1 ዜና መዋእል
16 ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣምጺኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ።+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣቕረቡ።+ 2 ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም የሆዋ መረቖ። 3 ንዅሎም እስራኤላውያን ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን መቐሎም። 4 ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ኼገልግሉን+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎን* ኬመስግንዎን ኪውድስዎን ሸሞም። 5 ኣሳፍ+ እቲ ርእሲ፡ ካልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ ነበረ፣ የዒኤል፡ ሸሚራሞት፡ የሒኤል፡ ማቲትያ፡ ኤልያብ፡ በናያ፡ ዖቤድ-ኤዶም፡ የዒኤል+ ድማ ብበገናን ብመሰንቆን* ይጻወቱ ነበሩ፣+ ኣሳፍ ከኣ ብጸናጽል ሸሓኒ ይጻወት ነበረ፣+ 6 በናያን ያሓዚኤልን ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
7 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብኣሳፍን+ ብኣሕዋቱን ኣቢሉ፡ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ንፈለማ ግዜ ኣበርከተ፦
10 በቲ ቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+
ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+
11 ንየሆዋን ንብርታዐኡን ድለዩ።+
14 ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+
ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+
15 ኪዳኑ ንዘለኣለም፡
ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ዘክሩ፣+
16 እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+
ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ዘክሩ፣+
17 ነዚ ንያእቆብ ስርዓት፡
ንእስራኤል ድማ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ገይሩ ኣቘመሉ፡+
18 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ብጽሒት ርስትኹም ክትከውን፡+
ምድሪ ከነኣን ክህበካ እየ።’+
19 እዚ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ሒደት ከለኹም፡
እወ፡ ኣዚኹም ሒደትን ኣብታ ምድሪ ጓኖትን ከለኹም እዩ።+
20 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡
ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+
22 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡
ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም።’+
23 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ!
ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ንገሩ!+
24 ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡
ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ።
25 የሆዋስ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ።
ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።+
28 ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፡
ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+
30 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ!
32 ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣
መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።
33 ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ* ኣሎ እሞ፡
ሽዑ፡ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል።
36 የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።’”
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ “ኣሜን”* ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ።
37 ዳዊት ከኣ ንኣሳፍን+ ንኣሕዋቱን፡ ከምቲ መዓልታዊ ልማድ ገይሮም፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ወትሩ ኼገልግሉ፡+ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ሓደጎም። 38 ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቱን፡ 68 ዝቝጽሮም ነበሩ፣ ዖቤድ-ኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ድማ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ፣ 39 ካህን ጻዶቅን+ ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ኰይኖም፡+ 40 ኣብቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ወትሩ ንግሆን ምሸትን ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡሉ ነበሩ፣ ኵሉ እቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ ኸኣ ይገብሩ ነበሩ።+ 41 ሄማንን የዱቱንን+ እቶም ብስሞም እተሰምዩ ዝተረፉ ሕሩያትን ድማ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እሞ፡+ ንየሆዋ ኼመስግንዎ፡+ ምሳታቶም ነበሩ። 42 ሄማንን+ የዱቱንን ከኣ፡ ደሃይ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን እቲ ንውዳሰ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ናውትን* ኬስምዑ፡ ምሳታቶም ነበሩ፣ ደቂ የዱቱን+ እውን ኣብቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። 43 ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ነናብ ቤቱ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ቤተ ሰቡ ኺባርኽ ከደ።