ህዝቅኤል
47 ሽዑ፡ ናብ መእተዊ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፣+ ቅድሚት እታ ቤተ መቕደስ ናብ ምብራቕ ዜብል እዩ ነይሩ እሞ፡ ኣብኡ ኻብ ትሕቲ ድርኵዂት እታ ቤተ መቕደስ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚውሕዝ ማይ ረኣኹ።+ እቲ ማይ ካብ ትሕቲ የማናይ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ፡ ካብ ደቡብ እቲ መሰውኢ ይውሕዝ ነበረ።
2 ሽዑ፡ ብመገዲ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ+ መሪሑ ኣውጽኣኒ፡ ናብ ወጻኢ ኸኣ ወሰደኒ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ+ እውን ኣዞረኒ፣ ካብ የማናይ ሸነኽ ድማ ማይ ቀስ ኢሉ ይውሕዝ ነበረ።
3 እቲ ሰብኣይ ገመድ መለክዒ ኣብ ኢዱ ሒዙ+ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፡ 1,000 እመት* ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ዓካሪቶይ በጽሐ።
4 ሽዑ፡ ካልእ 1,000 እመት ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ኣብራኸይ በጽሐ።
ካልእ 1,000 እመት ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ምሕኵልተይ በጽሐ።
5 ካልእ 1,000 እመት ምስ ለክዐ፡ እቲ ማይ እናኸድኩ ኽሰግሮ ዘይከኣል ኰነ፣ እቲ ማይሲ ኸይሓምበስካ ኺስገር ዘይከኣል ዓሚቝ፡ ብእግሪ ኺስገር ዘይከኣል ውሒዝ ኰነ።
6 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
ሽዑ፡ መሪሑ ናብ ገምገም እቲ ውሒዝ መለሰኒ። 7 ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣእዋም ምህላዉ ረኣኹ።+ 8 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እዚ ማይ እዚ ናብ ምብራቓዊ ዞባ ይውሕዝ፡ ናብ ዓራባ*+ ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይኣቱ እዩ። ናብ ባሕሪ+ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ኪሓዊ እዩ። 9 ኣብቲ እቲ ማያት* ዝወሓዞ ዘበለ፡ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ህያዋን ፍጡራት* ብህይወት ኪነብሩ እዮም። እዚ ማይ እዚ ናብኡ ኺውሕዝ እዩ እሞ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ኪህልዉ እዮም። እቲ ማይ ባሕሪ ኺሓዊ እዩ፣ እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።
10 “ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ጥቓኡ ኪቘሙ፡ ካብ ዔን-ገዲ+ ኽሳብ ዔን-ኤግላይም እውን መስጥሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ከም ዓሳታት እቲ ዓብዪ ባሕሪ*+ ኣዝዮም ብዙሓት ዓይነት ዓሳታት ኪህልዉ እዮም።
11 “ዓዘቕትን ረግረግን ኪህልዎ እዩ፣ እዚ ግና ኣይኪሓውን እዩ። ንጨው ደኣ ኺሕደግ እዩ።+
12 “ኣብ ክልቲኡ ገምገም እቲ ውሒዝ ኵሉ ዓይነት ዚብላዕ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቝጽልቱ ኸኣ ኣይኪጽምሉን፡ ፍሪኡ እውን ኣይኬቋርጽን እዩ። እቲ ንዕኡ ዚኸውን ማይ ካብታ መቕደስ ስለ ዚውሕዝ፡ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ እዩ።+ ፍሪኡ ንምግቢ፡ ኣቝጽልቱ እውን ንፈውሲ ኪኸውን እዩ።”+
13 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እታ ን12 ነገዳት እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትምድብዋ ሃገር እዚኣ እያ፣ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ግደ ኺረክብ እዩ።+ 14 ክትወርስዋን ማዕረ ብጽሒት ክትቅበሉን ኢኹም።* እዛ ምድሪ እዚኣ ንኣቦታትኩም ክህቦም ምሒለ እየ፣+ ሕጂ ኸኣ ንዓኻትኩም ርስትኹም ክትከውን ተመዲባ* እያ።
15 “ሰሜናዊ ሸነኽ ዶብ እታ ምድሪ እዚ እዩ፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ኣትሒዙ ብመገዲ ሔትሎን+ ናብ ጸዳድን+ 16 ሓማትን+ ቤሮታን+ ሲብራይምን ይበጽሕ፣ እዚ ኣብ መንጎ ሃገር ደማስቆን ሃገር ሓማትን ክሳብ እቲ ኣብ ዶብ ሓውራን+ ዘሎ ሓጸር-ሓቲኮን ዚርከብ እዩ። 17 ስለዚ፡ እቲ ዶብ ካብ ባሕሪ ኽሳብ ሓጻር-ዔኖን+ ኪበጽሕ፡ በቲ ብሰሜን ዘሎ ዶብ ደማስቆን ዶብ ሓማትን+ ኣቢሉ እውን ኪሓልፍ እዩ። እቲ ሰሜናዊ ዶብ እዚ እዩ።
18 “እቲ ምብራቓዊ ዶብ ከኣ ኣብ መንጎ ሓውራንን ደማስቆን ኣብ መንጎ ጊልዓድን+ ምድሪ እስራኤልን ብዮርዳኖስ ይዝርጋሕ። ካብ ዶብ ናብቲ ምብራቓዊ ባሕሪ* ለክዑ። እቲ ምብራቓዊ ዶብ እዚ እዩ።
19 “እቲ ደቡባዊ ዶብ* ድማ ካብ ታማር ናብ ማያት መሪባ-ቃዴስ፡+ ካብኡ እውን ናብቲ ርባን* ናብቲ ዓብዪ ባሕርን+ ኪኸውን እዩ። እቲ ደቡባዊ ዶብ* እዚ እዩ።
20 “ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከኣ ካብቲ ዶብ ክሳብ እቲ ኣብ መንጽር ለቦ-ሓማት*+ ዘሎ ነቝጣ፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኣሎ። እቲ ምዕራባዊ ዶብ እዚ እዩ።”
21 “ነዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ መንጎኹም፡ ኣብ መንጎ እቶም 12 ነገዳት እስራኤል ተማቐልዋ። 22 ንዓኻትኩምን ነቶም ኣብ መንጎኹም እናነበሩ ውሉዳት ዝወለዱ ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖትን ርስቲ ኽትከውን ተማቐልዋ፣ ንሳቶም ከኣ ከም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ድማ ምሳኻትኩም ርስቲ ኪቕበሉ እዮም። 23 ንጓና ኣብ ሃገር እቲ ዚነብረሉ ነገድ ርስቲ ሃብዎ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።