ጸፎንያስ
3 እታ ዓላዊትን ብክልትን ጨቋኒትን ከተማ ወይለኣ!+
2 ድምጺ ኣይተኣዘዘትን፣+ ተግሳጽ ኣይተቐበለትን።+
ብየሆዋ ኣይተኣመነትን፣*+ ናብ ኣምላኻ ኣይቀረበትን።+
3 መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ ዚጓዝሙ ኣናብስ እዮም።+
ፈራዶኣ ብለይቲ ተዃሉ እዮም፣
ክሳዕ ንግሆ ኸኣ ዚቝርጠም ዓጽሚ እኳ ኣይሓድጉን።
5 የሆዋ ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣+ ንሱ ኣይብድልን እዩ።
ንግሆ ንግሆ፡ ከምቲ ዘይተርፍ ብርሃን፡
ፍርድታቱ የፍልጥ።+
ዓማጺ ግና ሕፍረት ኣይፈልጥን።+
6 “ኣነ ንኣህዛብ ኣጥፊአ፣ ግምብታት መኣዝኖም ባዲሙ ተሪፉ።
ሓደ እኳ ኸይሓልፍሲ፡ ጐደናታቶም ኣባዲመ።
ከተማታቶም ሰብ ዘይብለንን ነባሪ ዘይብለንን ዑናታት ኰይነን።+
ንሳቶም ግና ብዝያዳ ኺበላሸዉ ደልዮም።+
8 ‘ስለዚ፡ ንኣህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስትታት ክኣኻኽቦም፡
ቍጥዓይን ኵሉ ዚነድድ ኵራይን ክኽዕወሎም+ ፍርደይ እዩ እሞ፡
ክሳዕ እታ ኽዘምት* ዝትንስኣላ መዓልቲ
‘ብሓዊ ቕንኣተይሲ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።+
10 ካብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ፡
እቶም ዚልምኑኒ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።+
11 ሽዑ፡ ነቶም ዕቡያትን ምኩሓትን ካብ መንጎኺ ኸርሕቖም እየ፡
ኣብ ቅዱስ ከረነይ ከኣ ደጊም ከቶ ዕብይቲ ኣይክትኰንን ኢኺ እሞ፡+
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በቲ ኻባይ ዝዓሎኽዮ ዅሉ ግብርታትኪ
ኣይክትሓፍርን ኢኺ።+
13 እቶም ተረፍ እስራኤል+ ኣይኪዕምጹን እዮም፣+
ኣይኪሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም እውን መታለሊት ልሳን ኣይክትርከብን እያ፣
ኪበልዑን በጥ ኪብሉን እዮም፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”+
14 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ እልል በሊ!
ኣታ እስራኤል፡ ብዓወት ጨድር!+
ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ!+
15 የሆዋ ንፍርድታትኪ ኣርሒቕዎ እዩ።+
ንጸላኢኺ መሊስዎ እዩ።+
እቲ ንጉስ እስራኤል፡ የሆዋ፡ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+
ደጊም መዓት ኣይክትፈርህን ኢኺ።+
16 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም ከምዚ ኺብሃላ እዩ፦
“ኣቲ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ።+
ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።
ከም ጅግና፡ ኬድሕነኪ እዩ።
ብኣኺ ብዓብዪ ሓጐስ ኪፍሳህ እዩ።+
ብፍቕሩ ስቕ ኪብል* እዩ።
ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ።
ኣብ ኵሉ ምድሪ ሕፍረቶም፡
ንውዳሰን ንስምን ክገብሮም እየ።