መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መስኪል።* ናይ ፍቕሪ መዝሙር።
45 ልበይ ብጽቡቕ ነገር ይለዓዓል ኣሎ።
2 ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ።
ካብ ከናፍርካ ጥዑም ዘረባ ይፈስስ።+
ስለዚ እዩ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝባረኸካ።+
የማነይትኻ ዜፍርህ ነገራት ክትገብር* እያ።
ስለዚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ+ ቐቢኡካ።+
9 ኣዋልድ ነገስታት ኣብ መንጎ ኽቡራት እመቤታትካ እየን።
እታ ሰበይቲ ንጉስ* ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ቘይማ ኣላ።+
10 ጓለየ፡ ስምዒ፡ ኣቕልቢ፡ እዝንኺ እውን ኣድንኒ፣
ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
14 ብጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንታ* ተኸዲና ናብ ንጉስ ትመጽእ።
ዚስዕባኣ ደናግል ኣዳኖታታ ኣብ ቅድሜኻ ይቐርባ።
15 ብሓጐስን ብደስታን ኪመጻ፡
ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ድማ ኪኣትዋ እየን።
16 ደቅኻ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ እዮም።
ኣብ ኵላ ምድሪ ኸኣ መሳፍንቲ ጌርካ ኽትሸሞም ኢኻ።+
17 ስምካ ንውሉድ ወለዶ ኸም ዚፍለጥ ክገብሮ እየ።+
ስለዚ እዮም ህዝብታት ንዘለኣለመ ኣለም ዚውድሱኻ።