ሮሜ
5 እምበኣር፡ ሳላ እምነት ካብ ጸደቕና፡*+ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፣*+ 2 ብእኡ ኸኣ ብእምነት ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ፡ መእተዊ ረኺብና ኣለና፣+ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ እውን ንተሓጐስ።* 3 በዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸበባ እውን ንተሓጐስ፣*+ ምኽንያቱ፡ ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና፣+ 4 ተጻዋርነት ድማ እተፈተነ ብቕዓት፣+ እተፈተነ ብቕዓት እውን ተስፋ፣+ 5 ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ኸኣ፡+ እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።+
6 ገና ድኹማት ከለናስ፡+ ክርስቶስ ኣብ ምዱብ ግዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞይቱ እዩ። 7 ምእንቲ ጻድቕ ዚመውትሲ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍር እኳ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን። 8 ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።+ 9 እምበኣር፡ ሕጂ ብደሙ ኻብ ጸደቕና፡+ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን!+ 10 ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ኻብ ተዓረቕናስ፡+ ምስ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን! 11 እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና፡+ ብኣምላኽ እውን ንሕጐስ ኢና።
12 ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡+ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ+—። 13 ሕጊ ቕድሚ ምምጻኡስ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነይሩ እዩ፣ ሕጊ ኸየሎ ግና፡ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ።+ 14 ግናኸ፡ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፡ ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነጊሱ እዩ፣ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ኺመጽእ ዝነበሮ እዩ።+
15 ግናኸ፡ እቲ ውህበት ከምቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙሓት ካብ ሞቱ፡ ጸጋ ኣምላኽን በቲ ሓደ ሰብ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብጸጋ እተዋህበ ናጻ ውህበቱን ግዳ ኽንደይ ኣብ ብዙሓት ኣዝዩ ዘይዓዝዝ!*+ 16 እቲ ናጻ ውህበት ከምቲ ሓደ ዝገበሮ ሓጢኣት እውን ኣይኰነን።+ ድሕሪ ሓንቲ ኣበሳ ዝመጸ ፍርድስ ኵነኔ እዩ፣+ ድሕሪ ብዙሕ ኣበሳ ዝመጸ ውህበት ግና፡ ምጽዳቕ እዩ።+ 17 ከመይሲ፡ ብኣበሳ እቲ ሓደ፡ ሞት በቲ ሓደ ኻብ ነገሰ፡+ እቶም ብዙሕ ጸጋን ናጻ ውህበት ጽድቅን+ እተቐበሉ ግዳ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣዝዮም ዘይነግሱ!+
18 እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡+ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡* ኵሉ ዓይነት ሰብ+ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ።+ 19 ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡+ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።+ 20 ሕጊ ዝመጸስ፡ ኣበሳ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ።+ ግናኸ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዚዙ እዩ። 21 ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡+ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።+