መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። መስኪል።* ናይ ዳዊት።
2 ኣቕልበለይን መልሰለይን።+
ንሳቶምሲ ሽግር ኣብ ልዕለይ ኰሚሮምለይ ኣለዉ፣
ብቝጥዓ ድማ ይጸልኡኒ ኣለዉ።+
5 ፍርህን ራዕድን መጺኡኒ፡
ምንቅጥቃጥ ድማ ሒዙኒ ኣሎ።
6 “ኣየ፡ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወኒ!
ነፊረ ብደሓን ምነበርኩ ነይረ።
7 እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ ነይረ።+
ኣብ በረኻ እውን ምሓደርኩ ነይረ።+ (ሴላ)
8 ካብ ብርቱዕ ንፋስ፡ ካብ ህቦብላ
ናብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ ነይረ” እብል።
10 መዓልትን ለይትን ኣብ መካበብያኣ ይዞሩ፣
ኣብ ውሽጣ ሕሰምን ሽግርን ኣሎ።+
11 ኣብ ማእከላ ዕንወት ኣሎ፣
ጭቈናን ምትላልን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።+
እቲ ዝተንስኣኒ ኸኣ፡ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣
እንተ ዚኸውንሲ ኻብኡ ምተሓባእኩ።
14 ብሓባር ጽቡቕ ዕርክነት ነስተማቕር ኔርና፣
ምስ ብዙሓት ድማ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኸይድ ኔርና።
15 እከይ ኣብ መንጎኦምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፡
ጥፍኣት ይውረዶም!+
እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርህዎ፡
ምልዋጥ ኪኣብዩ እዮም።+
21 ቃላቱ ኻብ ጠስሚ ይለዝብ፣+
ኣብ ልቡ ግና ግጭት ኣሎ።
ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣
ግናኸ፡ እተመልሐ ኣስያፍ እዩ።+
23 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ግና ናብ ዝዓመቘ ጕድጓድ ከተውርዶም ኢኻ።+
እቶም ዕዳ ደም ዘለዎምን መታለልትን ሰባት፡ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣይኪነብሩን እዮም።+
ኣነ ግና ብኣኻ እእመን* እየ።