ኤርምያስ
20 እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ቐንዲ ብዓል መዚ ዝነበረ ኻህን ጳሽሑር ወዲ ኢመር፡ ኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኺንበ ኸሎ ይሰምዕ ነበረ። 2 ሽዑ፡ ጳሽሑር ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረት ላዕለወይቲ ኣፍ ደገ ብንያም ከኣ ኣብ ጕንዲ ኣሰሮ።+ 3 ንጽብሒቱ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብቲ ጕንዲ ምስ ፈትሖ ግና፡ ኤርምያስ ከምዚ በሎ፦
“የሆዋ፡ ጳሽሑር ኢሉ ዘይኰነስ፡ ሽበራ ኣብ ዙርያ ኢሉ ሰምዩካ ኣሎ።+ 4 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መሸበሪ ኽገብረካ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኣዒንትኻ እናረኣያ ብሰይፊ ጸላእቶም ኪወድቁ እዮም፣+ ንዅላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክህባ እየ፣ ንሱ ድማ ናብ ምርኮ ናብ ባቢሎን ኪወስዶም፡ ብሰይፊ እውን ኪቐትሎም እዩ።+ 5 ኵሉ ሃብቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ጥሪታን ኵሉ ኽቡር ነገራታን ኵሉ መዛግብቲ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህብ እየ።+ ንሳቶም ከኣ ኪዘምትዎን ኪሕዝዎን ናብ ባቢሎን ኪወስድዎን እዮም።+ 6 ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ዅሎምን ናብ ምርኮ ኽትከዱ ኢኹም። ናብ ባቢሎን ክትከይድን ኣብኣ ኽትመውትን ኢኻ፣ ሓሶት ተነቢኻሎም ኢኻ እሞ፡ ምስ ኵሎም ፈተውትኻ ኣብኣ ኽትቅበር ኢኻ።’”+
7 ኦ የሆዋ፡ ኣዐሺኻኒ፡ ኣነ እውን ዓሽየ።
በርቲዕካኒ፡ ስዒርካኒ ድማ።+
ምሉእ መዓልቲ መስሓቒ ዀይነ፣
ኵሉ የላግጸለይ ኣሎ።+
8 ብእተዛረብኩ መጠን አእዊ፡
“ዓመጻን ጥፍኣትን!” ኢለ እጭርሕ ኣለኹ።
ቃል የሆዋስ ምሉእ መዓልቲ መጽረፍን መባጨውን ኰይኑኒ።+
10 ብዙሕ ክፉእ ወረስ ሰሚዐ እየ፣
ሽበራ ኸቢቡኒ ኣሎ።+
“ኰንንዎ፣ ንዀንኖ!”
ኵሉ እቲ ሰላም ዚምነየለይ ሰብ፡ ውድቀተይ ይጽበ ኣሎ፦+
“ምናልባት ብዕሽነት ይጋገ ይኸውን፣
ክንስዕሮን ሕነና ኽንፈድን ድማ ኢና።”
11 ግናኸ፡ የሆዋ ኸም ዜፍርህ ጅግና ምሳይ እዩ።+
ስለዚ፡ እቶም ሰጐጕተይ ኪዕንቀፉ፡ ኣይኪስዕሩን እውን እዮም።+
ኣይኪሰልጦምን እዩ እሞ፡ ኣዝዮም ኪሓፍሩ እዮም።
ዘለኣለማዊ ውርደቶም ኣይኪርሳዕን እዩ።+
14 እታ እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን!
እታ ኣደይ ንዓይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ!+
15 እቲ ንኣቦይ ዘበሰሮ፡
“ወዲ፡ እወ ተባዕታይ ተወሊዱልካ” ዝበሎ እሞ፡
ብዙሕ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን!
16 እቲ ሰብ እቲ ኸምተን የሆዋ ብዘይ ጣዕሳ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን።
ንግሆ ኣውያት፡ ቀትሪ ድማ ደሃይ መጠንቀቕታ ይስማዕ።