢኺ፣+
ገለ እኳ ኣይክትፈርህን፡ ሓደ እኳ ኣይኬሸብረክን እዩ።
እዝስ ኣይኪቐርበክን እዩ።+
15 ዜጥቅዓኪ እንተሎ፡
ብትእዛዘይ ኣይኰነን።
ንዓኺ ዜጥቅዕ ዘበለ ብሰርኺ ኺወድቕ እዩ።”+
16 “እንሆ፡ ነቲ ንፈሓም ነፊሑ ዜጕህሮ፡
ብዕዮኡ ኸኣ ኣጽዋር ዜፍሪ
ኢደ ጥበበኛ ኣነ እየ ፈጢረዮ።
ነቲ ዜዕኑ መጥፍኢ ዝፈጠርክዎ እውን ኣነ እየ።+
17 ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ፣+
ንዅሉ እቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ልሳን ድማ ክትኵንንዮ ኢኺ።
እዚ፡ ርስቲ ገላዉ የሆዋ እዩ፣
ጽድቆም እውን ካባይ እዩ” ይብል የሆዋ።+