መዝሙር
ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ።+
ክብርን ግርማን ዝለበስካ ኢኻ።+
4 መላእኽቱ መናፍስቲ፡
ኣገልገልቱ እውን ዚባላዕ ሓዊ ይገብር።+
6 ከም ብልብሲ ብመዓሙቝ ማያት ከደንካያ።+
ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ።
9 ንምድሪ ኸም ብሓድሽ ከይከድንዋስ፡
ዘይሓልፍዎ ደረት ገበርካሎም።+
10 ንሱ ናብ ስንጭሮታት፡* ዓይኒ ማያት ሰደደ፣
ኣብ መንጎ ኣኽራን ከኣ ይውሕዝ።
11 ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትዮ፣
ኣእዱግ በረኻ ይረውዩሉ።
12 ኣብ ልዕሊኡ ኣዕዋፍ ሰማይ ይሰፍራ፣
ካብ መንጎ እቲ ልሙዕ ጨናፍር ከኣ ይዝምራ።
13 ንሱ ንኣኽራን ካብ ደርብታቱ የስትዮ።+
ምድሪ ብፍረ ተግባራትካ ትጸግብ።+
14 ካብ ምድሪ ምግቢ ኼብቍልሲ፡
ሳዕሪ ንኸብቲ፡
ኣትክልቲ ድማ ንጥቕሚ ሰብ የብቍል፣+
ዘይቲ ድማ ንገጹ ኼብርሆ፡
እንጌራ እውን ንልቢ መዋቲ ሰብ ኬጽንዖ ኢሉ ኸምኡ ይገብር።+
16 ኣእዋም የሆዋን
እቲ ንሱ ዝተኸሎ ቄድሮሳት ሊባኖስን ይጸግብ፣
17 ኣብኡ ኣዕዋፍ ሰፈረን ይሰርሓ።
19 ወርሒ ንምልክት ምዱብ ግዜያት ገበራ፣
ጸሓይ ከኣ መዓስ ከም እትዓርብ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ።+
20 ንስኻ ጸልማት ተምጽእ፡ ለይቲ እውን ይኸውን፣+
ሽዑ፡ ኵሎም እንስሳታት ዱር ይዛወሩ።
22 ጸሓይ ምስ በረቐት፡
ይምለሱ፡ ኣብ መሕብኢኦም እውን ይድቅሱ።
23 ሰብ ናብ ዕዮኡ ይኸይድ፣
ክሳዕ ምሸት ድማ ይሽቅል።
24 ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+
ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ።+
ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ።
25 ቍጽሪ ዘይብሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ህያዋን ዝመልእዎ
ዓብይን ሰፊሕን ባሕሪ እንሆ።+
27 ምግቦም በብግዜኡ ኽትህቦምሲ፡
ኵሎም ንዓኻ ይጽበዩ።+
28 እትህቦም ዘበለ ይእክቡ።+
ኢድካ ምስ ከፈትካ፡ ብጽቡቕ ነገር ይጸግቡ።+
29 ገጽካ ምስ ሓባእካ፡ ይርበሹ።
መንፈሶም እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ፡ ናብ ሓመድ እውን ይምለሱ።+
31 ክብሪ የሆዋ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።
የሆዋ ብግብርታቱ ኺሕጐስ እዩ።+
32 ንምድሪ ይጥምታ፡ ንሳ ድማ ራዕራዕ ትብል፣
ንኣኽራን ይትንክዮም፡ ንሳቶም ከኣ ይተክኩ።+
ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ።
35 ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም፣
እኩያት እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+